Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ሲቪካዊ ማሕበር ቦስቶንን ከባብን ኣብ ኣስመራ ንዝተላዕለ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ይድግፍ።

እዚ  ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ቤት ትምህርቲ ኣል እስላሚያ ኣማኺሉ ኣብ ኣስመራን ዝተፋላልየ ክባቢታት ኤርትራን ዝተራእየ ህዝባዊ ምልዕዓል ነዚ ንምብትታን ንምርዓምን ዝተወስደ ጨካን ስጉምትታት መርኣያን መቐጸልታን ናይቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተገብረን ዝቕጽልን ዘሎ ቅሉዕ ግህሰት

እዚ  ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ቤት ትምህርቲ ኣል እስላሚያ ኣማኺሉ ኣብ ኣስመራን ዝተፋላልየ ክባቢታት ኤርትራን ዝተራእየ ህዝባዊ ምልዕዓል ነዚ ንምብትታን ንምርዓምን ዝተወስደ ጨካን ስጉምትታት መርኣያን መቐጸልታን ናይቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተገብረን ዝቕጽልን ዘሎ ቅሉዕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝብና እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተወስደ ተባዕ ስጉምቲ ታሪኻዊ ኮይኑ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጢ ሃገር  ወይ ኣወጻኢ ይሃሉ ዓቢዪ ትምህርትን ኣብነትን ኮይኑ ንቐጻሊ ክዝከርን ክኽበርን እዩ።

እዚ ምልካዊ’ ስርዓት’ዚ ግን ከም ኣመሉ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣንጻሩ ንኽለዓል ዝኽእል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘይመልክዑ እንዳልበሰ “ትሕተ ሃግራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ጀሃዳዊ” ወዘተ ኣንዳሰየመ ሓላይ ህዝቢ ክመስል ነቶም ውሑዳት ጸቢብ ኣራኣእያታት ዘለወም ጸየቕቲ እናመኽነየን ኩሉ ምልካዊ ሜላታቱ እናተጠቕመን ንሰላማዊ ህዝብና እናረገጸ ክቕጽል ስግጥ ከምዘይብል ኣቐዲምና ክነቕሓሉ ይግባእ።  ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን  ከኣ ኣንጻር እዚ ምልካዊ ስርዓት ሓቢርና ቓልሲና ነትርር።

ዘለኣማዊ  ክብሪ ንስውኣትና

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

ኣካያዲት ቦርድ ኤ ኣ ስ ማ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ተስፎም November 12, 2017

    እስኻትኩም ብጀካ ውልቓዊ ጽልኢ ዘበገሶ ቕርሕንቲ እንዘይኮይኑ ብዛዕባ ናይ ሓልዮት ሕዝቢ ከምዘብልኩም ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ኣብ ወጻኢ ተሓቢእኩም ተዓፈርኩም ተምጽእዎ ለዉጢ የብልኩምን። ግዜኹም ኣይትቕተሉ፣ ገገዛኹም ኪዱ። ኣካያይዳኹም ስራሕ ቖልኡ ኾይኑ።

  • geladios November 13, 2017

    እዋይ ተስፎም ወዲ ንስኻምበር እንታይ ኣስከፈካ ተቓዊሞም እልካ እትቃወም ንስኻስ ኣፍካን አግርኻን ኣኪብካ ዘይትድቅስ፡ንውጽዓ ህዝብኻ ዘይዓጅበካ ከመይ ጨካን ፍጥረት ኢኻ። ንስኻ ንኹሉ ትፈልጥ ቦስቶንን ኣብ ካለን ዘለዉን ሓንቲ ከምዘይፈልጡ ገርካ ምቕራብካስ ሕሉፍ ተጣባቒ ምልካዊ ናይ ሽሀፋቱ ስርዓት ምኻንካ ካብ ምኻን ዝሓልፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ሕስብ ደኣ ኣብል ከም ሰብ ዘይሓልፍ ቀዋሚ ዝባሃል ነገር ኣብዚ ዓ።አም የልቦን በጀካ ቓል ኣምላኽ አዩ ዘይሃልፍ ፍጹም ነባሪ’ሞ ልቢ ደኣ ግበር።

    • ተስፎም November 13, 2017

      ኣነ ዝጣበቅ ዘለኹ ንጥቕመይ እየ። ከመይ እንተበልካ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ኩሉ ሕጽረታቱን ድኻማቱን ነዛ ሃገር ናይ ነዊሕን ሓጺርን ራኢታት ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ብስነ ሓሳብ ዝምራሕ መንግስቲ እዩ። ሎሚ ኣብ ሕክምና ዓቢን ዝድነቕን ስራሕ እዩ ተሰራሑ ዘሎ። እዚ ድማ ኣነ ናይ ሕክምና ምሁር ከምኻነይ ብዓይነይ ዓዲ ኸይደ ዝምስኩሮ ሓቒ እዩ። ብትምህርቲ እንተመጺኻ ድማ ባዕሉ መንግስቲ ብነጻ ኣብ ኮለጅ እና ቀለበ የምህሮም ኣሎ። ንሕና ኣብ ወጻኢ ዝተመሃርና ስጋብ ክንደይ ናይ ትምህርቲ ዕዳ ተሰኪምና ንኸይድ ኣሎና።
      ብኣንጻሩ ድማ እዞም ተቛመርቲ ወይ ድማ ተቓወምቲ ንህዝቢ ብዓልየት ብኣዉራጃ ብሃይማኖት ክፈላልይዎ ለይትን መዓልትን ይጽዕሩ ኣለዉ። ንዓይ እቲ መንግስቲ ይሕሸኒ ካብ ተቓወምቲ። ብዙሕ ምጻሓፍኩልካ ግን ዝቓጸል ግዜ ስለ ዘየብለይ እዚ ወደሓንካ።

Post a Reply to geladios Cancel Reply