Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ : ምንጭታት ካብ ኣስመራ

አብ ከተማ ኣስመራን ከባቢአን ዝብሃል ዘሎ ከነዕልለኩም : አብዚ እዋን ዓብይ መዛረቢ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ሞት ብርጋዴር ጀነራል አማኑኤል ሃይለ (ሃንጀማ)፤ ብርጋዴር ጀነራል መብራህቱ ተኽለ (ቫይናክ)፤ ከምኡ ዉን ደሱ ተስፋጺን ሓላፊ 09 ነበር ዘጋጠመ ሞት

አብ ከተማ ኣስመራን ከባቢአን ዝብሃል ዘሎ ከነዕልለኩም : አብዚ እዋን ዓብይ መዛረቢ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ሞት ብርጋዴር ጀነራል አማኑኤል ሃይለ (ሃንጀማ)፤ ብርጋዴር ጀነራል መብራህቱ ተኽለ (ቫይናክ)፤ ከምኡ ዉን ደሱ ተስፋጺን ሓላፊ 09 ነበር ዘጋጠመ ሞት አመልኪቱ ሰብ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህብ አሎ። እንተኾነ ከምቲ ህግድፍን ካድረታቱን ብመንገዲ 03 ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ወረ ዘይኮነ እቲ ሓቂ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ክብሉ መልእኽቶም ሰዲዶምልና ኣለዉ ::

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደንጎሎ ኣብ ዝተገብረ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣኼባ ብዉልቀመላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂን ጀነራል ጎልፎ (ስብሓት ኤፍሬምን) ዝተመርሐ ንህሉው ኩነታት ዘተኮረን : ናይ ስራሕ ቦታ ምልዉዋጥን ብዝብል ዛዕባ ከምዝነበረ ይሕበር ::

እቲ ኣኼባ ብዙሕ ወጠጥ ዝነበሮን : ባእስን ዕግርግርን : ጉስጥን ምፍርራሕን ኣብ መንግኦም ከምዝነበሮን ይንገር ኣሎ : ንሱ ድማ ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና : ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ እምባትካላ ዝገብሮ ሰሚናር ንካድረታት ህግደፍ ናይ ስራሕ ቦታት ምልዉዋጥ ክገብር ምኻኑ ቃል ኣትዩ ኔሩ :: ንሱ ድማ ንዝፈርሖምን ንዝጥርጥሮምን ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ናይ ውትህድርና ሓላፍነት ኣውጺእካ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ምቕይያር ምግባር እዩ ኔሩ ::

–                     ነዚ ንምግባር ብቐዳምነት ዝሰረዖ

–                     ብሪጋደር ጀነራል ኣማኑኤል ሃይለ (ሃንጆማ) ( ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ  ተቀይርካ ኣለኻ ከም ዝተባህለን ከምዘይተቐበሎን : ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ከምዝነበረን በዚ መሰረት ከምዝደስከለን : ካልኦት ጌና ዝርዝር ኣስማቶም ዘይብጽሓና ደስኪሎምን ናብ ምምሕዳራት ተቀሮም ከምዘለዉን ይንገር :: ሃንጆማ ንሓቂ ዝመዉት ሰብ ክብደል ከምዘይደልን ፍቱው ብብጾቱ : ፈታው ስድርኡን ምንባሩ ይንገረሉ ::

–              ብርጋዴር ጀነራል መብራህቱ ተኽለ (ቫይናክ) (ኣውራጃ ሰራየ) ታሪኹ መወዳእታ ዘይብሉ ጅግንነት ዝፈጸመ ብፈዳይን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ዉሽጢ ጸላኢ ኮይኑ ዓቢ ቅያ ዝሰረሐን ብስንክልና ነብሱ ዝተበታተኸን : ዓቃልን መስተዉዓልን ምኻኑ መሳትኡ ይነግሩሉ : እንተኾነ ንኣስታት 23 ዓመት ኣብ ዝጠቅም ናይ ስራሕ ቦታ ዘይተመደበ ኮይኑ ዳርጋ ንዓመታት ደስኪሉ እዩ ኔሩ :: ከምዝፍለጥ ወዲቫካሮ ንብዙሕ ዓመታት ይምዉሎን ይሕግዞን የተባብዖን ከምዝነበረ ህዝቢ ኣስመራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ::   ኣብ ኣኼባ ደንጎሎ ምስ ኢሰያስ ከምዝተሰሓሓበን ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ክእለ ንስኻ ክታለ ኣለካ ከምዝበሎን እዩ ዝስማዕ ዘሎ : :

ደሱ ተስፋጺን ( ኣውራጃ ሓማሴን) ሓላፊ 09 ነበር

ሓላፊ 09 ኣብ ዝነበረሉ ነቲ ቀይዲ ዘይብሉ እሰራርሓ መንግስቲ ኤርትራ : ኦዲት ዘይግበረሉ : ትካላዊ ኣሳራርሓ ዘይብሉ መንግስቲ ሰሪቕካ ወይ ኣጠፋፊእካ ብዝብል ምስምስ ንዕዑን ንካልኦት ብርክት ዝበሉ ሃብታማትን ብኢሰያስ ዝቆመት ፍሉይ ቤትፍርዲ ን15 ዓመት ተፈሪዱ ክንሱ ኢሰኣስ ብኢደዋኒኑ 10 ኣጉዲሉ 5 ዓመት ጥራይ ተኣሲሩ ከምዝወጽእ ድሕሪ ምግባሩ ( እዚ ማለት ናይ ኣባሊገ ገርዋ ማለት ኣዩ )  : ንዕኡ ዝግባእ ቦታ ስለዘይተዋህቦን ንኽሰርሕ ስለዘይተፈቕደሉን ኣብ ኣስመራ ኮለል ክብል ግዜ የሕልፍ ምንባሩ ይፍለጥ ::ተዋዛያይ ትኩር ኮይኑ : ናኢሰያስ የማናይ ኢዱ ምንባሩ እዮ ዝፍለጥ እንተኾነ  ኢሰያስ ፈታዊ ይኹን ወይ ይኣምኖ እየ ዝብሎ ሰብ ስለዘይብሉ እንሃለ በብሓደ ንኹሎም የርክበሎም ኣሎ::

እዚ ድራማ እዚ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይብሉን እታ ሓደጋ ፈጺማ ትብሃል ዘላ መኪና ኣበይ ከምዘላን ዝኾነ ስእሊ ይኹን መረጋገጺ ዘይምህላዉ ኩሉ ህዝቢ የዕዘምዝመሉ ኣሎ :: ብጀካ ዚ ሕክምናዊ ምርመራ ይኹን :  መርማሪ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ከይዶም ዝኣከብዎ ጸብጻብ ከምዘየለ ድማ ይፍለጥ ::

ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ሕጂ ፍሉይ ዝገብሮ ብእኩብ ስለዝኾነ እምበር ኢሰያስ ንዘይደለዮ ንምጥፋእ ሓደ ካብቲ ዝጥቀመሉ ሜላ ምኻኑ ድማ ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ብሃንደበታዊ ሕማም ተባሂሎም ዝጠፍኡ በብሓደ እንተዝፈቲሹ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምኻኑ ኣይንዘንግዕ :: በብሓደ ሰብ  ወሓደ ኮይኮነ ከሎ ዘድሊ ስጉምቲ ምዉሳድ  ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ምኻኑ ነዘኻኽር::

–               ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል (ቻይና ) ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ተመዲብካ ኣለኻ ተባሂሉ ብኢሰያስ ከምዝተነግሮን ከምዘይተቐበሎን ኣብ ሞንግኡ ሓሚሙ ሕክምንኡ ይገብር ከምዘሎን ይሕበር::

–               ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል ድሕሪ ተበግሶ ናይ ወዲ ዓሊ ኢድ ኔሩካ ብዝብል ጥርጣረ ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዘሎን : ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢምዎ ብብርቱዕ ይሳቐ ከምዘሎን ይንገር::

 

ኣብ ቀጻሊ ካልእ ሕዝና ክንቀርብ ኢና

ኣሕዋትኩም ደለይቲ ፍትሒ

ካብ ኣስመራ

27/03/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you March 29, 2014

    part 2
    As about good will if there 2% in Ethiopia, i assure you as there is 99% in Eritrean land and people. For instance my self i never wish anything bad to Ethiopia, i believe they have full right to use their Nile river resources, if the Egypt try to attack them, regardless what the doing bad to us i stand to defen to my blood relative brothers. This is honest brother ship and love, not like you attempt deceiving us. Do not for get! all Hamaschens (Eritreans) are not fool! Dear cow face! However i admire somehow your poetic and comedy talent, despite i hate it contents i amusing it. But definitely not when you mocking at Eritrean Victemees. Some of them because aliving, if they reed when mocking at them, what do you think how can they feeling?

  • semharg March 29, 2014

    I want to hear what Sofia Tesfamariam is going to explain about this three high officers accident, because one of them is close relatives to her.

  • JHB March 29, 2014

    What is the point of indicating their origin (akle guzai / Serai /etc) It is stupid.

  • tesfu March 31, 2014

    i strongly oppose the dictator government of IA, but when some times see baseless information like this, it is hard for me and other people to trust your information. As A close family of Amanuel hanjema, he was not argued for new appointment but, it was the arguement between wichu and him, then Isaias Afewerki punished to hanjema to make happy wuchu. So it was not the issue to disagree with DIA when he posted as a adminstrator of Zoba gash-barka. Besides, The incident was pure accident…… the driver was halibay ……

  • عبدوووو April 2, 2014

    Tsemam tesfu zemed hanjema, who told you that the death of your relative was a pure accident.
    Think again nothing accident with wedi medhen berad ?????
    everythung is calculated. Regardless of the driver’s scenario you tried to convince us.
    too bad the trurh will come out when it is too late as usual.

POST A COMMENT