Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ዛዕባ – ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ!

                                          እዋናዊ ዛዕባ                ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ! እዚ ጽሑፍ ምስቲ ንርእዮን ንሰምዖን ዘጋጥምን እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር ዝጸሓፍ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ኣይውክልን፡፡ ማዕሪኡ ንሓደ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ዕላማ

                                          እዋናዊ ዛዕባ

               ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ!

እዚ ጽሑፍ ምስቲ ንርእዮን ንሰምዖን ዘጋጥምን እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር ዝጸሓፍ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ኣይውክልን፡፡ ማዕሪኡ ንሓደ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ዕላማ ገይሩ ዝነቅፍን ዘወግዝን ኣይኮነን፡፡ ንኹልና ብሓባር እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡ ናበይ ገጽና ኢና ነምርሕ ዘለና ብዝተወሰነ መልክዑ ዘርኢ ጽሑፍ ኢዩ፡፡

ሎሚ ቕነ ብዙሓት ኣብ መኣዲ ቃልሲ ዝርከቡ መቃልስተይ ኣዕሩኽተይ ገለ እውን ዘይፈልጦም ግን ከኣ ግዱሳት ውልቀሰባት ኣብ ፓልቶክ ክኣቱን ገለ ሓሳበይ ከፍስስን መልእክቲ ክሰዱለይ ቀንዮም፡፡ ብወገነይ ኣብ ፓልቶክ ኣትየ ሓሳበይ ከፍስስ ገለ መረዳእታ ካብ ለባማት ኣሕዋተይ ክቕበል ማዕሪኡ እውን ዝዓቕመይ ሓሳባት ወስ ከብል ኣይጸላእኩዎን፡፡ የግዳስ ካብ ብምዝራብ ብምጽሓፍ ብዝያዳ ሓሳበይ ክገልጽን ከረድእን ዝኽእል ኮይኑ ይስማዓኒʼሞ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ሓሳበይ ኣብ ኣሰና ክዝርግሖ መሪጸ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝጽሕፎም ጽሑፋት ምስቲ ዝጽሕፎ ዘለኹ ኣርእስቲ ፍጹም  ዘይራኸቡ ርእይቶታትን ነቐፌታን ይመጻንን የንብብን እየ፡፡ ንዝተጻሕፈ ኩሉ ክትምልሰሉ እንተ ድኣ ኮይንካ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ዘሎ መንገዲ ብመልክዕ ሹኩሽካ ምእታው ማለት እዩ፡፡ እቲ ምንታይሲ ስለምንታይ ምስቲ ኣርእስቲ ፍጹም ዘይራኸብን ዘይሳነን ርእይቶን ነቐፌታን ተዋሂቡ ኣሎ ምስትውዓል ዘድልዮ ኢዩ፡፡ ዋላኳ ጀማርን ብዙሕ ዝጎድለንን ጸሓፋይ እንተኾንኩ፡ ነቲ ርኢኻ ዘይኮነካስ ዳህሲስካ እውን እትፈልጦ መፋቐርን መከባበርን መቀራረብን ዘይኮነ፡ መፈሓናጨርን መታኾብን መረሓሓቕን ዝኾነ ኩርኳሕ ኣነዋሪ ዘረባታትን መልስታትን  ስለምንታይ ተጻሒፉ እናፈለጥካዮ ተዓሚትካ ክትሓልፎም ኢኻ ትመርጽ፡፡ ዕላማ እቶም ሕማቕ ጸሓፍቲ ካብቲ ዝተበገስካሉ ቀንዲ ዕላማ ኣውጺኦም ናብ ጓል መገዲ ምእታው ስለ ዝኾነ ተልእኾኦም፡፡ ኣብዛ መጠረሽታ ኤርትራውያን ኣብ ገምገም ቀይሕ መስመር! ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍኩዎ ጽሑፍ፡ ዝረኣኹዎ ናይ ገለ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጽሑፍን ሓሳብን ምስቲ ኣርእስቲ ዘይተኣሳሰር ርእይቶን ምምልላስን ብተወሳኺ እውን ብግሊ ብዝመጻኒ መልእኽትን ነዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ማእከል ስሕበት ገይረ፡ ሓሳበይ ወስ ከብል ወሲነ፡፡

ቀዳማይ ስለምንታይ ኢዩ ኣብዚ ወሳኒ ናይ ዕርብርብ ግዜ ንቐንዲ ውራይካ ገዲፍካ ናብ ጓል መገዲ ተኣፈፍቲ ዛዕባታት ዝእተው ዘሎ…? እቲ ቀዲምና ክንምልሶ ዝግባኣና ዓብን እዋናውን ሕቶ ንሱ ኢዩ፡፡ ንፍቶ ንጽላእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምናን ጉዕዞናን እቲ ብኽፍኣተ መጋብር ዝተኻሕነ ቀታልን በታታንን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣሎ፡፡ ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቒ ከምዘይኮነ ክንፈልጥን ክንግንዘብን ይግባእ፡፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምትና ስለምንታይ ኢዮም ቀንዲ ውራይና ኣወንዚፎም ናብ ጓል መንገድን ንሕድሕድና ዘባልዑን ዘናቑቱን ተኣፈፍቲ ዛዕባታት ዝለዓሉ ብዕምቀት ክንርእዮምን ክንምርምሮምን ይግባእ፡፡ እቲ ምንታይ ኣብ ኩሉ ጉዕዞና ስራሕና ነዚ ምግናዝን ምቕባርን ጥራይ ዝተረፎ ዝሞተ ስርዓት ትንፋስ ሰዅዖም ከጽንሕዎ ዝተላእኩ ሃሱሳት ኣብ መኣዲ ቃልሲ ምሳና ተላሒጎም ኣለዉ፡፡ ቀንዲ ተልእኾኦም ድማ ኩርካሕ ሓሳባት እናምጽኡ ስምረትን ሓድነትን ብፍጹም ንኸይህሉ ምግባር ኢዩ፡፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ከምቲ ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዝበሃል ገለ ግሩሃትን ስሚዒታውያንን ንባዕሎም ግዳይ ኮይነም ነቲ ዝተኣጉደ ሓዊ ዘሳውሩን ዘንበድብዱን ብርግጽ ኣለዉ፡፡ ካብ ክፍኣት ተበጊሶም ወይ እውን ካልእ ዝተሓብአ ኣጀንዳ ስለ ዘለዎም ዘይኮነስ፡ ብዝነፈሰ ንፋስ ስለ ዝጽለውን ካብ ምስትውዓልን ምምርማርን ስምዒት ስለ ዝደፍኦምን ዝቕድሞምን ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ብመልሓስና ንዛረቦ ቃላት ጽባሕ ንግሆ ዝቐትልን ንኹልና ብኣልማማ ዘጥፍእ መርዚ ክቕየርን ከም ዝኽእል ፈልጥና ምጥንቃቕ የድሊ፡፡

ካብ ነዊሕ ዓመታት ሰሚርናን ሓቢርናን ንኸይንቃለስ፡ ጠበናጁና ንሓደ ዕላማ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ከይነቕንዕን ኣዝዮም ከበድቲ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ተኣሊሞምን ተሰጊሮምን ኢዮም፡፡ እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ፈኸም እናበለ ሎሚ ከም ተኣፋፊ ዛዕባ ዝለዓል ዘሎ ኣኸር ጣልጋ ናይቲ ዝተኣልመ ሽርሕታት መቐጸልታ እምበር ሓድሽ ምህዞ ኣይኮነን፡፡ ሎሚ ሕብሩ ጥራይ ኢዩ ቀይሩ ብግሁድ ኣውራጃʼዶ ካልእዶ ዝበሃል ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ነዚ ከም ናይ መጠረሽታ መታዀሲ ዕርዲ ህግደፍ ተሓሲቡ ክስራሓሉ ተሓሲቡ ዘሎ ምፍልላይ ብምስትውዓልን ልቦናን ክንሰግሮን ክንስዕሮን ይግባእ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዘተንባህኩዎ እዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ ሓደገኛ ጉዳይ ብኸመይ ፈኸም እንዳበለ ኣብዚ ናይ ሕጂ ደረጃ በጺሑ ብዕምቀት ምርኣዩ የድሊ፡፡ ገለ ብስሚዒት ዝጋልብ ካብ ዓቕለ ጽበት ተበጊሱ መፍትሒ ኮይኑ ዝስምዖ ኣይሰኣንን ይኸውን፡፡ እቲ ሳዕቤን ግን ብኣንጻሩ ኢዩ፡፡ ሽግርና ዝፈትሕ ዘይኮነ መሊሱ ዘናውሕን ዝጠናንግን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ  ኣሽንኳይ ተፈላሊናን ፋሕፋሕ ኢልናን ተኣኪብና ሰሚርናን እኳ ንጋዶ ኢዩ፡፡ ቃልስና ምስቲ ዝሞተ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ ምስቲ ኣስርጽዎ ዘሎ ግናይ ኣተሓሳስባ እውን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ቃልስና ኣብ ፈጽሚ ንኽበጽሕ፡ ናብታ ንፈትዋን ንብህጋን ዓድና ንኽንኣቱ፡ ኪንዮ ሓድነትን ስምረትን ካልእ ዝኾነ መገዲ የለን፡፡ ረብሓናን ዓወትናን ኣብ ስምረትናን ሓድነትናን ምዃኑ ብደሚቕ ነስምረሉ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣመለኻኽታና ሰፊሕን ኣድማሳውን ይኹን፡፡ ደቂ ሰባት ብኽእለቶም፡ ፍልጠቶም፡ ገንዘባዊ ሃብቶም፡ ዝነኦም……… ወዘተ ዘይኮነ ብኣመለኻኽተኦም ኢዮም ዝምዘኑን ዝዕየሩን፡፡ ንነገራት ብኸመይ መልክዕ ይርእይዎም፡፡ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ነገር ብዝተፈላለየ መዳዩ ገላቢጥና ሰፊሕ ብዝኾነ ኣመለኻኽታን ልቦናን ንርኣዮም፡፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ንጽባሕ ንርኣያን ንሕሰባን፡፡ ሎሚ ንዘርኦን ንትልሞን ጽባሕ ከመይ ዝኣመሰለ ፍረ ኢዩ ክህበና ሕጂ ክንርእዮን ክንምልሶን ኣለና፡፡ እቲ ምንታይ ኣብ ስራሕ ፖለቲክስ ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ፡፡ ሎሚ ክርዳድ ዘሪእና ጽባሕ ክርዳድ ከይንዓጽድ ምስትውዓል የድሊ፡፡ ኣብ ጉዳይ ስምረትን ሓድነትን ንእሽቶ ንፋስ ዘእቱ ፈቓቕ ክንፈጥር የብልናን፡፡ ታሪኽ እቲ መስገደል ገድልናን ድሕሪ ናጽነት ዝሓለፍናዮ ናይ ቅትለትን ስቅያትን ህይወት ኩሉ ሓደ ብሓደ ብደቂቕ እንተድኣ መርሚርናዮ፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብዛ ፈቓቕ እዚኣ ኣድብዮም ኢዮም ብልህታትን ሞዴላትን ጀጋኑ ኣብ ገግዚኡ ኣጥፊኦሞም፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ሳንዱቕ ተዓጺና ዘይኮነ ካብ ሳንዱቕ ወጺእና ንሕሰብ፡፡ ኣብ ሳንዱቕ ተዓጺና እንተድኣ ክንርኢ ፈቲና እቲ ንሕና ንርእዮን ንሓስቦን ጥራይ ኢዩ ቅኑዕ ኮይኑ ክስመዓና፡፡ ስለ ዝኾነ ካልኦት ንዝርእይዎን ዝሓስብዎን ክንርእን ክንፈልጥን ኣድማሳውያን ንኹን፡፡

ካልኣይ ኣብዚ ጉዳይʼዚ ኣዕሚቕና ክንርእዮን ክምርምሮን ዝግበኣና፡ ኩሉ ንዝርእዮን ንዝፈልጦን ፍሩይን ድሙቕን ሓቂ፡ ብስምዒትን ጽልእን ቅርሕንትን ተደፋፊእና ዘይምስሉ ከይንህቦ ምጥንቃቕ የድልየና፡፡ እዚ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ናይ ዝኾነ ኣይኮነን፡፡ ዋንነቱ ናይቶም ብደም ንጹሃት ዝሕተቱ ሒደት ገበነኛታት ኢዩ፡፡ እዚ ዓማጽን ቀታልን ስርዓት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ ኢዩ ዘጽንትን ዝጭፍጭፍን ዘሎ፡፡ እዚ ሕድርን መብጽዓን ጀጋኑ ዝረገጸ ጽዩፍ ስርዓት፡ ንሓደ ክንቅል ነቲ ሓደ ክተክል ሰሪሑን ሓሲቡን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዝተራኣዩ መለኽቲ ስርዓታት ብባህሪኡ ውን ፍጹም ዝተፈለየ ጉጅለ፡ ታሪኽናን ባህልናን በሪዙ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓንሳብን ንሓዋርን ካብ ካርታ ዓለም ክኣልየና ይሰርሕ ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ነዊሕ ዓመታት ዋላ እዞም ሕጂ ሽምጥና ገቲርና ንቃወሞ ዘለና ሰሪሕናሉን ኣጣቒዕናሉን እኮ ኢና፡፡ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም ኣብቲ ንጥፍኣትና ዝኣጎድዎ ባርዕ ግንባርና ክንህብ፡ ክንስዋእ እኮ ከቲትናን ጎይናን ኢና፡፡ ከም መለኮት ስለ ዝኣመናዮ፡ ዝተሓብአ ጥጅኦም ስለ ዘይፈለጥናዮ ተደናጊርና፡፡ ብሰላም ብምርድዳእ ክፍታሕ ኣብ ዝኽል ጉዳይ ከቢድ ዋጋ ከፊልና ጥራይ ዘይኮነ መጻኢና ጽልግልግ ከም ዝብል እውን ኮይኑ፡፡ ስለ ዝኾነ ስለምንታይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምቲ ሕጂ ንሕና ንቃለሶን ንቃወሞን ዘይቃለሱ ኢልካ ብኣልማማ ምውጋዝ ከቢድ ኢዩ፡፡ እቲ ስርዓትን እቶም ከም ዝዓወረ ገመል ብሕሻል ተወጢጦም ዝጓዓዙ ዘለዉን እውን ክንፈላልዮም ኣለና፡፡

ሎሚ ውን ብዙሓት ዝተደናገሩ ንሕና ንሱ መንግስትና ዝብሉ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ከም ዘለዉ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ናትና ዘይኮነ ናቶም እውን ኣይኮነን፡፡ ቀዲምና እዚ እኩይ ስርዓት ናትና ኮይኑ ዝስማዓና ዝነበርና እኮ ኩልና ኢና፡፡ ብዙሓት ካብቶም መጋበርያ እቲ ስርዓት ኮይኖም ኣብ መጠረሽታ ወርሓት 2001 ኣብ ልዒሉ ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከደዓትን ጠላማትን ሸየጥቲ ዓድን ዝበሉ፡ ሎሚ ኣብ ሸላታት ማሕዩር ካርሸሊ ምህላዎም ክንፈልጥ ይግባእ፡፡ ሎሚ ካብቲ ዝሓለፈ ዕሽነትናን ግርህነትናን ክንምሃርዩ ዝግባእ፡፡ ኩሉ እቲ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ንምጥፋእናን ምጽናትናን ዝተጠቐሙሉን ዝጥቀምሉን ዘለዉ ሜላ ወገን ሃይማኖት ኣውራጃ ኢዩ፡፡ መንዩ ንኤርትራ ዋና መንዩ ኸ ጓና……? ኣይንዓሹ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ደበና ጥፍኣት ናይ ጓናን ዋናን ዘይኮነ፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንኽንህሉ ነቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ሓድነትና ንሓልዎ፡፡ ኣይኮነን ፈቲናዮ ኣሚናሉ ደሊናዮ ዘይኮ ብሰንኪ ህልኽናን ዘይምስምማዕናን ዘይንደልዮ እውን ክመጻና ኢዩ፡፡

ሳልሳይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘረባ ዒፍ ኢልዎ ኢዩ፡፡ ሎሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባር ብስራሕ ዘርእዮ ኢዩ ዝደልን ዘማዕዱን ዘሎ፡፡ መንʼዩ እቲ ብተግባርን ብስራሕን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መንጋጋ ስርዓት ህግደፍ ዘናግፎ ….? መንʼዩ  ዝኣልዮ…? እቲ ንመስዋእቲ ዝተቐረበ ብመጋርያ ሓዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐጥታ ዝልብለብ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ፡፡ እቲ ካልእ መመላእታን መወሰኽታን ኢዩ፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ እቶም ካብ ውሽጢ ዓዲ ወጻኢ ኮይና ንቃለስ ዘለና ዝኾነ ግደን ኣበርክቶን የብልናን ንምባል ኣይኮንኩን፡፡ ቃልሲ እናተመላላእካ ምዃኑ ዘንጊዐዮ እውን ኣይኮንኩን፡፡ ናትና ካብ ቃልሲ ምብኳርን ዘይምስምማዕን ተኣፈፍቲ ኣሰከፍቲ ዛዕባታት ምልዓልን ብርግጽ ሃስያ ኣለዎ፡፡ ኮይኑ ግን እቲ ወሳኒ ናይ መቐይሮ ሓይሊ ኣብ መጠረሽታ እቲ ህይወቱ ንመስዋእቲ ክውፊ ምስ ሞት ፊት ንፊት ዝጋፈጥ ኢዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ርሑቕ ዲያስፖራ ኮይኑ ተቓሊሱ ንዓመጽትን መለኽትን ስርዓታት ዝኣለየ ህዝቢ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ኣይተራኣየን፡፡ ፍጻመ 21 ጥሪ መስዋእቲ ጅግና ወዲ ዓልን ምእሳር ካልኦት ተበዓትን ጭቡጥ ኣብነት ከኾነና ይግባእ፡፡ እቲ ንስርዓት ህግደፍ ልዕሊ ዝኾነ ዘስግኦ ሓይሊ እውን እቲ ውሽጡ ሕሩር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እቶም ኣርሒቕና ገይሽና ዘለና ንነብስና ከም ወሰንቲ ናይቲ መቐይሮ ሓይሊ ኣይንርኣያ፡፡ ኣብ ርሑቕ ስደት ሰፊርና ነቲ ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት መስዋእቲ ዝኸፍል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተቐሪቡ ዘሎ ህዝቢ፡ ሞራልን ተስፋን ክንህቦን ኣጆኻ ክንብሎን እምበር፡ ዘይፈልጦን ዘይነበሮን መርዚ ነስኒስና ተስፍኡ ከነጸልምቶ ዓገብ!! ንሎሚ ወደሓንኩም!!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele +251-921924501

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • TRUE LIES November 1, 2014

    ኣራንቺ
    እቲ ዝበልካዮ ዝውሓጥን ብጹእን እንከሎ ግን ነቲ ኣብ ህድሞና ዘሎ ዓቢ ቀጠልያ ብዕራይ ክንርእዮ እንተዘይክኢልና ምእንቲ ሕብረትና ክንብል ናይ ቀልዓለም ብፈትሊ ዝተጣበቐ ሕብረት ኣይክጸንዕን እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሓደገኛ ኩነታት ውን ክበጽሕ ይኽእል እዩ።ኣብዚ ኣውራጃነት ሃሳይን ተጠቃዕን ኣውራጃታት ከም ዘለዋ እንድሕር ብጋህዲ ዘይተዛሪብናሉ ስብከት ኣቦይ ፍስሃየ ኮይኑ እዩ ክተርፍ።ካብ ጊዜ ቃልሲ ጀሚሩ ዝቐተለን ዘቕተለን ዝተቐትለን ኣውራጃ እንከሎ ሕጂ እውን ኣብቶም ኣዝማድና ኣብ መንካዕ ዘጥፋእናን ዝበዝሕ ሂወትና ንሃገርና ዝሰዋእናን ፣ከም ጸላእቲ ኤርትራ ዝኾኑ ኣውራጃ ተራኢና ወረ ከም ምስ ወያነ ተሻሪኽና ኤርትራ ክንጎዛዚ ዝተልዓልና ፣ከም ደቂ እታ ውሽማ ተራኢና ብገዛእ ሃገርና ከም ደቂ እታ ሸቃሊት ተራኢና ንእሰርን ንቕተልን ዘለና ብዙሓት ኢና።ሙሉእ ኣውራጃ ክውቀስ ቅቡል ኣይኮነን ፣ግን ሂትለር እውን ጀርመናውያን ፕሮተስታንት ስለ ዝስዓብዎ እዩ ኣይሁድን ፣ግብረ ሶዶማውያንን፣ኮተሊኽን ጂብስን ኣካለስንኩላትን ዝቐተለ።እዞም ብኣውራጃዊ ትምክሕቲ ተላዒሎም ንህዝብን ብሄርን ኣከለጉዛይን ዝጭፍጭፉ ዘለዉ ኸ፧ ብዘይብኦም እኮ ኢሳያስ የለን።ከምቲ ራስታ ኣብ ፓልቶክ ዝበሎ ደገፍትን መሻርኽቲ ኣውራጃዊ ገበኑን 95% ካብ ሓንቲ ኣውራጃ እዮም።ነዚ ከም ክፈላልየና ወሲድና ዝሓባእናዮ ኣውራጃና ክትቅተልን ክትእሰርን ብኻልኦት ብሄራትን ኣውራጃን ከይተረፈ ተጠቃዒት ኮይና ክትርከብ እያ።ህዝቢ ከይፋላለ እንዳበልና እቶም ገበናኛታትን ሰብ ሓይልን ዳርጋ ኩሎም ደቂ ሓማሴን ምዃኖም ክንሓብኦ ኣይንኽእልን ኢና።እወ ዘሰክፍ ዘረባ እዩ።ግን ተዓሚትና ዲና ከይንርእዮ ፧ኣብ ስርዓት ኣምሓራ እውን ኩሉ ኣምሓራይ ኣይገዝ ኣናን ምሳና ዝእሰር እውን ኔሩ እዩ፣ግን ብውሽጢ ውሽጢ ይኹን ብስቕት ኡ ዝድግፍ ግን ኔሩ እዩ ፣ከምዚ ናይ ደቂ ሓማሴን ግን ብዙሓት ኣይነበሩን።እወ ሓማሴን ውን ሓቢሮም ይጭፍለቑ ስለ ዘለዉ ይጸልእዎ ግን ካብ ሓደ መንካዕ ኣከለ ዝሕዛ ኢሳያስ ወዲ ላሕምና ይውቀረና ኮይና መርገጾም እዚኣ ክኣ ኣብ ዘይትሕብኣሉ ደረጃ በጺሓ ኣላ።

    • Keren November 2, 2014

      ህዝባዊ ናዕቢ ዘለዎ ለውጢ ከም ናይ ቡርኪና ፋሶ? በየናይ ዓቕምና !!!!

