Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ኣብ ቅልውላው – ህጹጽ ብድሆን ስሙር ተግባራትናን – ቀዳማይ ክፋል

ቀዳማይ ክፋል ኤርትራ  ኣብ  ቅልውላው   - ህጹጽ  ብድሆን ስሙር  ተግባራትናን ድምጽና                                                           መጻኢና   ኣብ   ኢድና! መእተዊ ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት ኣድላይነት ዕጡቕ

ቀዳማይ ክፋል

ኤርትራ  ኣብ  ቅልውላው   – ህጹጽ  ብድሆን ስሙር  ተግባራትናን

ድምጽና

                                                          መጻኢና   ኣብ   ኢድና!

መእተዊ

  1. ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን
  2. ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን
  3. ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ
  4. ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት
  5. ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ
  6. ካበይ ንበገስ፣ ብኸመይከ ንስራሕ
  7. ኣገባባት ውደባ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ ተግባር
  8. ቀጥታዊ ዕማማትን፣ ህዝባዊ ውክልና ዘለዎ መሪሕነት ህዝባዊ ቃልሲ

መደምደምታ፣ ጉዕዞ ዓወትና ናብ ሃገርና/ኣስመራ፣ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ይኸውን?

ዝተሓደሰ ተልእኾና፣  ብዘይውልውል!!! ተልእኾና፣ ኩሉ ኣብ ኢድና ዘሎን ዝህሉን ዕውት ኣገባባት፣ እንተላይ ዕጡቕ ሓይሊ ብምጥቃም፣ ንምልክን ኩሉ ምልካዊ መሓውራትን ብምልጋስ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምህናጽ እዩ። ናይ ሽፍታዊ ውልቀምልካዊ መሕብኢታትን ባዓትታን ምልካዊ መሓውራትን ኣብ ዓዲ-ሃሎ ይኹን ካልእ ቦታታት ምድምሳስ።  ነዚ ንምትግባር ቀዳማይ ስጉምቲ ናይ መላእ ዜጋታት ደለይቲ ፍትሒ ቦታዊ ኤርትራዊ ባይቶትን፣ ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶን ምቛም።  ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ ብቕዓት ዘለዎ፣ ንህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሓታቲ ዝኾነ ፈጻሚ ኣካልን ናይ ክኢላታት ካቢነን የቕውም።  ብዋና ፈጻሚ መራሒ ዝምእከል ፈጻሚ ኣካል፣ ንህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንፍትሒ ብክብ ዝበል ደረጃ ብምምራሕ፣  ምሉእ ቅቡልነትን መዝነትን ዘሎዎ ዕላዊ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ይኸውን።

መእተዊ፣

ድምጽና፣ ብትኩረት ክጥመቱ ዝግበኦም ዓበይቲ ሕቶታት –  ምዕባሌታት ከባቢናን ሃገርናን ጎቢጦምና ድዮም? ብኻልእ ኣበሃህላ፣ ናይ ሃገርናን መጻኢኣን ጉዕዞ ኣብ ምምእዛን ኣዚን ደንጒና ዶ የለናን? ነዚ ንምባል ዝደረኹ ሓሙሽተ ጉዳያት/ተረኽቦታት፣

  • ኤውሮጳዊ ሕብረት 200 ሚሊዮን ዩሮ ንዲክታቶር ምሃቡን፣ እቲ ስርዓት ሓዲስ ሂወት ክዘርእ ምፍታኑ፣
  • ዲክታቶር ካብ ከበባ ንምውጻእ ምስ ኣብ ዞናና ተፈጢሩ ዘሎ እስላማዊ ምሕዝነት ( ብስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝተወደብ) ኣንጻር የመናዊ ሑቲ ምጽንባሩ፣
  • ምዕራባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብኣዕራብ ናይ ምጉባጥ ኣኽእሎታትን፣ ሸሪዓዊ ሕጊ ኣብቲ ዞና ናይ ምጽዓን ሓደጋን – ንሓበሻ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘጠንቅቕ – ብሄርሞን ኮሀን ዝተጻሕፈ መገሊጺ፣
  • ስርዓት ኢትዮጵያን ስርዓት ኤርትራን  ዘለዎም ዘይርጉእ ኩነታት፣
  • “ ስዑዲ ዓረብን ባይቶ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ናብ ኤርትራ ዝገብርዎ ዘለዉ ምስፍሕፋሕን ጂኦ-ፖለቲካዊ ትርጉሙ ንኢትዮጲያን” ዘርእስቱ ኣብ ግሎባል መጽናዕቲ, ሕዳር 18, 2015፣ ብ ኣንድሪው ኮሪብሮ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ።

 

ሓደ ውርሒ ይገብር፣ ምልካዊ ስርዓትን ኢሳያስን ኣብ ኣፍ ጉድጓድ ምንባሮም ዘርኢ ምልካታት ኔሩ።  ሕጂ እቲ ኩነታት ዝቕየር ዘሎ ይመስል። ኢስያስ ዳግም ሂወት ክመልስ ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። እታ ትቑርመም ዝነበረት – ሸነቡ እኳ ክትዓቢ ጀሚራ። ብዘይጥርጥር፣ ምዕባሌታት ከባቢናን ሃገርናን፣ ካባና ንላዕሊ ንሂሮም ይኸዱ ኣለዉ።   ይኹን እምበር፣ ክንከስሮ ዘይግበአና መስኮተ-ዕድላት ህያው እዮም ዘለዉ። ብህጹጽ፣ ተግባራዊ ስጉምቲ ምስ ዘይንወስድ፣ ኩነታት ብምልኣት ክቕየርን፣  ጻዕርታትና ፍረ-ኣልቦ ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ – ሃየ ብህጹጽ ኣብ ኣብ ተግባር ንእቶ።

  1. ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን

ናይ ባዕልና – ነብሰ ግምታትናን ኣተሓሳስባናን፣ ትጽቢታትናን ተግባራትናን፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ክንገብሮ እንኽእልን ዘይንኽእልን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት፣ ናይ ስነ-ኣእሙሮና መሰረታት ንጹር ተረድኦ ክህልወና ይግባእ። ኣብ እዚ ሕጡብ እዚ ነዚ ዓቢ ኣርእስቲ ክንትንትኖ ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ፣ ከም መበገሲ ሓጺር ጽማቕ ክነቕርብ ኢና።  ብተለምዶ፣ ኤርትራ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኤትኒካዊ፣ ቋንቋዊ፣ ማሕበራዊ፣ባህላዊን ፖለቲካዊን ጸጋታት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣለዋ። ኣብ ከበሳታትን ሓውሲ ከበሳታትን ኤርትራ፣ ሕጊ እንዳባን ህዝባዊ ባይቶታን ኣብ ምምሕዳር ናይ ህዝቢ ኣገዳሲ ገደ ይጻወቱ ኔሮም። ወላኳ ካብ ርሑቕ ብራእስታትን ነጋውስን ዝምደቡ ምስሌነታት እንተነብሩ። ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ክሳብ ምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን መስፍናዊ ናይ ተዋፋሮ ኩነታት ኔሩ። ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ናይ ተሃላለኽቲ ሓይልታትን ሰዓብቶምን ዓውደ ኩናት ብምናባራ፣ ንነዊሕ እዋን ሰላምን ርግኣትን ኣይነበራን።

ካብዚ ዝተላዕለ፣  ንዘጋጥም ወረራታትን ዝምታን ክከላኸል ዝኽእል – ሓያል – ተደላይነቱ ዕዙዝ ነበረ። ስለዝኾነ ድማ – ሰብኣይ በዓል-ስረ – ኣብ እቲ ሕብረተሰብ ልዕሊ – እቲ ፈላጥን ለባምን ዝበሃል ሰብ ዝዓበይ ዝና ነበሮ። ምናልባት ካብዚ ዝነቐል ይኸውን – “ለይቲ ዝደረቶም” ዝበሃሉ ፣ ቅድሚ 500 ዓመት ህዝቢ ኣርባዕተ-ኣስመራ ካብ ሸፋቱን፣ ዘመቲን ጨወይትን ንምክልኻል ዝቖሙ ሓለውቲ፣ ዝለዓለ ክብሪን ዝናን ይወሃቦም ኔሩ። ናይ ባህታ ሰገነይቲ፣  ራእሲ ወልደሚካኤል ስለሙን፣ ወዘተ ዝናን ታሪኽን’ውን ኔሩ።  እዚ ንሓያላት-ዘኽብር ኩነታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጭቆናን፣ ጨካን ምዝመዛን መግዛእትን ንምምካት ዝመጸ እዩ። ብሓጺሩ፣  ሓያል ናይ ምኽባርን ናይ ምግናንን ባህሊ ተፈጢሩ።  ብእመነትና፣ እዚ ባህሊ እዚ፣ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራዊ መድረኽ ብዓማጺን ድሃኺን መንገዲ ብኸመይ ከም ዝመጸን፣ ብኸመይ ስዓብቲ ከጥሪን ተመለኽቲ ክፍጥርን፣ ዘይግበኦ ጅግንነት ክለብስን ከም ዝኸኣለ ንምርዳእ ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓያል ተኸላኻሊ – ኣድሓኒ የደልዩ እዩ። ኢስያስ በቲ ጨካንን ባርባራዊ  ውዲታቱን ንተወዳደርቱ ናይ ምቕታልን ምስዋርን ተግባራቱ ንብዙሓት ኣብ መጻወድይኡ ከእቱ ምኽእሉ፣ ነቲ ሓያል ዝጠልብ ኩነታት ክምዝምዞ ክኢሉ።

ይኹን እምበር፣  ናይ ኢስያስ ሓያልነትን፣ ጅግንነትን ሓቂ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ማእለማ እዩ። ኢስያስ ብባህርያቱ ሳዲስቲክ ናርሲሲስት፣ ፍርሒ ዝወለዶ ኣብ ክቱር ጽልኢን ጭካነን ዝነብርን፣ ናይ ስልጣን ይግበኣኒን ሓለፋን ልዕሊ ኩሉ ዝስሞዖ፣ ስልጣኑ ንምርግጋጽ ከኣ ኩሉ ክፋኣት ክፍጽም ድሕር ዘይብል፣ ደረት ዘይብሉ ስስዐን፣ ትንኩሉናን፣ ጭካነን ዘለዎ ሰብ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፣ ዝጠስጠሰ ብልሽው-ሰራቕን ዓማጽን ስለዝኾነ፣ ነቲ ኣብ ባጽዕ ዝርከብ ፓላስ ናብ ናይ ግብረ-ስጋ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መሳኪን መንእሰያት ኤርትራውያን ዝፍጽመሉ መደበር ቀይርዎ። እዚ እዩ እቲ ህዝቢ ኣደናጊሩ፣ ሓያል ተኸላኻሊ-ህዝቢ መሲሉ ዝረአ። ናይ ሓሶትን ምትላልን  ነቢ ዝኾነ ሰብ፣ ነታ ብዓቢ መስዋእትን መሪር ቃልስን ክውን ዝኾነትን፣ ነታ ዓቢ ትጽቢት ተጌሩላ ዝነበረት ሃገር ናብ ሲኦል ብምቕያር፣ ነቲ ተቓላሳይን ጻዕራምን ህዝቢ ከምበርክኽ ህርድግ ዝብል ሰብ እዩ።  ብዘይጥርጥር፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን  – ቀዳማይ ጸላኢ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ተመኩሩኡ ክመሃርን፣ ብኢስያስን መጋበርያታቱ ካብ ዝኾኑ ገበነይናታት ዝጻወድ ውዲታትን ተንኮላትን ክኣምኖ ይኹን ክቕበሎ ኣይግባእን።  ምሉእ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ክኣቱን፣ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ተርኡ ክጻወትን ይግባእ።  እዚ መሰረታዊ ኣረኣእያ እዚ ከእ እዩ ካብ  መድረኽን ካልኦት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝጻዓን ፖለቲክ ዝኽተሉ ሰልፍታትን ዝፈልየና።   ሕጋዊን ቅቡልን ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና።  ፖለቲካዊ መራሕቲ፣ ካብ ላዕሊ ምስ ዝጸዓኑን፣ መዝነቶም ካብ ህዝቢ ዝመንጨወ ምስ ዘይከውንን ሕጋዊ ቅቡልነት የብሎምን።  እት ጽኑዕ ናይ ፍትሒ ተቓላሲ – እማኒኤል ኢያሱ ናይ ኣሰና ዳት ኮም፣ ህዝቢ ዝማእከሉ ዲሞክራሲን ምስግጋር ስልጣን ናብ ህዝብን ዘካይዶ ምልዕዓል ሞጎስናን ናእዳናን ነቕርብ። ብኢደወነኖም መራሕቲ ዝኾኑን፣ ዘይቅርዑይ ሕሉፍ ፖለቲካዊ ተመኩሮኦም ዘይኣረሙ ኣካላት  ምጥንቃቕን፣ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክኣትው ይግባእ።

መራሕቲ ብህዝቢ ንሓደ ግዜ ምስ ተመርጹ፣ ከም ድላዮም ጌሮም ክመርሑ ዘይኮነ፣ እቲ ህዝቢ ብመሰረት ዝሃቦም ናይ ስራሕ መዝነትን ሓላፍነትን ክቆጻጸሮምን፣ ነቶም ዘይኣፍረይቲ ክኣ ካብ መዝነቶም ከውርዶም ስልጣኑ ኣብ ኢዱ ክኸውን ይግባእ። እንተዘይኮነ፣ ካብ ምልኪ ናብ ምልኪ ምስግጋር እዩ ዝኸውን። ደቂ ሰባት ድኹማት እዮም። ዲሞክራስያዊ ናይ ቁጽጽርን ግምገማን ኣገባባት ምስ ዘይህሉ፣ ናይ ስልጣን ብዕልግናን ብልሽውናን ክፍጠርን፣ ብልሹዋት መራሕቲ  ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ የውርዱ። ከምቲ ቪ. ለኒን ዝብሎ” እምነት ጽብቕ’ዩ፣ ምቁጽጻር ግን ዝበለጸ እዩ” ። ምቁጽጻር ዘይብሎም መራሕቲ ከውርድዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት መወዳእት የብሉን። ዓቢ ስዕረትን፣ ነጻነትካ ምስኣንን፣ ህልቀት ናይ ኣማኢት/ሚልዮናት ሰባት፣ ድሕረትን ውድቀትን ክስዕቡ ይኽእሉ። ከም ኣብነት፣ ሂትለር ናይ ጀርመን፣ ስታሊን ናይ ሶቭየት፣ ፖልፖት ናይ ካምቦድያ ከም ዝሰኸሩ ኣህለቕቲ ክጥቀስ ይከኣል። እዞም ዝተጠቕሱ ምስ ኩሉ ሽግሮም፣ ንሕብረተሰቦም ብሓለፋ ዝርኢ ጥሙሓት ኔሩዎም። እዚ ኣብ ደምበ ህዝቢ ዝዓበየ ዲክታቶር – ጻላኢ ቁ. 1 – ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ዝበሃል ሕልናታት ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። በዚ ኣካይድኡ፣ ቀንዲ ተልእኾኡ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ምድሃኽን ምድምሳስን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብ ቪየና ኣውስትርያ፣ የማነ ገብራኣብ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፣ “ ዓቐን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 3 ሚልዮን እዩ”  ኢሉ፣ ከምቲ ብዕሊ ዝበሃል 6 ሚሊዮን ኣይኮነን።  ናይ እቲ  3 ሚልዮን ክህሉ ዝነበሮ ተሓታቲ ኢስያስ ኣፈወርቂ እዩ። ብመንገድና ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፣ ዓቐን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ እንግሊዝ ፣ መግዛእቲ ኢትዮጲያን ኣብ ግዜ ረፈረንዶምን ከምኡ’ውን ህግደፍ ብምስጢር ዘካየዶም ናይ ህዝቢ ቆጸራን፣ ዘሰንብድ ውጽኢት ረኺብናሉ።  ኣብ ትሕቲ እዚ ኣረሜናዊ ሽፍታዊ ጉጅለ፣ ኤርትራ ዓቢ ጉድኣት ወሪድዋ እሎ።

  1. ማእከል ጸገማትና፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን

ነዊሕ እዋን ይገብር፣ ዳርጋ ኩሉ ማርክሳዊ ወይ ሓውሲ ማርካሳዊ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ፣ ናይ ፖለቲካዊ ለውጢ ቀንዲ ወሰንቲ፣ ቁጠባውን ማሕበራዊ ሓይልታት እዮም ዝብል እምነት እዩ ኔሩ። ኣብ ታሪኽ ውልቀሰባት ትሑት ግድ እዩ ኔሩዎም።  እንተኾነ፣ ምስ ምምጻእ ፖለቲካዊ-ሳይኮሎጂ ኣብ ዝቐረባ እዋናት፣  ውልቀሰባት ታሪኽ ናይ ምቕያር ሓይሊ ክህልዎም ከም ዝኽእልን፣ ካብ’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናብ ካልእ መኣዝን ከም ዝኸይድ ክግብሩ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ። ሃገርና፣  ሓሶትን ምድንጋርን ዝፍሪኦም፣ ዓቢ  ዓሎቕን ጠቐረን ዝዕጥቆም፣   ውዲተይናታት፣ በላዕቲ ጉቦ፣ ናይ ምድሃል፣ ምጭዋይ፣ ምቕታልን ተዃሉ፣ ኣብ ዝምታን ስርቅን ሃገራዊ ማዕከናት ዝተዋፈሩ፣ ኣብ ዕግርግርን ውግእን ዝነብሩን፣ ካብ ሕጊ ንምህዳምን ቅዋምን ሕጋውነትን ዘጥፍኡ፣ ስልጣኖም ንምንዋሕ ንህዝብ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝስሙ ባርነት  ንነዊሕ ዓመታት ጅሆ ዝሕዙ እከይ ኣእዳው ወዲቓ። ኩሉ እዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ኣደራዕ፣ ኣብ ሓንጎል ናይ ሓደ ጸረ-ሃገርን ጸረ-ህዝብን ዝኾነ  ጋኔን  ሰብ እዩ ተበጊሱ ( ጸላኢ ቁ 1)።

ኣብ ሳይኮተራፒ፣ ናይ ሓደ ሕሙም ጉዳይ ንምምርማር ፣ ናይቲ ሕሙም ስድራቤታዊ ተሪኽ ብምውሳድ ገለ ጠቓሚ ኣንፈት ናይቲ ሽግር ንምርካብ እዩ ዝፈተን። ስለዚ ከኣ፣ ስድራቤታዊ ታሪኽ ናይ እዚ ኣዝዩ ሓደገይና ዝኾነ ሕሙም ክንምርምር ተገዲድና። ድክታቶር ፣ ብልዑል ጥንቃቐን ብዙሕ መንገድታትን፣ ውልቃዊን ስድራቤታዊን ታሪኹ ካብ ህዝቢን ዓለምን ክሓብእ ጸኒሑን ኣሎን።  ህዝቢ ኤርትራ ብውሑድ ብምንታይ ጸፍዒ ከም ዝተውቕዐ ንምግላህ ፣ድሕሪ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ዝረኸብናዮ ሕቡእ ሚስጢራት ናይ ዲክታቶር፣ ኣምበኣር እነሆ።

እዚ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ገለ ኣገደስቲ ንሕትመት ዝበጽሐ ሰነዳት፣ ሓደ ካብኡ ብኢትዮጵያዊ ምሁር ዶር ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሴ፣ (ናይ ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ወዲ ውዱ ዝወለዶ) ዝተዳለውን፣ ናይ ኢሳያስ ናይ ቀድም ጎረባብትን፣ ኣዕሩኽን ድማ ይርከብዎም። ኣብ ሜዳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣  ኢሳያስ ወዲ ጀነራላት ምዃኑ ዝፍክረሉ ግዝያት ኔሩ እዩ።  እንተኾነ፣ እቶም ዝፍክረሎም ጀነራላት ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ዘይኮኑስ፣ ካብ ኤርትራ ደቡብ እዮም ኔሮም። ንዝቐርቦም መሳርሕቱ ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሎ ኣቋናጻቢ  ቃላት፣ ንኤርትራን እቲ ከም መድሓኒኡ ዝኣመኖን ዝርካቡ ጸንቂቑ ዝሃቦ ህዝባን ከም ዘየኽብርን፣ ንነብሱ ከም ኣካል ናይ ኤርትራ ከም ዘይርእያን እዩ ዘመልክት።

ናብ ዝርዝር ናይቲ ዲክታቶር ንነዊሕ ክሓብኦ ዝጸንሐ ንምእታው፣ ነቲ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ንህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጭካኔ ንምስቓይ ዝተጠቕመሉ ድሕረ-ባይታ እስከ ንርአ።

ኣቦሓጎ ኣብኡ፣ ራእሲ ሓጎስ ምራጭ ናይ ተምቤን፣ ንሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ( ቅድሚ ምንጋሶም ደጃች ካሳ ምራጭ) ሓዎም እዮም። ራእሲ ሓጎስ፣ ውዲተይና ዘየተኣማምኑ ዝይርጉእ ሰብ ምንባሮምን ምስ ሓዎም ደጃዝማች ካሳ ምራጭ ድሒሮም ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ዝኾኑ፣ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘይነበሮምን ይንገረሎም።  ካሳ ምርጭ  ኣንጻር ሃጸይ ቴድሮስ ተላዒልካ ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣  ሓጎስ ሓዎም ዋሕስ ኮይኖም ንኸፍትሕዎም ፍቓደይና ኣይነበሩን።  ድሕሪ ምንጋስ ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ንጥልያን ካብ ኤርትራ ንምብራር ኣብ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ እዋን፣  ራእሲ ሓጎስ ምስ ጥልያን ኣብ ኤርትራን ምስ እንግሊዝ ኣብ ሱዳንን ምስጢራዊ ውዲታት ይኣልሙ ኔሮም፣ ክሳብ ሞት ሓዎም ድማ ከም ዝቐጸልዎ ይንገር።   ራእሲ ሓጎስ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሃጸይ ዮውሃንስ ተፈታዊ ዝነበሩ ራእሲ ኣሉላ ዓቢ ቅንኢ ኔሩዎም። ራእስ ኣሉላ ንውዲታት ራእሲ ሓጎስ ይከታቱሉን ይፈልጡን ብምንባሮም ነቲ ኣብ መንጎ ራእሲ ሓጎስን ራእሲ ኣሉላን ዝነበረ ህልኽ ኣጋዲድዎ።

ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ኣብ መተማ፣ ወላኳ ስድራ ቤት ናይቶም ዝሞቱ ይግባኣና እንተበሉ፣ ምኒሊክ 2ይ ነጊሱ።  ራእሲ ሓጎስን ካልኦት ናይ ትግራይ መሳፍንቲ ሕርቃን ኔሩዎም። ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ኣብ 1896፣ ራእሲ ሞኮነን ናይ ትግራይ ገዛኢ ኮይኖም። እቶም ሓዲሽ ናይ ትግራይ ገዛኢ ምስ ጥልያን ከምቲ ናይ ራእሲ ሓጎስ ምስጢራዊ ዝምድና ነይርዎም።  ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝነበሩ መሳፍንቲ ኣንጻር ጥልያን ተሪር መርገጽ ዝነበሮም ራእሲ ኣሉላ እዮም ። ኣብ እቲ ኩነታት እቲ፣ ራእሲ ሓጎስ ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ናይ ሽረ ገዛኢ ይወርዱ፣ ብራእሲ ኣሉላ ከእ ይትክኡ።  እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ግጭት ናብ ቃልዕ ወጺኡ፣ ብ ጥሪ 19 1897 ኣብ ሽረ ኩናት ይገጥሙ። ኣብቲ ኩናት ራእሲ ሓጎስ ይሰዓሩን ኣብኡ ይሞቱን።  ራእሲ ኣሉላ ከኣ ከቢድ ቆሲሎም ብምንባሮም ድሕሪ 2 ወርሒ ይሞቱ።

ራእሲ ሓጎስ በቲ ዝነበረ ኩነታት ስግኣታት ስለዝነበሮም፣ ንእንኮ ወዶም ደጃዝማች ኣብራሃ ሓጎስ ከይቀትሉሎም ፣ በቲ ምስ ጥልያን ዝነበሮም ርክብ ተጠቒሞም፣ ንወዶም ናብ ኤርትራ ክቕመጥ  ቅድሚ ኩናት ሽረ፣  ንደጃች ኣብራሃ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ብርክት ዝበሉ ዓሳክሮምን ንኤርትራ ኣሳገርዎም።  ኣብራሃ ምስ  በዓልቲ ቤቶም ኣብ መበል 22 ዓመት ዕድሚኦም ካብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ኤርትራ ኣተዉ። ዝተፈላለዩ ደረስቲ፣ ናይ ኣተሃዳድምኦም ጉዕዞ፣ ማለት  ክሳብ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝበጽሑ ዝሓለፍዎ ቦታታትን፣ ኣብ ጾሎት ከም ዝሰፈሩን ብዝርዝር ኣቕሪቦሞ ኣለዉ።

ኣብራሃ ሓጎስ ክልተ ኣወዳት ማለት ኣፈወርቂ ኣብራሃን ደጃች ሰሎሞን ኣብራሃን ወሊዶም። ኣፈወርቂ ኣብራሃ ኣቦ ናይ እዚ ንኤርትራ ሓኒቑ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶር እዮም።     ምሉእ ስም ናይ ጸላኢ   ቁ. 1   እመበኣር       –       ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃ ሓጎስ ምርጭ እዩ።   ኣቶ ኣፈወርቂ ንወ/ሮ ኣዳነች በርሀ (ጓለን ንወ/ሮ መድህን በራድ ሓብቶም ንፊተውራሪ ኪዳነ መሰለ ዓድዋ) ተመርዕዮም ንኢሳያስን ካልኦትን ወሊዶም።

ብቀዳምነት፣  እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮ ዘሎ ሓጺር ትውልዲ ዲክታቶር ምሉእ እዩ ማለት ኣይኮነን። እዚ እቲ ክሳብ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና እዩ። ብናይ ታሪኽ ክኢላታት ተወሳኺ መጽናዕቲ ተጌሩ ብዕምቆት ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ይመስለና። ብዙሕ ዘይፈለጥናዮን ክንግምቶ ዘይንኽእልን ዝተሓብአ ጉድ ኣሎ። ኩሉ ግዚኡ ሓልዩ ክወጽእ እዩ።  ንሕጂ፣ እቲ ሕመረት ናይቲ ዛንታ ተረኺቡ ኣሎ፣ በዚ ከኣ፣ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ብግቡእ ክንርድኦን፣ ንተጻዒኑና ዘሎ ሕሱም ምልክን መሓውራቱን ንምልጋስ ዘብቅዕ ስትራተጂን ሜላታትን ክንቅይስ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ካልኣይ፣ ብዝለዓለ ክነነጽሮ እንደሊ ጉዳይ እንትልዩ፣  ኢስያስ ምስ ትግራይ  ዘለዎ ናይ ትውልዲ ዝምድና ኣይኮናን ነልዕል ዘለና። ኢስያስ  ትውልደ-ተምበን ይኹን፣ ትውልደ-ቲምቡኩቱ  ዘገድስ ኣይኮነን። ብርግጽ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ትወለደ-ትግራይ/ኣምሓራ ወይ ትውለድ-ሱዳን/የመን/ስዑድያ ዘለዎ እዩ።  ስለዚ ከኣ፣ ንኢስያስ ኣፈወርቂ ትውለደ-ትግራይ ይኹን ካብ ካልእ ቦታታት ብምዃኑ ክንከሶ ኣይንኽእልን።  ነዚ ብዝምልከት “መን እዩ ኤርትራዊ “ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍናዮ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ክትነቡ ንምሕጸን።

ናይ ኢስያስ ትውልዲ ካብ ትግራይ ምዃኑ ዘይኮነስ፣  ምስ ዘውዳዊ/ንጉሳዊ ቤተሰብ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ኣእምሮኡ ዝፈጠሮ ሕማም – መለኮታዊ ናይ ምግዛእ መሰል ከምዘለዎ ዝኣምን፣ ኩሉ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ድማ ፈትዩ/ጸሊኡ ክእዘዞ ግዱድ እዩ ዝብል እምነቱ እዩ። ወላኳ ብዕሊ እንተዘይተኣወጅ፣ ድሮ ናይ ኤርትራ ንጉስ ኮይኑ ኣሎ።  ኣዋጃቱን መግለጺታቱን፣ ካብ ክቱር ግርህና ብግቡእ ክንርድኦ ኣይከኣልናን።  ክሳብ ዕለት ሞቱ ስልጣን ከረክብ ድሌት የብሉን፣ ምስ ሞተ ንኽወርሶ ንወዱ ኣብርሃ(ም) ይኾሓሕሎ ኣሎ።  ወዲ ራእሲ ሓጎስ፣ ኣቦ ናይ እታ ኣብ ጸሎት/ኤርትራ ዝቖመት ንግስነት መስራቲ ስም ምዝካር ኣኻሊ እዩ። እንተ ግርህና ኤርትራውያን ግን፣ 2 ተደሞሮ 2 ኣርባዕተ ክንብል ኣይከኣልናን።

ምኣስ እዚ ጥራሕ፣ እዚ ንነብሱ ኣብ ቦታ መሲሕ ዘቐመጠ፣ ህውታትያ፣ ወላ ንኢትዮጲያ ውን ወሲኹ፣ ነቲ ዝነበር ናይ ቤተሰቡ ንግስነት ክመለስ ካብ ምሕሳብን ካብ ምትግባርን ኣይዓረፈን።  ወላኳ ክትሓስቦ ዘደንጹ እንተመሰለ፣ ድሕሪ ነጸነት ኤርትራ ኣብ ተስዓታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ላዕለዋይ ኢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብዛዕባ ኮንፈደረሽንን ክኒኡ ዝኸይድ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝግበር ሓድነትን ይዛረብ ኔሩ።  ብዛዕባ መጻኢ ሓድነት ምስ ኢትዮጲያ ( ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ) ብምስጢር ንሞላ ኣስገዶምን ጉጅልኡን ከምኡውን ነቶም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዘለዉ ናይ ኢትዮጲያ ተቓወምቲ ከም ግንቦት  7 ይነግሮም ኔሩ እዩ።  እዚ ኩሉ ምስቲ ኣብ ኣእምሩኡ ተጸፍዩ ዘሎ ሕማም ናይ መለኮታዊ ናይ ምግዛእ መሰል ዝተተሓሓዘ እዩ።   ናይ መላእ ኢትዮጲያ ገዛኢ ንምዃን ዝሓልም ብምዃኑ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ኣብ ዘይምልከቶምን ዘይናቶምን ናይ ሕንሕነ ረጽሚ ምስ ኢትዮጲያ ነቚቱዎም ይርከብ።

 

ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Hagherawi January 25, 2016

    Because we suffered a lot due to harsh colonial rule, and consequently subject to severe social and economic neglect, it was possible for any one [not only Iseyas, but any evil person] to exploit our differences such as culture, language, ethnicity … etc to stay in power.
    This is a typical African scenario where people usually know very little what the new rulers are going to do, but keep supporting them till they learn later on, that they are not better than the old colonial masters. So the problem is not only Iseyes, although he is the head of the ‘Shifta’ regime, but what has helped him and his supporters are mainly our weaknesses: regionalism, ethnicity, religion ..etc or lack of mutual acceptance.
    So his perceived royal ancestry (born to a family of warlords in Tigray), or even has he been a son of respected Keshi in Tembien or Bizen, would not have changed the fate of our country, as long as we remained a divided society that cannot manage its diversity. In a nutshell, he is a problem now, but not the only problem that is standing on our way to freedom.

POST A COMMENT