Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ናበይ ገጻ’ያ ትሕምበብ ዘላ ?

                          ኤርትራ ናበይ ገጻ’ያ ትሕምበብ ዘላ ?   ብገዛኢ ኪዳነ  ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላሽ  ብዙሕ ዝኽወሎ ኤርትራዊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡ ምኽኒያቱ ህግደፍ ዓዲ ኣትዩ ስልጣን ህዝቢ

                          ኤርትራ ናበይ ገጻ’ያ ትሕምበብ ዘላ ?   ብገዛኢ ኪዳነ

 ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላሽ  ብዙሕ ዝኽወሎ ኤርትራዊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡ ምኽኒያቱ ህግደፍ ዓዲ ኣትዩ ስልጣን ህዝቢ ብኤደወነኑ ጨውዩ ከም ንዕኡ ዝጥዕሞ ከመሓድር ካብ ዝጅምር ክሳብ ሎሚ ዕለት ሃገር ንቑልቁል እምበር ንላዕሊ ክትብል ኣየረኣኽዋን። ብፍላይ ሎሚ እሞ ብሱሩ  ናብ ህልም ዝበለ ኣጻድፍ ትሕምበብ ከም ዘላ ዲክታቶር ኢስያስ ብቓልዕ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ሎሚ ኢሳያስ  ሃገር ናብ ምዕብልና ገጻ እትስጉመሉ ኣገባብ ከም ዘይነበረን ንድሕሪ ሒጂ’ውን  ከም ዘየለን ኣፉ ከፊቱ ምልክት ቅርሕንቱ ኣስናኑ ለኺቱ   ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ስለዝኾነ ሃገርና እትሕምበብሉ ዘላ ቁልቁለት ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዘላ ብዘየማትእ ኣገባብ ተረጋጊጹ  ኣሎ።

እቶም ኣብ ህግደፍ ተስፋ ገይሮም ገንዘቦምን ወርቆምን ዘረከቡ ኤርትራውያን፡ ተስፋኦም ከም ንፋስ በኒኑ፡ ብመታለሊ ሜላ ህግደፍ ንብረቶም ወርቆምን ከም እተራሰዩ ክስወጦም ይግባእ። ብቐደሙ እውን ልዕሊ ህዝብኻ ክትከውን ምፍታን፡ ‘ልዕሊ ዓለማ ዝነውሔት ማሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ ‘ይብሉ ዓበይቲ ዋንጭፍ ህግደፍ ኣረኻኺቡልኩም ኢዩ። ሕጂ ብሕሉፍ ጌጋኹም ተማሂርኩም ምስ ህዝብኹም ተሰርዑ። ኣውያት ህዝብኹምን ጥፍኣት መንእሰያት  ኣሕዋትኩምን ይሰወጥኩም። ምስ ህዝብኹም ተሰሪዕኩም  ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወጊድኩም ማዕረ ህዝብኹም ሓርነትን ማዕርነትን ዝማእከላ፡ ሕጊ ዝነገሳ ሰላማዊት ዲሞክራስያት ኤርትራ ንምምስራት ተቓለሱ። እቲ ንዓመታ ጥሜት ነበረ ኪኸውን ኢዩ፡ ኤርትራ ስንጋፖር ክትከውን ኢያ፡ ህዝብና ኣብ ክንዲ እኽሊ ወርቂ ክሓፍስ ኢዩ፡…..ወዘተ እናበለ ዘታለልኩም ዲክታቶር ሃገር ናብ መዋጽኦ ዘይርከቦ ዓጸቦ ደቕዲቕዋ። እቲ ወርቂ እውን ንሃገር ዝጠቅም ኣይረኸብናሉ፡ ኩሉ እቲ ዝኹዕቶ ዘሎ ካምፓኒ ኢዩ ዝወስዶ፡ እንተ’ቲ ማይ ንጎሮሮ ምስኣን ግን ሰብ ናብ ማይ ዘሎዎ ኢዩ ዝኸይድ እምበር ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን እናበለ እቲ ስንጋፖርስ ይትረፍ ሃገር ከም ሃገር ቀጻልነት ክህልዋ ዲዩ ወይስ ከመይ ክትከውን ኢያ ኣብ ዝብል ጥርጣረታት ኣእትዩዋ ይርከብ። ካብዚ ዝበለ መረጋገጺኸ እንታይ ኢዩ ክመጸኩም እትጽበዩ።

ኤርትራውያን ኩልና እንታይ ንጽበ ኣሎና፡ ኣርሆስ ክሳብ ዝጠፍኡ ይስሕቑ ዝበሃል ምስላ ኣበው’ኮ ኣባና ኢዩ ዘሎ። ኣብዚ ላዕሊ ከም ኣርእስቲ ተጠቒመሉ ዘሎኹ ሕቶ እምበኣር መልሱ ሃገር ናብ ውድቀትን ጥፍኣትን ብርሰትን ኢያ እትሕምበብ ዘላ። አረ ብሱሩ ህልውና ሃገርና ኣብ ቃራና መንገዲ ተንጠልጢሉ ኣሎ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ቃራና መንገዲ ናይ መጨረሻ ጉዕዞ ኢዩ፡ እቲ ሓደ ቃርና ጎዳና መንገዲ ህግደፍ ናብ ምብትታንን ምብራስን ህዝብን ሃገርን ዝወስድ ኢዩ፡ እቲ ሓደ ቃራና ድማ መንገዲ ደለይቲ ፍትሒ ናብ ድሕነትን ህልውናን ሃገርን ህዝብን ዝወስድ ኢዩ። እሞ ኩልና ኤርትራውያን ኣየናይ መንገዲ ንምረጽ? ኣየናይ መንገዲ ኢዩ ዘዋጽኤና?  እምበእርከስ ብሃገርን ህዝብን ዝሓስብ ኤርትራዊ ምርጫኡ እቲ ካልኣይ ምርጫ ኢዩ። ንሱ ድማ መንገዲ ደለይቲ ፍትሒ ናብ ድሕነትን ህልውናን ዝወስድ መንገዲ ኢዩ ዝመርጽ። እንተቲ ቀዳማይ ምርጫ ግን መንገዲ ጸላእቲ ፍትሒ፡ መንገዲ ጥፍኣትን ብርሰትን፡ መንገዲ ህውከትን ውርደትን ስለዝኾነ ኣይተ ኢስያስን ጃንዳኡን ይኺድዎ። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ግን እቲ ጎደና ድሕነትን ጎደና ህልውናን ሰላምን ብሓባር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንመርሸሉ። ፍረ ጻማ ጉዕዞና ድማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኢዩ፡ ድሕሪ እዚ ሕጊ ዝማእከሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኺልና ፡ ፍትሕን ሰላምን ዝነገሳ ኤርትራ መስሪትና ማዕርነት ናይ ሕብረተሰብናን፡ ነጻነት መንፈሳዊ እምነትናን ብሕግን ስርዓትን ተሓልዩ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ኣዋጅ ሰላም  ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ ኣንጎድጒዱ ሃገር ኣብ ክንዲ ጥፍኣትን ብርሰትን፡ ህልውናን ድሕነትን፡ ቅሳነትን ሓርነትን ክትጓናጸፍ ኤርትራዊ መንገዲ ምስ ኣሕዋትካ ደለይቲ ለውጢ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጎደና ድሕነት መርሽ!! እዚ ንጽባሕ ይጽናሓለይ ዘይበሃለሉ ህጹጽ እውናዊ ጉዳይ ኢዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ህግደፍ ካሊእ ጸላኢ የብሉን፡ ንህግደፍ እውን ጸረ ሰላም ጸረ መሰል ጸረ ሕጊ ስልዝኾነ ጥራይ ኢና እንጸልኦ፡ እምበር ህግደፍ ዝብል ስም ስለ ዝሓዘ ኣይኮናን እንጸልኦ። ስሙ ደኣ ጽቡቕ እንዲዩ ህግደፍ ማለት እኮ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክርራስን ፍትሕን ማለት ኢዩ፡ ስሙን ግብሩን ግን ክልተ ዘይላገቡ ወይ ድማ ዘይፋለጡ ሕቖን ከብድንን ኢዮም። ስሙ ጽቡቕ ግብሩ ኩፍእ  ኢዩ። ንህዝቢ ድማ ስሙ ጸቢቑ ብልጭልጭ እንተበለ ስም ኣይብብላዕ ኣይስተ እንታይ ኪኾኖ! ህዝቢ ዝድልዮ ፍትሒ ኢዩ፡ ህዝቢ ዝደልዮ  ሰላም ኢዩ፡ ህዝቢ ዝደልዮ ስኒት ኢዩ፡ ህዝቢ ዝደልዮ ዲሞክራሲ ኢዩ። ካብዚ ተበጊሱ ድማ ህዝቢ ሓድነቱን ልዑልኣውነት ሃገርን ኣኽቢሩ ሓንትን ንሕብረተሰባ ብማዕረ ዝሓቖፈት ምዕብልቲ ኤርትራ ክትህልዎ ኢዩ ዝደሊ፡ ናብዚ ሰናይ ጎደና ዝመርሕ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኢዩ ዝደሊ፡ እዚ ከኣ  ብልጭልጭ ብዝብሉ ንዓይንን ልብን ዝስሕቡ ብሕብራዊ ቀለም ዝተወቀጡ ፊደላት ዝተጻሕፈ ጽቡቕ ስም ዘይኮነስ ምስቲ ጽቡቕ ስም ኣሳንዩ ዝኸይድ ግብራዊ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ የድሊ።

ይኹን እምበር እዚ እንምነዮ ሰናይ ምሕደራ ካብ ህግደፍ እንጽበዮ ኣይኮነን። እዚ ሰናይ ምሕደራ እዚ ብቃልሲ ንህግደፍ ጉሒፍካ፡ ኣብ ልዕሊ መቕብር ዲክታቶር ህግደፍ ዝድኮን ኢዩ ኪኸውን ዘለዎ።  ነዚ ክውን ንምግባር ድማ ኢዮም ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣገባብ ቃልሶም ኣሚቶም፡ ሰራዊቶም መልሚሎም ምስ እቶም ካብ ህግግደፍ ዝያዳ ሓለፋ ዘሎዎም ናይ ስለያ መሓውሩ ዝዋደቑ ዘሎዉ። ኣብዚ ንምድሓን ህዝብን ሃገርን እምበኣር ኤርትራዊ ተዓዛባይ ኮይኑ  ክተርፍ ኣይግበኦን፡ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን እጃሙ ከበርክት ይግባእ። ምኽኒያቱ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶር ኢሳያስ ትማሊ ከመይ ነበርና ዝብል ንሕሉፍ ታሪኽ ዝብርብር ሕቶ ክለዓል ግድን ኢዩ። እዚ ሕቶ እዚ ኣብ መድረኹ ዓጽመ ስጋኻ ዝምንጭት ሕቶ ኢዩ ኪኸውን። ንመን? ንህግደፍን ንውልቃዊ ረብሓ ክብሉ ምስ ህግደፍ ዘውደልድሉ  ለቕለቕቲን!! ደለይቲ ፍትሒ መሲሎም ንደለይቲ ፍትሒ ክብትኑ ዝሓስቡ ዓለቕቲ፡ ኣብ ቃልሲ ዘየለዉ ንቃለስ ኣሎና ዝብሉ ሓሰውቲ! ወይልኹም ኣብዚ ዓንከል’ዚ ኣቲኹም ሕምቢሊል  እትቡሉ ዘሎኹም ተወላወልቲ!! እዚ እቲ ጽባሕ ዝግንጸል ናይ ትማሊ ታሪኽ ኣብ ዓለም ምፍጣርኩም ከጽልአኩም ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ግን ተጣዒስካ ዝምለስ ኣይኮነን፡ እቲ ዝኸፍኣ ከኣ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብታት ምግዕዛይ ኢዩ።

ዝኽነ ኮይኑ እቲ ፍትሕን ሰላምን ዝደሊ ኢዩ ዝቃለ እምበር፡ ጸረ ፍትሒ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ሰብ ኣብ ዝካየድ ፍትሓቂ ቃልሲ ክሳተፍ ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን፡ ነዞም ክልተ ተጻራሪ ኣተሕኣሳስባ ዘሎዎም ኣካላት እዚኦም ግና ፈራዲኦም እቲ ጽባሕ ዝፍጠር ታሪኻዊ መድረኽ ኢዩ። ስልዝኾነ ምኸሮ ምኸሮ እንተእኣበየ መከራ ይምከሮ እንዲዩ ኣይፋልለይን ምስ ህግደፍ ክብዕልግ ኢየ፡ መሳርሒ ህግደፍ ኪኸውን ኢየ ዝበለ ሐራይ እንተ ኣርባዕተ እግርኽን ጽባሕ ንርእየክን ጽባሕ ኣብቲ ንኹሉ ዝቐልዕ ታሪኻዊ መድረኽ የራኽበና ኢልካ ምሕላፉ ይምረጽ።

 

ህግደፍ ሎሚ መሕብኢ የብሉን፡ ህግደፍ ጸረ ህዝብን ሰላም ምዃኑ ኣባና ኣብ ኤአርትራውያን ጥራይ  ዘኮነስ ኣብ ዓለም’ውን ሓደ ካብቶም ዲክታቶራት ኮይኖም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ቫይረስ/ሕማም/ ናይ ሰላም ምዃኑ ተርረጋጊጹ ኢዩ።  ደጋፊ ናይይዚ ከምዚ ዝበለ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኮይንካ ምጽናሕ ድማ ዋጋኡ ከቢድ ኢዩ። ንውሉድ ወለዶ ዝተርፍ ኣሉታዊ ታሪኽ ኢኻ እተትርፍ፡ ካብዚ የድሕነና !! ካብ ኩሉ ምስ ዓማጺ ህዝቢ ተሰሊፍካ ንውልቃዊ ረብሓኣካ ክትብል ህዝቢ ምብዳል ጽባሕ ንግጉሆ ተጣዒስካ ዘይምለስ ሓኪም ዘይኽእሎን መድሃኒት ዘይርክአቦን ናብ ውሉድ ወሎዶ ዝመሕሓላለፍ ናይ ዘላኣለም ታሪኻዊ ቃንዛ ኢዩ።

ስለ ዝኽነ ክልና ኤርትራውያን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ኣብ ዝካየድ ርብርብ ናይ ቃልሲ ተሰሊፍና ዓቕምና ዝፈቕዶ እጃም ብምብርካት ካብ ጽባሕ ዝለዓል ታሪኻዊ ሕቶ ነብስና ነጻ ነውጽእ። ምኽኒያቱ ህግደፍ ኣብቂዑ ኢዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣይሰራሕናን፡ ንድሕሪ ሕጂ እውን ክንሰርሕ ዓቕሚ የብልናን ካብ ዝብል መሪሕነት እንታይ ትጽበዩ? ህዝቢ መተርከሲ ጎሮሮ ማይ ስኢና እንተበለ ፡  ሰብ ኢዩ ናብ ማይ ዘሎዎ ዝኸይድ እምበር፡ ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን ዝብል መራሒ ምጽባይ እንታይ’ዩ ፋይዳኡ ? ኣነስ ኣእኪለ ኢየ ዋላ ሓንቲ ክሰርሕ ኣይክእልን ዓቕሚ የብለይን እኮ ኢዩ ዝብል ዘሎ። ማይ ማይ ኣይትበሉኒ ናብ ማይ ዝርከቦ ኪዱ ጥፍኡ እኮ ኢዩ ዝብል ዘሎ። ወዮ ኣንስትና ጥራሕ ዘይኮናስ ኣእዱግና እውን ወርቂ ክስለማ ኢልኩም እትጀሃኣሩሉ ዝነበርኩም ወርቂ ቢሻ እቶም ኮዕቱ እንተዘይኮኖም ንሕና ዝረኸብናሉ የብልናን ኢልኩም፡ ሃገርና ፋይዳ ዘይትረኽበሉ ደኣ መሬትና ስለምንታይ ብጓኖት ይኳዓትን ይውሰድን፡ ሕስብ እሞ ኣብልዎ ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎ ሰብ ምስ እዚ ስርዓት እዚ ይስለፍ!! ዓገብ!!

ካሊእ ብህግደፍ ዝውደ ተንኮላት እውን ኣሎ፡ ህግደፍ ሃገር እንተባደመ፡ ህዝቢ እንተበረሰ ዝዓጅቦ ስርዓት ኣይኮነን። ህግደፍ ብመሰረቱ ዕላማኡ ህዝብን ሃገርን ንብራስ ኢዩ። ነዚ ክዉኡን ንምግባር ኣብ ህዝብና ዝወድዮ ዘሎ ድሕረታት ንርእዮ ኣሎና።

ሎሚ ኣብ እዋን ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ኣውራጃ፡ ናይ ብሔር ናይ ዓሌት ፍልልያት ፈጢሩ ስልጥጣኑ ንምንዋሕ ዘይማሃዞ ተንኮል የለን። በዚ ተንኮል ናይ ህግደፍ ተታሊሎም ህግደፍና መንንግስትና ኢዩ ኢሎም ዝቕበሉን ዘገልግልዎን ኤርትራውያን ንዕዘብ ኣሎና። እቲ ሓቂ ግን ኮምኡ ኣይኮነን። ህግደፍ ብጠቕላላ ንሓደ ኣውራጃ ኣቕሪቡ ንሓደ ኣውራጃ ዝሓቁፍ፡ ንሓደ ሃይማኖት ነጺጉ ንኻሊእ ሃይማኖት ዝቕበል ወይ እውን ንሓደ ብሔር ሓቒፉ ንካሊእ ብሔር ዝነጽግ ስርዓትት ኣይኮነን። እዚ ስርዓት እዚ ብጠቕላላ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣስላማይ ኣይብል ክስታናይ፡ ከበሰታይ ኣይብል መታሕተታይ ንኽሉ ኣሕቢሩ ዝደቁስ ዘሎ ስርዓት ኢዩ። ኣብ ዘመነ ህግደፍ እዚ ሃይማኖት እዚ፡ እዚ ኣውራጃ እዚ ወይ እውን እዚ ቢሔር እዚ ሓለፋ ኣሎዎ ኢልካ ክትዛረብ ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ። ሃይማኖታዊ እምንአቱን ኣውራጃዊ መንነቱን፡ ብሔራዊ መለልዩኡን ብዘየገድስ ኩሉ ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቱ የብልዮ ኣሎ። ንመአንእሰይ ኤርትራ ኣይሕጸ ኣይመርዓ ገይሩ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወፍሪ ባርነት የብልዮ ኣሎ። ካብ ሕቒፊ ኣደታትቶ ገፊፉ ኣብ ሃሩሩ ናይ ሳዋ ይጥጥቖም ኣሎ። እታ ካልኣይቲ ዘይብላ እንንኮ ዩኒቨርስቲ ዓጽዩ መንእሰያት ሃገር ካብ ናይ ትምህርቲ ገበታ የፋናቕሎም ኣሎ። ካብዚ ሕሱም ምሕደራ እዚ ንምድሓን መንእሰይ ኤርትራ ሃጽ ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃገረ ስደት ከም ዝጠፍእ ይገብር ኣሎ። ወላድ ከርሲ ኤርትራዊ ከም ዘይወለደ ወላድ መኻን ገይሩዎ ኣሎ። ህግደፍ በቲ ዘርእዮ ጸረ ሰላም ባህርያቱ ኤርትራና ካብ ጎረባብታን ካብ ኣህዛብ ዓለም ነጺሉ ናብ ናይ ማሕዩር ደሰት ቀይሩዋ ኣሎ። ስለዝኾነ ህግደፍ ብጠቕላላ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን መሬቱን፡ ኣንጻር መሰሉን እምነቱን፡ ኣንጻር ሕግን ስርዓትን ዝኾነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢዩ።

ስለ ዝኽነ ንሕና ኤርትራውያን ብህግደፍ ዝንፋሕ ድሑር መፈላለዪ ሜላ ገዲፍና፡  ኣንጻር ህግደፍ ቀላጽምና ኣወሃሂድና ምእንቲ ድሕነት ሓድነትን ሃገርናን ህዝብናን ሓቢርና ንቃለስ።

                                       ዓወትና ኣብ ቀረባ ኢዩ !!

                                ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕልሊ ክሉ!!

                                ውድቀት ንህግደፍ ምስ ኮራኹሩ !!

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • habtu October 1, 2013

    Agame sle zikonka eber kalie aykonen. Ezi kea eritrea nukulkul kitikeyd etimineyon etihalmon guday eyu. Neger gin eritrea biantsaru bi ynas yiebe risen kielen ziabiya zelewa hagerat Africa hanti eya. Kitifetwo kititselio dima esu eyu megedi natsa hagerawi ebyet. Sle zi shut your mouth please.

    • eritrean October 1, 2013

      Well said ! I want to add higdef is better than woyane.

      • tekeste October 2, 2013

        I think the other way round.

        • habtu October 2, 2013

          Eritrawi :- humum weyane embear esika ni eritrea kitedihin tebarabirka malet diyu. Egerim eyu.
          Tsere hizibi eritrea tewafirka kemzeleka aytifeltsan eka ninebska. Ni mengisti mukuwamin ni hzbi eritrea n hager eritrean felika ewin aytifelitsi . Tehizin eka usub weyane mikan malet niaka nikihatin ( smart) malet eyu miskin.

          • MightyEmbasoyra October 2, 2013

            Dikinetu,
            You are either mentally challenged or somehow abused by someone during your childhood. You try to act more Eritrean than us while you are obeying to the biggest woyane (your idiot boss, isayas).
            If you can’t communicate in a decent way on this forum, got to meskerem because that’s where you belong.
            No wonder they say you can’t fix stupid.

          • habtu October 3, 2013

            Emasoray:_
            I really really sad about you. Because you are made of weyane. Miskin hhihhhh tehizin shuyuts sehay birak. No more respond for you. By yyyyyyy

          • ERITRAWIT October 3, 2013

            habtu first of all i don’t understand u comment again u been bite by mendelay temen we can’t help u sorry…..

          • MightyEmbasoyra October 3, 2013

            Dikinetu,
            You are mentally bankrupt.

    • ERITRAWIT October 2, 2013

      ANTA DKUS HABTU TEBERABER ERITREA RISA KIELA TKEYD ALA? ESU HE CAN EVEN TAKE CARE OF HIM SELF NOT ALONE ERITREA OUR BELOVED COUNTRY. HEZWA YTEFY ALO KEMBEAL NSKATKUM HEZU AMLAK LIBI YHABKA.

POST A COMMENT