Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ሃገር እንከለና ሃገር ስኢንና

ኤርትራውያን፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሒደት መወዳድርቲ ዘለዎ ዝተደራረበ ስቃይ ተጻዊርና፡ ንመሰልና ልዑል መስዋእቲ ከፊልና፡ ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሰላምን ብልጽግናን ብሂግና። እንተኾነ፡ ሓሳብ ልብና ኣይሰመረልናን፡ ደቅናን ኣሕዋትናን ዝወደቁሉ ቅሳነትን ፍትሕን ዝነገሳ ሃገር ኣይረኸብናን። ኣምሳያ ክቡር መስዋእትና፡ ስደትን

ኤርትራውያን፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሒደት መወዳድርቲ ዘለዎ ዝተደራረበ ስቃይ ተጻዊርና፡ ንመሰልና ልዑል መስዋእቲ ከፊልና፡ ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሰላምን ብልጽግናን ብሂግና። እንተኾነ፡ ሓሳብ ልብና ኣይሰመረልናን፡ ደቅናን ኣሕዋትናን ዝወደቁሉ ቅሳነትን ፍትሕን ዝነገሳ ሃገር ኣይረኸብናን። ኣምሳያ ክቡር መስዋእትና፡ ስደትን ውርደትን፡ ማእሰርትን ጥሜትን፡ ውሑዳት ዝጋየጹላ ብዙሓት ድማ ዝርገጹላን ብፍርሒ ዝነብሩላን ሃገር ንዕዘብ ኣሎና። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነቱ፡ ብሩፍታ ህይወቱ ክመርሕን ምስ ጎረባብቱ ብስኒት ክነብር ኣይክኣለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብስደት፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብጥሜትን፡ ኣጓዲ ህውከት ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ከም ስደተኛታት ኮይኖም ኣብ ዘሰቅቅ ኩነታት ይርከቡ። ብፍላይ እቶም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጽን ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ካብ ምዉታት ንላዕሊ’ዮም ዝነብሩ ዘለው እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን፡ ኩነታት ኣብ እስራኤል ናይ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ መንግስቲ እስራኤል ብምቅዋም ናይ ስደተኛን ዑቁባን መሰሎም ክረጋገጸሎም ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክቃለሱ ጸኒሖም። ብዙሓት’ውን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ብምክያድን ብዘይ ድሌት ካብ ናብ ካልእ ሃገር ዝጥረዙ ክእሰሩ ዝመረጹ ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን እንተላይ ደለይቲ ፍትሒ እስራኤላውያን፡ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሕሎን ዘይሕጋዊ ስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ደው ክብልን ጽዒሮም’። ብኣንጻሩ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም ብሰንኩ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ዘምርሑ ኤርትራውያን፡ ብወያነን ኣመሪካን ዝተደናገሩን ዝኸድዑን ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ንነፍስ ወከፍ ካብ እስራኤል ዝምለስ ኤርትራዊ 50ሽሕ ዶላር ካሕሳ እንተተተዋሂቡ ዜጋታቱ ከምዝቅበል ቅድመ ኩነት ከምዘቅረበን ሕሰም ዜጋታት ከግድድ እምበር ሽግር ዜጋታቱ ክፈትሕ ቅሩብነት ከምዘይብሉ ኣረጋጊጹ’ዩ። ኤርትራውያን ከም ኮዕሶ ክቅልዑን፡ ጎድኖም ዝወድቁላ መሬት ክትሕርሞምን ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ።

እቲ ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ሕሰምን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨፍላቂ ስርዓትን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ክንስራዕ ዝግብኣና ፈታሕቱ ንሕና ኤርትራውያን እምበር፡ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ማሕበረ ሰብ ዓለም እንተብረብሓ እንተ ብሰብኣዊ ሓልዮት ድምጹ ከስምዕ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ማሕበረሰብ ዓለም መተካእታ ንሕና ከነርእዮ ዝግብኣና ስምረትን ጽንዓትን ክኸውን ከምዘይክእል ክንጸር ኣለዎ። ክሳብ ኣብ ሃገርና ብህዝቡ ዝቁርቆር መንግስትን ፍትሕን ዝመጽእ፡ ድኽነት፡ ኣብ ስደት ከርተት ምባልን ካልኦት ብዝበሉኻ ተቀይድካ ክትከይድን ግድነት’ዩ። ስለዚ ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን እዚ ንዜጋታትና ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ዘጋጥም ዘሎ ከልበትበትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ንኸይክሰትን ንምብድሁን እንታይ ክንገብር ንኽእል ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ፡፡ ብርግጽ ኩልና ከምእንሰማማዓሉ፡ እቲ ነባሪ ፍታሕ ነቲ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምግላፍ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ኣብ ስደት ዘሎና ግን እዞም ዝስዕቡ 6 ቀንዲ ጉዳያት ከተኩር።

ቀዳማይ፡ ቅድሚ ዝኣገረ፡ ብፖለቲካዊ ዑቁባ ወይ ከም ስደተኛታት ኮይንና ኣብ ዝኾነት ሃገር እግርና ኣብ ንረግጸሉ፡ ሕግታት ናይታ ንነብረላ ሃገር ብግቡእ ክንፈልጥ፡ ብኡ ተቀይድና ክንከይድን ጉዳይናን መሰልናን ብሕጋዊ ኣገባብ ክንማጎትን ኣሎና። ወዮ ድኣ ካብ ማእሰርቲ፡ ሞትን ድኽነትን ንምምላጥ ብዘይ ንቡርን ብሃንደበትን ንስደድ ስለዘሎና’ምበር ዕድል ኣብ ዝረኸብናሉ፡ ኩነታትን ሕግታትን ናይታ ዕቁባ ክንሓተላ እንሓስብ ሃገር ኣቀዲምና ሓበሬታ ክንእክብ ሓጋዚ’ዩ።

ካልኣይ፡ ኣብ ትካላት መንግስቲ ቀሪብና፡ ንጸገማትናን ኩነታትናን ሎሚ ዝበልናዮ ጽባሕ ክንደግሞ ኣሎና። ዝተሓተትናዮ ጥራይ ብንጹርን ብርእሰ ተኣማማንነትን ክሕብር ኣለና። ንሓድሕዱ ዝገራጮን ንሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ጥርጣረ ዘእቱን ሓበሬታ ንህብ እንተኾይና፡ ጉዳይና ክንጸግን ክተሓላለኽን ዕድል ንፈጥር ኣለና ማለት’ዩ። ብተወሳኺ፡ እንታይ ንብል ከምዘሎና’ውን ክንግንዘብ ይግባእ። ንኣብነት፡ ብሰበስልጣን ኢመግረሽን፡ “ስለምንታይ ናብዚ ሃገር ብዘይ ሕጊ ዶብ ጥሒስካ ኣቲኻ” ዝብል ሕቶ ምስቀረበልካ፡ “ኣነ ኣይፈለጥኩን ኣስገርቲ’ዮም ኣምጺኦሙኒ” ዝብል መልሲ ትህብ እንተኾይንካ፡ እቲ ካብ ኤርትራ ዘህድመካ ዘሎ መሰረታዊ ጉዳይ ገዲፍካ ናብ ጓል መንገዲ ኣቲኻ ኣለኻ ማለት’ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ቃለ መጠየቅ፡ “ሰለስተ ውላድ ከምዘለዉኻ ሓቢርካ ክንስኻ፡ ኣብ ካልኣይ እግሪ ቃለመጠየቅካ፡ “ተማሃራይ እንከለኹ ወይ ብወሰን ዝወለድኩዎ ቆልዓ ኣለኒ” ኢልካ ትምልስ እንተኾይንካ፡ ኣብ ቅድሚ ነብሪ ዝቆጻጸ ወጦጦ ኢኻ ትብሃል።

ሳልሳይ፡ ጉዳይካ ተቀባልነት ንኽረክብ እንታይ ዓይነት ጉዳይ(Case)ኢኻ ከተቅርብ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ይኽእል’ዩ። የግዳስ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኩናት፡ መሰል ሃይማኖት፡ ፖለቲካዊ ኣጠማምታን ቁጠባዊ ጸገማትን ኣብ ግምት ዝኣትዉ ጉዳያት’ኳ እንተኾነ፡ ንህይወትካን ንድሕነትካን ኣስጋኢ ዝኾነ ምኽንያት ምህላው ግን ሓያልን ዘይንጸግን ኩነታት’ዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰበስልጣን ኢመግረሽን ቀሪብካ፡ ብዛዕባ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘጋጥም ጸገማት ምትንታን ኣየድልየካን’ዩ። እንታይ ድኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ዘይትደሊ፡ ኣብ ኤርትራ ንህይወትካ ዘስግእ ኩነታት እንታይ’ዩ ክትገልጽ ኣለካ።

ራብዓይ፡ ብዛዕባ ሕግታት ኢመግረሽንን መሰላትን ኣፍልጦን ዘሎና ውልቀ ሰባትን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራትን፡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ክዳለዉን ኣፍልጥኦም ንኽዓቢን ጻዕርታት ክግበር ኣገዳሲ’ዩ። ይኹን እምበር ናብራ ስደት ከቢድ ብምዃኑ ዝኾነ ንጥፈታት ከተካይድ’ውን ግዜኻ፡ ገንዘብካን ውልቃዊ ህይወት ዝጫረትን’ዩ። ብውሕዱ ኣብ ወርሒ ሓንቲ ሰዓት ንጽጉማትን ተስፋን ደገፍን ዘድልዮም ዜጋታትና ንኽእሎ ክንሕግዝን ግዜና ከነወፍን ግን ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና።

ሓሙሻይ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ንጸለውቲ ዝብሃሉ ሰበስልጣንን ትካላትን፡ ጽሑፍ ብምልኣኽ፡ ተለፎን ብምድዋል፡ ብሰላማዊ ሰልፊ፡ ብምሕሳም መግብን ጥርዓንካን ጸገማትካን ምሕባር፡ ጉዳይካ ኣቃልቦ ክረክብ ኣበርክቶ ኣለዎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣድማዒ ውጽኢት ንኽህልዎን ግን ኣበይ፡ ብኸመይ፡ ንመን፡ መኣስ ዝብሉ ጉዳያት ንምምላስ፡ ዝውድቦን ውፉይነትን ይሓትት።

ሻዱሻይ፡ ስርዓት ህግደፍ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ መንዚዑን ዝርካቡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኢዱ ስለዘሎን፡ ክውንነት ንምሕባእን ንምጥምዛዝን ንግዚኡ ተኽእሎ ኣለዎ። ብኣንጻሩ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት ከነጉልሕን ከነቃልዕን፡ ንስርዓት ህግደድ ሽንግላጡ ከነውጽኦን ክንጽዕር ኣሎና። ንኣብነት ስርዓት ህግደፍ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ “መሬትና ትጎቢጡ፡ ዓለም ዘርያትናን ቁጠባዊ እገዳ ኣንቢራትልናን” እናበለ፡ ነቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ንጹሃት ዜጋታት ምእሳርን ምቅታልን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን እምነትን ዝሓረሞ፡ ብጥሜት ዘሳቅዮን ዘሎ ህዝብና ከልዕሎ ከም ኣስሓይታ ቁሪ’ዩ ዝፈርሖ። ኣተኩሮና ድማ ኣብቶም ዝተጠቅሱ መሰረታውያን ጉዳያት ክኸውን፡ ኣፍልጦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክብርኽ ይግባእ። ብተወሳኺ ምስ ስርዓት ህግደፍ ቁጠባዊ ሽርክነትን ዲፕሎማስያዊ ምትእሳርን ዘለወን ሃገራት ጸቅጢ ምፍጣርን መዘክር ምቅራብን ሓጋዚ’ዩ።

ንምጥቅላል፡ ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ሰብኣዊ ክብሩ ተረጊጹን ኣዝዩ ሓሲምዎን ስለዘሎ፡ “መዓትና ኣቁርረልና፡ ንዓና ዝኸውን መንግስቲ ኣምጽኣልና” እናበለ ክጽሊ፡ እታ ጸልሚታ ትወግሕ መዓልቲ ብስራት ሰላም፡ ዕርቅን ናጽነትን ሒዛ ክትመጽእ እምነ’ሎ። ኣብ ስደት ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን፡ እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ኤርትራ ትብሃል ሃገር እንከላቶም፡ ዝሕበኑላን ዝብህግዋን ሃገር ስኢኖም ኣለዉ። እታ ደምን ኣዕጽምትን ስዉኣት ኣብ ከርሳ ዝሓቆፈት ኤርትራ፡ ምሉቅ ኢላ ከይትጠፍኣና፡ ኣለናልኪ ንበላ፡ ናትና ንግበራ-ናይ ሓቀኛታት ዋናታታ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 6 ሚያዝያ 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT