Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ድሕሪ 50 ዓመት

ኤርትራ፡ ድሕሪ 50 ዓመት ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣነን ከምዚ ናተይን ደረጃ ዕድመ ዘለኹምን፡ ድሕሪ 50 ዓመት ኣብ ገጽ መሬት የለናን፡ ሓመድ ኣዳም በሊዑና’ሎ። ዕድለኛታት እንተኾይናን ስደት እንተኣብቂዑን ድማ ናይ መወዳእታ ግብኣተ መሬትና፡ ኣብታ ወለድናን ኣባሓጎታትናን ዝተቀብሩላ

ኤርትራ፡ ድሕሪ 50 ዓመት

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣነን ከምዚ ናተይን ደረጃ ዕድመ ዘለኹምን፡ ድሕሪ 50 ዓመት ኣብ ገጽ መሬት የለናን፡ ሓመድ ኣዳም በሊዑና’ሎ። ዕድለኛታት እንተኾይናን ስደት እንተኣብቂዑን ድማ ናይ መወዳእታ ግብኣተ መሬትና፡ ኣብታ ወለድናን ኣባሓጎታትናን ዝተቀብሩላ ቦታ በብእምነትና፡ ስነ-ስርዓት ቀብርና ክፍጸመልና ንምነ። እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃብትናን ዘሽካዕልል ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስን ስዓብቱን’ውን ብዕድመ ድሕሪ 50 ዓመት ብህይወት ኣይክህልዉን’ዮም። ማንታ ወይ ቅዳሕ ናቶም ተኪኦም ስልጣኖም እንተቀጺሉ ግን፡ ሬሳና ጥራይ ዘይኮነ ሓመድ ዓድና ዝስእን፡ ደቅና-ደቂ ደቅና’ውን፡ “ሃገር ኣላትና ወይ ስድራቤት ኣለዉና” ኢሎም ንኤርትራ ኣይክመጹን’ዮም፡ ብብዘለውዎ ከም ደቂ ዛግራ ክጠፍኡ’ዮም። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍን ናትና ስንፍናን፡ ደቅናን ደቂ ደቅናን ምስ ሃገሮም፡ ታሪኾምን መበቆሎምን ዝተኣሳስሮም ንሕና ብህይወትና እንከሎና ዕድላት እንተዘይረኺቦም፡ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ኣበይ ከምትርከብን መበቆሎም ንምፍላጥን፡ ኣብ ጉጉል(Google) ሃሰስ ክብሉ’ዮም። እዚ ንዓና፡ ንህሉዋት ኤርትራውያን ዓቢ ሕፍረትን ክሳራን’ዩ። እቲ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ስለዘድልያ ንወደብ ዓሰብ ክትብል ክትጎብጠና’ያ፡ ኣብ ከባቢናን ዞባናን ዘሎ ሃይማኖት ምስልምናን ሕሉፍነትን ንኤርትራ ዓቢ ስግኣት’ዩ፡ ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር’ያ” ዝብልን ካልእን ስክፍታ ከምዘሎ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ወሳኒ ግን ብምስልምና ወይ ብክርስትና፡ ብሓያላት ወይ ብድኹማት ሃገራት ምኽባብናን ምንኣስናን ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ሓደ ህዝቢ፡ ከም ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ ንውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት፡ ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን ተጻብኦታት መኪትና ብኸመይ ክብረትናን ሰላምናን ዓቂብና ንነብር’ዩ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ዘመድናን እምነትናን ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን እምበር፡ ምስ ምዕራብ ምስ ምብራቅ ወይ ምስ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኤስያ ተሓናጊርና ኣብዛ ዓለም ክንቅጽል ክንሓስብ የብልናን። ምኽንያቱ ክንህሉ ወይ ክንጠፍእ፡ ናትና ሓድነት፡ ሓያል ስራሕን ጠባይ ዓለም ፈሊጥና ብኸመይ ተቃዲና ንምንባር ምብልሓትን’ዩ ዝውስኖ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ንጸሊም ጻዕዳ ኢሉ ናይ ምእማን ተኽእሎ ስለዘለዎን ካብ ዝፍጠር ደምን ስጋን ንጹሃት ኤርትራውያን እናሰተየን እናበልዐን ስለዝመጸን፡ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጥራይ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ’ውን ብባሕርን መሬትን ኣቢሎም ናብ ክፍለ ዓለማት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ካልኦት ከባቢታት ዓለምን ዝተሰዱ ኤርትራውያን፡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ዝተረፉ፡ ብነጋዶ ሰብ ዝተጨውዩ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተዳጎኑ፡ ረዳኢ ስኢኖም ብጭንቀት ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ፡ ክብረ ንጽህነአን ዝተደፍራ ወይ ጥንስን ሕርስን ዘጋጠመን ኣሕዋትና፡ ብድኽነትን ስእነትን ግዳም ሓደር ዝኾኑ ኤርትራውያን ማእለያ የብሎምን። ታሪኾም ንኽትሰምዖ’ውን ዘዘግንን’ዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስቃይን ኣደራዕን ተፈቲሑ፡ ሃገርና ቅሳነትን ተስፋን ከይሰፈናን ዝተበታተነ ስድራቤታት ዳግም ከይተሓቋቆፈን ምስ ከቢድ ጓሂና ፈጣሪ እንተወሲዱና ግን፡ ብዘይ ሩፍታ ንመዋእል እንተ ኣብ ገነት እንተ ኣብ ሲኦል ክንቅመጥ ኢና። እቶም ኣቀዲሞም ጽቡቅ ኤርትራ እናበሃጉ እንተኾነ ኩሉ ከይርኣዩ ዝተሰውኡ፡ “ወረ ዓዲ እንታይ ኣሎ” ኢሎም ምስዝሓቱና ድማ፡ ብስክፍታ፡ “ኤርትራ ከምታ ዝገደፍኩማ፡ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜት፡ ግህሰትን ስደትን ወሪርዋ’ሎ” ኢልና ክንምልሰሎም ኢና። እቶም ስውኣት ድማ ዳግማይ ሓዘን ክድበሱ’ዮም። እቲ ዝኸበደ ሓዘን’ና ግን፡ ናይ ጽባሕ ኣዕናዊ ሓድጊ ህግደፍ እምበር ናይ ዝሓለፈን ህሉዉን ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ቁንቁነን ቁርዲድን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ንሱ ክሳብ ዘሎ መጻኢና ካብዚ ሕጂ ዘሎ  ኩነታት ዝኸፍአ እምበር ዘሐጉስ ከምዘይከውን ርዱእ’ዩ። እንተ’ቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕቁፊ ወለዶም ዘለዉ ህጻናት፡ ንዓለም ማንካ ዝየልዓሉላ ወርጠበታት፡ ጎራዙትን ኣባጽሕን ኤርትራ፡ ድሕሪ 50 ዓመት እንታይ ዕድል’ዩ ዘለዎም ንምትንባይ የጸግም’ዩ። የግዳስ እንተ ጽቡቅ እንተ ሕማቅ፡ እንተ ኣብ መሬቶም እንተ ኣብ ዓዲ ጓና፡ ክልተ ምርጫ’ዩ ዝጽበዮም ዘሎ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ነቶም ብህይወት ዘሎና ኩልና ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ተቃወምቲ ወይ ደገፍቲ መንግስቲ ተበሃሂልና ብዝተፈላለየ ደረጃ ንዋሳእ ዘሎና ዜጋታት፡ ልዕሊ’ቲ ንዓና ኣብዚ እዋንዚ ዘጋጥመና ዘሎ ኩሉ ዓይነት ኩፉእ ገጻት ህይወት፡ ነቶም ህሉዋት ህጻናትን ጽባሕ ዝውለዱን ክንሓልየሎም ይግባእ። ኣብ ክንዲ ቤትና ሰተ ሰምሃልን ሽላንን ንሽልሞ፡ እሾኽ መርገም ዘሪእናሉ እንተሓለፍና ዘይወጽእ ጣዕሳ’ዩ። እዚ ንሕና ሎሚ ንሓልፎ ዘሎና መስገደል፡ ኣብ መጻኢ ወለዶና ክድገም የብሉን። ከምቶም ዝሓለፉ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ቁርኣንን ምሒሎም ንውሽጣዊ ፍልልያቶም ዓቂቦም ንተንኮላት ገዛእቲ ዝመከትዎን፡ እዛ ሎሚ ዘላ ኤርትራ ካብ ገጽ ዓለም ንኸይትሕከኽ ዝተወፈዩላን፡ ንሕና’ውን ኣሰር ቀዳሞት ንስዓብ ንደቅና ድማ ሰላምን ፍቅርን ዝዓሰላ ዘይትቁርመም ሕፍርቲ ኤርትራ ነረክቦም።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (14 ጥሪ 2017)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • k.tewolde January 16, 2017

