Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከማኹም የማስለና! 3ይ ክፋል፡

ከማኹም የማስለና!  3ይ ክፋል፡   07.01.17፡ ክብርቲ ቻንስሎር፦ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብምኽንያት ልደትን ምጅማር ሓድሽ ዓመትን፡ ናይ እንኳዕ ኣብጸሓኩም መልእኽተይ ከምዝሰደድኩ ልኪ ዝዝከር ኮይኑ፡ እንሆ ድማ ሎሚ ብኣቖጻጽራና በዓል ዕለት ልደተ-ክርስቶስ ብምዃኑ እቲ ናብዚ ዘብጻሓና ፈጣሪ፡ እንኮላይ ከርግኣናን

ከማኹም የማስለና!  3ይ ክፋል፡   07.01.17፡

ክብርቲ ቻንስሎር፦

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብምኽንያት ልደትን ምጅማር ሓድሽ ዓመትን፡ ናይ እንኳዕ ኣብጸሓኩም መልእኽተይ ከምዝሰደድኩ ልኪ ዝዝከር ኮይኑ፡ እንሆ ድማ ሎሚ ብኣቖጻጽራና በዓል ዕለት ልደተ-ክርስቶስ ብምዃኑ እቲ ናብዚ ዘብጻሓና ፈጣሪ፡ እንኮላይ ከርግኣናን ከማኹም ከማስለናን ምስ ዝትስፎ መልእኽተይ ተቐልቂለኪ እነኹሞ ልቢ ክትገብርሉ ከኣ እትስፎ።

ዓመተ-2016 ኣፋኒና ሓዳስ ዓመት ካብ ንምርሓብ እንሆ ድሮ ሰሙን ኮይኑ። ዝሓለፈት ዓመት እምባኣር ከምቲ ኩሉ ዓ ሚ ቅድሚ-ዓሚ ምስ ኩሉ ፍጻመታታ ንዘንተ-እለት ነበረትያ-ነበረት ኮይና ኣብ መዝገብ ታሪኽ ክትስነድ ተመሪሓ ኣላ።

ንሕና’ውን ሰባት ኢናሞ ከምቲ ኩሉ ብሂወት ዘሎ ‘ኣለና’ ስለንብል ኣብዛ ንጅምራ ዘለና ሓዳስ ዓመት ነናትና ዓመታዊ መደባት ከምዝሓንጸጽና እርድኣኒ። ከም ንኣብነቱ ኣነን ንስኺ ቻንስሎርን፡ ብደረጃን መልክዕ ናብራን’ኳ እንተዘይተዳረግ ና ግናኸ ከከምዓቕምና ዘዝሓዝናዮ ዓመታዊ መደባትሲ ኣለና። ፍልልዩ ንስኺ ከም መራሒት ሃገር ኣብዛ ንቕድሜና ዘላ ዓመት ንህዝብኽን ሃገርክን ብኸመይ ከምተመሓድሪ ወጢንኪ ከምዘለኺ ርጡብ ኮይኑ፡ ከምዝሰማዕኩዎ እቲ ዝለዓለ ና ይ’ዚ ዓመት መደብኪ ኣብዚ ሃገርኩም ትዳለወሉ ዘላ ባይቶኣዊ ምርጫ ን4ይ ዙርያ ናይ ቻንስሎርነት ዕድመ ስልጣን ክ ትወዳደሪ ከምተዳለኺ’ዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ብወገነይ ከምደላይ ጽቡቕ ሓሳብ ልብኺ ክሰምረልኪ ካብ ልበይ እምነ!

እንተ ኣነ ኣብዛ ዘለኹዋ ኩርናዕ ዓለም ኴይነ እዚ ዝነፍጽዘሎ ህዝበይ ብከመይ ከምዝረግእን ብከመይከ ካብቲ ዘባድሞ ዘሎ መራሒ ይናገፍን ናብ ሃገሩ ይምለስን ክሓስብ ይውዕልን ይሓድርን ምህላወይ ከብርሃልኪ እፈቱ።

ርግጽ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ዓለም ምስጢሩ ነቲ ዝበዝሐ የዋህ ፍጡራ ብዘይተጋህደ ፖለቲካዊ ነውጺ’ያ ትሕቆን ዘላ። ስለ ኡ ህንጻታት ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራት ይፈርሳ፡ ህዝበን’ውን ይመውትን ከም ማዕበል ሱናሚ ናብ ሰላምን ራህዋን ከምዝር ከቦ ዝሰምዓሉ ዘዝጠዓሞ መኣዝን ክክዖን ምርኣይ ከም ወዝቢ ዝጀመረ ተርእዮ ክንሱ እናለ ንቡር ኮይኑልናን ድሮ’ኳ ተ ለሚዱን እንሆ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕልቕልቕ ስደት ሃገረ-ጀርመን ንግዳያት ከተዕቁብ ዝወሰደቶ ተበግሶ ገዚፍን ዝነኣ ድን ክንሱ ክንዲ ዘኾለሰት ፈታውን ጸላእን ብዘይፈሊ ብጅምላውን ኣሰቃቕን መልክዑ ኢዳ ክነኽሱ ዝመዓሮም ህዝባ ፖ  ለቲካኣን ንብረታን ዘዕንዉ ካብተራእዩ፡ ንዝተፈጸመ ግዳይነት ባሌህ ክበሃል ይግብኦ’ዩ’ሞ ኣነ’ውን ‘ዓገብ’ እብል ኣለኹ።

ብዛዕባ ስደት ካብ ዘከርኩ ካብዚ ሓድሽ ጸብጻብ ሰባዊ መሰላት ይስማዕ ከምዘሎ ካብዛ መከረኛ ሃገረይ’ውን ልዕሊ 30 ሽሕ ግዳይ ሓድሽ ስደተኛ ህዝበይ ኣብዚ ሃገር’ዚ ከምተዓቑበ ተረዲአ። ዕድል ናይዚ ናትና ስደተኛ ከምቲ መራሕ ሃገርና ብወለንትኡ ዝፈለሰ ዘይሕጋዊ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ዘምስሎ ዘይኮነ፡ ከምቲ ንዓኹም’ውን ዘጓነፈኩም ተገዲዱ ሃገሩ ዝገደፈ ውጹዕ ዜጋ’ዩ’ሞ ንቕድሚኡ እንታይ ከምዝገጥሞስ ካብ ዓምዲ ስደትን ቅዱማት ስደተኛታትን ምግማቱ ኣየጸግምን።

ዝኾነ ሰብ ካብ መበቆሉ እንተተዘናቢሉ ኣብቲ ዝኣተዎ ቦታ ዘጓንፎ መስርሕ ምጽንባር (Integration) ብዋዛ ተዋሃብን ተራዓምን ኣይኮነን። ንኣብነት ገሊኦም ካብ ህዝቢ ጀርመን ግደፍ ሎሚ ብፍኑው ዋሕዚ ኣጥለቕሊቖምሲ ብዓንተቦኦም’ ውን ነቲ ብመጠኑ ዝመጾም ስደተኛ ምእንቲ ሰባዊ መሰልን ንዓለም ድማ ባህ ክብላን ተዓሊሙ ዝግበር ሓገዝን ህልክታ ቱን ቅጭ ስለዘምጻኣሎም፡ መብዛሕትኦም እናኸኣልዎ ምስ ስደተኛታት ኣጋይሽ ብዘይካ ብቋንቋኦም ብእንግሊዝ ኢልካ ዘረባ ሕርሚ ገይሮሞ ተዓዘብኩ። “ቀቀሊሉ” ኢለ በቲ ካልእ ሳባላቃታቱ ተዓዚመ እንከለኹ’ውን ጉዳይ መስርሕ ምጽንባ ር ዘይተበርሆም ደቀባት ክሳብ ኣግሂዶም “ጸሊም ጀርመናዊ የለን” ብማለት ይጓጠዩሉ ከምዝነበሩ ዝሰማዕኩዎ ዕላል ሓ ቂ ምኳኑ ተረዳእኩ። ዝኾነ እንተኾነ ከምቲ “ካብ ሃገሩ ዝወጸ ሃገሩ ክሳብ ዝምለስ፡ እንተጸዓንዎ ኣድጊ እንተለጎሙዎ ፈ ረስ” ዝበሃል እቲ ዝጸንሓኒ ኩነታት ካብቲ ዝተጸበኹዎ’ኳ እንተተፈልየ ነቲ መሰለይ መንጢሉ ርሑቕ ዘስፈረኒ ገዛእ መን ግስተይ ክገጥም ካብ ዘይከኣልኩን ኣብ እንዳማተይ መጺአ’ውን ኣብ መስርዕ ቋሬጣ ሰባዊ መሰል ተሰሪዐ ዝተተኹበለይ እሺ’ለ ክቕበል ነብሰይ እንተንዓቐንን፡ ዓቀብትና ዝበሉ እንተበሉ ኣነ ግና ትርፎ “እንተተጸየሩና’ውን ሓቆም፡ ንሕና ኢና’ኮ መጺናዮም!” ክብል እንተዘይኮይነ ንሃገረ-ጀርመንን ኩሎም ወሃብቲ ዑቕባ ሃገራትን ክዒበዮም ኣይፈልጥን።

ግናኸ ዛዕባና ነገር ፖለቲካ ብምዃኑ ቀዳመይቲ መሰል ሰብ ዝገሃሰትን ንርእሳ ዝኸበደ ዕንወትን ስደትን ዘስተማቐረትንሲ እዛ ዘለኹዋ ሃገረ-ጀርመን ምዃና’ሞ ኣቐዲመ እፈልጦ’የ። ማለት ንሃገረ-ጀርመን ብዓቕመይ ልዕሊ’ዚ ናይ ስደት መዋእለ ይ ኣብ ጎቦታትን ሽንጭሮታትን ሃገረይ ኮይነ ክጋደል እንከለኹ ዝያዳ እፈልጣ። ጎቦታትን ሩባታትን ሃገርና ከምቲ ቐደሙ ሎሚ’ውን ትንግርቲ ኣለዎ። ዋላ’ኳ ዩኒስኮ ኣፍልጦ እንተዘይሃበቶ ንሱስ ቦታ ጥንታዊ ሃይማኖት፡ መፈጠር ናይ ኩሉ ዓ ይነት ገድላዊ ምህዞን ዓውደ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ቦታ ስልጡን ዩኒቨርሲቲታትን ብምንባሩ፡ ኣነ ድማ ከምብጾተይ ኣብ ኡ ከም ተመሃራይን መምህርን ስለዝነበርኩ’የ ዝፈለጥኩዎ።

ግናስ ኣይተዓደልናን። ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ኪኖ’ቲ ብተስፋ ዝመትናሉ ዓላማ ካልእ ሓድሽ ብዝመስል ግና ንዓና ብዘይተ ሰወረ ውዲት ብውሽጣውያን ገዛእቲ ምስተዓለና’የ ኣዲመን ካብታ ዝተጋደልኩላ ሃገረይ ሃዲመን። ኣብዚ ሃገር ብዝተዋህ በኒ ናይ ዑቕባ መሰል ድማ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣጽሊለ እነኹ። እንተኾነ ሓቁ ንምዝራብ ኣብ ስደት ዝነበረኒ ኣጥፊአ’ም በር ዝመላእኩዎ ነገር የለን። ርግጽ ኣብዚ ምስኣተኹ ዝተገብረለይ ኩለመናዊ ሓገዝ ዘመስግኖ ኮይኑ፡ እንተ ነገረ-ምጽንባ ር ወይ ምምስሳል’ሞ (Integration) ነገረ-መበቆልን መንነትን ግዲ ኮይኑ ግደፍዶ ብባህጊ ተመጣሊዐ ክሓፍሶስ ተመንየ ዮ’ውን ኣይፈልጥን። እንተዝሓስቦ ድማ ከምቲ ገሊኦም ጀርመናውያን ደቀባት ገጽ ስደተኛታት ክርእዩ “ሎሚዶ ጽባሕ ይ ኸዱልና” እናበሉ ንናጽነቶም ዝጽበዩዋ፡ ኣነውን ኣሽምባይ ብሂወተይ ዓደይ ተመሊሰ መቓብረይ ክመርጽ’ሲ፡ ኣብ ሳንዱ ዎ ተዓሺገ ናብ ትውልዲ ሃገረይ ክምለስ’ውን ሰናይ ጠመተ ናይቲ ድሮ ዘብረረኒ ስርዓት ሃገርና ከምዘይኮነ እናፈለጥኩዎ ተስፋ ከምወዝቢ ስለዘይበንን’ዩ መስለኒ “ጽባሕ ድሕሪ-ጽባሕ ዓደይ ክኸይድ ኢየ” እናበልኩ ክምነን መዓልተይ እናጸብጸ ብኩ ክቑዝምን እንተዘይኮይነ ከመይቢለኸ ብዛዕባ ምምስሳልን መሰልን ክተግሃሉ? እቲ ኣሰካፊ ሕልፈትና ድማ ወዮ’ቲ ንዓይን ከምዚ ከማይ ዝሃለኸን ዝጎሓፈ መራሒ ነዞም ተካእቲ ወለዶ ከጽንት ብዕድሎም ይጣላዕ ምህላዉ’ዩ።

ክብርቲ ቻንስሎር፡

ናይ ሽዑ ታሪኽ ምጥቃስ ዘድለየኒ ምኽንያት ከምቲ ዝጠቐስኩዎ ደጋጊምኩም ብከቢድ ወዲቕኩም ከምዝተሳእኩም መ ጠን ምኽንያቱን ስንብራቱን፡ ከምኡ’ውን መድሃኒቱን ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ንስኹም ጀርመናውያን ከምትፈልጥዎን ትርድእዎን ብምእማነይ ኢየ። “ደጊም ጀርመን ኣኺልዋ” ኣብ ዝተባህለሉ እዋን ህዝቢ ጀርመን ብዘደንቕ ውሕልነትን ጽ ንዓትን ተንሲኡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ከምሳልሳይ ዓለማዊ ሓይሊ በሪቑ ዓለማዊ ሚ ዛን ከስተኻኽል ምብቅዑ ንርእሱ ከም ተመኩሮ ናይ ተኣምራታዊ ተርእዮ ውድቀትን ትንሳኤን ክጽብጸብ ግቡእ ኢዩ።

ዝኾነ ኮይኑ “ስርዓት ናዚስኒ ኣይሁዳውያን ንምጽናትን ንብዓለማ ንምግዛእን ዓሊሙ ዓለማዊ ኲናታት ጻሕቲሩ። ስርዓት ህግደፍከ (J) ንኣመሪካን ወያነን ከም ጸላእቲ እናጠቐሰ ንመን ንምጽናትን ንምንታይ ዓላማን?” ክንብል ድማ ንግደ ድ። መልሱ ከኣ ንዓና ንተረከብቲ ብሩህ ኢዩ። ስርዓት ኢሳይያስ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ የጽንት’ኳ እንተሎ እቲ ብኣምሳል ኣይሁዳውያን ቀንዲ ካብ ሱሩ ክምሖን ክጸንትን ተመሪጹ ዘሎ ግና እቲ ዝበዝሐን ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝሕሰብ ን፡ ካብ ቅድም’ውን መታን ከይሰምርን ከይሕይልን ኣብ ክልተ ሃገራት ዝተመቕለን ህዝቢ ትግርኛ’ዩ። ስለምንታይ?

ስለምንታይነቱ ንምፍኣም ምናልባሽ ብዛዕባ’ቲ ወሪድና ዘሎ ተጻብኦ ገለ ምስጢር ዝመስሎም ወስ ከብልሲ፡ ንሕና ኤርት ራውያን ነቲ ዝተሓረመና መሰል ሃገርነት ብናይ 30 ዓመታት ዕጥቂ ብረት ከምዘምጻእናዮ ዓለም ትፈልጦ ኢያ። ግናስ በ ቲ ሓደ ከምተን ብኸምኡ ዝተዓወታ ሃገራት ናብቲ ዴሳዊ ደምበ ከይነምርሕ ስግኣት ብምንባሩ፡ በቲ ካልእ ገዛፍን ሓያል ን ሃገረ ትግርኛ ከይንምስርት ተሰጊኡ ስለዝነበረ’ዩ ኣብ እግሪ ተኽልና ኣብ ጠመተ ዝኣተና። ሓቁ ግና ንሕና መበቆላዊ መንነትን ነዚ ናይ ሎሚ ደሞክራሲ ዝፈጠረ ጥንታዊ ምሕደራዊ ፖለቲካን ስለዘለና ብዛዕባ ፍልስፍና ማሕበረ-ዴስነት ሓ ሲብናሉ’ኳ ኣይንፈልጥን። ንዕዑ ዝተተምነዮ’ሞ እዚ ከምድላዩ እናተገላበጠ ሎሚ’ውን ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ’ዩ።

ከምቲ ዝበልኩኺ ንሕና ኣብ ጎቦታት ሳሕል እንከለና ብዛዕባ ናይቲ ንተኽሎ ዓይነት መንግስቲ ዘዝመስለና ምርጫ ነይርና ኢዩ። ንኣብነት ናይ ውልቀይ ክዛረብ ምርጫይ ልክዕ ከምቲ ሃገረ-ጀርመን ንፍልስፍና ናይቶም ከምእኒ ማርክሰን ኤንግል ስን ዝኣመሰሉ “ብማኒፌስቶ ኮሙኒስት” ዝደመቑ ፈላስፋታትን ዓበይቲ ሰውራውያን ማሕበረ-ዴስነትን ደቀባታ ገዲፋ፡ ማሕበርነታዊ ዘይኮነስ ማሕበራዊ ናብራ ብዘውሕስ ቅዋም ባይቶኣዊ ሪፖብሊካዊ መንግስቲ ዝተኸለት፡ ንሕና ድማ ከም ኡ ዝዓይነቱ ስርዓት ክንተክል ዝነበረኒ ባህጊ ደረት ኣይነበሮን። እንተኾነ ምንዮትና ኣይሰመረን’ሞ ወዮ ኣብ 5/1991 ዝተ ረኽበ ናጽነት ድማ ልክዕ ከምተን ናይ ካልኦት ኣፍሪቃዊያን ሃገራት ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ ማለት 09/2001 ብገዛእ መራሒ

ኡ ስለ ዝተዓልወ እነና “ኣኸለ እምበኣር!” ብዘስምዕ ማይ ሓቚንና ተሪፍና።

ከም ሓቂ፡ እቶም ዝወዓልና ምስ ንሕጂ ክገልጾ ዘይደሊ ኩሉ ዓይነት ማሕለኻታት ክንሰግሮ ዘይከኣልና ፖለቲካዊ ዕዮ እ ዞም ህጻናት ደቅና ክገብርዎ ምጽባይ ዝሕለም ኣይምኾነን። እንተኾነስ ስለ’ቲ ነገር መበቆላዊ መንነት፡ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ባርነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጀሚርካ ንዝወረዶ ኩሉ ዓይነት ጥበብ ገዛእቲ ኢዱ ክህብ ኣይተራእየን። ንጽባሕ ክኸው ንን ክውፈን እንተኾይኑ ድማ ሂወቱ ሎሚ ከትርፋ ግድን ኮይንዎ ብዝኾነ ዋጋ (ክሳብ ኣካላቱ) እናከፈለ ሃገራዊ ሓጹርን ዓለማዊ ማሕለኻታትን ሰጊሩ ኣብ ብዓለሙ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ዓሲሉ ከብቅዕ እንሆ ከምቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ስ ደተኛታት ንሱ’ውን ሃገሩ እንተተመልሰ ጸገም ከምዘይብሉ ተጸብጺቡ ንምፍናዉ ምሽብሻብ ይግበር።

ቻንስሎር ኣንገላ ማርከል፡

ጠንቅን ሳዕቤንን ናይዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ልዕለይ ከምትፈልጢ እርዳኣኒ’ዩ። ብዛዕባ ናይ ካልኦት ገዲፈ ስለምንታይ መንእሰ ይና ይሃድም ከምዘሎ ብንጹር ንምድጋሙ፡ ኣባና ከምቲ ስርዓትና ከምስሎ ዝፍትን ህዝበይ ቁጠባዊ ጸገም ገጢምዎ ሰሪ ሑ ገንዘብ ከምጽእ ኣይኮነን ዝሃድም ዘሎ። ኣብ ሃገርና ቁጠባዊ ጸገም ዝበሃል ነገር ፈጺሙ ከምዘይብልና ከነጽር እፈቱ። ብፖለቲካዊ መዳይና’ውን መንግስትና ምስ ዓለወና ትምኒትና ስለዝበነነ ጠለብ መሰል ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዘይኮነ ብ ቀንዱ ጥሕሰት ሰባዊ መሰል’ዩ ህዝበይ ዘብርሮ ዘሎ። ነዚ ንጹርን ሓቅን ጸገም መንእሰይ ኤርትራ ዕሽሽ ብምባል እንተድ ኣ መንግስትኺ ብዘቑጸልጸለ ህግደፋዊ ፖሊሲ ተዓሽዩ ነቲ ዘዕርቐና ዘሎ ናይ ጥፍኣት ስርዓትና ክድግፍ ኮይኑ ግና ሕንቅ ል-ሕንቅሊተዩ ኣይበርሃልናን ጥራይ ዘይኮነ ሓደገኛን ብውጽኢቱ’ውን ማንም ከምዘይረብሕን ካብሕጁ ክፍለጥ ኣለዎ።

ዝኾነ ኮይኑ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ‘ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎስርዓት “ሃገራዊ መንነት የብሉን” ዝብል ናይ ሓባር መግለጺ’ዩ ዘለና ። ኣብ ከምዚ ኩነት ከምቲ ንስኹም ኣብ ጸገምኩም ዓለማዊ ቆላሕታ ዝደበሰኩም፡ ህዝብና ድማ ይጽበየኩም ከምዘሎ አ ዘኻኽር። ልክዕ ሰብ ሓላፊ’ዩ። ንሱ ትማሊ ዘይገበሮ ሃገራዊ ዕማም ዕዮገዛ ናይ’ዞም ሎሚ ዘለዉ’ዩ። ሎሚ ዝጎደለ ድማ ዕማም ናይ’ቶም ናይ ጽባሕ ከምዝኾነ መጠን ሃገርኩም ነዚ ጸሓዩ ጽባሕ ትበርቀሉ መንእሰይና ክሕግዝ ክቱር እትስፎ።

ከምዚ ዘብለኒ ዘሎ ምኽንያት ታሪኽ ኢዩ። ማለት ኣብ 2ይ ኲናታት ዓለም ሃገርኩም ምስተሳዕረት ሙሉኡ ሃብትኹምን ክኢላታትኩምን ናብቲ ዕዉት ኪዳን (ኣውራ ናብ ኣመሪካ) ከምተጎንኰ ታሪኽ ይጽብጽብ። ግናኸ ሰብኩም ኣብ ዝኸዶ ከይዱ ነቶም ኣዕቆብቲ ከምዝጠቐመ መጠን፡ ኣውራ ንሃገሩ ከምዝጠቐመ ድማ ይትረኽ’ዩ። ህዝበይ ግና ከምቲ ናትኩም ዕድል ኣይተዋህበን። ኣብ ሃገሩ ኣብ መዳጎኒ ሕቡሳት ተሓይሩ፡ ኣብ ወጻኢ ድማ ከም ኣብ ፈረንሳዊት ካላይስን ጐደናታ ት ጣልያንን ከምኡ’ውን ከም ኣብውሽጢ ጀርመን ዘሎ ካምቦታትን ተኾሚሩ እንሆ።

እዚ ብኽነት ውዑይ ሓይሊ ምዃኑ’ዩ። ዓላማ ዑቕባን ኢንተግረሽንን ምስንዝክር ብቀዳምነት ሂወት ስደተኛ ንምዕቃብን ጽባሕ ርእሱ ምእንቲ ክኽእል’ውን ኣካዳምያውን ሞያውን ትምህርቲ ክቐስምን ግቡእ ይመስለኒ። ከምዝዕዘቦ ዘለኹ ግና መንእሰይና ተኾሚሩ ክውዕል እንተዘይኮይኑ ክመሃር ኣይርአ ክሰርሕ! ንበል ንኣብነቱ ኣነ ብመደብ ኣብዚ ናይ ህንጸት ስ ራሓት ተካይድሉ ዘለኹም ህንጻታት ፍራንክፉርት ይዕዘብ ኢየ። ብዛዕባ ናይ ህንጸት ብቕዓትኩም ሓቅነቱ’ኳ እንተዘየረጋ ገጽኩ ድሃዩ ግን ኣለኒ። ንኣብነት ኣመሪካ በቲ ሓደ መረቕኩም ክትግስሞ እንከላ፡ በቲ ካልእ “ማርሻል ሎው” ብዝብል ውጥን ሕውየት ክትሕግዘኩም ስለዝወሰነት፡ ኣብ ሃገርና መዓስከራት ትድኩኖሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ከምእኒ ኣብ ኣስመ ራ ዘሎ “ቃኘው” ዝተባህለ መዓስከር ክትሰርሑ ኩንትራት ሂባትኩም ከምዝሃነጽኩም እሰምዕ። ሽዑ ዓለም እንዳነወርት ኩም ህዝቢ ኤርትራ ግዳ ብዛዕባኹም ብዙሕ ጸጽቡቑ ይዛረብ ነበረ። ንኣብነት ንጽንዓት ናይቲ ከዚፍ ዝኣፍንጫኡ ደርጋ ፍ ጫማኹም ንምድናቕ ኣብ ማእከል ሃገርና “ዶች (ዶጅ)” ዝበሃል መገልገል ጫማ ይስራሕ ነበረ። ከምዕላል’ውን ጀርመ ናውያን ኣብ ስራሕ ብዘለዎም ተገዳስነት ንምዕዛዝ ክሳብ ኣብ መገሻኹም’ውን ኣብ እርቡናለ ከይተረፈ ብዘይ ዝኾነ ፋዕ ራ ኮምብላስዮኒ ስለትለብሱ፡ ኣከዳድናን ኣመጋግባን ክንዲ ደቂ ጣልያን ከምዘይትዝምኑን ዘይትዳረጉን እሰምዕ ነይረ።

