Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እየ ክንደይ ኮን ምቖዶ !!! ???

እየ  ክንደይ ኮን ምቖዶ !!! ??? እየ እወ ክንደይ፡ ኣየ ከመይ ምቖዶ እቲ ቃልሲ ብሓባር እንተንጸምዶ እወ ብሓደ ከም እሱር ማእዶ። ኣየ እወ ክንድይ እኳ ምቆዶ እቲ ጎደና ሕውነት ብሓባር እንተንኸዶ እቲ ዓቢ ንንእሽቶ እንተዝምዕዶ ንመትከላዊ መገዲ መንእሰይ እንተ ዝጽዕዶ ህዝብን ሃገርን ፍስሃ

እየ  ክንደይ ኮን ምቖዶ !!! ???

እየ እወ ክንደይ፡ ኣየ ከመይ ምቖዶ

እቲ ቃልሲ ብሓባር እንተንጸምዶ

እወ ብሓደ ከም እሱር ማእዶ።

ኣየ እወ ክንድይ እኳ ምቆዶ

እቲ ጎደና ሕውነት ብሓባር እንተንኸዶ

እቲ ዓቢ ንንእሽቶ እንተዝምዕዶ

ንመትከላዊ መገዲ መንእሰይ እንተ ዝጽዕዶ

ህዝብን ሃገርን ፍስሃ ምወረዶ።

ኩልና  እንተንጾሮ ንመን ምኸበዶ

ምክብባር ብኢደይ ኣድካ ብጽምዶ

ናብራና ቅሳነት ምሰፈኖ ክብሪ ምወረዶ።

ለባም ሃገራዊ ተዋሒጡ ብስደት ማዕዶ

ዒብ ዘይሕጋዊ ንበዓልቤት ጓና ክፈርዶ

ንምስዋር ጋዝ ኣይድለን ኣሎና ጉድጉዶ።

ቪላ ፓላሶ ኣይመድለየን ከሎ ጽኑዕ ኣጉዶ፡

ሙሉእ ጸጋ ሃገር ወሰኽ ነየድልዮ ጾዶ

ተጻባእቲ ሃህ ምበሉ ምተሳዕሩ ብርፍዶ

እዋኑ ዩ ንጉዕዞ ሓርነት ሃየ ብሓባር ንኺዶ !!!

ብንፋስ ነሓሰ 2015                                                                                       ጸሃየ ቀለታ ሽወደን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT