Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶን ሓጓዶ

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ) ዘይግዶም ናይ ህዝቦም ተሪር እኩይ ልቦም ሓዊ እንዳሳወሩ ህዝቢ ዘባርሩ፣     መንዮም ንሶም ንፍለጦ’ቲ ጉዶም     ህዝቢ ዘናኽሱ ሓዊ ኣጓጊዶም     ምስ እኩይ ተግባሮም ካብ ምትሕብባር     ምቕላዕ ምድሕርሓር ኢዩ ሰናይ ተግባር፡ እታ ልምዕቲ ኣውሊዕ መጽለሊት ኩልና ቆጽላ ይረግፍ ኣሎ ስኣን ዋና ጨናፍራ

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ)

ዘይግዶም ናይ ህዝቦም

ተሪር እኩይ ልቦም

ሓዊ እንዳሳወሩ

ህዝቢ ዘባርሩ፣

    መንዮም ንሶም ንፍለጦ’ቲ ጉዶም

    ህዝቢ ዘናኽሱ ሓዊ ኣጓጊዶም

    ምስ እኩይ ተግባሮም ካብ ምትሕብባር

    ምቕላዕ ምድሕርሓር ኢዩ ሰናይ ተግባር፡

እታ ልምዕቲ ኣውሊዕ መጽለሊት ኩልና

ቆጽላ ይረግፍ ኣሎ ስኣን ዋና

ጨናፍራ ብየማን ብጸጋም ክስልዑ

ይልከሙ ኣለዉ ዘይተዓደሉ ቆልዑ፣

    ሃገርካዶ ከም እቶን ተቃጽለካ

    መንከ ሓሲብዎ፧ እዚ ይመጽእ ኢልካ

    ኮነኸ! ካብኮነ፣ ካብ ዓንገረር ዘረባ

    ሃየ! ተጠርነፋ ውድባት ኣብ ሓደ ውደባ፡

በዚ ኣገባቡ ዝጠፍኦ ገባቲ ስርዓት

ብጥዓመጽ ህዝቦም ዝስምዖም ኩርዓት

“ሕራይ ኮኑ!” ዝብሉ’ለዉ ህዝባዊ መንድዓት

ይኣክል! ንበሎም ካብ ደቒቐ-ስዓት፡

    ብመከራ ህዝቢ፣ ዝሕጎስ ጸላኢ

    ንንጹሃት ዝውንጅል ጸለሎ ቀባኢ

    ምዓስ ቅቡል ኮይኑ ሓው ንሓው ከናቑት

    እንታ’ዩ ረብሓኻ፧ ተመራመር ብዕምቆት፡

ወረስቲ ዓደቦ፣ ካብ እቶን ዝመለቑ

ድምጺ ውጹዓትዮም ብህዝቦም ዝሕለቑ

ሓዊን ሃልሃልታን ኮይኖም ንጸላእቶም ይሎቕምጹ

ንእቶን ሓጓዶ ኣጥፊኦም ክብሉና ድሓን ምጹ፡

    ዓወት ዘይተርፍዩ ስዒርና ምድሕርሓር

    ሕጂ ሓባር ንስራሕ ልምምድ ንደሓር

    ከይጸመደ ኣንጎደ ኣብ ኩሉ ከይነጻሕና

    ንዓይ፡ ኣነ፡ ንግደፍ ህዝቢኮ’ዩ ዋና፣

ንስስዐ ዝስዕር ባይታ ነሰስን

ቦታ የብሉን ጸግዐጸግዒ ዘዋስን

ናይ ኩሉ ብሃገርን ህዝቢን ዝግደስ ውራይ

ንዕድመ ጸዋዒት ህዝቢ መልሱ ይኹን ሕራይ፡

    ፍርሃት እግዚኣቢሔር ዘለዎ፣ ዘኽብር እምነት

    ከም መሳርሒ ሰላም’በር ዘይብሉ ኣነነት

    ምስ ህዝቡ፡ ንህዝቡ፡ ብዘይቅድመኩነት

    ኣርኣያ ኮይኑ ይበገስ ህዝባዊ ኣብነት።

25/02/2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Senai February 26, 2012

    Yes, you are going to be the starter – just start mentioning the evil country men!

  • SINGAPO - ERITREAN February 26, 2012

    2010 ዝተገጥመ
    SINGAPORE ወይሲ SING – A – “POOR”

    ሓሱ፣ በሉኒ ክሕሱ
    እዝገ ´ርኣየኒ ብዕራይ ጠኒሱ
    ማንታ ወሊዱ ግን ሓደ ርእሱ
    ጉራ ድራሩ ጸብሒ ጥፍኣት ቁርሱ
    ሽሮ ዘይብሉስ ብስቴካ መጙስዕ መሊሱ
    ሓቅነት ክትሓቅቕ መን ተገዲሱ ፧
    “እልል” ንበል ኢሳያስ “ነብሪ” ነጊሱ
    “ህዝብና ብኹርዓት ክኽእል´ዩ ነብሱ” !!!!!(እሕሕ፣ ፣ ጸላኢኹም ይሰርነቕ )
    “ስሱዓት” ሓረስቶት ብትራክተር ግራቶም ክሓርሱ
    ከየቅዋረጹ ዝሰርሑ ብልጽግና ክሓፍሱ
    ናይ ስድርኦም ዝሓስቡ “ንህግደፎም” ክንዲ ዝልግሱ
    ማኪና ዘይብሉ ከስተማስል ንሳቶም ክግስግሱ
    ንሓፋሽ ተቖርቅዊሩ” ብዲሲፕሊን ማዕርነት ተበጊሱ
    ብ”ፍትሔኛ” መንግስትና ንብረቶም ተወሪሱ !!!!!……..continues

  • SINGAPO - ERITREAN February 26, 2012

    ጋዜጠኛ ወጻኢ ንሓሶት ዘዳምቖ
    ብጽፍርና ከም ንሓድር ዘየራቐቖ
    ምዕባለ ንኤርትራዊ በዚሑ ከም ዝሰርነቖ
    “special breed” ምኽዋንና ንህልውነት ዘይጾሞቖ
    ንናይ ህግደፍ ኤርትራ ዘይርኣየስ ንመንግስቲ ሲንጋፖር የድንቖ!!!!

    (እሕሕሕሕ፣ ፣ ፣ ዋእ ጥዑም ምለሱ እኮ ኢኮ ኢልና ፣ ፣ እንተዘይተዋሕጠልኩም ከኣ ቁሩብተይ ድሙ ድሙ ጌርኩም ኣውርድዎ)

POST A COMMENT