Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤሪቲቪ (መደበር ሓሶት) መልሓሳ ሓዪኻ

ሕልና ዘለዎ ዘበለ ኤርትራዊ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ጓህን ሓዘንን ከም ዝቐነየ ኵሉ ደላይ ፍትሕን ለውጥን ዝፈልጦ ስለ ዝኾነ ምዝርዛሩ ዘድሊ ኣይመስለንን። ብዝኾነ፡ ዳርጋ ኣብተን ደሞክራሲ ኣለወን ዝብሃላ ሃገራት ዝነብር ደላዪ ፍትሕን ለውጥን ንዝኽሪ’ቶም ኣብ

ሕልና ዘለዎ ዘበለ ኤርትራዊ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ጓህን ሓዘንን ከም ዝቐነየ ኵሉ ደላይ ፍትሕን ለውጥን ዝፈልጦ ስለ ዝኾነ ምዝርዛሩ ዘድሊ ኣይመስለንን። ብዝኾነ፡ ዳርጋ ኣብተን ደሞክራሲ ኣለወን ዝብሃላ ሃገራት ዝነብር ደላዪ ፍትሕን ለውጥን ንዝኽሪ’ቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ብምጥሓል ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ዜጋታት ናይ ሕልና ጸሎት ከዕርግ ቀንዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብኣካል ናብ ደሴት ላምፐዱሳ ብምኻድ ስለቶም ግዳያት ጸሎተፍትሓት ከዕርጕ ከለዉ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ድማ እቲ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ሃገሩ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ፍጻሜ ሃገራዊ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ከም እትንጥልጠል ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ፕረሲደንት ኢጣልያ እቲ ፍጻሜ ብደቂቑ ክምርመር፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ዳግማይ መታን ከየጋጥም ድማ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣድላዪ ስጕምትታ ክወስዳ ተማሕጺኑ። ኮታ ምሉእ ሃገረ ኢጣልያ ነቲ ኣብ ኣፍደገኡ ዘጋጠመ ትራጀዲ ከም ጕዳዩ ብምርኣይ ብልቢ ሓዚኑን ተደናጊጹን። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ምስቶም ግዳያት ኢጣልያውያን ነይሮም ድዮም ዘብል ከም ዝነበረ ነፍስወከፍ ሕልና ዘለዎ ተዓዛባይ ዝምስክሮ እዩ። እንታይከ መበገሲኡ እንተ በልካ፡ ብሓጺሩ ናይቲ ህዝብን መንግስትን ሰብኣውነትን ርህራሀን ዝብል መልሲ ንረክብ። ሓደሓደ ግዜ ሕስብ ክተብሎ ከለኻ ንሕና ኤርትራውያን ንስቓይ ዝተፈጠርና ህዝቢ ኴንና ዶኾን ኢና ህዝብና ክንድዚ ግፍዒ ዝወርዶ ዘሎ ትብል ኢኻ። ናይ ዓሻ ደሓን ምኾነ፡ ለባም ሰብ ከምኡ ኢሉ እንተ ሓሲቡ ግን “ብለባምካ ኣይትዓሹ” ከም ዝብሃል ርግጸኛ እየ። ርግጸኛ እየ ድማ “ዕድሉ ኾይኑ እዚ ህዝብዚ” ዝብሉ ሰባት ከም ዘለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመዋእል ናጽነት ዝብሃል ኣይፈልጦን እዩ። ባዕሉ ህግደፍ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝተሳቐየ ህዝቢ እዩ እናበለ እዩ ንሃልኪ ፕሮፓጋንዳ ኢሉ ዓንገረር ክብል ዝውዕል። እዚ ኾይኑ ግን ባዕሉ ልዕሊ’ቶም ገዛእቲ ዝበሎም ባዕዳውያን ከሳቕዮ ይርአ ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ዘለናዮ ህሞት፡ መንእሰያት፡ ቈልዑ ደቂ ዓሰርተ ዓመት፡ ከምኡ’ውን ኣረጋውያን ልዕሊ ስሳ፡ ዓይነስዉራት ከይተረፉ ዶብ ሰጊሮም ዕቝባ ይሓቱ ኣለዉ። ዶብ ምስጋር ማለት ድማ እንተ ተረኺብካ በቶም “ንዝረኣኹሞ ሰብ ተኵስኩም ቅተሉዎ” ዝብል መምርሒ ዘለዎም ወተሃደራት ኢሳያስ ክትቅተል ስለ ትኽእል፡ ነዚ ምምርጫ’ዚ ምውሳድ ቦምባ ኤፍዋን ጨቢጥካ ንነዊሕ ሰዓታት ምጕዓዝ ወይ ከኣ ፈንጂ ኣብ ዝመልኦ ከባቢ ብእግርኻ ምጕዓዝ ኮታ ብሓጺሩ ብይወትካ ምጥላዕ ማለት እዩ። እሞ ሓደ ብትኽክል ዝሓስብ ጥዑይ ሰብ ነዚ ስጕምትዚ ዝወስድ እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ግድነት እዩ። ነዚ ንምምላስ ድማ ናይ ስነልቦና ተመራማሪ ምዃን ዘድሊ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ወዲሰብ ህይወቱ ኣብ ዝመርሓሉ ግዜ ብመክሰብን ክሳራን እናሓሰበ እዩ ዝጐዓዝ። ሓደ ነገር ዘየልምዖ እንተ ኾይኑ ፈጺሙ ከም ዘይኣትዎ ርዱእ እዩ። ህይወት ተስፋ ምስ ሰኣነላ፡ መሳቱኡ ኣብ ጥራይ ጐልጎል ብዘይፍርዲ ክእሰሩን ክሞቱን፡ ዓበይቲ መራሕቲ ሃገር ዝነበሩ ሽታታ ክተፍኡ ከለዉ፡ ኣያትታቱ ካብ ገዛ ምስ ወጹ ደሃይ ዘይብሎም ምስ ጠፍኡ፡ ብዓቢኡ ድማ ናበይቲ ገዛ ዝነበሩ ኣቦኡን ኣደኡን ወይ ዓበይቲ ኣሕዋቱን ሰሪሖም ክበልዑ ይትረፍ ፈተውቶም ብዘትመጽወቱሎም ገንዘብ ማይን ዝብላዕ ነገርን ክስእኑ ምስ ተዓዘበ፡ ካብ ኮፍ ኢልካ ሞት ፈቲንካ እንተ ሞትካ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ናይ ኮን ዶኾን ፈተነ ይኣቱ። ካብ ዘለኹዎ ዝኸፍእ ክመጽኣኒ ከቶ ኣይክእልን’ዩ ኢልካ ኣብ ትሓስበሉ እዋን እቲ ምርጫ ማዕረኡ ሓደገኛ ይኸውን።

ሓደ ቀሊል ኣብነት ክነግረኩም። ኣብ 1974-75 ዝበዝሕ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብቲ ዝነበሮ ሃገራዊ ስምዒት ተበጊሱ ናብ ሰውራ ክስለፍ ይህንደድ ነይሩ። እቲ ዕላማ ዜርካ ዜርካ ናጽነት ክትረክብሞ ህይወት ብግቡእ ክትመሃር፡ ጽቡቕ ስራሕ ክትረክብ፡ ከም ሰብ መጠን መሰልካ ክሕለው፡ ብሓጺሩ ነቲ ግፍዐኛ ስርዓት ኣሊኻ ናጽነት ብምእዋጅ ጥዑይ ህይወት ክተስተማቕር እዩ ነይሩ። ናብቲ ክዕወት ድዩ ከይዕወት፡ ንመሰል ህዝቢ ደው ክብል ንህዝቢ ክጭፍጭፍ ከየረጋገጽካ ክትጽንበሮ መሪጽካ ዘለኻ ቃልሲ ክትብገስ ከለኻ፡ ኣብ ቅድመኻ ሞትን ስንክልናን ከም ዘሎ ኣይትፈልጥን ኔርካ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ዝጥቀሰ ዘሎ መድረኽ ከይተረፈ ከምዚ ሎሚ ሓደ ሓደ ወይጦታት ህግደፍ፡ “ኣብ ዓዶም ኮፍ ዘይብሉ እንታይ ስኢኖም? መንግስቲ ተመሃሩ፡ ዓድኹም ሓልዉ እናበሎም ከሎ ጸጊቦም!” ዝብሉዎ ዘለዉ፡ ሽዑ’ውን ገለ መረዳእታ ዝጐድሎም ዝነበረ ዓበይቲ ሰባትን ኣዳኸርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሰባትን፡ “ከምዞም ሰብኣይ እዚኦም (ጃንሆይ) ኣበይ ይርከብ? ኣብ ግዜ ጣልያን ትምህርቲ ክሳብ ራብዓይ ጥራይ እዩ ነይሩ፡ ሎሚ ደጊም እንሄልካ ደኣሲ እዞም ብሩኽ ሰብኣይ ክሳብ ኡኒቨርሲቲ ተመሃሩ እናበሉዎም፡ ብጽጋብ ተሰንዲሖም ብጓንድየታት ምስ ታንክን ኣይሮፕላንን ናይ መንግስቲ ክንዋጋእ ኢና ኢሎም ናብ በረኻ ይውህዙ ኣለዉ። እዚ ሃየንታ ኣለዎ!” ይብሉ ነይሮም እዮም። እቶም ሰባት ከምኡ ዝብሉ ዝነበሩ ንሓደ ክልተ የዋሃት ገዲፍካ ዝበዝሑ ብኻልእ ዘይኮኑ ጽቡቕ ህይወት ስለ ዝነበሮም ጥራይ እዮም። ሕጂ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ብግቡእ ዝጥርንፎምን ከቃልሶምን ዝኽእል መሪሕ ውድብ ረኺቦም እንተ ዝኾኑ ኣብ ክንዲ ንሓደጋታት ምድረበዳ ናብ ሊብያን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን ዝቃልዑ፡ ነቲ ንህዝብናን ሃገርና ዓፊኑን ጭፍሊቑን ዝገዝእ ዘሎ ውልቀመላኺ ኣብ ምእላይ እጃሞም መበርከቱ ነይሮም።

እዚ ንህዝቢ ኢጣልያ ጥራይ ዘይኮነ ንምሉእ ዓለም ኣሰድሚሙ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ቈልዑ ደቂ ክልተ ሰለስተ ዓመት፡ ጥኑሳትን ዘጋጠመ ትራጀዲ ዝነበረ መልሰተግባር ምስ ንዕዘብ ግን ክልተ ተጋራጫዊ ተርእዮታት ንዕዘብ። ማሕበረሰብ ዓለም ብምሉኡ “ገለ ነገር ክግበር ኣለዎ፡ እዚ ክድገም የብሉን ክብል” ኣብ ዝቐነየሉ ሰሙን፡ እታ ብዘይካ ናይ ሓሶት መናፍሕ ምቅላሕን፡ ኣብ እከለ ዓዲ ናይ ጽሬት ወፈራ ኣካዪዶም፡ ካቢነ ሚኒስተራት ተኣኪቦም ቀንዮም፡ ኣብ ኣመሪካ ሓደ ሰብ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከሎ ሞይቱ ተረኺቡ፡” ኣብ ምብል ተጸሚዳ እትውዕል ኤሪቲቪ፡ ኣብቲ መጀመርያ “ብጃልባ ናብ ኤሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ኣፍሪቃውያን 13 ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ” ኢላ ዜና ድሕሪ ምዝርጋሕ፡ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ምስ ተፈልጠን ዓለም ዋጭ ዋጭ ምስ በለትን ድማ ከይሓፈረት፡ “ብጃልባ ናብ ኤሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ዝበዝሑ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኖም ዝነገረሎም ዘይሕጋውያን . . .” ዝብል ዜና ኣቃሊሓ። ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ክሕይል ምስ ተራእየ ግን ከይፈተወት መልሓሳ ክትሕይኽን ኤርትራውያን ግዳያት ሞት ከም ዝኾኑ፡ ናይዚ ኵሉ ተሓታቲ ግን ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ስለያዊ መሓውር ከም ዝኾኑ ገሊጻ። ግርምቢጥ ዘረባ እዩ። ምዕራባውያን ደኣሞ፡ “ብሰንክ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባርባራዊ ጭፍራ ዝኽተሎ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና፡ መንእሰያት ኤርትራ ግዳያት ስደት ይኾኑ ኣለዉ፡ እዚ ደው ክብል ክኽእል ኣለዎ፡” ብምባል ንልዕሊ ዓሰርተ ኦኣመታት ዓንገረር ኢለን ዝሰምዐን ስኢነን። ብኸመይ መንገዲ እየንከ ነዚ ዅሉ መንእሰይ ወዲበን ናብ ኤውሮጳ ዘስግርኦ ዘለዋ። ኣብ ክንዲ ብባሕርን ብሊብያንከ ብቐጥታ ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ግፍፍ ኣቢለን ዘይወስድኦ? ደሓር ከኣ ናብ ጐረቤት ሃገር ምስ ከደ ኣብ ክንዲ መፍቶ ራሻይዳን በደዊንን ዝኸውን ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸይድዶ ኣይሓይሽን? ህግደፍ ሓሶትን ጃህራን ኣመሉ ስለ ዝኾነ ግን ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ኣብ ጸድፊ ምብጽሑን ንመጀመርያ ግዜ ብሞት ዜጋታቱ ክእመን ምኽኣሉን እዩ።

ናይ ላምፐዱሳ ትራጀዲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤውሮጳዊት ሃገር ስለ ዘጋጠመ እዩ’ምበር፡ ቅድሚ ዓሚ ካብዞም ናይ ሎሚ ዝበዝሑ መላስ ኣውያት ዘይብሎም ኣብ መዓሙቕ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከም ዝሰጠሙ ይፍለጥ። ልዕሊ ኵሉ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገርከ ክንደይ ሰብ ንመዓልቲ ይሃልቕ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራውያን ስምዒታውያን ስለ ዝኾንና ግን ብዓይንና ኣብ እንርእየሉ ግዜ ዓው ኢልካ ምውጫች ኣመልና እዩ። እቲ ምውጫጭን ስምዒትካ ምግላጽን ኣብ ቦታኡ ኮይኑ ግን ብቐጻሊ ብዛዕባ ህዝብናን ሃገርናን ክንሓስብ ክንክእል ኣለና። ሓደ ኣርእስቲ ክለዓል ከሎ ጥራይ ምትእኽኻብን ምሕዛንን መፍትሒ ኣይኮነን። ክሳብ ህይወትካ ምውፋይ ዝበጽሕ ቀጻሊ ውዳበን ቃልስን ከም ዘድሊ ክንፈልጥ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ተረፈ ኣብ ፓልቶክ ናይ ዝተጻረፍና፡ ናይ ሽምዓን ናይ ጸሎትን ዝኽሪ ምክያድ ንበይኑ ፍታሕ ኣይኮነን። ነቶም መሳኪን ግዳያት ዳግማይ ህይወት ኣይህብ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ኵሉ ዝኾነ ኢሳያስ ካብ ስልጣን ኣይኣሊ።

ንምድምዳም፡ ኣብዚ እዋንዚ ዘድልየና ዘሎ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መስመር ምምራጽ፡ ጕዳይ ሃይማኖታት ኣልዒልካ ምክታዕ፡ ብዛዕባ ጕዳይ ቋንቋታት ከም ኣርእስቲ ምዝራብ፡ ብዛዕባ ቅዋም ከመይ ክከውን ኣለዎ? እናበልካ ኰለል ምባል ዘይኮነ፡ ጭፍራ ህግደፍ ብኸመይ ንእለዮ ኣብ ዝብል ጕዳይ ኣተኵርካ ምዕያይ እዩ። ህግደፍ ድማ ነዚኣ ከይትከውን እዩ ዝጽዕር ዘሎ። ስለዚ፡ ኣብ ዘዘለናዮ ከተማ ዘለና ደለይቲ ፍትሒ ውዳበና ወይ ኣብ ሰልፍታት ዘለና ኣባልነት ብዘየገድስ ቃልስና ብምውህሃድ ኣንጻርቲ ስርዓት ዝቐንዐ ብርቱዕ ቃልሲ ክነካይድ ኣለና። ከምዚ ክንገብር ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ እቲ ጭፍራ ኣብ ልዕለና ሸይሸይ ምባል ይቕጽል ስለ ዘሎ ኣሜን ኢልና ክንግዛእ ከም ዝመረጽና እዩ ዘስምዕ። ኣብ መወዳእታ ነቶም ግዳያት ኣምላኽ ኣብ መንግስቱ ይቀበሎም፡ ንስድራቤቶም ድማ ጽንዓት ይሃብኩም እብል። ወደሓንኩም!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Dawit October 12, 2013

    Hey Ato Mussie
    EPLF harnet meret dea ember
    Natsnet hzbi Eritrea ayeregagetsen.
    Selezi ne natsnet gena kalsi ketsali eyu
    meknyatu eti nay hzibi Eritrea merir kalsi be
    Isiasen hade 10 zekonu betsotun techewu eyu,alu
    Entedea elka ezi hiji hzbi Eritrea zelwo kunetat yemeskir
    ayfal entebelka dema hade kabtom 10rteta betsotu eka,kemyu
    ente quenka dema mealti kterkbeka eya entezeyquena nebtska awtsaeka.

    ezi wedehanka

    Dawit wedi keren

  • Dawit October 12, 2013

    Ato Musie Hzib Eritrea tsbuk enthalu
    Ezi hiji zelo kunetat Eritrea mesekiru eyu.

    Dawit wedi keren

POST A COMMENT