Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እስከ ሓቢርና ንሕሰብ ፍታሕ ንኽንረክብ

ክሳብ 2006 ከባቢ እቲ ብተቓወምቲ ዝካየድ ዝነበረ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣዝዩ ድልዱልን ንመንግስቲ ዘስግእነ ኔሩ እንተኾነ እናተዳኸመ ከደ። ኣብ 2006-2007 ግን መራሕቲ ተቓውሞ ነቲ ሰራዊቶም ኪዱ በሉ ስራሕ ድለዩ ክንደልየኩም ከለና ክንጽውዓኩም

ክሳብ 2006 ከባቢ እቲ ብተቓወምቲ ዝካየድ ዝነበረ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣዝዩ ድልዱልን ንመንግስቲ ዘስግእነ ኔሩ እንተኾነ እናተዳኸመ ከደ። ኣብ 2006-2007 ግን መራሕቲ ተቓውሞ ነቲ ሰራዊቶም ኪዱ በሉ ስራሕ ድለዩ ክንደልየኩም ከለና ክንጽውዓኩም ኢና ኢሎም ኣፋንዮሞም። ስለምንታይ? ገንዘብ ስለዝስኣኑሎም ድዩ? ብድሕረዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍ ብረታዊ መኸተ ካብ ዘይገብራ ክንደይ ኮይኑ? ስለዚ ኣብ መንጉኤን ስልኳ ህግደፍ ኣሎ ተባሂሉ ክጥርጠር ይክኣልዶ?

ኣብ ሱዳን መነባበሩ ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ እቲ ኣብኡ ዝነብር ሰብ ወይ ብውድቡ ዝሕገዝ ወይ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ብዘለዉ ስድርኡ እንተዘይሓጊዞሞ ንኽነብር የሸግሮ፡ እዚ ኩነትከ ንስልኳ ዘመቻችእ እዩሞ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን። ካልአ ገዲፍካ ነዚ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ ንምዕዋት ካብ 8-10 ዓመታት ዝወሰደ ስራሕ ደኣ ከመይ ኢሉ ኣብ እዋን 4-5 መዓልታት ተበቲኑ። እሞ ብኣገራሚ ኣገባብ ክዕወት ዝግብኦ እንከንሱ ዓዋተዶ ቆርነልዮስ ዶ ብዝብል ዛዕባ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ሽማግለ እኳ ከይፈጠረት ተበተነት፡፡ እቲ ስልኳ ኣብ ሱዳን ጥራይ ዝተኮረ ኣይኮነን እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ውድባት እውን ህግደፍ ኣይሰለኾምን ክብሃልዶ ይክኣል? ንዓመታዊ ኣኼባ ጉባኤ ዘካይድ ዝነበረ ሰብ ብዝወሰዶ ኣሉታዊ ስጉምቲ ጥራይ እኳ ሱልካ ከምዝተኻየድ ይሕብር። እምብኣር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስለኳ ድሕር ኢልና ተመሊስና እንተርኤናዮ ግደታት ናይ G-13 ኮነ ናይ ስድሪ ሕጂ ድማ ኣብ ሓሓደስቲ ኩኣልሽን እናተባህለ ዝካየድ ዘሎ ምጥርናፋት እዉን ንኺደት ሱልካ ይእምት እዩ። ስራሕ ምሕዝነት እናተኻየደ እንከሎ ንዕኡ ዝትክእ ኪዳን ኣብ ምፍጣር ዝካየዱ ዝነበሩ ስራሓት ከመይ ድዩ ኔሩ? ውድባት ተጎጃጂለን ኣብ ኪዳን ዘለዉን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉን ብሎኮታት ተባሂሎም ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ብሎኮ ኣብ ኪዳን ክትተርፍ እንከላ እተን ካልኦት ወጻ። እዚ ተርእዮዚኸ ሱልካ ድዩ ዋላ ስራሕ ድሕሪ መስመር?

ኣብ መንጎ ሱልካን ስራሕ ድሕሪ መስመር ፍልልያ ኣሎ። እቶም ድሕሪ መስመር ኣቐድም ኣቢሎም ዝቖሙ እዮም ከም ተቓወምቲ መሲሎም እናተወዳደቡ ነቲ ነባር ተቓውሞ ግን ንኸይጠራነፍን ካብ ሒዝዎ ዝነበረ ጎደና ንኽወጽን ሰሪሖም እዮም። ሓደ ካብ ሜላታቶም ድሕሪ መስመር ሓንሳብ ይፈላለዩ ድሓር ክኣ ይጠራነፉ እቲ ሓደ ሸነኽ ኣብ ዋዕላታትን ጉባኤን ክሳተፍ እንከሎ እቲ ሓደ ኣብ ደገ ይጸንሕ። ሕጂ ግን እቲ ኣብ ደገ ዝጸንሐ ምስ ካልኦት ሓይልታት ተጠርኒፉ ኣብቲ ዝመጽእ ጉባኤ ክሳተፍ እዩ ዝብል ወሬታት ክናፈስ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኻኣ እቲ ተቓዋማይ ወይ ኣብ ወጥሪ ክኣቱ እንከሎ ወይ ደኺሙ ወይ ኣብ ዝትሓተ ጠርዚ ምስበጽሐ ኣብቲ ብድሕሪ ሕጂ ክፍጠር ተሓሲቡ ዘሎ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሓደ ውሱን ቁጽሪ ይውሃበና ብምባል እቲ ዝፍጠር ዘሎ ጉባኤ ባይቶ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ንለውጢ ዝብል ተሪፉ ሓድሽ ስም ዘለዎ ባይቶ ንክፍጠር ልክዕ ኪዳን ንምሕዝነት ከምዝተክአ ሕጂ ድማ ነዚ ሸርሒ ንምትግባር ዝግበር ዘሎ ምድንዳን እዩ፡ ግን እዚ ሸርሒ ዝዕወት ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ባይቶ ኣለዉ ተባሂሉ ምስ ዝጥርጠር እዩ።

ከምዝመስል ገለ ብሓደ ሸነኽ ብድሕሪ መስመር ኮይኖም ብኻልኣይ ሸነኽ ድማ ብስልኳ ህግደፍ እትዮም እንተኮይኑ ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ዘእቱ ጥልመት ይኸውን እሞ እዚ ህልዊ ደምበ ተቓውሞን መራሕቲ ባይቶን ንመን እዮም ዘገልግሉ ዘለዉ ዝብል ሕቶ የልዕል።

በዚ ዝእለም ዘሎ በታኒ ሸርሕታት ከይንብተን እስከ ሓቢርና ንሕሰብ ፍታሕ ሽግርና ንኽንረክብ

ተኽለ ዑቕባይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ማሊሻ July 17, 2013

    ኣቶ ተኽለ ዑቕባይ ጽሑፉ ብሱልካ ጀሚሩ ብሱልካ ወዲእዋ። ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ እዘን ተቓወምቲ ውድባት ጉጅለታት ወይ ልፍንትታት ዘሎ ናይ ፖለቲካ ፍልልያት፣ እስትራተጂ፣ ቅዲ፣ ስልቲ፣ ታሪኽ፣ ዕድመ፣ ኣቀማምጣ፣ ዕላማ፣ ተመክሮን ልምድን ግን ንሽም ውን እንተኾነ ኣይጠቕሶን እዩ። ብኣረኣእያ ኣቶ ተኽለ፣ ድኻማትን ስንክልናን ናይዘን ተቓወምቲ ዝበሃላ ” ሱልካ ህግደፍ ” እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግና ኣቐዲመ ዝዘርዘርኩዎ ኮይኑ፣ እንትርፎ ውሑዳት ብመንእሰያት ዝእለያ ማሕበራት፣ እቶም ዝበዝሑ ብሉያት ንዱያትን ኣረጋውያን ውድባት ይትረፍ ህግደፍ ብህየቱ ሃልዩ እንተዝመውት ውን ንእሽቶ ገጠርን ወረዳን ከመሓድሩ ብቕዓትን ራእን ዘይብሎም ከርታትያን በታኻት ሕልና እዮም። ናይ ገለ ገሊኦም እሞ ኣበየናይ ፕላኔት ከምዝነብሩ የሕስበካ እዩ። ስለዚ እቲ ጸገማትን ፍልልያትን ብግቡእ ኣለሊኻ ፍታሕ ምንዳይ ይሓይሽ።

  • belay nega July 18, 2013

    ተኽለ ዑቕባይ

    ኪንደይ ወሲዱልካ ነዚ ሕልሚ ደርሆ ኽትፈትሕ?

    Just curiosity

  • Truly truly i say to you July 18, 2013

    If any opposition congress likes to be successful or not to be disturbed all the participants they should to go to the congress for only one concrete agenda, namely how unitedly to rid the evil regime to consult. If someone be you call it PFDJ agent, Woyane or whatever agent, with unnecessary theme begins to disturb or or to make it the congress unsuccessful , before start the congress every participant should to agree, this person or party who come with unnecessary and untimely topic purposely, should to be tell without no ifs or buts as will be automatically disqualified. If you all agree in this point from the beginning, trust me no one will have sphere to disturb because knows automatically as will reject. Those who talk after somebody disqualified to defend this person, they should also to be considered as the disturbants. Disqualification or somebody´s to make resign it should to be seen or token as normal since the case is reasonable.

  • muka kasa July 20, 2013

    መዓስ ኢኩም ከትበራበሩ ነዚ ክትሓልሙ ደቂስኩም ። በሉ ሀዝቢ ኤርትራስ ኣይፈልጠኩምን ዩ ። ዉድቀት ንወያን ወይጠታቱን ። ዕድመ ንሀዝብን መራሓትን ኤርትራ

POST A COMMENT