Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዛ ባይቶ ዓዲ ዝብሉዋ: ንህይወት ዘለምልም ህይወት ኔሩዋ

  ክቡራት ኣሕዋት ሰላምታይ ብምቕዳም ካብ ዕድመ ዝጸገቡ ለባማት ዘዋህለልኩዎ ዕላል ከካፍለኩም። ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ሓያላት ኣጉባዝ ኔሮም። ካብ ደቂ ዓዲ ከኣ ክደፍሮም ዝፍትን ኣይነበረን። ግን ዋላ’ኳ ሓያላት እንተኾኑ ሓያላት ኢና ኢሎም ዝፈጸሙዎ በደል ኣይነበረን።

 

ክቡራት ኣሕዋት ሰላምታይ ብምቕዳም ካብ ዕድመ ዝጸገቡ ለባማት ዘዋህለልኩዎ ዕላል ከካፍለኩም።

ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ሓያላት ኣጉባዝ ኔሮም። ካብ ደቂ ዓዲ ከኣ ክደፍሮም ዝፍትን ኣይነበረን። ግን ዋላ’ኳ ሓያላት እንተኾኑ ሓያላት ኢና ኢሎም ዝፈጸሙዎ በደል ኣይነበረን። ምስ ዓብን ንእሽቶን ብሰላም ይነብሩ ኔሮም። ባይቶ ዓዶም ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ዝፈልጡን ዘኽብሩን ኔሮም። ሓደ መዓልቲ ግና እንታይ ከም ዝመለሰሎም ከይተፈልጠ ነንሕድሕዶም ይጎናፈጡ፡ ይነሃሃሩ። ታዕ ታዕ ዝሰምዑ ይእከቡ።

እቲ ሓደ ቅድም ኢሉ፡ ‘እሞ ሎምስ ንኣይ! ዔራ ዓራቒ ኣሎ ኢልካ ድኻ! ይብል።

ካልኣይ፡ ዋይ! ንኣኻ’ወ! ዔራ ዓራቒ ኣሎ ኢልካ ከኣ ክትብለኒ! በል ሰብኣይ እንተኾንካ፡ ንኺድ ኣብ ዓራቒ ዘይብሉ በረኻ ዓድና ንራኸብ!’

ቀዳማይ፡ ‘ሕራይ! ንኺድ! ኣብኡ ንራኸብ!’

ካልኣይ፡ ንኺድ!

እናተበሃሃሉ ይነሃሃሩ። ታዕ ታዕ ይኸውን። ነዚ ዝሰምዑ፣ ‘ኣታ እንታይ ወሪዱኩም! ጥዑያት ለባማት እናበልናኩምሲ ክሳብ ክንድዚ ክትጽለሉ! በስምኣብ በሉ ደቀይ! ግደፉ ድኣ ግደፉ! ተዓረቑ፡ እንታይ ጉዱ ኢኹም ተስምዑና ዘለኹም! ዘባእስ እንተለኩም ከኣ ክንሰምዓኩም፡ ንኣና እንተ ዘይሰማዕኩም ከኣ ባይቶ ዓዲ ኣሎ፡ ቀሪብኩም ትዛረቡ’ እናበሉ ይልምኑዎም። ብዙሓት ለባማትን ኣብ ባይቶ ተሰማዕነት ዘለዎም’ውን ታዕ ታዕ ሰሚዖም ይጽምበሩዎም። ሓቢሮም ይልምኑዎም። ግን ንኹሎም የቕብጹዎም። ከም ፈኸርኦም ተመራሪሖም ንበረኻ ምኻድ ይጅምሩ።

ካብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሓደ፡ ኣንታ ዓይንና እናረኣየ ሱቕ ዲና ንብል!’ 

ካልእ ትቕብል ኣቢሉ፡ እንታይ ድኣ ክንገብር!

‘ንኣስሮም ግዲ!’ ይብል እቲ ቅድም ኢሉ ዝተዛረበ።

ተኣኪቦም ዝነበሩ ብሙሉኦም፣ ‘ሓቁታ ሓቁ! ንእሰሮም!’ ኢሎም ብጉያ የርክቡዎም። ይሕዙዎም። ሓደ ገፊሕ ገበላን ብዙሕ ኣዕንዱን ዘሎዎ ህድሞ ይመርጹ። ናብቲ ህድሞ ሒዞሞም ይኸዱ። እጀ ጠባቦም ኣውጺኦም፡ ካብ መዓንጥኦም ንላዕሊ ጥርሖም ገጽ ንገጽ ከም ዝረኣኣዩ ጌሮም፡ ኣብ ጥቓ ጥቓ ዝኾና ኣዕኑድ፡ ብመጽዓን ግጥም ኣቢሎም ይኣስሩዎም። ደም ሰራውሮም ይግተር። ሓምላዋይ ምዃን ይጅምር። ትንፋሶም ውትፍ ትብሎም።

ዓቕሎም ጽብብ ምስ በሎም፡ ‘ኣታ ፍትሑና’ባ!’ ‘ኣታ ፍትሑና’ባ!’ እናበሉ ይጣርዑ።

‘ተዓረቑ! ይቕረ ይቕረ ተበሃሃሉ!’ ጥራይ ትኸውን መልሲ።

ኣብ ኣፍ ሞት ምስ በጽሑ ከይተፈትሑ ከለዉ፣ ‘ሕራይ ክንዕረቕ፡ ፍቱሑና!’ ይብሉ። ይቕረ ይቕረ ይብሃሃሉ። ንድሕሪ ሕጂ’ውን ከይብኣሱ ምስ መሓሉ ይፍትሑ። ሰይጣይ ተሓሪዱ ሰላም ወሪዱ።

ህዝብና ብባይቶ ዓዱ እናተመርሐ ህይወቱ ብሰላም ይመርሕ ከም ዝነበረ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ዘርክቡሉን ክሳብ ሎሚ ዝዝክሩዎን ሓቂ ኢዩ። ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ከኣ ‘ኣይ ካብ ዓውድን ካብ ባይቶ’ ዝተባህለ’። ከምቲ ካብ ቆፎ ንህቢ ምዓር ዝሕፈስ ካብ ባይቶ ዓዲ’ዩ ሰላምን ራህዋን ዝረክብ ህዝብና። ንባይቶ ዓዲ ኣሚኑ’ዩ ብሰላም ወፊሩ ዝኣቱ። ባይቶ ዓዲ ዋሕሱ ጌሩ’ዩ መድሕን ተኺሉ፣ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ፡ ተመሃር ተመሃራይ፡ እናበለ ብዘይ ስኽፍታ ዝነብር ዝነባበር ህዝብና።

ዘይሓሰቦ ጉድ እንደሞ ረኺቡ። ከምቲ ዘራጊ ላም ዘላተን ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ዝብሃል መዕበያ ዝበደሎም፡ ብባህሊ ወልዕ ዝተጠመቑ፡ ብህይወት ወዲሰብ ከይተረፈ ቁማር ዝጻወቱ፡ ደቂ ሹቕ ዘራጊቶ ፈኒዮሙሉ። ስርናይ ቦቂሶም ክርዳድ ዘሪኦሙሉ መሬት። ነቲ ክቡር ባህሊ ዝነበሮ ሓላል ህዝቢ ኮነ ኢሎም ሕንፍሽፍሽ ኣእተዮሙሉ። ባይቶ ዓዲ እንተልዩ ንህዝቢ ከም ድላዮም ክጠዋውዩዎን መጋበሪ ክገብሩዎን ከም ዘይክእሉ ስለ ዝፈለጡ ከም ቀዳመይ ጸላኢ ቆጺሮም ኣምኪኖሞ። ብዘየእቱ ዘየውፍር ሕንፍሽፍሽ ተኪኦሞ። ንህዝብና ኣብ ዕንክሊል ከም ዝነብር ጌሮሞ። ግን መሲሉዎ’ምበር ኩሉ ክሓልፍ’ዩ። ህዝብና ሓዲሽን ጽፉፍን ቆፎ ኣናህብ ሰሪሑ፡ ዝተበተኑ ኣናህብ ተመሊሶም ከም ዝዓስሉዎ ብምግባር ህዝብና ዝደልዮ ሕጊ ተኺሉ ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ዝምስርተሉን ዝበለጸ ምዓር ዝሓፍሰሉን መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን።

ዘይሓልፍ እቲ ክፉእ ታሪኾም’ዩ። ንደቆም’ውን ምስ ኣሕዋቶም ኣብ ዓዶም ብሰላም ክነብሩ ዝደልዩ ኣይመስሉን። ‘ድሓን ኣብ ድላይኩም ከድኩም ትነብሩሉ ሃብቲ ኣዋህሊልናልኩም ኣለና!’ ማለት ዶኾን ይኸውን! እዚ ክፉእ ትምኒትስ ህዝብና ንጸላኢ’ኳ ዘይምነዮ ስለ ዝኾነ ደንጽዩዎ’ዩ ዘሎ።

 

እዛ ባይቶ ዓዲ ዝብሉዋ

ንህይወት ዘለምልም ህይወት ኔሩዋ

ክሳብታ  መዕበያ ዝበደሎም  ዝምሕዩዋ 

ከምታ ንግስቲ ንህቢ ኣብ ቆፎኣ ኮይና

ንኹሉ ዝፍውስ ምዓር ዝሰርሑ

ንጸላኢ ዝምክቱ

ትመርሕ ዝነበረት ኣካቢቱ

ክሳብታ እዞም ንጸይቂ ዝተዓጥቁ

ቆፎኣ ሰይሮም

ደቃ በቲኖም

ጥራሓ ዘትረፉዋ ናብ ረመጽ ቀይሮም

ግን መሲሉዎም’ምበር ይመጽእ’ዩ ዘሎ ዘበን

ንህዝብና ዝኸውን

ዝበለጸ ቆፎ ዝሰርሓላ መዓልቲ ቀሪባ’ያ ቀሪባ’ያ

ዝተበተኑ ኣናህብ ተመሊሶም ክዓስሉዋ’ዮም ክዓስሉዋ

ንህዝባ’ምበር ንመን ኢሉዎ ምዓር ሲሳያ
ንመን ኢሉዎ ምዓር ሲሳያ 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 05 ታሕሳስ 2015

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • berie haqi December 6, 2015

    ኣየ ንአምን ተኪኤ : ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱስ ኣጐዛ ኣንጽፉለይ በለ ይበሃል : ብዛዕባ ባይቶ ዓዲ ከም ኣርእስቲ ምምጻእካ ንመን ኢኻ ከተደናግር : ጽባሕ ንግሆ’ውን ቆቡዕ ፈለስቲ ወዲኻ ባሕታዊ እየ ንኽትብለና ዘይትሓንኽ ሰብ ምዃንካ መን ከይጠፍኦ : ብሳላ ጠልቀፍቀፍካ ዝከታተሉኻ ኣመና ውሑዳት ኣይኮኑን : ብዓቢኡ ግን እታ ሃገር : ድሓን ኣብርሀት ጠዊላ ኣይንጽወዓልካን ኢና : እታ ኣብ ኣርከዊት ሱዳን ብፍንስቲራ ዘህደመትካ ጅግና ሃገራዊት ኣፍቃሪት መትከላ : ብዙሕ ቅልቅል ቅልቅል ኣይተብዝሕ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ከይትብል :
    ካብ ብርዒ ሓቂ

    • AHMED SALEH December 6, 2015

      Is that necessary to hold grudge of years old past when you were
      refugee in Sudan ? I hope the other person mentioned is a forgiven
      soul . Life is too short , brother . LET IT GO .

  • Berhe Tenesea December 6, 2015

    Yes the Bayto Adi was well and alive and in good working condition for centuries.
    The Bayto Adi was there to discuss many issues such as marriage, land distribution, and resolution. Another institution was the law of or highi endaba that worked well in regions.
    The mafia regime however, hates laws and the rule of law and as a result Eritrea is the only country in the world without a constitution, and that is a shame.
    How come people were ruled by law centuries a go fall victims to a lone mentally retarded criminal leader?
    It is very sad to witness a country turned to a land inhabited by monkeys and ruled by baboons’
    Death to pfdj and the worst enemy of the people.
    .

  • Semharr December 6, 2015

    Thank you ምስሉ ተኪኤ for telling us the real solution for our country Eritrea.
    The problem is how to implement ባይቶ ዓዲ. our constitution, our ባይቶ ዓዲ.
    How do we implement ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ?

  • Semharr December 7, 2015

    Good program. Please include people from all provinces and all nationalities.
    Please include ምስሉ ተኪኤ and Dr. Russom.

  • Neamin Tekie December 8, 2015

    ብርዒ ሓቂ፡ “በትኪ ሰብሲ፡ ኣብ ክንዲ ዝስተር፡ እናሻዕ ይግተር” ዝብል ምስላ ኣሎ። መጀመርያ ሓቂ ዝዛረብ ሰብ፡ ስሙን መንነቱን ስለ ዘይሓብእ፡ እቲ ስምካን መንነትካን ምሕባእካ ጥራሕ፡ ሓቂ ከም ዘይብልካ ቀዳማይ ምልክትካ’ዩ ። ከም ደቂ ሕደርትና፡ ተሓቢእካ ንእትብሎ ሓሶታት ኩሉ፡ ኣብ ደረጃኻ ወሪደ ክምልሰልካ ትጽበየኒ እንተሊኻ ክኣ፡ እዚ ውን ካልኣይ ምልክት ዕሽነትካ’ዩ። ንምንታይሲ፡ ካብ’ቲ ጭዋ ዝኾነ፡ ኤርትራዊ ስነ-ምግባርን ባህሊ ኣቦታተይን ወጺኤ፡ እንተ ድኣ መሊሰልካ፡ ኣብ ደረጃኻ ብምውራደይ ጥራይ፡ ኩሉ ኣንባቢ ክሓዝንን ክዕዘበኒን’ዩ ።

  • Berhane Woldegabriel December 8, 2015

    Bravo! Measlu Tekié,
    I think this is one of the most refined and culturally educational piece of writing I have read. Your thoughtful poem is equally impressive – unorthodox in the sense that it is out of the confines of “na’Eta”.

  • Yacob December 8, 2015

    አዚኣ ጥኪስ ደስ ቲብሊ ኢያ አሞ ኣይትፈለየና ስሂኮሪናኣ

  • Stefnos.Menghesteab December 11, 2015

    ከቡራት ኣሕዋትነ ኣሓትነ ኤርትራአዉያን ፡ ንሕና ጽቡቅ ሕግን ባህልን ዝጠፍኣና ዘሎ ህዝቢ ኢና።
    ስለዚ ሕመረት ባይቶ ዓደቦና ዘደንቕ ቀዲሕካ ዘይዉዳእ መስኖ ኢዩ። ገለ ካብኡ ክንገር ከሎ ጽን ኢልና ከንሰምዕ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ኹልና እንፈልጦ እንተ ክንዉስኸሉ ክሳብ ክንደይ ብመንነትና ምኾራዕና’ሞ፡ ክሳብ ክንደይ ተኻኣኢልካ ተዓቛቑነና ምንባር ግርማ ምዃኑ ካኣ ምተሰቖረናሞ ፡ብግብሪ ካአ ምነበርናሉ።

    ኣንታ ትወቅስ ሓቂ እንተ አሊዩካ ግዜ ድለየሉ እንበር፡ አብ ሰናይ ማኣዲ ኣይትሃዉኽ።
    ንኣምን ካኣ ኣጆኻ ብዙሕ ክትእኸብን ክትድህስስን ፈትን፡ ብዙሕ ስብ ይጸጽበየካ ከምዘሎ ተረዲእካ ብዙሕ ከተበርኢክት ጽዓር እዋናዊ ኣርእስቲ ኢኻ ጀሚርካ ዘለኻ።

    ንኢብነት አብ ወረዳአ ስገነይቲ ጽናዓደግለ እተርኢከብ ንኢሽቶ ዓዲ፡ ዓደንጎፎም
    ቀደም ናእሽቱ ኮሎና ዓደንጎፎም በብኣፎም ክብሉ ከሎዉ ጸርፊ መሲሉና ንስከፍ ነርና፡
    ድሓር ግን መሰሎም በብኣፍ ማይበቶም ኮምዝኾነ ፈሊጥና ብግብሪ ካኣአ ንርእዮ ነርና።

    ከመይ ማለት’ዩ? ንዝብል ሓታቲ ፡ዓበይቲ ማይቤታት ዳርጋ ፈርቂ ዓዲ ዝኾና አለዋ፡ ገሊኤን ካኣ ዉሑዳት ጂርዘይብሎም ወይ ዘርኦም ዝወሓደ ማይቤታት አሎዉ ፡ሕጂ አብቲ ናይዓዲ ዝምልከት መሰሎም ብብዝሖም ዘይኮነ ብቁጸጽሪ ማይቤታት ኢዩ።

    ክገርመኩም ተኻባቢሩ ዝኸይድ ዓዲ ኢዩ ፡ ፡ሓደ ግዜ ግን ጓይላ ጅምር ምስበለት ዕግረግር ይኣትዋ ትብተነ ፡ብተዳጋጋአሚ ዕግርግር የይኾዉን ። ኣባትር ኩሉ ንላዕሊ ይዋጣወጥ ዓዲ ክተዋዳእ ደልያ ። ጽንሕኢሎም ግን ተራዳዲኦም ጓይላ ዓሚሩ ዚዚክብል ሓዲሩ።
    መኽንያቱ ካኣ እቶም መርዓዝገብሩ ካብእቶም ዝዓበዩ ማይበታት ኮይኖም ነቶም ዝዋሓዲ ገዛ ከይተወከስዎም ረሲዖሞም ዓርክሕልፎት ሓዲሮም መርዓቶም ሒዞም ምስተመልሱ ኢዩ ነሩ፡
    እቶኦም ዝተረስዑ ዉሑዳት ኢዮም ኣዕገረርጊሮም ፡ ብሓይሊ ክደፍእዎም ምስራኣዩ ኩላ ዓዲ ምስቶኦም ዉሑዳት ጠጠዉ ምስበለት ፡ኣቦ መርዓዊ እቅረታ በዲለ’የ ፡ሃየ መርዓኩም’ዩ እነንተ ደሊኩ ጸይቅዎ፡ እንተደሊኹ ኣልምዕዎ በሎም’ሞ ፡ ብሓአባር ተሓጉሶም ሽሽ ክብሉ ሓደሩ ንብለኩም።
    ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓት ከምቲ SPD 45%ብብዝሒ ህዝቢ ተመሪጻ ምስ GRÜN 8% ዘምጻት ንኢሽቶ ፓርቲ ንሃግር ትመርሕ፡ ከምኡ ዝአምስለ መሰል ዉሑዳት ዝክበረሉ ብናእሽቱና ዝዓበናሉ ፍተሕን ማዕርነትን ክዝክር የኹዩርዓኒ፡ ሕጂ ንሱ ኣበይ ኣሎ?? ? ? ?

  • berie haqi December 11, 2015

    ተባሂሉ’ኮ እዩ : ምስላ ካብ ሒማቕ ማይ ካብ … : ተግባር እዩ ዝዛረብ : ስራሕ ክብረት ዝህብ ክብሪ : ወዲ-ሰብ መንነቱ ዝፍለጥ ስለዝተወልደ ዘይኮነ ብትግባሩ እዩ ዝምዘን : ታሪኹ ስለዝኾነ ክኣ መግለጺኡ እዩ ( ኣበይ ገጽካ ድሕር-ድሕር ): ኤርትራ ናይ መኻን ሓሳባት ዝጥጅኡ ዘይኮነት : ናይቶም ንኸይትቖርር ምእንተኣ ዝደኽሙን ዝጽዕሩን ሃዋርያ ቃልሲ ምዃና እንተዘንጊዕና ምንባርና ኣብ ዓለም ምስምንታይ ይቑጸር : ዕንጋለ ብትካቦ እንድዩ ዘናግረና ዘሎ : እታ ትተኩብ ዘላ ኢድ ግዚኣ ኣኺሉ እናዓኾየት ትመጽእ ምህላዋ እንተስተብሃልናላ ጽቡቕ ነይሩ : ካብ ዳሕራይ ጥዕስ እቕሬታ ሓቲትካ ናብ ህዝብኻን ሃገርካን ምልስ : ናይ ወራዙት እዩ : ሕጂ’ውን ብርዒ ሓቂ :

POST A COMMENT