Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ዘለዉ ስለዘየተንፈሱ፡ ከምዝሞቱ’ዮም ዝቁጸሩ

ሓደ ካብቲ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዋዲ ዘይብሉ ጥንቅላዕላዕ ክብል ዘኽእሎ ዘሎ ቀንዲ ረቋሒ፡ ህዝቢ ነቲ ኣብ ዝባኑ ተጻዒኑ ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ንምድርባይ ንርሑቅ ዝጥምትን ፍልልያት ከጽብብ ብቅዓት ዘለዎ መሪሕ ክረክብ ስለዘይክኣለን ስርዓት

ሓደ ካብቲ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዋዲ ዘይብሉ ጥንቅላዕላዕ ክብል ዘኽእሎ ዘሎ ቀንዲ ረቋሒ፡ ህዝቢ ነቲ ኣብ ዝባኑ ተጻዒኑ ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ንምድርባይ ንርሑቅ ዝጥምትን ፍልልያት ከጽብብ ብቅዓት ዘለዎ መሪሕ ክረክብ ስለዘይክኣለን ስርዓት ህግደፍ ንዝኾነ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ምዕይ ከይበለ ንምጭፍላቅ ሓያል ትካላዊ ኣሰራርሓን ገንዘባዊ ዓቅምን ስለዘለዎ’ዩ። ንሰንካምን ጎጃጃልን ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ብዝግባእ ኣስተብሂሉን ኣብ ክውንነት ዝተሰረተ፡ ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ዝጥርንፍ ጽላል እንተዝህሉ፡ ዕድመ ህግደፍ መኸተመ ህዝብና ድማ ንጹህ ኣየር ሓርነት መተንፈሰ ነይሩ። ማዕረ ማዕረ’ቶም ኣቦኦም ዘፍለጡ መሻርኽቲ ስርዓት ህግደፍን ኣድመይትን ህዝብና ድማ፡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ክቆጻጸሮ ኣብ ዘይክእል ቦታ ናይ ዝቅመጡ ንግሆ ንግሆ ከም ዕንባባ ገልገለ መስቀል ዝውልዓን ጸሓይ ምስ በረቀ ብኣጋ ዝቅምስላን ውድባትን ጉጅለታትን ወግሐ ጸብሐ ሓድሕድ ካብ ምክሳስን ሓሊፈን ዝጭበጥ ፍረ ኣየበርከታን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራን ካልእ ፈታውን፡ “እዘን ውድባት እዚኣተን ተስፋ የብለንን” ኢሉ፡ ኣብ ደለይቲ ለውጢ ዘለዎ እምነት ከጉድልን ተስፋ ክቆርጽን ተገዲዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ምስ ተቃወምቲ ዝውደብን ሕቡር ቃልሲ ከካይድ ዝመርጽን፡ ኢዱ ክስሕብን ምስ ስርዓት ህግደፍ ክደናገጽ ወይ ምሉኽ ክኸውንን ተምሳሲሉ ክነብርን ይግደድ ኣሎ። ንኣብነት እቶም ህዝቢ ክመርሑን ለውጢ ከምጽኡን ይኽእሉ ኢሉ ተስፋ ኣንቢሩሎም ዝነበረ፡ ኣብ እዋን ገድልን ድሕሪ ናጽነትን፡ ኣብ ደረጃ መሪሕነት ዝነበሩን ሕጂ ካብ ስርዓት ህግደፍ ተገሊሎም ዘለዉን ከም በዓል መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ሕሩይ ተድላ፡ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፡ ዓብደላ ኣደም፡ ተስፋይ ወልደሚካኤል(ደጊጋ) ሃይለ መንቀርዮስ፡ ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተን ካልኦትን፡ ብልሖምን መንፈዓቶምን፡ ዝተፈላለያ ኣስማት ዘለወን ውድባት መስሪትካ ብዝተመርጸ ቃላት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣኼባታትን ሓድሕድ ካብ ምውንጃል ህዝቢ ካብ ምብትታትንን ቁምነገር ኣየፍረዩን።

እቲ ንዓመታት ሱር ዝሰደደ ናይ “ንሕናን ንስኹምን” ናይ ዘይምትእምማን፡ ምትህልላኽን ህርፋን ሽመትን ናይ ትሓልፍያ ሕዱር ሕማም ወትሩ ስለዝግንፍልን፡ ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ቀዳምነታተን ሰሪዐን ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስ ዝተዓጥቀ ስርዓት ህግደፍ ክብድሃ ዘይምኽኣለን ድማ መርገምን እቲ ዝዓበየ ድኻምን’ዩ። እዞም ብዘለዎም ተሞኩሮን ኣፍልጦን ንህዝቢ ኤርትራ መሪሖም ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ክንዲ ራረውቲ ወገኖም ዝኾኑ፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምኽራርን ንዓመታት ሸንኮለል ዝብሉ ዘለዉ ውድባትን ውልቀሰባትን ድማ፡ ዝተዋህቦም ዕዮ ገዛ ብዝግባእን ኣብ እዋኑን ክፍጽሙ ህዝቢ ኤርትራ ብሃንቀውታ ይጽበዮም ኣሎ። ወይ ድማ ኣቡኡ ዘፍለጠ፡ ከምቶም ብጽላሎት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ባህሪሮም ካብ ስራሕ ደስኪሎምን ከይተፈለጦም ናይ ገዛ እሱራትን ኮይኖም ዘለው ከምኒ ኣስመሮም ገረዝግሄር፡ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል፡ ኣሕመድ ጣህር ባድሩይን ዝኣመሰሉ ክሳብ ስላዕ ኢሳያስ ዝወድቀካ፡ ኣፍካን ኢድካን ሒዝካ ትም ምባል ይሓይሽ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግብራዊ ተፈጻምነት ዘይብሉ መደባት ምሕንጻጽን ወርቃዊ ቃላት ምዝራብን ንህዝብና ኣይዓብሰሉን’ዩ። እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ነቲ ብጥሜትን ኩሉ ሰብኣዊ መሰላቱን ተመንጢሉን ኣብ መቁሕ ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ህዝብና ምድሓን’ዩ። ብዙሓት ሰባት፡ “መሰረታዊ ለውጢ ካብ ውሽጢ’ምበር ብግዳም ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ” ብምባል ዘለዎም መርገጺ የንጸባርቁ። ብዘየማትእ ቃላት፡ ሱርበተኽ ፍታሕ ዝረጋገጽ እቲ ተሰካሚ ኣደራዕ ህዝብና፡ “እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ” ኢሉ ምስዝነብሕ’ዩ። ተሓጓሚ እንከሎ ተሓዚ ተሓጓማይ ይጠርጥ ከምዝብሃል፡ በዓል ውራይ እንከሎ፡ ጋሻ፡ ዋና ተዓጣቂ ዳስ ክኽውን መልክዕ ስለዘይብሉ፡ ንሕና ኤርትራውያን ንመሰልና ጠጠው ከይበልና ማሕበረሰብ ዓለም ማና ከውርደልና ክንጽበ ኣይግባእን። እቲ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ዒንዲዳ’ውን፡ ብኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለም ወይ ብምስትምሳልን ብምቁዛምን ክምሖ ዘበት’ዩ።

ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ብፍላይ ድማ ኣብተን ዝሰጎመ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕለወለን፡ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን፡ ወጽዓ ህዝብና ኣብ ምሕባርን ገበናት ስርዓት ህግደፍ ሽንግላጡ ኣብ ምውጻእን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክካየድ ይከኣል’ዩ። ክዝከር ዝግብኦ ዝኾነ መደብ ንምስልሳል ገንዘብ፡ ግዜን መሪሕን ዝሓትት ዓቢ ብድሆ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ክፍጸም ዝኽእል ንጥፈታት ግን ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባዊ ጽላታትን ዘይቅዱስ ወተሃደራዊ ሽርክነትን ዝነጥፋ ዘለዋ ሃገራት ከም ካናዳ፡ ቻይና፡ ስዑድያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦትን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታተን ኣድማ/ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድን መዘክራት ምቅራብን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታተን ስምዕታ ምቅራብን ጸቅጢ ክፈጥር ይኽእል’ዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ዘለዎም እንተላይ ኣብ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስታዊ ትካላት፡ ግብረሰናይ ማሕበራትን ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ስለዘለዉ፡ ወሰንቲ ውልቀሰባትን ኣባላት ባይቶን/ፓርላማን፡ ውድባትን፡ ኣብ ምጽላውን ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ሕሰም ጠጠው ንምባል ጻዕርታት ክሕይል ኣለዎ። ነቲ ፍትሒ ንምርካብ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝብና ኣብ መዓልቲ ፍርቂ ሰዓት ካብ ግዜና እንተኣወፊናሉ ሓላል’ዩ። እንተተ’ቶም ብህወይት ከለው ህዝቦም ንምርዳእ ብጩቅ ዘይብሉን ዘየተንፍሱን ብደለይቲ ፍትሒ ወይ ብተቃወምቲ ህግደፍ ዝብል ኣስማት ዝተጠመቁ ውድባትን ጉጅለታትን ግን ብዘይ ቀላሳይ ብዕራይ መኽየዳ እኽሊ ክካየድ ከምዝይከኣል ተገንዚቦም፡ ንህላወኦም ዝረጋግዝ ስራሕ ክፍጽሙን ኩሉ ፍልልያቶም ወንዚፎምን ዓቅምታቶም ወዲቦምን ስርዓት ህግደፍ ክብድሁ እዋናዊ መድረኽ ይሓቶም ኣሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 5 ንሓሰ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 6, 2017

    As always your impeccable political commentary on issues facing the current Eritrean specter is priceless,however, is anybody listening or reading or to some effect comprehending the message? or like you said,everybody is playing dead? if that is the case,HGDEF will always have the upper hand because it is an organized crime cartel- AB ADI EWURAT HADE AYNU YINEGIS.

POST A COMMENT