Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እድሪስ (ኣቡዓረ)

ምስ እድሪስ ኣቡዓረ ወላ’ኳ ኣብ ጊንዳዕ ክንፋለጥ ይግብኣና እንተ ነበረ፡ ኣነ ኣብ ካምቦፖሊስ ንሱ ድማ ኣብ ከተማ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ከም ካልኣይ ድማ ኣነ ምዕባዩ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሓደ ቤትትምህርቲ እናተመሃርና ኣብ ክፍሊ ይኹን ኣብ

ምስ እድሪስ ኣቡዓረ ወላ’ኳ ኣብ ጊንዳዕ ክንፋለጥ ይግብኣና እንተ ነበረ፡ ኣነ ኣብ ካምቦፖሊስ ንሱ ድማ ኣብ ከተማ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ከም ካልኣይ ድማ ኣነ ምዕባዩ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሓደ ቤትትምህርቲ እናተመሃርና ኣብ ክፍሊ ይኹን ኣብ ጸወታ ንራኸብ ስለ ዘይነበርና፡ ሽዑ እርእዮ ነይረ’ምበር ፍልጠት ኣይነበረናን። ብዝኾነ ኣነ ከም ወዲፖሊስ መጠን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ድሕሪ ምዅብላል ኣብ 10/1975 ክስለፍ ከለኹ ምስ ኣቡዓረ ግን ኣዚና ደንጉየ ኣብ 1979 ኢና ተራኺብና።

እድሪስ ኣቡዓረ ካብ ትግረን ሳሆን ዝኾኑ ወለዲ ተወሊዱ ኣብ ጊንዳዕ ዓብዩ። ናብ ህሓሓኤ ድማ ጌጋ ይኽልኣለይ ኣብ 1972 ተሰሊፉ። ምኽንያቱ ቅድሚ ውግእ ሓድሕድ ገረግር ሱዳን ዝነበረ ጽንኵር ኵነታት ይኹን ኣሰዋውኣ ኣስታዝ ዓምር ጣህር ሻህቢ ጽቡቕ ገይሩ የዕለልኒ ነይሩ። እድሪስ ነቲ ኵሉ ጽንኵር ኵነታት ሓሊፉ ኣብ ከባቢ 1974 ብጸልማት እናኸደ ከሎ ምስ ካልኦት ብጾቱ ኣብ ሓደ ሃው ዝበለ ገደል ስለዝኣተዉ ኣዝዩ ተሃስዩ። ብሰንኪ እቱ ዝወረዶ ብርቱዕ ማህሰይቲ ድማ ንሕክምና ናብ ኩወይት ተላኢኹ። ኣብ ኩወይት ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስቶም ኣብኡ ክሕከሙ ኣጸንሑዎ ተጋደልቲ ከዕልል ባህርያዊ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ፍቕርን ብጻያዊ ሓልዮትን ዘይደሊ ምስጢራዊ ሰልፊ ብመንገዲ ሓደ ተጋዳላይ ንኣቡዓረ ከምዚ ይብሎ። “ስማዕ ኣቡዓረ፡ በዓል እከለን እከለን ጽልዋ ናይ መንካዕ ከም ዘለዎም ትፈልጥዶ?” ኣቡዓረ ድማ፡ “ፈሊጠ ኣይፈሊጠ ንዓይ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?” ዝብል ደረቐኛ መልሲ ሃቦ። እቲ ልኡኽ ድማ “ማለተይ ምስኣቶም ክተዕልል ኣይድለን እዩ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምስ እከለን እከለን ክተዕልል የብልካን፡” ዝብል ለበዋ ለገሰሉ። እቲ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣቡዓረ ግን “ኣነ እነግረካ ኣለኹ፡ እዞም ሰባት ግቡኦም እነፈጸሙ ዝተወግኡ ብጾተይ ስለ ዝኾኑ ምስኣቶም ምዕላል ከም ዘየቋርጾ ፍለጥ!” ኢሉ ኣፋነዎ። እዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ግን ስለ ዝተመዝገበት ደድሕሪኡ ስዒባ።

ኣቡዓረ ኣብ 1976 ናብ ሜዳ ክኣቱ ከሎ ብክልተ ምርኵስ ንየው ነጀው እናበለ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ሰብነቱ ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተንቀሳቐሰ ኣብራኹ ካብ ክቱር ቅጥኒ ቀሸም ኣብ ርእሲ ምምሳለን፡ ገጹ ምስ ርኣካ ህይወት ከም ዘለዎ ስለ ትፈልጥ እንተ ዘይኮይኑ ተንቀሳቓሲ ሬሳ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። ነብሱ ብግቡእ ክኣሊ ይኽእል ስለ ዘይነበረ ድማ ጸጕሩ ኣዝዩ ዘጊፉ ብቍማልን ጭብን ዝተጎብአ ነይሩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላቱ ዘሎ መቝሰልቲ ኣብ ፍሕኛኡ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዝፈጠረ እናናሳዕ ክሸይን ኣለዎ። ክሸይን ከሎ ግን ከም ንቡር ሰብ ብዝሕ ኢሉ ዘይኮነ ኣብ ነፍስወከፍ ፈተነ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ክሸይን ዝኽእል። ብሓጺሩ ፍሕኛኡ ኣመና ውሑድ ሽንቲ እያ ክትዓቍር ትኽእል። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ እዩ እምበኣር ምስ ጽልዋ ናይ መንካዕ ኣለዎም ዝብሃሉ ተጋደልቲ ገለ ድሒሮም ዝተሰውኡ ብጾቱ ኣዕሊልካ ተባሂሉ ናብ ሓለዋ ሰውራ ዝተላእከ። ኣብ ሓለዋ ሰውራ ከምቲ ልሙድ እቲ መርማሪ “መምጽኢኻ ትፈልጥዶ?” ክብል ተወኪሱዎ። ኣቡ ዓረ ድማ ኣብ ብሌቓት ዝተወዝዓ መሲሉዎ ስለ ዝነበረ ዝፈልጦ ገበን ከኣ ስለ ዘይነበሮ፡ “ኣይፈልጦን!” በሎ እናሰሓቐ። እቲ መርማሪ ብዛዕባ መምጽኢኡ ነዊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ኣብቲ ቦታ ክጸንሕ ምዃኑ ሓበሮ። እድሪስ ድማ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ጸኒሑ። ብዘይካ ክምህር ወይ ክጽሕፍ ካልእ ነገር ክሰርሕ ስለ ዘይክእል ኮፍ ኢሉ ኣሕሊፉዎ። ድሕርዚ ኣብ ጌጋ ይኽልኣለይ ኣብ ቤትጽሕፈት ክፍሊ ህዝቢ ተመዲቡ። ኣብ 1979 ድማ ናብ ፖርትሱዳን ተቐዪሩ ከም ሓላፊ ክፍሊ ህዝቢ ከገልግል ጀሚሩ።

ኣቡዓረ ናብ ፖርትሱዳን ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ እቲ ናይ ጊንዳዕ እድሪስ ምኻኑ ከለልዮ ስለ ዘይከኣልኩ ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ እየ ዝቐርቦ ነይረ። ባህርያቱ ስለ ዝፈተኹዎ ግን ዝያዳ እቐርቦ ነይረ። ኣቡዓረ ጥዑም ጠባይ ዘለዎ፡ ተዋዛያይ፡ ብዙሕ ነገር ዝፈልጥ፡ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋታት ዝነበሮ ሰብ ኮይኑ ቀልጢፉ ጐድኒ ዘይዝሕዝ፡ ኣብ ውሳኔ ቅድሚ ምውሳዱ ነነገራት ኣዝዩ ዝምርምር ደሞክራስያውን ፍትሐኛን ዝኾነ ሰብ እዩ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ እድሪስ ኣቡዓረ ክፈልጥ እንተ ደልዩ ካብ 1979 ክሳብ 1985 ኣብ ፖርትሱዳን ዝነነብሩ ሓፋሽ ውዳት ይሕተት። ብወገነይ ብዙሓት ቅኑዓትን ፍትሐኛታትን፡ ካብእእቶም ብተዓጻጻፊ ዝበዝሑ ዘይፍትሓውያንን ዓመጸኛታትን እፈልጥ እየ። ከም እድሪስ ኣቡዓረ ዝኣመሰለ ድምብርጽ ዘይብሎ ተባዕን ፍትሐኛን ሰብ ግን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ብዝኾነ ጽቡቕ ምቅርራብ ኣማዕቢልና ክንዋዘን ክንጨራረቕን ዳርጋ ዓመት ሓሊፉ። ኣነ ኣባል ጨንፈር መጓዓዝያ ስለ ዝነበርኩ ንኣቡዓረ ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ምዃኑ ንምግላጽ “PEOPLES ORGANIZER” እብሎ ነይረ ብመልክዕ ጭርቃን ንሱ ድማ “TRUCK ORGANIZER” ትራክ ይብለኒ ነይሩ። ብባህሪኡ ተዋዛያይ ስለ ዝነበረ ኣባላት ራሕባ ዝነበነሩ በዓል ወዲጣውላ ድማ “WOOD ORGANIZER” ይብሎም ነይሩ። ኣቡዓረ ኣብቲ መጀመርያ ኮፍ ኢሉ ክምህር ከሎ ጥዑይ ዝመስለን ዝነበራ ኣንስቲ፡ ትምህርቲ ምስ ተወድአ ምርኵስ ሒዙ ሰልፈፍ ሰልፈፍ እናበለ ከም ሰኽራም ክኸይድ ምስ ርኣይኦ፡ “ዋይ ወደይ! ሚኪኤል ሊቀመላእኽቲ ዝመስል ጐበዝ! በጃኺ ይስጥሓኒ” ብምባል ኣመና ይድንግጻሉ ነይረን። ናብቲ ቍምነገር ንምምላስ ግን ሓንቲ ዕላል ከዕልለኩም።

ሓደ መዓልቲ ዓርቢ ኮይኑ ልሙድ ስርሑ ከካይድ ብዝሕ ንዝበለ ህዝቢ እናመሃረ ከሎ ኣብቲ ናይ ሕቶን ርእይቶን ግዜ፡ ሓደ ሰብ ኢዱ ዊጥ የብልሞ ኣቡዓረ ድማ የፍቅደሉ። እቲ ሰብ ለካ ንካልእ ሰብ ክውንጅል እዩ ነይሩ ዓላማኡ። “እከለ ወዲእከለ ብቐደማይ ኣብ ከተማ ኮፍ ኢሉ ምስ ገለ ሰባት እናዕለለ ከሎ ንውድብና ኣብ ክንዲ ህዝባዊ ግንባር ኢሉ ዝጽውዖ፡ “ህዝባዊ መዓኰር” ኢሉ ከላግጸሉ ከሎ ሰሚዐዮ። እንሃለ ድማ ሕጂ ኣብዚ ምሳና ኮፍ ኢሉ። ከም በዓል እዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣድሓርሓርቲ . . .” ኢሉ ዘረባኡ  ወድአ። እቲ ርእይቶ ዝሃበ ኣባል ሓፋሽውድባት፡ ኣቡዓረ ነቲ ሰብ ክስሃሎ እዩ ተጸብዩዎ። ኣቡዓረ ግን ህድእ ኢሉ ብምጅማር፡ “እዚ ውድብዚ ናይ ህዝቢምበር ናይ ፍሉያት ሰባት ኣይኮነን። ናተይ ናትካ ናይ ኩላትና ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። ውድብና ከምዚ ተባሂሉ፡ እከለ ከምዚ ኢሉ እናበልኩም ኣብ ጐድኒ እዚ ውድብ ደው ክብሉ ንዝኽእሉ ሰባት ብዝተቅምን ዘይጠቅምን ክተባህርሩዎም የብልኩምን፡” ብምባል ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡ። ድሕርዚ እቲ ከምኡ ኢሉ ዝተባህለ ሰብ ኢዱ ዊጥ ብምባል፡ “ኣቱም ሰባት ኣነ ኣብዚ ውድብ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝተወደብኩ ትፈልጡ ኢኹም። ነዚ ውድብ ክጸርፍ ኢለ ዘይኮንኩ ተጫራቓይ ካብ ምዃነይ ዝተላዕለ ከምኡ ኢለ እየ፡ እእረመሉ ከኣ። ካብ ተንኰል ዘይኮነ ግን ብመልክዕ ጭርቃን እየ ተዛሪበዮ። ኣነ ኣንጻር እዚ ውድብ ዝኾነ ጽልኣት እንተ ዝህልወኒ ነይሩ እንታይ ክዋጢ እመጽእ ኣለኹ፡” ብምባል ቃሉ ሂቡ። እቲ ነገር ድማ ኣብኡ ተዓጽዩ። ካልኦት ሰባት እንተ ዝነብሩ ነቲ ነገር ብኸምኡ ዘይኮነ፡ “መንዩ ከምኡ ዝበለ? ስለምንታይ ኢልካ? ጸረ ሰውራ ኢካ፡ ናይ ጀብሃ ኢካ ወዘተ” ብምባል ምደምደሙዎ ነይሮም።

ሓደ መዓልቲ ኣብ በረንዳ ናይቲ ቤትጽሕፈት እናዕለልና ከለና ብገለ ዘረባ ንሓንቲ ሰዓዳ እትብሃል ሰብ ክጠቅስ እሰምዖ። “ንሰዓዳ ደኣ ኣበይ ትፈልጣ?” እብሎ እናተገረምኩ። “ጓል ጊንዳዕ ስለ ዝኾነት እየ ዝፈልጣ፡” ክብል ምስ መለሰለይ፡ “ንሰዓዳ ዑመር ደኣ ኣነስ እፈልጣ’ንድየ፡ ወዲ ጊንዳዕ ዲኻ ኣቡዓረ?” ክብል ምስ ሓተትኩዎ፡ ኣብ ነዊሕ ዕላል ብምእታው ምስ መንኣሰይ ሃወይ ይምሃር ከም ዝነበረን እፈልጦ ከም ዝነበርኩን ክርዳእ ክኢለ። ካብኡ ንንየው ርክብና ዝያዳ እናጠበቐን፡ “እከለከ ትፈልጦዶ ኔርካ? ኣበይ ኮን ይህሉ?” እናተባሃሃልና ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፍና። ኣብ 1985 መጀመርያ ናብ ካርቱም ምስ ተቐየርኩ ድማ ንሱውን ምስ ሙስጠፋ ኑርሑሰይን ክሰማማዕ ስለ ዘይከኣለ ናብ ካርቱም ተቐዪሩ ስለ ዝሰዓበኒ ክሳብ 1987 ንራኸብ ኔርና። ድሕሪኡ’ውን ኣነ ናብ ሜዳ ስለ ዝኣተኹ ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ኣይተራኸብናን። ኣቡ ዓረ ድሕሪ ናጽነት ምስቶም ቋንቋ እንግሊዝ ከመሃሩ ናብ ኦኣዲ እንግሊዝ ዝኸዱ ሃለፍቲ ሓደ ነይሩ። ናብታ እንግሊዛዊት ስድራቤት ምስ ተሓወሰ ግን እታ ጽቡቕ እንግሊዝኛ ክዛረብ ዝሰምዓቶ ዋና ገዛ፡ “ንስኻ ደኣ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክትብል ተወኪሳቶ። ኣቡዓረ ኣብ ዓረብኛ ይኹን እንግሊዝኛ ብምንባብ ጥራይ ነብሱ ባዕሉ ዘማዕበለ ሰብ ኮይኑ፡ ብዓረብኛ ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ይግብኦ። ኣቡዐረ ድሕሪ ናጽነት ከም ሓላፊ ቈንስላዊ ጉዳያት ድሒሩ ድማ ክሳብ ግዜ ማእሰርቱ ከም ዳይረክተር ክፍሊ ዕዮ ሰሪሑ። ኣቡዓረ ሓደ ፈጺሙ ዘይንብርከኽ ተባዕ ሰብ ብምንባሩ ጓለይ ሰበይተይ ከይበለ፡ ምስቶም መቃልስቱይ ክእሰር ዝመረጸ ሰብ ከም ዝነበረ ኵነታት ኣተኣሳስራኡ ከመይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ነዚ ዝስዕብ ንመልከት።

ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነትን ክፍሊ ዕዮን ዝነበረት ኣስካሉ መንቆርዮስ ልክዕ ከምቶ ካልኦት መዛኑኣ ብኢሳያስ ተኣዚዛ፡ ምእሳር ጕጅለ 15 መታን ክትሕብር ንኣባላታ ኣኪባቶም። “ጕጅለ 15 ሃገር ከዲዖም፡” ኢላ ዘረባኣ ክትጅምር ከላ ግን ኣቡዓረ ደው ከም ትብል ብምግባር ንመድረኽ ተቘጻጸሮ። “ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትፈልጦምን ስለ ዝኾነት እያ ከምኡ በሊ ተባሂላ ከዳዓት ትብሎም ዘላ። ነዞም ሰባት እዚኦም ጽቡቕ ገይረ ስለ ዝፈልጦም፡ ንሃገር ክብሉ ዝተበጀዉን ንዓመታት ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ምዃኖምን እነግረኩም ኣለኹ። ስለዚ፡ እዚ ክትብሎ ዝፈተነት ጌጋ ከም ዝኾነ ፍለጡ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ንስኺ ድማ ነቶም ዝለኣኹኺ ኣቡዓረ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ኢልኪ ሓብርዮም፡” በላ ብትብዓት። ኣቡዓረ ብዓንተቦኡ ኣብ ቋንቋ ኣደ ዝተፈላለየ ንህግደፍ ደስ ዘየብል ጽሑፋት ይጽሕፍ ስለ ዝነበረ፡ ጥዒሙሎም ንጽባሒታ ናብቲ ብጾቱ ዝነበሩዎ ናብ መዳጐኒ ቦታ ተወስደ። ብዛዕባ ኣቡዓረ ዝጀመርናዮ ዕላል ንምዝዛም ግን በዛ ቅድሚ ምእሳሩ ብዛዕባ ጕዳይ ምስጢራዊ ሰልፊ ዕላል ምስ ኣበገስና ባዕሉ ዘዕለለኒ ፈይ ከብለልኩም።

“ክገርመካ ኣዝየ ድሒረ እየ ብመንገዲ ባዱሪ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ኮይነ። እቲ ምኽንያት ድማ ሙስጠፋ ነይሩ። ግን ከኣ ሙስጠፋ ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ንክትኣቱ እሺ በሃላይ ክትከውን ኣለካ። ኣነ ድማ ፍጥር ክብል ንዘይኣመንሉ ነገር እስI ምባል ባህረይ ኣይኮነን። ብዝኾነ እዚ ሃርጋፍ ሙስጠፋ እቲ ኵሉ ስራሃት ናይ ቤትጽሕፈት ባዕለይ እናሰራሕኩሉ ከለኹ ሓደ መዓልቲ ሓደ ቅያ ነገር ሰሪሑ። ከምቲ ትፈልጦ ሙስጠፋ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ብቀጻሊ ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ይዕድም ነይሩ፡ ንሳቶም ድማ ዕላለይ ደስ ይብሎም ስለ ዝነበረ ኣቡዓረኸ ይምጻእ ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ሙስጠፋ ከይፈተወ ኣብቲ መስተ እሕወሶም ነይረ። መልኣከ ወዲፊተውራሪ’ውን ዝበዝሕ ግዜ ምሳና ነይሩ። ሓደ መዓልቲ መስተ ክንሰቲ ጸኒሕና ኣብ ኣጋ ምውዳእና ሙስጠፋ ሃንደበት፡ ‘ሕጂ ስራሕ ስለ ዘሎና ክልተኹም ክትገድፉና ኢኹም፡’ ይብለና። ወዲፊተውራሪ ሰላሕ ኢሉ ክወጽእ ከሎ ኣነ ቍልቍል ዝኣፋ፡ ‘ኣይወጽእን እየ፡’ እብሎ። ኣብዚ ምስሕሓብ ኮይኑ እቲ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ዝሰኣኖ ኑረዲን (ሓላፊ ጸጥታ ኣውራጃ ምብራቕ ሱዳን) ‘ማልኩም ያጀማዓ? ኤሽ ሓሰል’ ይብለና’ሞ፡ ‘ሙስጠፋ ስራሕ ስለ ዘሎና ውጻእ ይብለኒ ኣሎ፡’ ክብል እምልሰሉ። ኑረዲን ነገራቱ ገሪሙዎ፡ ‘ስማዕ’ስኪ ሙስጠፋ፡ እድሪስ ዘይፈልጦ ምስጢር ኣሎ ድዩ? ንሱዶ ኣይኮነን ኵሉ ደብዳቤታትካ ዝጽሕፎን ዘንብቦን! እዚ ዘረባ ኣይኮነን። ትም በል በጃኻ፡ ያላ ጸወታና ጥራይ ንቐጽል፡’ ብምባል ነገር ከህድእ ይፍትን። ሙስጠፋ ትም ኢሉ ዓዘፍዘፍ ክብል ምስ ጀመረ ኣሕሪቑኒ፡ ‘ትም ኢልካ ሃተፍተፍ ኣይትበል፡ ሉጢ!’ ኢለዮ። ንሱ ድማ ‘ኣነ ሉጢ! እዛ ዘረባ’ዚኣ ኣይትደግማን ኢኻ!’ ይብለኒ። ብዝኾነ ኣብ ምንህሃር ስለ ዝበጻሕና ኑረዲን ፈላልዩና ነናብ ቦታና ፋሕ ንብል። ንጽባሒቱ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ በረንዳ ቤትጽሕፈት ከለኹ ሙስጠፋ ናባይ ቅርብ ኢሉ፡ ‘ኣቡዓረ ትማሊ ሰቲኻ ኔርካ፡ ሉጢ ድማ ኢልካኒ፡’ ክብል ዘረባኡ ጀመረ። ዕድል ኣይሃብኩዎን፡ ‘ሕጅስ ሉጢ እንዲኻ!’ ምስ በሉዎ ብስምባደ፡ ‘ኣነ ሉጢ?’ በለኒ፡ ኣነ ድማ ከም ዘላታ፡ ‘እወ ሉጢ’ በልኩዎ። ዘረባ ኣይወሰኸን ሰላሕ ኢሉ ከይዱ።”

ድሕር’ዚ ክቃደዉ ኣይከኣሉን ኣቡዓረ ምስኡ ኣይሰርሕንየ ስለ ዝበለ እቲ ጕዳይ ባዱሪ ኣትዩዎ። ምኽንያቱ ሙስጠፋ ብዘይካኡ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ ኢሉ። ሓቁ እዩ ድማ ኣቡዓረ እዩ ናብ መንግስቲ ሱዳን ዝለኣኽ መልእኽትታ ዝጽሕፈሉ ነይሩ። ባዱሪ ንኣቡዓረ ኣብኡ ከጽንሖ ሓሲቡ ነይሩ። ኣቡዓረ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘይነበረ፡ እዚ ድማ ሙስጠፋ ስለ ዘይደለዮ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ከምኡ’ውን ኣቡዓረ ምስኡ ኣይሰርሕን’የ ኢሉ ስለ ዘቕበጸን ናብ ካርቱም ከም ዝቕየር ገይሩዎ። እዚ ዳሕረዋይ ንጸርፊ ዝምልከት ዕላል ባህሪ ናይ ኣቡዓረ ንምግላጽ ጠቒሰዮ’ምበር ኣድላይነት ኣይነበሮን ይኸውን።

ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍ

ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ኖርወይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • sara gual eritra September 22, 2013

    gwahi ab li’eli gwahi
    kulom teba^at teasirom teketilom
    tekalat deki erey(enda shaebiya) habiekumlna nerkum
    haye gwahguhuwo kiya jeganuna atleast
    nizkrom eqa

  • ተወልደመድኅን September 22, 2013

    ድንቂ ጽሑፍ፡ግርም መዘከርታ የግዳስ ከምታ ቅድሚ ሕጂ ዝከሰካ እዚ ኩሉ ፍልጠትን ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ቀደም ኣንተዝከውን ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ምንጋፍ ዝግበር ቃልሲ ሃጋዚ ምኮነ ኔሩ።ዝኾነ ኮይኑ ይበል ኣጸሃህፋ፡

    • ተወልደመድኅን September 22, 2013

      ክትረኽበኒ ወይ ክትጸርፈኒ ኣንተደሊካ ABRAHA TEWOLDEMEDHIN ኢልካ ኣብ ፌስቡክ እቶሞ በለኒ ጽረፈኒ፡

  • Sorobeti September 22, 2013

    Estifanos

    Do you know Ali Jabir who was the representative of EPLF in Port Sudan before Mustafa and who was suddenly called to the field to disappear forever.

  • ahmed saleh September 23, 2013

    The fault is up to us to fool our selves hiding behind the truth of reality on the ground . We can not deny
    the failure to let the bad actors to maneuver in our country political environment dominance without resistances
    to compromise blindly on truth , compassion and fairness by using an excuse of national interest .
    At the end of the political prostitution of compromises not to face or disrupt the motion of wrongs , well wishers
    patriots within moral law value start to feel confused , betrayed and victimized by their own fellows .

  • fares September 26, 2013

    I hope one day Abare to see the light and meet his beloved daughter( Belkis)!
    The last article he write it if I remember well is about the mother language and the Arabic language, and we have been discussion about that article, he had attacked att the end of the article Alamin Mohamed Said , I told him if you publish it they will put you in the prison he said I do not care( I have been fighting to offer my life to my people).
    Abbare he published the article in horn of Africa news paper and went to the prison.

POST A COMMENT