Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ጽሑፍ – ኩነታት ኢሳይያስ ሓርማዝ ኣይትውደቕካ ኮይኑ ኣሎ!

ሎሚ እቲ ቁጠባውን ፖለቲካወን ኩሉእንትናዊ ሃብቲ ሃገር ገቢቱ መላኽነቱ ዝኣወጀ፡ ዲክታቶርያዊ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞተ ሰረረ ጋዕገልጠም እበሃል ኣሎ፡፡ ብርግጽ ኢሳይያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ሃገረ ዱባይ ንሓጺር ግዜ

ሎሚ እቲ ቁጠባውን ፖለቲካወን ኩሉእንትናዊ ሃብቲ ሃገር ገቢቱ መላኽነቱ ዝኣወጀ፡ ዲክታቶርያዊ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞተ ሰረረ ጋዕገልጠም እበሃል ኣሎ፡፡ ብርግጽ ኢሳይያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ሃገረ ዱባይ ንሓጺር ግዜ  ከም ዝነበረ ውን ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ሕማም ገባቲ መራሒ ኢሳይያስ ሕጂ ናብ ኣሻቓሊ ኩነታት ስለ ዝበጸሐ እምበር ካብ ነዊሕ ግዜ ክዝረበሉ ዝጸነሐ ኢዩ፡፡ብፍሉይ ኢጣልያዊ ክኢላ ሓኪም ሚካኤል ነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ብስቱር ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክትትል ከምዝነበረ ውን ክስማዕ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ብዜካዚ ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ብሚስጢር ንሕክምናዊ ፍወሳ ናብ ቀጠር ከም ዝከደ ውን ተወሳኺ ሓበሬታ ተሰሚዑ ኢዩ፡፡  ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ነቲ 27 ዓመት ውን ዘይመለአ ቦኽሪ ወዱ ኣብርሃም ብዘይ ትብጻሕኩምን ሕጸን ብሃታ ሃታ ከመርዕዎ ዝወሰነ ውን ጉዳይ ጥዐዕና ኢሳይያስ ኣብ ኣዘዩ ኣሻቓሊ ኩነታት ስለዝበጸሓ ኢዩ፡፡ዝብሉ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም፡፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቃለ መሕተት ክገብር ኣብ መስኮት ተለቪጅን ኤርትራ ዝተራኣየ ምስሉ ድማ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ምንባሩ ዓለም ብዓለሙ ርእይዎ ኢዩ፡፡ገለ ደገፍቱ በቲ ዝረኣይዎ ምስሊ ኢሳይያስ ከምዝሓዘኑ ውን ዝፍለጥ ኢዩ፡፡እቲ  ብገበታ ሜክኣፕ ዝተሸበጠ ገጹ ብኽቱር ኣልኮል ንዝመደወ መዓጓጉርቱ ክሓብኦ ኣይከኣለን፡፡ሓቅታት ባዕሎም ቦሎኽ ኢሎም እናወጹ፡ ዓለም ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣብዝተቐየረትሉ፡ቅልጡፍ ቴክኖሎጅያዊ መራኸቢ ኣብ ዝተማህዘሉ ልሙድ ድራማዊ ጸወታ ሚኒስትሪ ዜና ህ.ግ.ደ.ፍ.መን’ዩ ዝኣምኖ፡፡ገባቲ መራሒ ኢሳይያስ ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ኣብ ብርኩ የስተንፍስ ኣሎ ተባሂሉ፡፡ሚኒስትሪ ዜና ብኻ ስቕ ኢሉ፡፡ግዳ ከምይ ገይሩ፡፡እዚ ሓበሬታ’ዚ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተላቢዑ ኢዩ፡፡ ኣብዚ መጠረሽታ ሰዓታት ድሕሪ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ብጭቡጥ ከነረጋግጾ ድኣ ኣይተኻእለን እምበር ኢሳይያስ ዓሪፉ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ውን በጺሑና  ኣሎ፡፡  ኢሳይያስ ኣፈርክቡ ተባሂሉ ንሕክምና ናብ ዱባይ ኣብ ዘምርሓሉ ብምስጢር ብወተሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኢዩ ወጺኡ፡፡ብተመሳሳሊ ዓርቢ ምሸት እንተስ ሬስኡ እነተስ ትልኽ እናበለ  በዚ ወተሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰ ውን ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ወረ ኩነታት ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ሓርበኛ ኣቦና ኣቦይ ሃብተማርያም ዝመሰልዎ ሓርማዝ ኣይትውደቕካ ኮይኑ ኣሎ፡፡እዚ ወረ’ዚ ንኽትስከሞ ከቢድ ሓይኽካ ክትውሕጦ ድማ ጅማት ኮይኑ፡፡የግዳስ ኣርባዕተ እግሪ እንተለክን ጽባሕ ንርእየክን ድዩ ዝበለ ሰብኣይ፡ 24 ግንቦት ጽባሕ ኢዩ፡፡ብዘይ ባርኾት ኢሳይያስ ስለ ዘይጽንበል ድማ ጽባሕ ንርኢ፡፡

ኩነታት ኢሳይያስ ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ በቲ ካልእ ድማ ዓሪፉ  ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ተሃዋሲ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብፍላይ ውን ኣብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘይንቡር ነገራት እረኣይ ከምዘሎ ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓበሬታታት እውሕዝ ኣሎ፡፡ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጀነራላትን ሰበስልጣን መንግስትን ተደጋገምቲ ሚስጢራዊ ኣኼባታት የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ኣብዞም ላዕለዎት ሰበስልጣን ዘይርጉእ መንፈስን ሸበድበድን ከምዘሎ ውን ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት ሓበሬተኦም እልእኩልና ኣልዉ፡፡ብዜካዚ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝግበር ርክብ ናይ ቴሌፎን ንምዕጻዉን ንምስንኻሉን ውን እፍተን ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ኣብ ገለ ውን መግለጺ ሓጎስ ዝመስል ናይ መስተ ግብጃታት ተራእዩ ኣሎ፡፡ኩነታት ውሽጢ ዓዲ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ እዚ ወረ’ዚ ብሰፊሑ ተላቢዑ ኣሎ፡፡ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ሓበሬታታት ውን እስማዕ ኣሎ፡፡ሓደ ካብኡ እቲ ብኤምባሲ መንግሰቲ ኣመሪካ ተዘርጊሑ ዘሎ ናብ ሓቂ ኣዝዩ ዝቐረበ ሓበሬታ ኢዩ፡፡እዚ ወሳኒ ሃገራዊ ጉዳይና ከም ሚስጢራዊ ስራሓት ኢሳይያስ ኮይኑ ብዕበጦ ዕበጦ ክኸይድ ኣይግበኦን ኢዩ፡፡ን 21 ዓመታት ሓቂ ዝተሓረሞ ህዝቢ ሕጂ ውን ብመግለጺታትን ድራማዊ ሰንዓ ዜናታት ዓሊ ዓብዱን መሰልቱን ክደናገር የብሉን፡፡እቶም ኣብውሽጢ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ድማ መስተውዓሊ ልቦና ይሃቦም፡፡ነዊሕ ዓመታት ኢሳይያስ እዪ ዝዕግብ ዘሎ ክንብል ጸኒሕና ኣለና፡፡ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ንሱ እቲ መላኺ ብፍቐድ ኣባጅጎ ተኣልዩ ኣሎ፡፡ሓቀኛ ምስልኹምን መንነትኩምን ተረጋግጽሉን ተርእይሉን መድረኽ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ኣብ መጠረሽታ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ ስለ እቲ ትብዓትካን ተወፋይነትካን እዋናዊ ሓቅታት ናብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ ከመስግነካ እደሊ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • samsom April 24, 2012

    emo ab eritreas srki yelen…………that is why kechewchew elukum antsar ezi anbesa merahina hateftef tblu zelekum……………kezabat……serekti……………….felaleyti alet, haymanot………………..u will always be loosers…hahhahahha

  • samsom April 24, 2012

    this pic describes u much……as loosers ……….
    http://www.shabait.com/images/stories/pics/zzzzzzzzzzzcarton.jpg

  • Semerrr April 25, 2012

    SEMERRR LOMI KAB TEMALI.
    SEMERRR NEHDNET HEZBI.
    SEMERRR ABTI HAMED DEBE.
    SEMERRR BZEY GELE EKABE.
    SEMERRR EWE SMERRR.

POST A COMMENT