      ንሕና ደኣ ነቶም ብሳሕሳሕ ራሻይዳን በደዊን ዓረብን ዝዕመጹን ዝጋሰሱን ዘለዉ ምድሓን ይትረፍ፤ ኣውያት እኳ ዘይስማዕናሎም። ያኢ ሳሕሳሕ ዓረብን ከደምቱን ከይቅየሙ ተባሂሉለይ።

      ንሕና ደኣ መንነትና ታሪኽና ውርሻና ቋንቋና ዘሕፍረና ናይ ምሁራት ደናቁር ዶ ኣይኮናን።
      ጽባሕ ንግሆ ኢሳያስ ሃዲሙ ንቀጠር ምስከደ ክንርኢ ኢና። ኤርትራ ካብ ሶማልን የመን እንተበሊጻ።
      መንነቱ ታሪኹ ዘይኽብር ሰብ እትረብሕ ነባሪት ሃገር ክምስርት ብቕዓት የብሉን። ወረን ታህዲድን እሞ መሊኡ።

      ናይ እናዳማትካ ታሪኽን መንነትን ተተለቂሕካ።

      • ahmed saleh November 2, 2014

        Keren
        Why not ?
        Yes we have many brave men waiting for the
        countdown . Yes our hope exist and they
        need our encouragement and support .

  • ogbai November 2, 2014

    We need to thing twice,before throwing rocks against each other. With all odds,we are lucky to achieve our first goal independence after 30 years armed struggle.
    That was with high price, the man power lost of lives, time, and resources was very high. After this all, We like or not we are all victims again. Because when our aim was pointing at one point only to kick our enemy. There were hidden enemy among us. Of course we had really heroes and false heroes. It was hard to see the difference between these two for most of us because of their the same color. My point is we can’t eliminate religion or region as today or tomorrow. It is going to be with us for some time and we don’t have to give that much attention to this kind of trap. Because that is our made up with. We should be proud of our region, religion,etc…After all we are all Eritreans. We love each,other that is why we were falling side by side facing the enemies every where.
    If we look to history,that our enemies were using these things to divide us as their main tools. We should think and well know dictators use the same method and tactics to use any things in their hand to divide us in order to stay comfortable in their power, visibly or invisibly. Let us United to uproot down the dictator. Lets preach what can united us than any things to divide us, and pay less attention about religion and region etc… We better choose the path to united us rather things to divided us. Thank you!
    I would like to added, we are not weak people we are wiser than you think. We are waiting for the right time and to do it with less damage. Now the efdj is on the top off the cliff and united Eritrean center will emerge. NhadennetNa Yukun ElaMana!

  • sami November 2, 2014

    Aranchi, you should openly criticize the likes of Rasta and Tadese, who openly campaigning for Akeleguzay. Please refer to Amanuel Eyasu Article. He put it clearly. Why is this region, Akeleguzay, creating many enemies from the other regions. HIGDEF belongs to none and none of us have more suffered under HIGDEF than others. If we dont think of unity, HIGDEF will be there for ever. Guys like Rasta have mission. After all this guy was the main supporter of HIGDEF before couple of monthes. I suspect, he got this assignment from HIGDEF embasssy in Holand to divide people. Gele wuhudata anajil deki awraja akeleguzay dima Rasta haliu zizareb zelo mesiliwom yetakielu alewu.

    • ahmed saleh November 2, 2014

      Sami
      Please do not mix other regions in your problem . Even deki
      Hamasien do not show that except the regionalists . By the
      way I am proud Akeleghuzetay Asmarino bred pure Eritrean .

  • semie belay November 2, 2014

    agames mengst kitkyru yeryena belet ewrt weyane wedi weyane mikiles intay aflituka bizeaba lewti
    agame weyane resaha awrajawi!!!!!!!!!!

    • ERITRAWIT November 2, 2014

      semie belay,
      kndey hateftef tble eka bale Isaias,Ksha,Monkey……. abey ykewen adom? welas kabom hade eka tahalakey n Eritrea k-tkewen tfeten zeleka.

    • john November 2, 2014

      @Semie belay
      Agame Weyane people are doing their homework, unlike u. U r immature. U better concern about the eritreans who are perished at the Mediterranean sea & Sinai.

    • Simon G. November 2, 2014

      ስሚ ክትብል ዲኻ? ተይኮይኑስ ሳሚ ኢልካ ምጽሓፍ ክትስእን?
      ሓንቲ መርድእ ዶ ከርድኣካ። ኣብ ኢትዮጲያ ሎሚ ንትሑት ስራሕ፣ ኤርትራዊ ጸውዕ ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ ክብሉ ሰሚዐ። ሎሚ ዓጋመ ብ “ኤርትራዊ” ክቕየር ጀሚሩ። ስለምንታይ? ኤርትራዊ ደኽዩ፣ ደንቊሩ፣ተሰዲዱ። ካብ መጀመርትኡ ውንኳ ዓጋመ ዝብል ጸርፊ ካብ ከምዝታት ‘ዩ ተጀሚሩ እምበር ሽም ሓደ ከባቢ ኳዩ። ግን በዓል ስኻ ከምዝታት ይርደአካ ኢለ ኣይኣምንን።

      • TRUE LIES November 3, 2014

        ሓው ሳይሞን

        ካብተን ገዛ ዝኸፈታ ከይተረፈ እተን ኤርትራውያን ኣሕዋትና እየን ዝሓሰረ ዘኽፍላ__ሎሚስ ገንዘብ ጠፊኡ በቃ ምስ ኦሪጂናል ኣመንዝራ (ሹሼ)ገዲፈ ሓንቲ ኤርትራዊት ክድቅስ ክብሃል ጀሚሩ።ዘሕዝን እዩ።ከምቲ ዝበልካዮ ሰራሕተኛ ገዛ ኣብ ትግራይ እተን ሓማሸን(ኤርትራውያን) እየን፣ብቑሩብ ገንዘብ ዝግዝኣ።ገለ ኤርትራውያን ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ይብሉ ኣለዉ።ኣየ መርገም ኤርትራውነት ምስ መርገም ተቖጺሩ።እቲ ኤርትራዊ ,ተቓወምትን ዲሞክራስን ክትብሎ ከለኻ ብእምኒ ክፈግኣካ እዩ ዝጓየ።ነዞም ወጻኢ ዘለና እሞ ከም ሞት እዮም ጸሊኦምና ብሕልፊ ነቶም ተቓወምቲ ኢና ንብል።መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንዓፋርን ኩናማን ሓራ ከውጽእ እዩ ዝጓየ ዘሎ።

  • ERITRAWIT November 2, 2014

    Aranchie,
    Ezey kulu zbelkawo hakey eu HGDEF N men eu mo gedefew b jamla yasre,b jamla yketel.
    Hzbna ab Sinai, ab bahrey abey mo zeytefe.
    Ab mewedata zbelkaya “ab mado koyna abtey weshetey zelo hzbna zeyneberon zeyfelton merzey ayn-nesenselew”
    keep it up.

  • ኣርዓዶም November 2, 2014

    Aranchi nska tezeyjemerkayo aytrebesh, ksen hzbnan tekawmonan b Serawit Hdri tesfa gerna aelena.

  • mahta November 2, 2014

    Atum sebat ezom geben zgebru zelewu nay wala hade hzbi zwklu aykonun stbah btarik tehatety eyom nsom kbretom sltanomn gziawi rebhomn eu .nhna kem hzbi kem srawit hzbi nhanty hager nhanty hgi semirna hagafat nastbib nedhna adnan hzbnan please please stbah tetaeeska zeymles eu.

  • haddish November 3, 2014

    ኣራንሺ፣

    መልእኽቲ ዘለዎ ህጹጽ እዋናዊ ጽሑፍ። ንክንርድኦን ክነስተብህሎን ዘኽእል ልቦናን ኣእምሮን ይሃበና።

    ሓዲሽ

  • kibrom November 3, 2014

    ala mahgats eti rkus hasabka netom kemaka zmeslu tsebebtin hizbi eritrea kedem eyu felitkum tim elkum kitderfu ekum ember nskum keytbgesu kea beyenay meantakum eti serawit hidri serawit hidri tbliwu ke eti abtelabib genzeb keari zkede diyu kkkkkkkk…….

POST A COMMENT