    In every human’s life span there are internal conflicts according to prominent psychoanalysts,if these conflicts are not resolved properly at every stage,the individual tend to regress or repeat the same mistakes in later life.The most fundamental conflict in Eritrean history was the blood that was spilled among brothers/sisters during the armed struggle for the interest of the few who are reaping the benefits exclusively today.Now the brothers/sisters who have never resolved their conflict properly are trying to fight the exclusive and oppressive club together but with unresolved internal conflict.The result………………..? Like every good citizen of this nation we love,I wish all the good things for my people,but wishing alone only remains a wish,we need to acknowledge our mistakes,repent and apologize to those we did inflict harm,take measured ,practical steps toward resolving our long simmering conflicts and cleanse our conscience.Then only then we can sing the famous song,’I CAN SEE CLEARLY NOW THE RAIN IS GONE……’ Thanks again Tsilal.

    • k.tewolde January 16, 2017

      In conclusion- Otherwise,our internal and external enemies will continue to exploit our unresolved conflicts rendering us as ineffective warriors as they did back then.Lets begin to restore that authentic Eritrea we are all familiar with,lets start weaving our shredded social fabric one strand at a time.It is not too late.

  • PH January 16, 2017

    Bravo ጽላል፡ብእተቅርቦም ዓንቀጻት ሙሱጥ ኢየ።በዛናይሎሚ ግን ርእሰይ ሓኺኸ።ዘሰክፍ ሃሊዩኒ ዘይኮነ ኣነ’ውን ወላዲ ስለዝኾንኹ ደቀይ ተራእዮምኒ።ነኤርትራ ብታሪኽ ጥራሕ ኢዮም ዝፈልጡዋ ግን፡ከምቲ ኣነ ንወለደይ መግዛእቲ ኣውሪስኩምና ዝበልኩዎም ፡ንዓይ’ውን ስደት ኣውሪስካና ከይብሉኒ ይፈርሕ።

  • ሃብተ January 16, 2017

    ክልተ ካብ ሜአቲ ከፍልኪ ዓዲ ዘይትኸዲ አንታይ ጸገም ኣለዎ ሓፍትና ?

    • PH January 16, 2017

      2% ከፊልካ ዘይኮነስ ክልተ እግርኻ ከፊልካ ዓድኻ ዘይምእታው ኢዩ ዘሎ ኢቲ ሑቶ።ነቶም ኣብ ከሰላ ተደርቢዮም ዘለዉ ውጒኣት እስከ ንዘክር ኩቡር ሃብተ።

      • k.tewolde January 16, 2017

        PH, it is like the story of the daughter of the king who quipped after she saw the people dying of hunger,’Dad why don’t they eat cake!?’That comment by Habte,is it the usual sarcasm straight from adi halo or a clueless Eritrean who lives detached from reality in a suburbia enclave? The Eritrean riddle continues.

  • January 17, 2017

    ኣነ ብነብሰይ ምሽክዕላል ወይ ምልጋጽ ኣይፈትውን አየ ነዛ ሰብ ዘየለ ሕንግጉ ክመጻኪ አዩ ኢልኩም ኣይተባህርርዋ
    ኣብ ትሕቲ ፍጡር አግዝ ኣብሀር ዝኾነ ሓይሊ ዓዳ ከይት ኣቱ ዝኽልክላ የለን።
    ክልተ ነገር አየን ሰማያዊ ታሰራ ኣለዋ ትከት ምቁራጽ ጥራይ ይተርፋ።
    ሰማያዊ ታሰራ ተዘይብላ ግን ናብ አምባሲ አርትራ ምልጋስ ከድልያ አዩ አዝ ኣ ተሰክፋ ወይ ተፍርሃ አንተ ኾይና ግን
    ኣብቲ አሳ ትቅመጦ ዓዲ ዝቅመጥ ነይረ ተዝኸውን መሰነኹዋ ነይረ።

    • PH January 17, 2017

      Could you grant her also basic necessity like electricity, water and medicine spending from her pocket? Could she wok freely, express opinion and oppose your boss? If so, no problem.

    • k.tewolde January 17, 2017

      Habte,you must hold the platinum HGDEF card to accompany PH to the embassy or you are high ranking diplomat, isn’t that what was promised by the late Ghirma Asmerom to sherifo’s wife that we all are familiar with her fate.You right ,nobody can deny you from going back home,unfortunately, in this unique nation,directly or indirectly its citizens abroad are denied entry dead or alive,those who are allowed are thoroughly screened or affiliated to the regime.Are you oblivious to this or you are just interested in our 2%.If that is the case,I am ready to pay 200% on these conditions,establishment rule of law,restoring the constitution,holding free elections under the watch of a legitimate international body,freeing all political prisoners and journalists unconditionally,replacing the current regime by a transitional,coalition government temporarily,immediate disbanding of the EDF and restructuring its rank and file to reflect balance of all Eritrean ethnicity……….. lets start with this and the money will be flowing in not in millions but billions.Eritreans love their country and you know it,but there is somebody there who doesn’t want to see our goodness.

      • k.tewolde January 18, 2017

        continuation- definitely,people like you are enabling him to accomplish that mission he set out for in the ravines of sahel decades ago.

  • BH January 17, 2017

    It is very sad that why some Eritrean decided to dismantle our future generation and blind eyes the truth. You can disagree in different issues this is natural but. please you must tell the truth what is going on and what’s happen for Eritrean people under the dictator HGDEF. PH,do not play withy Eritrean life and pain..

  • ሃብተ January 17, 2017

    ph ph ph አዛ ሰብ ነዚ ኣብ ላዕሊ ጸብጽብካለይ ዘለኻ ድያ ናፊቃ አሱድ ኣ ኣብቲ ዓዲ ዘላቶ ይበዝሕ ኣብ ኡ ይሕሻ።
    በተሰባ ጽሓይ፡ ንፋስ ናይ ዓዳ ተኾይኑ ግን አንታይ ጸገሙ ዘይትኸይድ።

  • PH January 17, 2017

    BH, could you please enlighten me where the truth is? The suffering pain under the dictator as you mention should be tackled or wait till total destruction? I hope not. my comments where clear in the very beginning but you seem not read the article and the comments of Habte & Y.

POST A COMMENT