Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ንብዓትና ጓና ክደርዘልና ንጽበ ኣሎና

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ መንነት ናይ ምጽናት ወፈራ መዘና የብሉን። ብሰሪ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራት፡ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብና፡ (ዝበዝሑ መንእሰያት) ናብ ስደት ከምርሑን ኣብ ዘይፈልጥዎ ቦታ ኣደዳ

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ መንነት ናይ ምጽናት ወፈራ መዘና የብሉን። ብሰሪ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራት፡ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብና፡ (ዝበዝሑ መንእሰያት) ናብ ስደት ከምርሑን ኣብ ዘይፈልጥዎ ቦታ ኣደዳ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ውርደትን ጥሜትን ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና’ውን ብዘይካ ውሑዳት ምስቲ ኣረሜናዊ ህግደፍ ዘጣቅዑን ብረብሓ ዝተዓስቡን፡ ግደ ማእሰርቲ፡ ሞት፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ድኽነት፡ ፍርሒ፡ ስቃይ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሕጊ ኣልቦን ኮይኑ፡ ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ካልኣይ ዜጋ ይነብር ኣሎ።  ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ህግደፍ ብማሕብረረ ሰብ ዓለም ገበናቱን ሓቀኛ ባህርያቱን ይቃላዕ ስለዘሎን ጸቅጢ ስለዝበዝሖን፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዓለም ንምድንጋርን ከም ነፋሒቶ ሕብሩ እናቀያየረ ብዝለዓለ ይነጥፍ ኣሎ። እዚ ክስተታት’ዚ ድማ በቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞን ጸቅጥን ዝመጸመ እምበር ካብ ዓለም ዝተዋህበ ህያብ ኣይኮነን። ስቃይ፡ ጥሜትን ግፍዕን ህዝብና ከብቅዕ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ክቅበርን ኣብ ቦታኡ ፍትሕን ሰላምን ዝዓሰሎ ስርዓት ንምትካልን ንኹልና ኤርትራውያን ዝጽበየና ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዕማማት ኣሎ።  ብርእይቶይ እዞም ዝስዕቡ’ዮም።

ቀዳማይ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝጥጅኦ ዘሎ ሓድነትና ዘላሕልሕ፡ ሃገራዊ ክብርና ዝብርዝን ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን እኩይ ሜላታት ተደፋፊእና፡ ብስምዒት ተደሪኽና ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ክንወስድን ክንህቅንን የብልናን።  ናትና ተራ፡ ነቶም ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝርከቦም ሃንደስቲ ጥፍኣትን ስቃይን ህዝብና ዝኾነ ቀንዲ ገበነኛታት፡ ጭብጥታት ምስናድ፡ ኣብ ፍርዲ ምቅራብን ብዝፈጸምዎ ገበን ምቅጻዕቲ ምብያንን’ዩ። እቶም ብፍርሒ፡ ብውልቃዊ ረብሓን ዕዉር እምነትን መዳምቅቲ ጓይላ ህግደፍ ኮይኖም ህዝቦምን ሃገሮምን ዘድምዩ ዘለዉ ዜጋታት ድማ፡ ብልቢ ንፉንፉን ተግባራቶም ኣሚኖምን ንዝበደልዎ ህዝቦም ይቅሬታ ሓቲቶምን ክኽሕስዎ ቅሩባት ምስዝኾኑን ምሕረት ምሃብ’ዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ’ዩ ንዝመጽእ ወለዶ ሰላም፡ ፍቅርን ሓድነትን ዝፈጥር።

ካልኣይ፡ ንሕና ኤርትራውያን ብሰንኪ ምጅጃውናን ዘይምጥርናፍናን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቃሕ ዝበሎ ክፍጽም ኣሻዲንዎን ዕድመ ሂብዎን ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕሰምን ስደትን ከብቅዕን ወነንቲ ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዝተረኽበት ሃገርና ክንከውን ድማ ፈታሕቱ ንሕና ጥራሕ ኢና። ዝተለጉመ ልሳንና ክፍታሕ ኣለዎ። ንሕና እንከለና፡ ብዛዕባ ጉዳይናን ሕሰምናን ማሕበረሰብ ዓለም ክዛረበልናን ክምጉተልናን ክንጽበ ሕፍረት’ዩ። ካልእ ይትረፍ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብህግደፍ ዝተረሸኑን ዝሳቀዩን ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ዋና ስኢኖም ተደርብዮም ዘለዉ ስደተኛታትን ምሩዃት ኩናትን፡ ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለም ዝእሰሩን ዝከላበቱን ወገናትና፡ ዋላ ህግደፍ ክዓብጦ ይፈትን ጸማም እዝኒ ይሃቦም ንሕና ግን ዓለም ክፈልጦ ብዝለዓለ ክንጽዕር ኣሎና።

ሳልሳይ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ መዋጥር ንምህዳምን ዓለም ንምትላልን ዘካይዶ ዘሎ ወፈራ ቅጥፈትን ሓሶትን፡ በቲ ንሕና እነካይዶ ዘሎና ስሙር ቃልሲ ተደሪኹ ድኣምበር ፈትዩ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ኩሉ ዓቅምና ኣንጸር’ዚ ሕማም መንሽሮ ህዝብና ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ክቀንዕ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ወጻኢ ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓንን መርበባት ሓበሬታን፡ ናይ ሓባር ጸላኢአን ህግደፍ ካብ ኮነ፡ ኣብ ክንዲ ብተናጸል ዝሰርሓ፡ መደባተን ከወሃህዳን ስሙር ግንባር ክፈጥራን ክተሓጋገዛን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ህላወን ንጥፈታትን ናይዘን ካብ ወጻኢ እዋናዊ ሓበሬታ ዝዝርግሓ ናይ ኤርትራውያን መርበባት፡ ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ከምዘሎ ዘካትዕ እይኮነን። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዘሎን ኤርትራውያን፡ ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ ዕድል ተጠቂምና፡ ኣብ ጽልዋ ዘለወን ሃገራትን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣውያትና ከነስምዕ ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዞባዊ ውድባትን ኤምባሲታትን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምክያድ፡ ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ምጽሓፍን ኣቃልቦ ንምስሓብ ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ።

ራብዓይ፡ ካብ ሳዕሳዕካ ተቆጻጸ ከምዝብሃል፡ ንእዋኑ ወነንቲ ስርዓትናን ሃገርናን ክንከውን ካብዘይክኣልና፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለና ሃሊና፡ ክብርናን ባህልናን ክንዕቅብ፡ ኣብ ስደት ዝዓብዩን ዝውለዱን ደቅና ሃገሮምን ታሪኾምን ረሲዖም ቅልውላው መንነት ከየጋጥሞም: ክንተሓጋግዝ፡ ሓበሬታ ክንለዋወጥ፡ ክንፋቀርን ክንደናገጽን ኣሎና። ኣብ ኢትዮጵያ፡ እስራኤልን ካልእ ቦታታት ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ሞያውያን፡ ህዝብና ሞራል ንምሃብን ኣጆኻ ክወግሕ’ዩ እናበሉ ዘካይድዎ ዘለዉ ባሕላዊ መደባት ክተባባዕ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ኣብ ገለ ሃገራት ዝስማዕ፡ ብዘበን ውርውራ ነብስኻ ኣይተዕብራን ንነብሰይ ይጥዓምንን ስሱዕ ተግባራት ምፍጻም ክውገድ ኣለዎ። ብደምን ስቃይን ደቅናን ኣሕዋትናን መዛኑናን ክንህብትም ኣይንፈትን። ኣብ ስደት ብዘጋጥመና ትዕግስትኻ ዝጽንቅቅ መከራን ብድሆታትን ተስፋ ክንቆርጽን ሓጺር ስጉምቲ ክንወስድን የብልናን። ኣብ ስደት ዘሎና ኤርትራውያን ሕግን ስርዓትን ናይ ዘለናዮ ሃገራት ከነኽብር፡ ካብ ተጸባይነት ንምድሓንን ነብስና ንምኽኣልን ስራሕን ትምህርትን ክንፈቱን ጽዩፍ ተግባራት ካብ ምፍጻም ክንቁጠብን ይግባእ።

ሓሙሻይ፡ ህግደፍ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ግዝኣቱ ከናውሕ ዝጥቀመሉ መርዛም ሜላ፡ ንኤርትራዊ ብስውርን ብቁሉዕን ምፍልላይን ኣንጻሩ ሰሚሩ ንኸይቃወምን’ዩ። ህግደፍ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጣልቃ ምእታው፡ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ነቃዓት ምፍጣርን ሓድሕድ ምትእምማን ከምዘይህልዎምን ምጽዓርን’ዩ። ዋላ ኣብቶም ኣመንተይ ዝብሎም ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ኣማኸርቱ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዓጀብቱን ከይተረፈ፡ ሰንካማት ኣእዳዉ መስሎኺ ኣይስኣናን። ነዚ ንምትባር ድማ፡ ሚልዮናት ገንዘብ ብምስላዕን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ኣብያተ መስተ፡ መዕረፊ ቦታታትን ሃሱሳት ብምውፋር፡ መስመር ቴለፎን ምብጥላፍ ወይ ብምጽንጻንን ደብዳቤታት ብምጭዋይ መዓልታዊ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ’ዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝሕዝን ግን፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ እከይ ተግባራት ዘይኮነ፡ ገለ ኤርትራውያን ኣብ መጻወድያ ህግደፍ ኣቲና ተግበርቲ ወይ ጎስጎስቲ ሕልምታት ህግደፍ ምዃንና’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዜጋ ብፍርሒ ተዋሒጡን ብትካላት ስለያ ህግደፍ ተዓፊኑን ኣሎ። ኣብ ስደት ዘሎና ኤርትራውያን መኻዕበቲ ሃብቲ ውሑዳት ክንከውን፡ ህዝብና ከነሕዝንን ኣብ ዘይንረብሓሉ ጉዳያት ክንህውትትን ዓገብ!!!

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓዋትን፡ ንጉዳይና ብሕብረት ኤውሮጳ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ውድባትን ትካላትን ክዝረበሉ እንከሎ ብጽቡቅ ወይ ብሕማቅ ክጸልዎ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ምስ ኣብ ጎረባብትና ዘለዋ ሃገራት ብሰላም፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምድግጋፍን ሕመረት ዘለዎ ምሕዝነት ምፍጣር እምበር፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ምጥሓስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ምእታውን በትርኻ ኣልዒልካ ምውጥዋጥን ዕንወት እምበር ቅሳነት ከምዘይህብ ኣብ ተሞኩሮና ተገንዚብናዮ ኢና። ሕጂ’ውን ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ፡ ተዋሳእቲ ጉዳይና ንሕና ምስ እንኸውንን ዕድልና ብኣና ምስዝውሰንን’ዩ። ኤርትራውያን፡ ንብዓትና ጓና ክደርዘልና ንጽበ እንተሊና ግን፡ ካብ ሓደ መዓልቲ ኣንበሳ 100 ዓመት በጊዕ ክንከውን ንመርጽ ኣሎና።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (10 ሚያዝያ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • hadera April 10, 2016

    Sadly, Eritrean youth are the biggest victims of this brutal regime. However, a smart business person produces products that sell. These days what sells to the public (Eritrean public) is a small machine called “opposition-crusher” because people (Eritreans) have realized that they have been buying a lot of stink called “opposition” and need to find environmentally safe way of crushing what they had bought in the past.
    Simply Eritreans main goal should be to reform the weak and useless opposition not the PFDJ and also our eventual and urgent goal should be to create an alternative not only to the PFDJ but also to the oppositions.

  • tedi April 10, 2016

    እብዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ናቲ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተፈላለያ ዉድባት ብዝሐን ልዕሊ 10 ዝኾና ኣለዋ ኢኻ ትሰምዕ እንተኾነ ግን መብዛሕትአን ዉድባት ዝባሃላ ኣበይ ከምዘለዋን ወይ ይሰርሓ ኣለዋ ድየን ንዝብል ሕቶ ክትምልሶ ኣጸጋሚ መሲሉ ይስማዓኒ።

    ንገለ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከባ ዝተፈላለያ ዉድባት ኣጋጢምወን ንዘሎ ጸገማት ክትፍትሾ ምስ እትፍቲን ዝተፈለኣለዩ ጸገማት እካ እንተሃለዉ እቶም ኣዝዩ ጎሊሖም ዝራኣይኻ ግና ናይ መሪሕነትን ምዉህሃድን ጸገማት ከምዘለወን ብንጹር ይራኣየካ።

    እዚ ሕጂ ንህዝቢ ኣብ ሓደ ንምጥርናፍ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ሃጓፋት ናይ መራሕትን ኣወሃሃድትን ዝፈጠሮ ጸገማት ከምዝኾነ ብቐሊኑ ክትርድኦ ትኽእል። ስለዚ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ዉድባት ንዘለዎን ናይ ኣመራርሓን ምውህሃድን ሓጓፋተን ብምልላይ ዳግመ ምዉዳብ ክገብራን በቲ ዝድለ ኣገባብ ንህዝቢ ጠርኒፈን ምዝሰርሓ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ዝዓበየ ዓወታት ከመዝግባ ከምዝኽእላ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

