Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ አብ ኩናት የመን ክትዕሰብ

ወልቀ መላኺ ኢሳያስ አፍወርቂ ብ 29 ሚያዝያ 2015 ዕለት ዝገበሮ ዕውደት ናብ ሱዕድያ ብወገን ህግደፍ ሚስጥራዊ ንክኸውን ተሓሲቡ፤ በቲ ስርዓት ብዝውነና መራኸቢ ብዙሓን ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ንሱዕድያ ንህዝቢ አይተሓበረን። እንተኸነ ግን መራኸቢ ብዙሓን

ወልቀ መላኺ ኢሳያስ አፍወርቂ ብ 29 ሚያዝያ 2015 ዕለት ዝገበሮ ዕውደት ናብ ሱዕድያ ብወገን ህግደፍ ሚስጥራዊ ንክኸውን ተሓሲቡ፤ በቲ ስርዓት ብዝውነና መራኸቢ ብዙሓን ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ንሱዕድያ ንህዝቢ አይተሓበረን። እንተኸነ ግን መራኸቢ ብዙሓን ካብ ሱዕድያ ነቲ ዕውደት ኣቃዕንኦ። በዚ ድማ ናይ ህግደፍ ደገፍቲ ምኻነን ዝፍለጣ ዊብሳይታት እቲ ዕላማን ውሽጣዊ ትሕዝቶ ናይቲ ጉዳይ ከይፈለጣ፤ ነቲ ዕውደት ከም ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ጊረን ከም ልሙድ ክውድሳ ተራእየን።

እቲ ግልጽነተ ዘየብሉ ስርዓት ህግደፍ፤ አብቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት የመን፤ ከምኡ ድማ ሱዕድያ ተካይዱ ዘላ ናይ ነፍርቲ ደብዳብ፤ አግረኛ ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ክተእትውን ክተዋስእ ሱዕድያ ተገብሮ ዘላ ናቱ መቐጸልታ ንስርዓት ህግደፍ’ውን አብዚ ኩናት ንኽሳተፍ፤ ብኣምሳይኡ ድማ ጉንዖ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኽረክብ ድሕሪ ማዕጾ ምይይጥ ምግባሮም ሓበሬታታት አሎ። ከም ዝፍለጥ አብ ዝሓለፈ ዓመት ኢሳያስ ዕውደት ንኽገብር ንሱዕድያ ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳያቱ ሓቲቱ፤ ሕትኡ መልሲ ስለዘይረኸበ ናብታ አንጻር ሱዕድያ ኢያ ትብሃል ሃገር ኢራን ዕውደት ጊሩ ምንባሩ ድዝከር ኢዩ። እቲ ኣቃልቦ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ክረክብ ሓረደግ ዝብል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፤ አብ ዝኾነ ጸይቂ ተግባራት ንኽዕሰብ አብ ቀረባ ከምዘሎ የመላኽት አሎ።

ምስ መንግስቲ ሱዕድያ ኢሳያስ ናይ ሓባር ስምምዓት አብ ወፍርን ካልእ ዓውድን ተሰማሚዕና ክብል ገሊጹ አሎ። ኢሳያስ አብዚ ዕውደት ንወራሲ ዓራት ንጉስ ሱዕድያ ሳልማን ቤን አብዱል ዓዚዝ ኣል ሱድን ናይ ምክልኻል ሚኒስተርን ከምዝተራኸበ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕውደት ጊሩ ድማ ንኤርትራ ተመሊሱ። እንተኸነ ብዛዕባ ዕውደቱ ብክልቲኡ ሸነኽ ዝርዝር ሓበሬታ ክውሃብ ኣይክአለን፤ ሱዕድያ ሕጅ አብ ኩናት ተጸሚዳ አብ ዘላትሉ ግዜ ምስ ህግደፍ ናይ ልምዓት ዘተ ትገብረሉ ምኽንያት የለን። እንተኸነ ቅድሚ ኢሳያስ ሱዕድያ ምምጽኡ፤ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ናብ ሱዕድያ ብመንግስቲ ሱዕድያ ዝተዓደመ መራሒ ሲኒጋል ፕሬዝደንት ሳለስ፤ ነቲ ብመንግስቲ ሱዕድያ ዝቐረበሉ ናብ ኩናት የመን አጋር ሰራዊት ንኽእትው፤ ብኣንጻሩ ብሚሊዮናት ሓገዝ ንኽረክብ ዝቐረበሉ ሕቶ ተቐቢሉ 2100 ወተሃደራት ንኽእትው ስምምዕ ከቲሙ። አብ ሰኒጋል ሓያል ናይ ህዝቢ ቁጥዓ ፈጢሩ አሎ። ተቓወምቲ ፓርቲታት ነቲ መንግስቲ ናብ ዕሱብ ተቐይሩ ክብሉ ይቃወሙ አለው፤ አንጻር ግብረ ሸበራ ዝቃወም እንተኾይኑ አብ ጎረቤትና ናይጀርያ ንዘሎ በኩ ሓራም ዘይወግእ፤ ዕሱብነት ኢዩ ክብሉ ተቓውምኦም ይገልጽ አለው። መራሒ ሲኒጋል ግን ‘ነቲ ቅዱስ ቦታ’ ክንከላኽል ኢና ክብል ገሊጹ። መንግስቲ ሱዕድያ ድማ ብዙሕ ወፍሪ አብ ሲኒጋል ክገብር ኢዩ ኢሉ። እቲ ሕቶ ድማ መጀመርያ ወፍሪ ዲዩ ክግበር፤ ወይስ አብቲ ረስኒ ኩናት የመን አጋር ተዋጋኢ ሰራዊታ ምእታው ኢዩ። እቲ ምርጫ ንዕኦም መግዳፍ ኢዩ።

እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተገልጸ ናይ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ናብ ሱዕድያ፤ ብስቱር ክትሓዘሉ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ፍሉጥ እካ እንተዘይኮነ፤ ብድሕሪ ማዕጾ ዝተገብረ ምስምማዕ ግን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃስይ ክኽውን ከምዝኽእል ምስክርነት ዝሓትት አይኮነን። ኢሳያስ ነቲ ብወፍሪ ባርነት ሒዝዎ ዘሎ ሰራዊት፤ አብዚ ኩናት ክጸምዶ ምስ ዝፍትን፤ ነቲ ድሮ ሃሰያ ዘብጽሓሉ ቁጠባ ሃገር አብ ርእሲ ምርማሱ፤ ህይወት ንጽሃት ኤርትራውያን ክወስድ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ። ቅድሚ ሕጅ ሰራዊት ኤርትራ አብ ኩናት ኮንጎ፤ ሱዳን፤ ሶማልን፤ ህግደፍ ብዘገበሮ ውሽጢ ውሽጢ ስምምዕ ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኢዩ። ነዚ ሕጅ ዝግበር ዘሎ ውዲት ድማ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ብንቕሓት ክከታተልዎን ክምክትዎን የድሊ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • mengis bariazgi May 19, 2015

    This is all talking, we have been talking and talking over analyzing this system above and beyond, we are not going to find anything new about it that we don’t know. his main strength is coming from us, we are not united in our efforts to shake his ground.

POST A COMMENT