Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ሕቶ ኤርትራውያን፤ ሰላምን ዕርቅን ድዩ፤ ናጽነትን ሐርነትን ?

ብ ወልደ ተወልደ 13 መስከረም 2015 ሰላም  ማለት  እንታይ  ማለት  እዩ ? ዕርቂኸ  እንታይ  ይመስል ? ናጽነትን ሓርነትንከ ሐደ አካል ድምዮም ወይከአ ነንበይኖም? ነዚኤን ሕቶታት ናይ ግድን ክምለሳ አለወን እንተዘይኮይኑ ዓቢ ሽግርን ጸበባን አብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ አብ

ብ ወልደ ተወልደ

13 መስከረም 2015

ሰላም  ማለት  እንታይ  ማለት  እዩ ? ዕርቂኸ  እንታይ  ይመስል ? ናጽነትን ሓርነትንከ ሐደ አካል ድምዮም ወይከአ ነንበይኖም?

ነዚኤን ሕቶታት ናይ ግድን ክምለሳ አለወን እንተዘይኮይኑ ዓቢ ሽግርን ጸበባን አብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ አብ ምሉዕ ዓለም ክበሀል ይከአል፡፡

ሰላምን ዕርቅን 

ሰላም ትብል ቃል ካብ ብዝሒ ምድግጋም ዳርጋ ትርጉማ ዘጥፈአት አያ ትመስል፡፡  እኻ ደአ በአንጻሩ ውግእ ዝብል ቃል ከም ጥዑምን እዋናዊን አድላይነት ዘለዎ እንዳመሰለ ይዝረበሉ አሎ፡፡ በዚ ምክንያት ከአ ሐየልቲ መንግሥታት ሰላም እንተደሊካ ንውግእ ተቀረብ እንዳበሉ አጽዋሮም ንኽሸጡ ይጋየዩ እዮም፡፡

ኤርትራ ሓያል ሀገር ኮይና እያ ደጊምስ እሞ ንጦርነት ክትዘጋጆ አለዎ ኢሎም ዝማጎቱ ኤርትራውያን እውን አይተሳእኑን፡፡ ካብኡ ሐሊፎም እውን ሳዋ ናይ ምቅርራብ ውግእ ምካኑ እዩ እምበር ናይ ምክልካል ዓቅሚ አይኮነን ይብሉ፤ በዚ ምክንያት ከአ እዩ ሳዋ ዘየቃርጽ ፕሮግራም  እንዳአካየደ  ዝርከብ ዘሎ፡፡ እቲ ኮይኑ፤ እቲ  አነ ግና ብዛዕባ ሰላምን ዕርቅን ዘሎኒ አፍልጦ ከምዚ ዝስዕብ ንከቅርቦ ፍቀዱለይ፡፡

ሰላም ማለት ንዓይ ንውልቀ ሰብ ዝምልከት ክከውን ኮሎ ዕርቂ ከአ ምስ ቤተ-ሰብ፤ ማሕበረ-ሰብ፤ ከምኡን ምስ ዝኮነ ሕብረተ-ሰብ ሀገራዊን ዘይሀገራዊን ማለት እዩ እየ ዝብል፡፡ አንባቢ ከአ ካልእ አረአእያ እንተለዎ ይግለጸልና፡፡

ሕዝቢ ኤርትራ ንብዙሕ ዘመናት ገጠራዊ ናብራ ዘካየደን ሕጅውን ዘካይድ ዘሎ ሕብረተሰብ እዩ፡፡ እዚ ማለት ሩፑብሊካዊ አናባብራ የካይድ እዩ ኔሩ ክበሀል ይከአል፡፡ሐላፍነቱን ውሳኒኡን ናይ ውልቁ ስለዝኮነ እዩ፡፡ እንድሕሪደአ ምስ ሓሳባቱን ውሳኔኡን ክሰማማዕ ዘይኪኢሉ ምስ አምላኩ ኑዛዚኡን ክትዑን (ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን) የካይድ ኔሩ እዩ፡፡

እንቶኮነ ደቂ ወጻእተኛታት ናብ ኤርትራ ክአትዉ ከሎዉ ምስኦም ሐዲሽ ሓሳበትን ሐዲሽ ባህልን ሒዞም ስለዝመጹ አብ ገጠራት ኤርትራ እካ እንተዘይኮነ አብ ከተማታት ሳዕቤናት አምፂኡ እዩ፡፡ ነዚ ዝነበረ ውልቃዊ/ውሽጣዊ ሰላም አብ ጸረ-ሰላም ለዊጦሞ እዮም፡፡

ሕዝቢ ኤርትራ አብ ዘየደለዮ ሐዲሽ ዝመስል ሓሳባትን ልምድን አይቅበልን ብምባል አብ ዘየብሪ ውግእን ጦርነትን አካይዱ ሕጂውን የካይድ አሎ፡፡ እንታይ ዓይነት ውግእ እንተተባህለ ናይ ባሕላዊን ሥነ አእምራዊን ምኻኑ ምፍላጥ የድሊ፡፡

ርግጽ እዩ ሳላ አዴታት ኤርትራ ባሕልናን  ልምድናን ቀጥ አቢለን ዓቒበላልና  እየን፡፡ ናተን ቃልስን ውግእን ግና ዘስተማቐርናዮን ዝተረዳእናዮን አይመስልን፡፡ ደቂ ተባዕትዮ ወግዓዊን ውድባዊን ብዝገበርናዮ ቃልሲን  ውግእን አብ ክንዲ ሰላም ነመዕብል አብ ሽግር የእትወና አሎ፡፡

ኮይኑ ከአ ሕጂ ሰላም  ካብ ውልቂ ነበስና (ውሽጥና) ንርከባ፡፡ ማንም ሰብ  አይክህበናን እዩ፡፡ እታ ዝጠፈአት ሰላም ምሳናን ምስ ስድራ ቤትናን እያ ዘላ፡፡ አብ ግዳም አይንድለያ፡፡ ከምቶም ናይ ጥንቲ  አቦታትን  አዴታትን ሰላም አብ ገጠር እያ ትርከብ አብ ከተማ አሥመራ የላን፡፡

ሰላም እንድሕሪ ደአ ከምዛ አብ ላዕሊ ዘላ ካብ ወሽጥናን ካብ ገጠር ዓድታት ትርከብ ኮይና ዕርቂ ኸ’ደአ ካበይን ብከመይን እያ ትርከብ? ዕርቂ ድማ ከምዚ አብ ታሕቲ ዝግለጽ ይኸውን፡፡                                                              

ናጽነትን ሓርነትን

ንብዙሕ ዓመታት ናይ ናጽነትን ሐርነትን ጉዳይ ፍልልየንን ሐድነተንን እንታይ ከምዝኾነ፤ ከምኡውን ሐፋሽ ኤርትራውያን ነናቶም ውድብ መሪሕነት ብዘምሀረቶምን ብዝነገረቶምን አጽኒዖም ብምሐዝ ዝተፋላለየ ርእይቶ እዩ ዝነበሮም ሕጂውን ዘለዎም፡፡ አነ ግና ብወገነይ ብዛዕባ ናጽነትን ሓርነትን ብዙሕ አጽንዔየንን ተማራሚረለንን እየ፡፡ እቲ ስታቲስቲካል መጽናዕቲውን ገና ይቕጽል አሎ፡፡

ክሳብ ሽዑዑ ግና ደቂ ሐወይ ፀሀየ ሚኒሊክ መናቱ ደቁ ናጽነትን ሓርነትን ኢሉ ሽም ስለ ዘውጽአለን አነ ክልቲአን ፈላልዬ አይክርእየንን እየ፡፡ ናጽነት ንሐርነት ብሸውዐተ ደቃይቅ ቀዲማታ አብዛ ዓለም መጺአ፡፡ ክልቲኤን መናቱ ከአ ብሐጎስን በሰላምን  ማለት ከም ሽመን ብሓባር ይነብራ አለዋ፡፡

ሳውራን ጦርነትን

ሳውራ ዝብል ቃል ዋላ እኻ ካብ ዓረብ እዩ ተረኪቡ ዝብሉ እንተአለዉ አዴታትና ነቲ ሐዊ አሳውርዮ/ሮ  እናበላ አዕቢየናና እየን፡፡ እዚ ማለት ንኽነድድ ጀምሮ/ጀምርዮ ምባለን ጥራይ ዘየኮነስ ደቀን ፓዮኒርስ ንኽኾናለን ስለዝምነያ እዩ ኔሩ፡፡ ኮይኑለን ከአ ሳውራ ወይከአ አብዮት አጀሚረናና፡፡ ሓቦ ግበሩ ኢለናና፡፡ እቲ ሓቦ ዝበሀል ለካ አብ ሐንጎልና ምኻኑ ስለዝፈልጣ እዩ ኔሩ፡፡ ንሕና ግና ሳውራ አሳዊረናና ኩላህና አብ ጦርነት ዊዒልና፡፡ ጦርነት/ውግእ ብልቢ እምበር ብአእምሮ ዝካየድ አይነበረን፡፡

ሳውራን  ዴሞክራሲያን

እምበአር ከስ ናይ ኤርትራውያን ድልየትን ሕርየትን ካብ ዲሞክራሲያን ዴሞክራሲያዊ አሰራርሐን ዝተበገሰ ጉዳይ እዩ፡፡ጀመርቲ ሳውራ አንስቲ ኤርትራውያን ካብ ኮና ፈጸምቲ ከአ ሰውኡት ኤርትራውያን  ንኽኾኑ ናይ ግድን እዩ፡፡ናይ ኤርትራ ሕብረተ-ሰብ አዚዩ ዝፍለጥ ብሰብአይን ሰበይትን በሓዳር ብምንባር እዩ ኔሩ፤ ሕጂውን በሓባርን ብሐደን ዘይሰርሕሉን ዘይነብሩሉን ምክንያት የለን፡፡ እንተ ወሐደ ወይከአ እንተገደደ ንዓይ አይረአየንን ዘሎ፡፡ ብዲሞክራሲያ ስለዝዓበኹ ፤ብዴሞክራሲያዊ አሰራርሐ ከአ ናይ አቦታተይን እምነተይን ስለዘኾነ አነ ፀገም የብለይን እየ ዝብል፤ አሎካ እንተተበሀልኩ ከአ ንኽንካታዕ ቁሩብ ምኻነይ ይገልጽ አሎኹ፡፡

ዓወትን  ውጽኢትን  ቃልሲ  ኤርትራ

አነ ከምዝርድአኒ እንተድአ ኮይኑ ኩሎም ሐለምቲ፤ሐሰብቲን ገበርትን ሰስርሖም ፈጺሞም እዮም፡፡ እዚ ማለት ሕዝባዊ ግንባር ንአመንቲ እስላም ካብ ባሕሪ ቀላይ ናብ ከበሳ አምጺአቶም እያ፡፡ ተጋድሎ ሐርነት ከአ ንአግማል ካብ ባሕሪ መሬት ቆላ ናብ ከበሳ አምጺአቶም እያ፡፡ከምኡውን ሳውራውያን ኤርትራ ንእምነት ኦርቶዶከስ ካብ ጎቦ ደብረ-ቢዘን አውሪዳ ናብ አባ ሻውልን ናብ ጸሎትን አእቲየሞ እዮም፡፡ በዚ ምክንያት እዝን ወዲዚን ኩሎም ዓላማ ኔሩና ዝብሉ ተቃለስቲ፤ ኩሎም  ተማሂርና ኢና ዝብሉ መራሕቲ፤ ኩሎም ተማራሚርና ኢና  ዝብሉ አመንቲ ከከም ድልየቶም ተፈጺምሎም እዩ፡፡  እዚ አብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት እዩ፡፡ሽግር ዓዲ ማለት ዶሜስቲኮ!!!

