Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ምኻድ ውሳኔኹምዩ; ንሓቂ ግን ኣይትጠዋውዩ !

  Tesfamariame Wel. 19/06/2016 Norway   ጥሪት ህግደፍ ሕደግ ኣይትዓሹ ንሓቂ ድለያ ስምካ ኣይተባላሹ ሳዕሲዒት ግደፍ ዓደቦኻ ናበሪሱ ክሳብ መዓስ ከተታልል ክትሕሱ? ኣርክብ ኩሉዩ ኣብ ልመቡ ተመሊሱ   ዓዲ በጺሕካ ተዛረብ ታይሪኢኻ ኩነታት ህዝብና ከመይ ጸኒሑካ ሓቂ ንገር ጥውይውይ ከይበልካ ኣብ እዝነይ ህግደፍ ከይሰምዓካ ሕሹኽ በለኒ ሕሩም ከይነግረልካ   ክፉእ እናሰማዕና

 

Tesfamariame Wel.

19/06/2016 Norway

 

ጥሪት ህግደፍ ሕደግ ኣይትዓሹ

ንሓቂ ድለያ ስምካ ኣይተባላሹ

ሳዕሲዒት ግደፍ ዓደቦኻ ናበሪሱ

ክሳብ መዓስ ከተታልል ክትሕሱ?

ኣርክብ ኩሉዩ ኣብ ልመቡ ተመሊሱ

 

ዓዲ በጺሕካ ተዛረብ ታይሪኢኻ

ኩነታት ህዝብና ከመይ ጸኒሑካ

ሓቂ ንገር ጥውይውይ ከይበልካ

ኣብ እዝነይ ህግደፍ ከይሰምዓካ

ሕሹኽ በለኒ ሕሩም ከይነግረልካ

 

ክፉእ እናሰማዕና ክፉእ እናረአና

ቁሩብ ተሪፉ ከተንቁሩዎ ዓይንና

ብዓል ኣይስቆሮም መንሽሮ ህዝብና

መታሓፍስቲ ዲክታቶር ጨፍላቒና

ንዘጽንተና ዘሎ ትብሉ ንስኻ ንሕና

 

ከምዘይ ትትስእ ጌሩ ሃገርና ዘዕነዋ

ዓዲ ግሃነብ ኮይና ጭው ዘለ ጽምዋ

ቀተልቲ ዓመጽቲ ሰረቕቲ ዝመርሕዋ

ምዕብልቲ ሃገርና ጸሎሎ ዝቐብኡዋ

ብሕማቕ ግብሪ ካብ ዓለም ዝነጸሉዋ

 

ሃገር ጽቡቕ ኣላ ትብል ከይሓፈርካ

ካብዝን ካብትን ኤውሮ ኣዋህሊልካ

ብእንዳ ኣመተ ትነብር ከይሰራሕካ

ኩፍእ እናረአኻ ጠሊምካዮ ህዝብኻ

ኤህ ከምታ ናቶም ሽግር ይፍጠረልካ

 

ገንዘቡ ከይሓፈሩ ካብ ጅቡኡ መንዚዖም

ዘለዎ ንብረቱ ኣብ ቁጽጽሮም ሃጊሮም

ነዚኻ ጽቡቕ ሰሪሖምልካ ተውሪየሎም

መሰል ህዝቢ ዘየፍቅዱ ኩሉ ባዕሎም

 

ኢዶም ኣይስኣኑ ድሕሪት ዝጓሰስዋ

ካብዚኦም ርሓቑ ካብ ሕማቕ ጽልዋ

ቐዲምኩም ሕተቱ ካብ ትጎዪ ንሳዋ

ዝዋዓሉ ክነግርኹም ጉዳ ዝፈልጥዋ

ክንደይ ዊሒጣልኩም ሓቂ ኣነጽሩዋ

 

ምኻድ ውሳኔኹምዩ ባዕልኹም ፍረዱ

ሕሰቡ ተመራመሩ ብሓንጎልኩም ኪዱ

ተመሊስኩም ግን ኣጋልጹ ትዘሎ ጉዱ

ዝረኣኹሞ ሽግር ንገሩና ኣይትሓንግዱ

ተወቕዐ ኮቦሮ ሰሚዕኩም ኣይተኹዱዱ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዳዩሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT