Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እርማት፡ ህጹጽ ጸዋዒት ንፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኤርትራውያን (ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ)፡

እርማት፡ ኣብ ትሕቲ ``ህጹጽ ጸዋዒት ንምቛም ሓይሊ ዕማም ደገፍ - ንመርማሪት ኮሚሽን`` ዘስፈርናዮ ጽሑፍ፡  ብገለ ምኽንያት፡  ከይተነጸረ ዝተረፈ መልእኽቲ ስለዝነበሮ፡  ንጹር መልእኽቱ  እነሆ ነቕርብ። ህጹጽ ጸዋዒት ንፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኤርትራውያን (ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ)፡  ዕላማ ናይ`ዚ ጸዋዒት`ዚ፡ ንደገፍ መርማሪት

እርማት፡

ኣብ ትሕቲ “ህጹጽ ጸዋዒት ንምቛም ሓይሊ ዕማም ደገፍ – ንመርማሪት ኮሚሽን“ ዘስፈርናዮ ጽሑፍ፡  ብገለ ምኽንያት፡  ከይተነጸረ ዝተረፈ መልእኽቲ ስለዝነበሮ፡  ንጹር መልእኽቱ  እነሆ ነቕርብ።

ህጹጽ ጸዋዒት ንፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን

ኤርትራውያን (ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ)፡

 ዕላማ ናይ` ጸዋዒት`፡ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምቛም ኣብ ዝግበር ዘሎ ናይ ህዝቢ ብህዝብን ንጥፈታት፡ ሓጋዚ ተራ ንምብርካትን ጥጡሕ ባይታ ክፍጠር ንምኽኣልን ኢዩ። ክውስን፡ ወይ ኣብ ዝቐውምሓይሊ ዕማም ቀጥታዊ ውክልና ንኽህልዎ ዝዝቲ  ርኽክብ ኣይኮነ።

እዚ ጸዓዊት`፡ ነቲ በብከተምኡ፡ ወይ በብስተይቱ ዝቖውም ዘሎ ሓይሊ ዕማም ዝጽውዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ- ካብ ህዝብን ብህዝብን ዝቐውም ዘሎ ሓይሊ ዕማም፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቐንዐ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝኽእተልን፡ ምሉእ ነጻነቱ ዝሓለወ ትካል ኮይኑ ክቐውምን ክሰርሕን እምነትና ስለዝኾነ።

ስለምንታይ ቁሉዕ ጸዋዒት? ብጉዳይ ህዝቢ ዝዝቲ (ይንኣስ ይዕበ) ንህዝቢ ቅሉዕን ግሉጽን ክኸውን ስለ እንኣምን።

ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ከም`ቲ ንሕና ኤርትራውያን ትጽቢት እንገብረሉ ብኩሉ መልከዒታት ዝጭበጥን ዝተማለኤን ኮይኑ ክወጽእ ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ግድነት ይኾነና። እዚ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘውርድን ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን  ዓወት ዘጓናጽፍን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት “መሰሉን ክብሩን ንዝተጋህሰ ህዝቢ“ ፍትሒ ክረክብ ፍትሓዊ ጸብጻብ ንከቕርብ፡  ጻዕርን ተወፋይነትን ናይ ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ዓቢ ሚዛን ዝሕዝ`ኳ እንተኾነ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን፡ ደቀቕትን ብካልኣዊ ደረጃ ዝጥመቱን ዝስርዑን ፍልልያትና ኣወንዚፍና፡ ብሓባር እናተዳጋገፍና ክንሰርሕ ሕድሪ ሰማእታትናን ንብዓት ስቅያት ህዝብናን ደጋጊሙ ሓደራ የሰክመናን ይጽዋዓናን ኣሎ።

ብመሰረቱ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም`ዚ፡ ዝፈላሊ ጉዳይ ኣሎ ኢልና ኣይንርእን። ንፕሮጀክት ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ዝቐውም ሓይሊ ዕማም ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ፡  ንእንቃለስ ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት፡  እዚ ብኣጉራዊ ደረጃ ድሮ ብዙሕ ሰጒሙ ዘሎ ናይ መርመሪት ኮሚሽን ጸብጻብ ከሲትዎ ንዘሎ  ወርቃዊ ዕድል ክንጥቀመሉ፡  ብሓባር ሰሪሒና ክንረብሓሉን ይግባእ።

ምቛም ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ከም ሓደ ፕሮጀክት ቀጻልን ዘላቕን ኮይኑ ከድምዕ፡  ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር`ዩ ኢልና ዝኣመምናዮ እማመ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ (ጥቅምቲ 29 2015)፡ ኣብ ብዙሓት ወፕ ሳይታት ኣውጺእና ምንባርና ንጠቅስ። ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ዝተረኽበ ሰፊሕ ህዝቢ፡ ነቲ ዘውጻእናዮ እማመ ዘንጸባርቕን ዝድግፍን፡ ህዝቢ በብከተምኡ/ስተይትስ፡ ኣብ በቦትኡ ተጋቢኡ ብደረጃ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ህዝብን ብህዝብን እትቐውም ሓይሊ ዕማም ተመስሪታ ብህጹጽ ስራሕ ክትጅምር`ዩ ብተሪር ለበዋን ምሕጽንታን ደምዲሙ።

ካብ`ዚ፡ ተረድኦ`ዚ ነቒልና፡ ንሕና ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ንክትቀዎምን ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን ንክቃላጠፍ ሓጋዚ ተራና  ከነበርክትን ቅኑዕ ሃገራዊ ተበግሶ። ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ቤርጌሳዊ ማሕበር፡ ሓደ ወይ ክልተ ካብ ኣባላቱ መዚዙ ኣብ ኣኼባ (ተለኮንፈረንስ) ክሳተፍ ይኽእል።

ኣብ`ዚ  ርኽክብ`ዚ  ክትሳተፉ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም (ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን) ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ  ምስ ዘለዉ  ኣሕዋት ሕድርኹም ቅድሚ 10 ጥሪ 2016 ደዊልኩም ኣረጋግጹልና።

December 21 2015

ጸጋይ ነጋሽ  (303) 847 9130፡

ኢተማር ንጉሰ (716) 903 9720

ምስ ብዙሕ ምስጋና

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

 

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ  ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ  ውሑስ  ንምግባር ህዝባዊ ትካላት ሃኒጹ  ኣብ ነጻነት ዝነብር ሓያል ህዝቢ ንምርግጋጽ እምበር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምምቕራሕ ዕላማ ዘይብሉ 16 ከተማታት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቆይሙ ዝነጥፍ ዘሎ`

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT