Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 10 ዓመታት ጥራይ 400 ሽሕ ዜጋታታ ከምዝተሰዱ ብምጥቃስ፣ ሓንቲ ካብተን ህዝበን ብናህሪ ናብ ስደት ዝጕሕጓሕ ዘሎ ሃገራት ኮይና ከምዘላ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ይገልጹ

ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 10 ዓመታት ጥራይ 400 ሽሕ ዜጋታታ ከምዝተሰዱ ብምጥቃስ፣  ሓንቲ ካብተን ህዝበን ብናህሪ ናብ ስደት ዝጕሕጓሕ ዘሎ ሃገራት ኮይና፣ መእሰያታ ትዓርቕ ከምዘላ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ብተደጋጋሚ ይገልጹ ‘ለዉ። ሓደ ካብቶም ማዕከናት ዜና gazette

ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 10 ዓመታት ጥራይ 400 ሽሕ ዜጋታታ ከምዝተሰዱ ብምጥቃስ፣  ሓንቲ ካብተን ህዝበን ብናህሪ ናብ ስደት ዝጕሕጓሕ ዘሎ ሃገራት ኮይና፣ መእሰያታ ትዓርቕ ከምዘላ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ብተደጋጋሚ ይገልጹ ‘ለዉ።

ሓደ ካብቶም ማዕከናት ዜና gazette review.com ሎሚ 28 መስከረም ኣብ ዘስፈሮ ዜና፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ዜጋታት ናብ ስደት ዝኸደ ዓርኮም ወይ ኣባል ስድራቤቶም ከምዝፈልጡ ብምጥቃስ፣ ምጕዳል ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ርኡይ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ኣገንዚቡ። ነዚ ኣሻቓሊ ኩነታት ዝኸበደ ዝገብሮ ድማ፣ ናይቶም ድሮ ከይዶም ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ገንዘብ ሕጽረት ወይ ድማ ካብታ ሃገር መዋጽኦ ጸጊሙዎም እንተዘይኮይኑ፣ ብዙሓት ንስደት ተቐሪቦም ምህላዎም እዩ።

ሓደ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣህጉራዊ ጋዜጠኛ ነዝ ጉዳይ ‘ዚ ብዝምልከት ኣብ ዘ ጋርድያን ኣብ ዘስፈሮ ተመሳሳሊ ጽሑፍ፣ ሓደ ኣብ ጋራጅ መንግስቲ ሳልሳይ ርእሱ ክሰርሕ ዝረኸቦ መካኒክ፣ “ኣብ መንጎና ምናልባት ማዕረ 300 ዝተሰዱ ኤርትርውያን ብቐረባ ንፈልጥ ኢና” ብምብል ምጕጕሕጓሕ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣሻቓሊ ኮይኑ ምህላዉ ከምዝጠቐሱሉ ኣረዲኡ።

ኩላቶም ድማ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽርሮ ዘሎ ፖሊሲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት እቲ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ጊላነት መንእሰያት ምዃኑ ኣብ ሓባራዊ መደምደምታ በጺሖም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 5 ህዝበን ብቕጽበት ናብ ስደት ዝጕሕጓሕ ዘሎ ሃገራ ኮይና ምስተን ብኵናትን ሽበራን ዝሳቐያ ዘለዋ ከም ብዓል ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት ተሰሪዓ ትርከብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde October 1, 2016

    quote in English version,’…… the most disturbing trend is,those who are left behind if it was not for the shortage of money,they are poised to follow suit……..’ whatever happen to the word resistance,defiance,IMBI !

POST A COMMENT