ብኡ ምኽንያት’የ ኣብ ህንጻታት ናይዛ ንላዕሊ ትሰፍሕ ዘላ ከተማ ፍራንክፉርት ዘቕልበሉ። ብሓቂ ድማ ልበይ በተን ከ ምዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ሓጸርቲ ዝነበረ ኣባይቲ ድቑስ-ድዕሙኽ ኣቢለን ተኣምራዊ ህንጻታት ዝሰርሓ ማሽነሪታት ምስ ተሰልበ ኢዩ። ከምቲ ዝውረ ኣብ ህንጸት ሃገርኩም ዝሕግዘኩም ኤርትራዊ ጉልበት ጠሊብኩም ንጉስ ሃይለስላሴ ከምተ ኻለፍኹም ሰሚዐ “ብኻ ሰብና ሽዑ ፈሊሱ” እብል። እብህጎ ድማ ዓደይ ብኸምዚ ዝርእዮ ዘለኹ ጥበብ ክትህነጸለይ!

ቀደምሲ ጉልበትሰብ እንተ በስገዳድ እንተ ብመሸጣ ግዒዙ ይሰርሕ ነይሩ። ሎሚ ግና ኣይከምቀደምን። እቲ ሞት ጠፊ ሑ ዝመጸኩም ውልዶ ሰብና በዚሑስ ኣይክመሃር ኣይክሰርሕ ኣብ ጎደናታት ተዓኒዱ እናወዓለ ክንሱ ንጽባሕ ዝኾኖ ክመ ሃርሲ ይትረፍ እኳድኣ በስገዳድ ተተገፊፉን ተሓኒቑን ናብታ ዝተበገሰላ ሃገረ-ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክድርገም ኢዩ።

እዚ ማለት ውጥን ናይቲ ኣቐዲሙ ረዲኤት ከምዘይደሊ ኣዊጁ ክንሱ ሎሚ ግና ህዝቡ ክቕበል ረዲኤት ዝጽበ ዘሎ ስር ዓት ተዓዊቱ ማለት’ዩ። እንተ ዘምጽኦ ፍታሕ’ሞ ወይከ! ንሕና ከም ህዝቢ ድማ እዚ ቀታሊና ስርዓት ብሂወትና ነጊዱ ሂወት ክዘርእ ኣይድላይናን ኢዩ’ሞ ኣስተውዕሊ ቻንስሎር ሃገረ-ጀርመን።

ክብርቲ መርከል፡ ምስጢር ናይዚ ኩሉ ውዲት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓይልታት ኣጻቢቦም ናብ ሓድሽ ዘይ ድላይና ውግእን ጽንተትን ንምድርጋምና ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ኣብከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሞትን ሕየትን ፈተናና መርገጺ መንግስትኺኸ እንታይኮን ይኸውን? እንተ ብወገነይ ማእለያ ዘይብሉ ዝበሃልን ዝሕተትን እናሃለወኒ፡ ንምሕጻሩ ኣብ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሓደጋ እዝጊ ከርእየክን ጸጽቡቑ ከሕስበክን እናተመነኹ፡ ብኣጋጣሚ’ዚ ድ ርብራብ በዓላት ናይ ውልቀይ መዘኻኸሪ ጥራይ ኣፍኢመ ክሓልፍ መሪጸ ኣለኹ።

ደጊመ እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመትን ሓድሽ ዕማምን ኣሰጋገረኪ!

ኣቶ ተስፋሚካኤል ኣብራሃ                                                                                                                   ካብ ፍራንክፉርት።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • goitom January 13, 2017

    kkkkkk blae zeybelwos tsbhuley yibil kkkk aye nasmeriwa chinketkin arigu hateftef adhibilkin moshamush kkkkkkk

POST A COMMENT