Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዚዅሉ ጭርጭር ዓበደ ንምንታይ ኣድለየ?

እዚዅሉ ጭርጭር ዓበደ ንምንታይ ኣድለየ? ህግደፍ ኣብ ሸፈጥን ምድንጋርን ዝዓረደ ምትእኽኻብ’ዩ። እዚ ባህርያት ህግደፍ’ዚ ኣብ ኵሉ ዓውደ ስራሓቱ ንርእዮ ኣለና። ኩላትና ከም ንፈልጦ: “ብድሆ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህግደፋዊ ናይ ጸለል መለል ዳንኬራ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ከተማ

እዚ ጭርጭር ዓበደ ንምንታይ ኣድለየ?

ህግደፍ ኣብ ሸፈጥን ምድንጋርን ዝዓረደ ምትእኽኻብዩ።

እዚ ባህርያት ህግደፍ’ዚ ኣብ ኵሉ ዓውደ ስራሓቱ ንርእዮ ኣለና። ኩላትና ከም ንፈልጦ: “ብድሆ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህግደፋዊ ናይ ጸለል መለል ዳንኬራ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ከተማ ስታቫንገር ተኣማሚኑ ምርኢት ኣቕሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብቲ ብኽንደይ ምስጢራዊ ኣገባብ ተሓቢኡ ክገብሮ ዝፍትን ዓበድበድ ድማ ኵሉ ግዜ ካብ ፈቐዶ ኣደራሻት ስለ ዝስጐግ ወትሩ ምስ ተዋረደን ምስ ተኸላበተን’ዩ።

ኣብ ስታቫንገር እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ንህግደፍ ማዕረ ክንደይ ኣፍሪሕናዮን ድቃስ ከሊእናዮን ከም ዘለና ዓው ኢሉ ኣይዛረቦን’ዩ። እቲ ኣብ ባሕሪ ከብዲ ህግደፍ ኣእቲናዮ ዘሎና ፍርሓት ግን ንሕና ኣብ ስታቫንገር ይኹን ብሓፈሽኡ ኣብ ኖርወይ እንርከብ ተቓለስቲ ንቃለሰሉን ነዕውቶን ዘለና ጕዳይ ስለ ዝኾነ ኣዕሪና ንፈልጦን እንሕበነሉን ነገር’ዩ።

ህግደፍ ኣብዚ ዓመትዚ ንጕጅለ ብድሆ ዝምልከት ዝተፈላለየን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝጋጮን ፖስተራት ኣውጺኡ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ዝወጽአ ፖስተር “ብድሆ” ኣብ ቦሎኛ ዕለት 24.12.2016 ከርኢ ምዃኑ ይሕብር። ኣብቲ ዳሕራይ ዝወጽአ ፖስተር ድማ “ብድሆ” ኣብ ቦሎኛ ዕለት 10.12.2016 ከርኢ ምዃኑ ይገልጽ። ክልቲኡ ብማዕረ ተሰሪዑ ኣሎ።

stavanger-bidho

ብዘይካዚ: ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ “ብድሆ” ዕለት 10.12.2016 ኣብ ስታቫንገር ከርኢ ምዃኑ ይሕብር።

https://www.facebook.com/tedros.meles.58/videos/219245095188958/

እዚ ዅሉ ናይ ምድንጋር ፈተነታት ስለምንታይ?

ኮራኵር ህግደፍ፡ ኣብ ስታቫንገር ብድሆ ዝመጽኡሉ መዓልቲ ከይፍለጥ’ዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ። ንሕና ግን ካብ ምክትታሎምን ናይ ምድንጋር ስራሓቶም ካብ ምቅላዕ ድሕር ኣይክንብልን ኢና። ድሮ’ውን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ማለት ዕለት 10.12.2016 ሓደ ኣደራሽ ክካረዩ ሓቲቶምስ ዋና ኣዳራሽ ከም ዝኣበዮም ኣረጋጊጽና ኣለና።

ኣብ ስታቫንገር ንኮራኵር ህግደፍ ፈጥፈጥ ነብሎም ዘለና ኣንጻር ህገደፍ ደው ዝበልና ዜጋታት፡ ፍልልያትና ሓይልና ምዃኑ ፈሊጥና ተኻባቢርናን ተጽዋዊርናን ስለ ንሰርሕ’ዩ ንዕወተሎም ከም ዘለና ክንግንዘብ ኣለና።

 

ፊሽ

ካብ ስታቫንገር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT