Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ‘ንምምካት ድኽነት’ ብዝብል ምኽንያት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ 200 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ከምዝፈቐደሉ ተፈሊጡ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ‘ንምምካት ድኽነት’ ብዝብል ምኽንያት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ’ዚ እዋን’ዚ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ዓመታት ዝወሃብ ናይ 200 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ከምዝፈቐደሉ ‘ዲፕሎማት ኒውስ ኔት ዎርክ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እዚ ወትሩ ‘ሰሜን ኮርያ ናይ

ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ‘ንምምካት ድኽነት’ ብዝብል ምኽንያት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ’ዚ እዋን’ዚ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ዓመታት ዝወሃብ ናይ 200 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ከምዝፈቐደሉ ‘ዲፕሎማት ኒውስ ኔት ዎርክ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እዚ ወትሩ ‘ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝውቀስ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ማዕረ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ዝጠቅስ ትሕዝቶ ዘለዎ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት መሰልን ዓመጽን ዝተኾነነ ምልካዊ ስርዓት፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ 200 ይሮ ሓገዝ ክረክብ ምዃኑ ምስተጋህደ እቲ ውጥን ኣሻማዊ ኮይኑ ንሓያለ እዋናት ከዘራርብ ጸኒሑ እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሓገዝ “ብምምካት ድኽነት” ኣመኽንዩ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ የረክቦ ኳ እንተሎ፣ ቀንዲ ሻቕሎትን ድሌትን ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምግታእ ዋሕዚ ናይቶም ድሕሪ ሶርያውያን ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ማእከላይ ባሕሪ ብምቝራጽ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት እዩ።

እቲ ብሰንኪ ኣጉል ምሕደራኡ ንህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ዓዘቕቲ ድኽነትን ምረት መነባብሮን ኣውዲቑዎ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነዚ ሓገዝ ‘ዚ ንምምእራር፣ ነቲ ንመንእሰያት ኤርትራ ናብ ገላዪ ቀይሩ ጠንቂ ስደት ኮይኑዎም ዘሎ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ኣሕጺሩዎ ከምዘሎ ንዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ብሓሶት ከምዘደናገረ ይፍለጥ።

ይኹን ‘ምበር ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ንሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዝርራብ ሎሚ ቕነ ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ እቲ ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣበሃህላ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ብዘየማትእ መስኪሩ ።

እቲ ብምረት መነባብሮ ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሓገዝ ተለጊሱሉ ትንፋስ ክረክብ ዘሐጕስ ኳ እንተነበረ፣ እቲ ንምንዋሕ ስልጣኑ ካብ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዘቐድም ብስለያን ፕሮፖጋንዳን ዝናበር፣ ብብልሽውናን ግስሩጥ ምሕደራን ጠስጢሱ ዘሎ ስርዓት፣ ነቲ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ መዓልኡ ካብ ምብኻኑ ሓሊፉ ህይወት ህዝቢ ክቕይረሉ ከምዘይክእል ዝተረጋገጸ እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ባጀትን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ዘይብሉ፣ ብመንግስታዊ ኮንትሮባንዳ ዝንቀሳቀስ ስርዓት ክቆጻጸረሉን ክሓተሉን ዝኽእል ግሉጽ ስርዓት ‘ውን የለን። ስለዚ ብቐንዱ እቲ መሽሚሹ ዘሎ ስርዓተ ምሕደራ ከይተቐየረ ዝወሃብ ኣንጉራዊ ሓገዝ ንህዝቢ ኤርትራ ፋይዳ ኣይክህልዎን እዩ። እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝጽበዮ ምዅላፍ ዋሕዚ ስደተኛታት ክዉንነት ከምዘይህልዎ ድማ ግዜ ክምስክሮ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • wedi Ken December 13, 2015

    They claim “self reliance” and have no shame to take aid??

  • Nsane December 14, 2015

    Ane zbil entrfi teteakibka fah mbal kalie kum neger kiserha zeykiela nay tekawemti wudubat eyen zelewana….. EU yikun America kemti ab kalie hager nreyo zelo mengsti entezeydelyeneo n hade dildul tekawami party hagizen eye zeerbieo… n men eyen kixwioa eski neyeneyti tekawamit party. kulen darga Hgdef eyen.
    Silezi ahwat shigrka mftah eyu eti kelil megedi EU shigrom kfethu zmeselom kigebru eyom lkie kem nay ISrael 3000 hehiba nab Ruwanda misdad zelo nabeu getsom tekedu EU men do kiklklom eyu.
    Ane kem seb sirah nay beal Elsa Chyrum, Selam,Aba Musie,.. kalotin temesasali sirah zserhu ybelix kabzom tekawemti behalti
    zehzin eyu nay Eritrea neger.

  • Biniam Fikadu December 14, 2015

    Selam Assenna and Amanuel. I thought you had this figured out by instituting disqus. I guess not ready yet but it will make everyone’s life a whole lot easier. Thanks!

  • selamawit2 December 16, 2015

    Too late, we can not avoid it anymore – 200 go to the dictator.
    BUT now we can concentrate on how the regime uses the money and demonstrate in Geneva or NY Style if they do not us it for “aid”. We have no other possibility.

POST A COMMENT