  • Yohannes Zemichael April 10, 2016

    ክቡር ሓው
    ንጹሓፍካ ጽብቕ አርእስቲ ሂብካዮ። ከምቲ ካልኦት ንብዓትና ክጸርጉልና አይንጸበ ዝበልካዮ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹኑ ተጣበቕቲ ስብአዊ መሰላት ወይ ከኣ ምዕራባውያን ከም አሜሪካ ዓባይ ብሪጣንያ ፈረንሳ ክጣበቑልና ወይ ክዘርዩልና ኢልካ ምጽባይ ወይ ተስፋ ምግባር ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል። እዞም ዝጠቐስክዎም ሃገራት ክዘርዩልካ ፈረንጂ ወይ አይሁዳዊ ክትከውን አሎካ።
    እጅገና ሰብሲብና መዓንጣና ሸጥ አቢልና ሓድነትና ከም ሓጺን ዓረ አትሪርና ንፋሺሽታዊ ስርዓት ህግደፍ እንት መኪትናዮ ድሕሪ ናይ ሓጺር ምርብራብ እቲ ኩነታት ንረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ከም ዝልወጥ ዘየጠራጥር ውድዓዊ ሓቅዩ።
    ስርዓት ህግደፍ ዝንቀሳቐስ ሬሳ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ስልዝረዓድናን ቦጅባጃት ስለዝኰናን ቁሩብ ትንፋስ ናይ ሂወት ምልክት ረኺቡ ዘሎ። ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ አባና ኤርትራውያን ክቱር ንዕቀት ስለ ዘሎዎ ሰቡኡት ኵኑ። ናቑኹም ፡ እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ እኮ ኢዩ ዝብለና ዘሎ።
    አዴታትና ክምስላ እንከሎዋ ንዑቕ የጥንስ ይብላ ነይረን ( Isaias dictator beware of silent man and silent dog)ህዝብና ሓንሳብ እንተ ተላዒሉ ከም ንህቢ ኢዩ ዘቕትር።
    ስለዚ ክቡራት አሓትን አሕዋትን ንበገስ ንላዓል። ጊዜ እንከሎና ጊዜ እይንጸበ።

  • oromai eritrea April 10, 2016

    ክቡር ሓው ጽላል,
    ይብል

    ክቡር ሓው፣
    ንሕና ኤርትራውያን ፈርሓት ኴንና ኣይኮንናን፣እቲ ጸገም እቲ ገድሊ ንረብሓና ከም ዘይነበረ ተረዲኡና፣ግን ዓው ኢልና ከይንዛረበሉ ዘሕምም ስለ ዝኾነ እዩ።እቲ ትገልጾ ዘለኻ ጸገማት እቲ ጸባ ሕቕ ኮይኑና፣ወይ ኣብ መዝሕቃሊ ስለ ዘየቐመጥናዮ ወይ ኢሳያስ መርዚ ስለ ዘእተወሉ ዓይነት ኣመለኻኽታ ፣እታ ላም ሕምምቲ ስለ ዝነበረት እያ ጥዑይ ጸባ ዘይሃበትን ዘይት ህብን ዘላ፣ ነዚ ተረዲእና ብግልጺ ሕጂ ሃገር ስለ ዝኾንና እንታይ ንገብር ኢልና ነቲ ናይ ገድሊ ጸሊም ነቝጣ ታሪኽና ከም ንብድሕሪ ሕጂ ጌጋ ከይስራሕ መዲብና ክሳዕዘይተበገስና መፍትሒ ክንረክብ ማለት ሓመደ ዕደ። ነታ ድሙ ቃጭል ት ኣስረላ ደፋር ምህርቲ ኣንጭዋ ኢና ስኢንና።
    ከምዚ ሕጂ ንከዶ ዘለና ግን ገድሊ ብጹእ ኔሩ ግን …ኢልና ክሳዕ ዝሞጎትና ግን ዘይሓቅን ዘየድማዒን፡ዩ ክኸውን።

    • Eritreawit April 10, 2016

      oromai tigrai tigregne

      you will never ever get what you wishing, because you are so sneaky and heart less, and please ask yourself; what positive thing did I contribute to life?. And stop heating Eritrea, it will never be oromai for Eritrea or it’s people.

  • AHMED SALEH !!! April 11, 2016

    We must look deeply to the root cause of Eritrean problems inclusively
    than we throw accusation on individuals in political circle . It is
    very important thing to examine and identify the source which played
    role in contaminating general public state of mind .
    The country fell at the hands of few with secretive agenda while our
    people attention was solely to gain freedom . Experience is a good
    teacher to give a lesson not to repeat same mistake & we have long
    way journey ahead of us to eradicate the cancerous influence of
    Issayasism theory from these young generation thoughts .
    We need to understand that Eritreans inside the country are prisoners
    of deceit , fear and destructive ideology designed in SAHEL that still proceeds until now .
    To close the one and only university by replacing with prisons was
    calculated incident based in political motivated intentions .

  • Teclay April 11, 2016

    Oromay (the most intelligent Uncle )
    ” ነታ ድሙ ቃጭል ት ኣስረላ ደፋር ምህርቲ ኣንጭዋ ኢና ስኢንና።”
    ወድእካዮ።እዚ ተበላጺ ዝኾነ ኣካል፣ስርሑ ስለ ዘይሰርሐ ኢና ኣብዚ ዘለናዮ ሕፍረት ተሸሚምና።ሕጂ እውን ደሃዩ የለን።ሓፋሽ ድኣ መስኪናይ ብዘይካ ከበሮን ክራርን እንታይ ይፈልጥ።

    • Mokie April 11, 2016

      Teclay, Ugly Face, Oromay rootless …etc

      You are a bunch of useless Tigreyans who hate and abuse the very people who accommodated you for generations. You and your cousins in Asmara with their Eritrean collaborators, will be disappointed to see Eritrea coming strong from your conspiracies.

      • Ghirmay April 11, 2016

        You are rotten and approaching faswt to your decomposition stage. A moron and Arab slave (Abeed) like you doesn’t get to tell an authentic proud Habesha (Ato Teclay & the brilliant O.E) what to say or not to say.
        Slaves can cheat for themselves as others can delude them easily. Your old corrupt criminal ELF only trained you to bark non-stop. You and your cousin Ahmed Saled are only deki Arbaa and second generation in Eritrea and you should be grateful for Ethiopia & Eritrea giving you refugee and behave like refugees not masters of our Eritrea.

      • dark fantasy April 11, 2016

        Mokie ,

        You are insulting us ,the Eritreans ,by admitting a guy from temben (isaias) Tigraway ,has been squeezing all of us 5 million Eritreans balls..Please ,as a “hizbe tigrinya” I personnaly feel insulted.

        • AHMED SALEH !!! April 12, 2016

          The old song under occupation said it all ;
          ABTI GHEZANA ABI HIDMO TUKHAN KUNCHI MELIOMO , nothing more to add .

  • Mike April 11, 2016

    እንዳሓደራ ዝጥጥዓ ውድባት ንኤርትራ ዝውክላ ኣይመስለንን ።ስለዚ ኣብ ዓዲ ጋና ተቀሚጥካ ንላዓል ኣይግብርን ሃየ እቶም ንላዓል ትብሉ ሓደራ ተበገሱ።መን ኣብ ሓዊ ክጥጠቀሉም ኢድ ሻዕብያ ስለ ንፈልጥ ኢና ኩላትና ኣብ ትሕቲ ዓራት ኮይንና ንላዓል ንብል።ኣነ ብወገነይ ዕድመ ንህግሓኤ ።ኩሉ ታሪከይ ምስኡ ስለ ዝኮነ በኣካትኩም ድስራሕ ታሪክ ስግር መረብ

    • Berhane April 11, 2016

      Mike,
      “”እንዳሓደራ ዝጥጥዓ ውድባት ንኤርትራ ዝውክላ ኣይመስለንን ።ስለዚ ኣብ ዓዲ ጋና ተቀሚጥካ ንላዓል ኣይግብርን ሃየ እቶም ንላዓል ትብሉ ሓደራ ተበገሱ።መን ኣብ ሓዊ ክጥጠቀሉም ኢድ ሻዕብያ ስለ ንፈልጥ ኢና ኩላትና ኣብ ትሕቲ ዓራት ኮይንና ንላዓል ንብል።ኣነ ብወገነይ ዕድመ ንህግሓኤ ።ኩሉ ታሪከይ ምስኡ ስለ ዝኮነ በኣካትኩም ድስራሕ ታሪክ ስግር መረብ””

      Death for you I am sure you are one of those Generals and the Dictators puppy. No wonder….

    • high presure April 11, 2016

      ኩቡር mike.
      መርዚ teclay ዝመረዘካ ትመስል።

  • Miriam Yacob April 11, 2016

    ሓጻር መልእኽቲ ንዶክቶር ምሕረትኣብ ገብርሂወት (Chicago)
    ይቕረታ ድማ ንዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ።

    ዝኸበርካ ዶክቶር ምሕረትኣብ ገብረሂወት።
    ብመጀመሪያ ሰላምን ጥዕናን ነዓኻ፤ ንበዓልቲ ቤትካ፡ ንድቕኻን ንዞማታትካን ይምነየልካ።
    ምሳኻ ፍልጠተይ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኢዩ። ኣብ ሰብዓታት በብግዜኡ ኪንራኸብ ከሎና ብዛዕባ ሀገር ዝነበረካ ስምዒትን ተገዳስነት ኣዝዩ ዚለዓለ ምንባሩ ይዝከረኒ። ኣባኻ ዚነበረኒ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ድማ ኣዚዩ ልዑል እዩ ኔሩ። ትምህርትኻ ብናይ ቲዮሎጂ (ቅሽነት) ስለዝነበረ ድማ ብሞራል ኩሉ ጊዜ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ትርከብ ኔርካ። በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ኣዋልድን ዚኾንካ ሕጉስ ናብራ ከምዘሎካ እየ ዚፈልጥ። ፈቃርን ፈታዊ ስድራኡን ስለ ዚኾንካ ድማ ንዞማታትካ ኩሎም (ዳኒኤል፡ ክብረኣብ፡ መስፍን፡ ዳዊት፡ ኖህ) በብሓደ ናብ እዚ ዓዲ ኣምጺእካዮም። ደቅኻ ዓወት፤ ስምረትን እምነትን ጸለምቲ ኣመሪካውያን (African Americans) ተመርዕየን ጽቡቕ ሓዳር ከም ዘለወን ኢሰምዕ። ኣብ ናይ መነን መኻኑ ኣይዝክርን እምበር ኣብ ናይ ሓዲኤን መርዓ እውን ተኻፊለ ኔረ።
    ሕጂ እዛ መልእኽቲ ክጽሕፈልካ ዚገደደኒ ምኽንያት፡ ብመጀመሪያ፡ ቃለ መሕትት ናይ ዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ኣብ “ሂወትና” ዚብል ናይ ኣሰና ፕሮግራም ምስ ሰማዕኩ ቀጺለ ድማ በዓል ነጻነት ኣብ ከተማ ሽካጎ ኢልካ ዚጸሓፍካዮ መልእኽቲ ምስ ኣንበብኩ እየ። ክሳብ ሕጂ ዘይመጽሓፍየይ ድማ እቲ ዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ከምዘሎዎ ክሓትት ስለ ዚደለኹ ኢየ። ንዶክቶር ኣርኣያ ኣይፈልጦን እየ። እንተኾነ ግን ንሱ ሓደ ካብቶም G13 ምንባሩ ከይተረዳኣኒ ብኪቱር ስሚዒት ኣብ ልዕለኡ ጽቡቕ ኣረኣያ ኣይነበረንን።
    ንእግሪ መንገደይ ግን ብመጀመሪያ ንዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ይቕረታ ኪሓትት ይፈቱ። በቲ ንሃገርና ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ድማ ኤመስግኖ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ኪሰርሕ እየ ጥራይ ምባሉ ዘይኮነስ ንጌጋታት እውን ኪእርም ፈቲኑ። ኣነ ግን ብፍላይ እታ ኣብ ጊዜ ኩናት እተጻሕፈት ብናይ በርሊን ማነፈስቶ እትጽዋዕ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩ ብክቱር ስሚዒት ጸሊኤዮ ኔረ። ሕጂ ግን ጊዜ እንዳ ሓለፈ ምስ ከደ፤ ኩነታት ምስ በረሀ ኩሉ እቲ ዚጸሓፉዎ ቅኑዕ ምኻኑ ተረዲኤዮ። ደጊመ ድማ ይቕረታ ክሕቶ ይደሊ።
    ናብ ዶክቶር ምሕረትኣብ ክምለስ፡
    ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ሀገርና ናብ ሕማቕ ኩነታት ኪትክይድ ርኢና። ክሳብ 2001፤ ዋላ እካ ሃገርና ኣብ ውግእ ትንበር፡ ኩላትና (ኣብ ውሽጢ ሀገርን ኣብ ወጻኢ ዚነበርናን) ሓቢርና መኪትና። ብድሕሪኡ ግን ዓመት ዓመት ኩነታት እንዳ ከፍኤ ከምዝኸደ ንኩሉና ብሩህ እዩ ኔሩ። መርሒና ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ስልጣን እንዳገበተን ከደ። ንብጾቱ ከሓደ። ናብራ እንዳ ከፈኤ ከደ። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ኣደታትና ጠምየን፡ ኣቦታትና ዝሕግዞም ሲኢኖም ደቕና ብብዝሒ ተሰዲዶም። ገሊኦም ኩሊቶም ተመንዚዖም፡ ገሊኤን ክብረተን ተደፊረን፡ ገሊኤን ኣብ ቀላይ ሓሪሰን። ትማሊ ትማሊ ድማ ቆልዑ ኣብ ማእከል ኣስመራ ተመንጢሎም። ዶክቶር ምሕረትኣብ እዚ እንዳረኣኻ እንታይ ኮንካ ጨኪንካ? ኣቦ ሰለስተ ኣዋልድ እንዶ ኣይኮንካን? ንስኻ ሎሚ ዓገብ ምበልካ ኢምበር ንስኻዶ ሎሚ ንጋይላ ምተቃራረብካ? እስኪ ንነብስኻ ኣብ ቦታ ናይ ዞም ዝተጎድኡ ስድራ ቤት ግበራ። ካብተን ደቅኻ ሓንቲኤን ማለት ዓወት ስምረት ወይ እምነት እንተ ዝምንጠላስ ንሳዕስዒት ምኸድካዶ? እዞም ደቆም ሲኢኖም ዘሎዉ ስድራቤታት ከማኻ ደቆም ከምዝፈትዉዎም ትዝንግዕ ኣይመስለንን። እዚ እንዳረኣኻስ ነዚ ኣብ ጉጉይ መገዲ ዘሎ መራሒና ክትድግፍ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።
    ዶክቶር ምሕረትኣብ ዓቢ ኢኻ፡ ናይ ዓበይቲ ስራሕ። ቀሽነት ተማሂርካ ኢኻ፡፤ ግፍዒ ክትርኢ ከሎኻ ተገፍዑ ምበልካ እምበር ንስኻ ሕጂ ሳዕስዒት ኣይምተራእየካን።
    ዓገብ ዶክቶር ምሕረትኣብ ዓገብ። ናብ ልብኻ ተመለስ።

    ሚሪያም ያቆብ

  • nefasit April 11, 2016

    Dear Deki Bahri Negassi,
    The former 30 years struggle for independence and the last 25 years on fake independence needs to revise genuinely.
    1. Who was the first founder for independence? it is clear the founders was the secret interest of colonies Britain,Egypt and Italy they establish and fabricated the mind of that era youth for their own interest.But in actual in that time almost all Eritrean was preferred to live with their own identity.
    2. The doctrine of Jebha and Alwahda clear indicates with menka for nothing with the interest of salh sappe. Even the doctrine of Ibrahim Sultan was initially from one of the founders of fkri hager but in the mean time colonies changed his mind for the funds contributed by Arab league. The same is true with tessema ablelom, weldeab weldmariam and so on.naming pro Italian liberal progress, al isalamia and soon.
    3. So, from the above statements, struggle for independence of Eritrea was not originated by native and interest of honest Eritrean. If any interest emanates from foreign concept, it couldn’t see the actual output or the real independence. By-default it has been shown us garbage in garbage out.
    Therefore, first of all we have to analyses the past interest of our people, what had been the consequence of the struggle and the situation after independence. Then we will come-up to the right solution, unless that by hiding our actual history, it is very difficult to come-up on the right solution. No more solution and reality by singing a song with the fake identity. Be pioneer for the reality of our identity.
    With Regards,

  • AHMED SALEH !!! April 12, 2016

    Sorry Tsilal
    At this time you visited before we sprayed insecticides inside DELEYTI FITHI house infested with bugs .
    Hope your next visit will be a little pleasant .
    WANTED FOR HIRE : expert in termination of TUKHAN -KUNCHI- ROACHES
    Address . ABAY GHEZA HIDMO ASSENNA

POST A COMMENT