Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“እዋን ጽልግልግ”

“እዋን ጽልግልግ” ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፤ እዚ ብዛዕባ ሓውና ዓብደላ ሓጋየቶ ዝሰማዕናዮ ሃንደበት ሞት ብጣዕሚ ከምዘደንገጸናን ዘሕዘናን ንጹር ኮይኑ፣ ግናኸ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንጻወሮ ዘይንኽል መርድእ ነይሩ ክንብሎ ከሸግር ኢዩ። ቀንዲ ምኽንያት ከአ፣ ኤረትራ ብሰንኪ

“እዋን ጽልግልግ”

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፤

እዚ ብዛዕባ ሓውና ዓብደላ ሓጋየቶ ዝሰማዕናዮ ሃንደበት ሞት ብጣዕሚ ከምዘደንገጸናን ዘሕዘናን ንጹር ኮይኑ፣ ግናኸ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንጻወሮ ዘይንኽል መርድእ ነይሩ ክንብሎ ከሸግር ኢዩ። ቀንዲ ምኽንያት ከአ፣ ኤረትራ ብሰንኪ እዙይ ገሓማጥን ብልሹይ ህግደፋዊ ሕጊ ኣልቦ ምምሕዳርን፣ ብውሑዳት ሰበ ስልጣንን ደገፍቶም ኣብ ሃገርና ንነዊሕ እዋን ካብ ዝሰፊነሉ ጀሚሩ ህዝብና ብውሽጡ ቀሲኑ ኣይሓደረን።

ሕግደፍ ኣብ ህዝብና ከም ብርቱዕ ውሽጣዊ መንዳዓት ካብ ዘሳቕዮ ዓመታት ቆጺሩ አሎ። ብሰንኩ ከአ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሸሓት ዝቑጸሩ ንጹሃን ዜጋታት ክሕየሩን ብዘይ ድምጺ መላሲ ክስወሩን ከለዉ፣ ህዝብና ከም ልሙድ ኣሰራርሓ ጌይሩ ተቐቢልዎ ወይ ፈሪሁ ይኹን ብዘይርደኣካ ስቕታ ንዓመታት ስለዘቐጸሎም፣ ዳርጋ እቲ ህዝቢ ንደቁን ዜጋታቱን ዝረሰዖምን ዘይግደሰሎም ይመስል። አበይ አለዉ ዜጋታትና? እንታይ ኢዩ ገበኖም? ስለምንታይከ ኣብ ሕጋዊ ፍርዲ ቤት ዘይቀርቡ? ዝኣመሳሰሉ ሕቶ ብእዋኑ ደጋጊሙ እንተዝሓትት ነይሩ ብሓባር ጠጠው ኢሉ፣ ምናልባት እዚ ኩሉ ኣደራዕ ኣብ ህዝብና ክሳብ ሕጂ እማይ ቀጸለን ነይሩ ዝብል ርእይቶ አለኒ።

ሕጂውን ህዝቢ ኤረትራ ብሓባር ብዘይ ኣፈላላይ ስለ ናጽነት ጠጠው ከም ዝበለ፣ ብሓባር ስለ ፍትሕን ሕግን መሰሉ ከኽብር ጠጠው ምባል ጥራይ ኢዩ እቲ ሓንቲ ዘላቶ ምርጫ። ኤርትራውያን ኣብ ሰሃራን ኣብዓዲ ጋኖትን ዝሕረዱን፣ ፈቐዶ ዝንከራተቱን ዘለዉ፣ ብብዝሒ ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ብዓቕሊ ጽበት ዝጥሕሉ ዘለዉ፣ ከምቲ ህግደፋውያን ዝብልዎ ጸጊቦም ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ካባይን ከምዚ ከማይን ኣብ ወጻኢ ተቐማጢ ዝኾና ንላዕሊ ባዕልኻ ህዝቢ ብንጹር ትፈልጦ። ግና ክሳብ መኣስ ኢኻ ፈሪሂካ ክተጽቅጥ?። ይኣክል ግፍዒ ማለት ብስሩ ሓጥያት ኣይኮነን፣ ግና መግለጺ ዓይቢ ክብሪ እምበር ከም ባህልና።

ንቐባሪ ኣይተርድኦን ከምዝበሃል፣ ንሕና ካብ ምእዋይ ብዛዕባኻ ሓሊፍና ንኢሳያስን ብጾቱን ጥቓኻ ዘለዉ ደሊናውን ከነረኻኽበሎም ኣይንክእልን። ሓገዝ ናህና ግን ካልእ ተራ ምብርካት ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ንሱ’ውን ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ቀሲኑን ደቂሱን ዝሓደረ የለን። ሓውና ዓብደላ ሓጋይቶ ከአ ንእስነቱ ንህዝቡ ናጽነት ካብ ጭቆናን ግፍዕን ከናግፍ ኣወፍዩልካ ኢዩ። ከምቲ ዝሓሰቦን ዝተተምነዮን፣ ናጻን ብልጽግቲ ሃገር ብሰንኪ ህግደፋውያን ክትከውን ኣይተዓደለትን ጥራይ ከይኮነስ እቲ መስመር ፍትሕን ሕግን ኣጥፊኦም፣ ብሸፋቱ ክትመሓደር ምርእዩ ስለ ዘይተውሕጠሉ፣ ንዳግማይ ቃልሲ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩን ህዝቡን ብሓይሊ ተገዲዱ ናብ ስደት ኣምሪሑ።

ኣብ ስደት ከአ ኣብቃልሲ ምስ ደለይቲ ፍትሒ እጃሙ እንዳበርከተ ሃንደበት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። እቲ ሓዘን ከአ ወላ መሪርን ብርቱዑን ንቐረባ ስድራ ቤቱ ይኹን እምበር፣ ዘይተተንከፈን ዘይተሰምዖን ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ/ት ኣይክህልን። ንኩሉኹም ቤተሰብን ደላይቲ ፍትሕን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ሕብረትን ቅንዕናን ዝጎደሎ ቃልሲ ግን ካብ ንህግደፍ ምብርታዕን፣ ድሌት ህዝቢ ንቃልሲ ምቕታልን ዘበርከቶ ክሳብ ሕጂ ስለ ዘየሎ ክንሓስበሉን ክንእርሞን እላቦ።

“እዋን ጽልግልግ”

 

እዋኑ ጽልግልግ እዋን ዓራርቦ

እዋኑ ጽልግልግ እዋን ንጉሆ

ደመና ጸልሚቱ ፀሓይ ከየብርሆ

ኩነታት ጸንኪሩ ሽግር ዝበድሆ

ሓውና ጠፍኣና ኣይከኣልናን ክንርድኦ

ኣብ ስደት ፈተና ኣቲና ኣብ ጅሆ

ሃገርና ምስኮነት ናይ ውሑዳት ፉልሖ

ህግደፋት ኣዕንዮሞ ህዝብና ዝሰርሖ

ብውሽጢ ብደጌ ገይሮሞ ዝምሖ።

 

እዋኑ ጽልግልግ እዋን ንጉሆ

እዋኑ ጽልግልግ እዋን ዓራርቦ

ጨከንቲ በዚሖም እኩባት ለያቦ

ህዝብና ተሰደ ገዲፉ ዓደቦ

ትምኒቱ ተቖጽዩ ተስፋ ዝህቦ

መሰሉ ተረጊጹ ብዋኒን ሕጊ ኣልቦ

እቲ ንሃገሩን ህዝቡን ንእስነቱ ዝሃቦ

ምኽኣል ሲኑዎ ግፍዒ ክንዲ ጎቦ

ጅግና ተሳኢኑ ዝኾነልና ሓቦ

ንህግደፍ ዘጥፍእ ህዝብና ክርህዎ።

 

ሕጻናት ክዝኽትሙ ኣዛውንቲ ክሳቐዩ

ብዘይገበን ክፍረዱ ኣቦታት ዝዓበዩ

ኣደታት ብዘይሕጊ ክዕመጻ እናራእዩ

ዘጽቀጡ ዘይተዛረቡ ንፍትሒ ዘይእወዩ

ኮነራላት ጀነራላት ብስልጣን ዝስመዩ

ንህዝቦም እንዳጽነቱ ሃገሮም እንዳጥፍኡ

ኤረትራውያን ጀጋኑ ብህግደፍ ዝጽውዑ

ብጾቶም ካብ ደጌ ክመጽኡ ዝጽበዩ

ናይ ስልጣን ኮረሻ ጢዒሙዎም ክሻረዩ

ጸይቂ ኢሳያስ ዝወለዶ መግፋዕቲ ከዕብዩ

ክንዲ ይኣክል ኢሎም ንህግደፍ ዘዕንዩ።

 

ኤረትራ ስኢና ሓለይቲ ንደቃ

ንጸልማት ባህርያት ይኣክል ኢሉ በቃ

ብኒሕ ዝብገስ ከይትተርፍ ወድቓ

ንኹሉ ክትእክብ ሕብረት ፍቕሪ ኣስኒቓ

ስደት ከክትም ንሓውሩ ንደቃ ሓቒፋ

ብልሽው ምሕድርና ሓኺኻ ገፊፋ

ንህዝባ ከም ብሓዲሽ ሂባ ብሩህ ተስፋ

መብጽዓ ዝጠለሙ ንኹሎም ቦንቁሳ

ኣተሓሳስባ ጀብሃ ናይ ሻዕቢያ ኣፍሪሳ

ንኽብሪ ናጽነት ዓቲራ ብቁዋም ተደጊፋ

እዋን ጽልግልግ ጥልመት ብቅንዕና ተፈዊሳ

ንፍትሒ ንሕጊ ኣሕቢሩ ብሰላም ዘንግሳ

ኤረትራ ትጽበ ካብ ደቃ ካብ ከርሳ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሰንጋል

 

“ሕልና – 11/18/2015”

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Wedi-Aboy-Berhan November 20, 2015

    Solomon,

    Thank you for this very touching tribute to Abdella. May God rest his soul and give his family and friends the patience to carry on…

    This shows Eritreans are one, no matter what their region or religion.

    Cheers!

  • AHMED SALEH November 20, 2015

    WEY ALEM TELAMIT
    At demonstration in New-York we heard sad news of our brother who
    passed away in Canada at time he was preparing to join voices for
    his forgotten fellow Eritreans .
    And brother Abdella succeed to join among his DELEYTI FITHI fellows
    then to hear his death from this cruel world . Most of the time
    good people with aspiring gesture die early , I guess this world
    doesn’t meant for them .
    Even in Ghedli era most of those honest , righteous and principled
    tegadelti were vulnerable to death .
    Why them , why not those bad apples ?
    May be God don’t want collect nature created undesired trashes that
    burn it in ruins ! I don’t know .

POST A COMMENT