Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዛ እዋን

እዛ እዋን ፍሥሐየ መብራህቱ እዛ እዋን መን ኣምጽኣ? መን ዋናኣ? ሓመድ ጣቓ ብዋግዋጎ - ንሰማዒ ሃናት ህጎ ንወሃቢ ጠማዕ ንፍጎ - ንስታዪ ማይ መዓጎ እሾኽ ዳንዴር ምስ ጸጎጎ - ሓራም’ያ ንበሃጎ ኣለውዋ ዝዋጥዩ - ዓዲ መዓር ጸባ እናበሉ ዝቃነዩ። ‘ዛ ዘበንና ክንደይ

እዛ እዋን
ፍሥሐየ መብራህቱ

እዛ እዋን መን ኣምጽኣ? መን ዋናኣ?
ሓመድ ጣቓ ብዋግዋጎ – ንሰማዒ ሃናት ህጎ
ንወሃቢ ጠማዕ ንፍጎ – ንስታዪ ማይ መዓጎ
እሾኽ ዳንዴር ምስ ጸጎጎ – ሓራም’ያ ንበሃጎ
ኣለውዋ ዝዋጥዩ – ዓዲ መዓር ጸባ እናበሉ ዝቃነዩ።

‘ዛ ዘበንና ክንደይ ዋጋኣ? – ዕዳጋዶ ክነውጽኣ?
ኣፈይ ሕቱም ከይጸባጸብ  – ኢደይ እሱር ከይዋጣወጥ
ንስኻኸ እንታይ ትብል? – ደርጕሓዮ ኣይተድሓርሕር
ንስኺ’ኸ እንታይ ኮይንኪ? ሓብርኒ ምኽንያትኪ
ኣታ ሓወይ ዲኻ ጋሻ – ተሓሪጃ ኣብ ጨረታ።

እዛ ጊዜ – መን ኮን’ዩ ብዓል ጋዕሳ? – ካብ መንበሩ ዘጣቑሳ
እንተ ሽፍታ  መሮር ሓደር – መውግዕኩዎ ብኣመሉ
እንተ ጓሳ ወዲ ጎልጎል – መብላዕኩዎ ምሰ’ጣሉ
ኣበ’በሉ’ቶም ደያኑ? – ገዛት ሕጊ ተሳኢኑ
ከም ወኻሩ ጎድጕዲ – ሰሪሖምሎም ኣባይቲ።

እዛ እዋን ጽልግላጎ – ብርሃን ኮይናስ ትወግሕዶ?
እንድዒኸ ብወገነይ – ሓው ዘይቢሉ ቍሪ ጎድነይ
ቃል ብስራት ዝሰበኸ – ነቢ ዶሎ ዝተላእከ?
እንተሎኸ መን ኪሰምዖ –  ንፋስ ቃሉ ንልባትና ከይረትዖ
መራሒና መልኣከ ሞት – ኣምልኾና ኵሉ ጣዖት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT