Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ዝተራሕወ ቤትና ክንዓጽዎ ንሕተት ኣሎና

በዘልማድ፡ ህዝብና ዓመት ተወዲኡ ብሓድሽ ዓመት ክትካእ እንከሎ፡ “ንዓና ዝኸውን መንግስትን እዋንን ይምጻእ፡ ራህዋ፡ ሰላም ብልጽግናን ፍቅርን የውርደልና” ብምባል’ዩ ተስፋኡን ሃረርታኡን ዝገልጽ። ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ተስፋን ጽቡቅ ድሌትን ኣገደስቲ ስንቂ’ዮም እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

በዘልማድ፡ ህዝብና ዓመት ተወዲኡ ብሓድሽ ዓመት ክትካእ እንከሎ፡ “ንዓና ዝኸውን መንግስትን እዋንን ይምጻእ፡ ራህዋ፡ ሰላም ብልጽግናን ፍቅርን የውርደልና” ብምባል’ዩ ተስፋኡን ሃረርታኡን ዝገልጽ። ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ተስፋን ጽቡቅ ድሌትን ኣገደስቲ ስንቂ’ዮም እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነቱ፡ “ኩናት፡ ሞትን ስደትን ይኣክል” ብምባል፡ መኒኻ ዝብሎ ዘይብሉ ሰሪሑ ኣብ መበቆል ዓዱ ብሩፍታ ክነብር ካብ ተመጽዋትነት ተናጊፉን ህይወቱ ብርእሰ ተኣማንነት ክመርሕን ዓቢ ሃንቀውታ’ዩ ነይሩዎ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮ ጽቡቅ ነገራት ኣይረኸበን ዓስቢ ከቢድ መስዋእቱ ድማ ራህዋን ቅሳነትን ኣይተዓደለን። ኤርትራ፡ ውሑዳት ዝጋየጹላ፡ ዝሓየለ ጥራይ ዝነብረላ፡ ፍትሒ ዝዕምጸጸላ፡ መሰለይ ዝበለ ዝግረፈላ፡ ድኻ ዝብደለላ፡ ወዲ ሃገር ጓና ዝኾነላን መረበቱ ገዲፉ ዝስደደላን ስኦል መሬት ኮይና። ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ንዓመተ 2018፡ ዝሓለፈ ሕሰም ከብቅዕ፡ ዝተበታተና ስድራቤታት ክተሓቋቆፋ፡ እፎይታን ፍቅርን ክሰፍን፡ ሽሻይ ክስስን’ዩ ዝምነ። ብእምነትናን ሃይማኖትናን፡ ተመነ ዝተመነኻየ ድማ ክህበካ’የ ስለዝብል፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ፡ መስተርሆት ክወርዶ ወትሩ’ዩ ጸሎት ዝገብር።

ብኣጋጣሚ’ዚ ሓድሽ ዓመት፡ ስርዓት ህግደፍን ብስስዐ ዝዓወሩ ውሑዳት ደቂ መዛሙርቱን፡ “ተጻብኦ ማሕበረሰ ሰብ ዓለም መኪትና፡ ኣንጸባራቂ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዓወታት ኣመዝጊብና፡ ሳላ ዝሰመርና ሃገርና ደሴት ሰላም ኮይና” ዝብሉ ጭርሖታትን ደርፍታትን፡ ጓይላን መደረን ከስምዑ፡ ህዝብና ብሕማምን ጥሜትን እናተሳቀየ እንከሎ ጎደናታት ክስለሙን ብሚልዮናት ዶላር ካብ ወጻኢ ዝተሸመተ ሕብራዊ መብራህቲ ክውልዑ፡ ለይታዊ ትልሂት ከካይዱ፡ ሻምፓን ክኸፍቱን ብጮማን ዊስክን ክድሰቱን’ዮም። ሰብ ግዜ ስለዝኾኑን ኩሉ ኣብ ኢዶም ስለዘሎን፡ ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ዒራዒሮ፡ በለዛ፡ ግላስ፡ ዓዲ-ዃላ፡ ዓሰብ፡ ዓዲ ኣቤቶ፡ ገልዓሎ፡ ዊዓ፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ኣፍዓበት፡ ባጽዕ፡ ባረንቱ፡ ደሴታት ዳህላክን ካልእ ቦታታትን ዘለዉ ዜጋታትና ኣይክዝክርዎምን’ዮም። ምኽንያቱ፡ ብመምዘኒ’ቱ ስንኩል ኣእምሮኦም፡ ንሶም ጥራሕ’ዮም እሙናት ሃገርን ኤርትራውያንን። ዋላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ ከምዝብሃል፡ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደትን ግዱድ ዕስክርናን እንከሎ፡ ኣእዳዉ ስርዓት ህግደፍ ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወ ምዃኑ ኮቶ ኣይኣምኑን’ዮም።

ብርግጽ፡ ክቡር ዋጋ ከይከፈልካ ናጽነትካ ክትጎናጸፍን ክብርታትካ ከተውሕስን፡ ኣበርቲዕካ ከይሰራሕካ ስሱን ምህርቲ ክትሓፍስን ክትዕንገልን፡ ስኒትን ምጽውዋርን ከይፈጠርካ ጸላኢኻ ክትስዕርን ሕልምታትካ ከተተግብርን ኣይክኣልን’ዩ። ማዕረ ሕብረተሰብ ዓለም ክንስራዕን መጻኢ ወለዶና ክሕበንን እንተኾይኑ፡ ብሓባር ምስራሕ፡ ሓድሕድ ምክብባር ቀዳምነታት ምንጻርን ጥራሕ’ዩ ዝረጋገጽ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ፡ ማናን ክብረትን ከምዘይርከብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብግብሪ ኣረጋጊጽዎ’ዩ። ኣብዚ ንፋነዎ ዘሎና ዓመት (2017) ብስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ፍልሰት ኤርትራውያን፡ ድኽነትን ሕሰም ናብራን ከብቅዕ፡ ነዛ ንቅበላ ዘለና ሓዳስ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብዝዳረግ ኣውዳድባን መንፈስ ቃልስን መብጽዓና ከነሕድስ ከምዝግባእ ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነት ኣለና። ነዛ ሓዳስ ዓመት መርሓባ ክንብላ እንከለና፡ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ኣረጋውያንን ኣካለ ጽጉማትን ዝረከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስክር ስደተኛታት፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍን ነጋዶ ሰብን፡ ብጥሜት ጽምእን ሕማምን ይሳቀዩ ከምዘለዉን ድግስን ፌስታን ሓሪምዎም ከምዘሎ ብምዝካር ካብ ዘለውዎ ሕሰም ንምንጋፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል ኢልና ንነብስና ክንሓታ ይግባእ። ነዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት፡ ኩሉ ድሌታትና ክሰምር፡ ንሓድሕድና ክንፋቀር፡ ኣብ እንግዳዕና ዘሎ ከቢድ ጾር ሕሰምን ሕማምን ክራገፈልና ምምናይ ጥራይ ዘይኮነ መዓንጣና ሸጥ ክብልን ሕሰም ህዝብና ከብቅዕ ኢድና ክንሕውስ ንሕተት። ብዓቢኡ ድማ ዋና ስኢኑን ንጥፍኣት ተራሕዩን ዘሎ ቤትና፡ ጎሓላሉ ክይጻወትሉ፡ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ቤቶም ክርከቡን ውሕስነት ህላወኦም ከነረጋግጽን፡ መብጽዓና ከነሕድስ ክንትግብርን ኣለና።

           ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 25 ታሕሳስ 2017

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde December 25, 2017

    It is a noble and worthy New Years resolution to keep.I can’t thank you enough Tsilal. Beautifully packaged Christmas gift to all of us. Merry Christmas.

  • Kalighe December 25, 2017

    Merry Christmas to all .
    May God make it an occasion for peace to our people and the world.
    Hopefully, next year we will celebrate without Higdef and all of us back in our country.

    • amanuel December 27, 2017

      There is no government of eritrea or hgdf, there is small group run by iseyas and his loyal monkey and kisha. Under them are corrupt individual colonels like tesfaldet, and wedi memhir. The miniters are continuosly spied up on and non of them knows anything. Non of them is trusted or has any say. Even filipos is merely an instrument and neither has strong conviction nor trust in hgdf. If these 3 or trio are killed the whole hgdf is gone. Even if only iseyas is killed the regime is gone. The tactic these 3 are using is clear. They are using each of us agains each other there by making theme selves apear they have loyals everywhere. May 2018 bring an eritrean hero who kills iseyas and make a history that will be comomorated for ever.

POST A COMMENT