ናይ ስደትከ እንታይ እዩ ጻዊዕቱ፡፡ አቱም ሐለምቲ፤ አቱም ገበርቲ፤ አቱም ሐሰብቲ ወይከአ ተማራመርቲ እስኪ ንገሩና ምርሑና፡፡

መደምደምታ

ዘለናዮ ዓለም ቁሩብ ካብቲ ተፈጥሮ ፀጋ ዝሀበትና ማለት መሬት፤ማይ፤ፀሐይን ነፋስን መን ከምዝውንኖናን መን ከምዝቓጻጸሮን ንምውሳንን ንምፍላጥን ዝጸዓረሉ ግዜ እዩ፡፡ ንሕናኸ አሎናሉ’ዶ?

ብዛዕባ መሬትን ማይን ንአሻሓት ዓመታት ተዛሪቦምሉን ተቃቲሎምሉን እዮም፡፡ ድሕሪ ሕጂ ከአ ፀሐይን ነፋስን ናይ መን እየን ብኸመይ ‘ከ ክንጥቀመለን አሎና እናተባህለ ዝድረኸሉ ግዜ ስለዝኮነ ምሁራት ኤርትራውያን ብዘዕባ እዚ አንታይ ሪኢቶ አሎኩም?

አዴታትናን አቦታትናን አምላክ እዩ ሂቡና እናበላ ካብ ሰማይ ዝወርድ ሙቐት ንዕስራን አርባዕተን ሰዓት ተሐጉሸን ይነብራ አለዋ፡፡ ኤኔርጂዶ ወዲ ኤነርጂ አይበላን፡፡ እታ ነፋስ ከአ ካብ ዓላ ድያ ትመጽእ ዋላስ ካብ እንዳሸይጣን፡፡ ሀየ ምሁራንን ጽንሐተ-ምሁራንን  ፍልጠትኩም ንገሩና፤ አካፉሉናን  አስተምህሩናን፡፡ ርሑስ ሐዲሽ ዓመት ከአ 2008!!!

ሕቶ ወይከአ ነቐፌታ እንተአሊኩም

mailto:oboaradashawl@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Saving young ERitreans September 15, 2015

    You bring a good point ,but my father used to say ,higher school does not change people ,it might improve them slightly.
    He was right ,remmember ,we are still in the hatred stage of the Eritrean principles of Sawra….Our only global warming is the hot air from 03.
    The learned ones are the most narrow regionalists & religious fanatics.
    Remmeber almost all Eritrean people were united in hating Ethiopia..BUT PEOPLE THAT HATE TOGETHER DOES NOT NECESSARILY MEAN CAN LIVE TOGETHER…The 1940s part 2 is coming to a village near you.unfortunately !

    • AHMED SALEH September 17, 2015

      People make peace and reconcilation work among societies and contrary others create
      atmosphere of fear , hatred and division for their corrupted agenda .
      Peace and tolerance are two factors for a nation to preserve the freefom and liberty
      of it’s people .
      The late president N . Mandela left us important lesson to learn about peace and
      reconcilation . And Pres. Assad of Syria taught us the misssed principle which
      destroy human freedom and liberty .
      Many times people tend to incline with ignorance to bring them people down for self
      destruction . And in case of Eritrean predicament nothing will change since fate
      surrendered at the wrong hands .

  • ተወደ September 17, 2015

    ኢኢንታይ ደአ ኢኹም ትብሉ አይተረደአንን ዘሎ። አነ ብትግሪኛ እየ ዝሐሰብኩን ዝሸሓፈኩን ንስኻትኩም ከአ ብላቲን ብኸምይ ደአ ኢና ክንራዳዳእ?

POST A COMMENT