ኤርትራዊ ተቐማጣይ ለንደን ብሓደጋ ኣውቶቡስ ሞይቱ፣

Getachew

ብዕለት  17 ጥሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጐንደር 46 ገያሾ ሒዛ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ምስ ምስ ወላዲት ኣዲኡ ወ/ሮ ወርቄ መለስ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኤርትራዊ ዜጋ ጌታቸው የሕደጐ ዑቕባዝጊ ፣  ኣብ ኣጻድፍ ኣባይ  ጥቓ ድልድል ሕዳሴ፣ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስ ኣዲኡን 43 መጓዕዝቱን ከምዝሞተ ቤተሰቡ ሓቢሮም።

እታ ኣውቶቡስ ምኽንያቱ  ብዘይተፈልጠ መስመራ ስሒታ ብግምት 80 ሜትሮ ንቁልቁል ድሕሪ ምጽዳፋ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም 43 ተሳፈርቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘውረደት ኢትዮጵያን ረቬው ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።

ጌታቸው ዑቕባዝጊ ኣብ 1977 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ጐንደር ተወሊዱ፣  ኣብ 1999 ዓ.ም.ፈ. ናብ ኤርትራ ድሕር ምስጓጉ፣ ብሞዩኡ ማለት ብህንጻ መሃንዲስነት ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ተመዲቡ ግቡኡ ዝፈጸመ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ድማ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ መንጐ ማህበረ ሰቡ ከገልግል ዝጸንሓ ንጡፍ ዜጋ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት መዓልቲ ዝኽሪ መዋቲ ጌታቸው ይሕደጎን ወ/ሮ ወርቄን ክካየድ ምዃኑ ቤተሰብ ይሕብሩ።

ኣሰና ንበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሩት መ.ሚካኤልን ንኹሎም ስድራ ቤትን ከምኡ ‘ውን ንኹሎም ቤተሰብ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

This entry was posted in Eritrea, ሃገራዊ ዜና, ህይወት. Bookmark the permalink.

19 Responses to ኤርትራዊ ተቐማጣይ ለንደን ብሓደጋ ኣውቶቡስ ሞይቱ፣

  1. wechu says:

    who is from Temben Stupid President
    Isayas or gol mendetera

  2. nsdra meweti xnat yhabkum nzimetu dma mengstesemay yewrsom nasena dma bzegatatkum tegediskum btgebruwo xaery kemesgnekum yfetu

  3. habtu haile says:

    what a pity. may god receive his soul

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

*

 characters available

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>