Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከም ወዲ ተምነዎ ኩሉ ዓቅሙ እንተዝሕጎም ታሪኽና ምሃብተመ

ከም ወዲ ተምነዎ ኩሉ ዓቅሙ እንተዝሕጎም ታሪኽና ምሃብተመ "ንምጽናት ሓደ ሕዝቢ፡ እቲ ዝቀለለን ዕውትን ብልሓት፡ ታሪኹ ከምዘይፈልጥ ምግባር እዩ።"  ጆርጅ ኦርወል ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ኤርትራውያን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ፡ ሎም ብመንጽር ትማል፡ ብኣወዳድብኡን፡ ብቁጽሪ ብዝሒ ተሰላፊ ኣብ ክሊ ደለይቲ

ከም ወዲ ተምነዎ ኩሉ ዓቅሙ እንተዝሕጎም ታሪኽና ምሃብተመ

“ንምጽናት ሓደ ሕዝቢ፡ እቲ ዝቀለለዕውትን ብልሓትታሪኹ ከምዘይፈልጥ ምግባር እዩ።  ጆርጅ ኦርወል

ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ኤርትራውያን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ፡ ሎም ብመንጽር ትማል፡ ብኣወዳድብኡን፡ ብቁጽሪ ብዝሒ ተሰላፊ ኣብ ክሊ ደለይቲ ለዊጢን: ኣብ ዝሓሸ ኹነታት ይርከብ። እቲ ምኽንያታት ብዙሕ እዩ። ንምትንታኑ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ዓንቀጽ ወይ ርእሰ-ጽሑፍ የድልዮ። መዓልቲ መጸ፡ ይመሓየሽን ይሕይልን ከምዘሎ ዘርእዩ መዐቀኒታት ብርኽት ዝበሉ’ኳ እንተኾኑ፡ ገለ ካብኣታቶም፡ ብፍላይ ድማኒ እቲ ኩሉ ወዲ-ዜጋ በቀሊሉ ዝርእዮምን ዝቅበሎምን ንምጥቃስ ኣሸጋሪ ኣይመስለንን።

ንኣብነት፡ ዘይከምትማል፡ ብዘይ ገለ ፍርሒ፡ ንኽፋእ ህግደፍ ዘቃልዑ፡ ንጸገም ህዝብናን ሃገርናን ዝገልጹ ጭርሖታት እናዘመሩ፡ ሓሽከት ደለይቲ ፍትሒ፡ ሆጭ ኢሎም፡ ዝሳተፍዎም ሰለማዊ ሰልፍታት ምርኣይ ልሙድ እናኾነ መጺኡ፤ ብርክት ዝበለ ኣኼባታት ህግደፍ፡ ኣብ ፈቀድኡ ተደፊሩ ጥራይ ዘይኮነስ ብምዑታት ተሓለቅቲ ፍትሒ ዕላማታቱ ከይሃረመ በርዒኑ፤ መዓጹ ኤምባስታት ህግደፍ በእጋር መንእሰያት ንለውጢ ተረጊሑን ጋህ ኢሉን፡ መንእስያት ደለይቲ ለውጢ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብኣፍደግኡ ከማን ክሓልፉ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ፡ ኣፍልቦም ነፊሖም ኣሽኮንዲሮምሉ፡ ዘድልዮም ዘረባታትን ሕቶታትን ድማ ኣቅሪቦምን ንኣሳእል ኣባ ጃዊ ህግደፍ ኣውሪዶም፡ ኣምሳያኡ ንግስነት ፍትሒ ዝጠልቡ ጽሑፋት ዝሓዙ ፖስተራቶም ለጢፎምሉ ወጺኦም። (ግደ ሓቂ መናድቅ  ቤቶም ከምቲ ዝመስሎም ሸላሊሞሞ ወጺኦመ ምባል ይሓይሽ ይኽውን።)እዚ ነቶም ኣብቲ ቤት-ጽሕፈታት ዝነበሩ ኣገልገልቱ ብሓፈሽኡ፡ ነቲ ስርዓት ድማኒ ብፍላይ፡ ዘሰምበደ ከምዝነበረ ኩልና ርኢናዮ።

ኣብርእሲ’ዚ ኣብ ፈቀድኡ እናዓዘዘ ዝኸይድ ዘሎ ምጥ’ርናፍን ውዳበን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ክጥቀስ’ውን ይከኣል። ትማል እምበኣር እዚ ኩሉ ኣይሕሰብን ነይሩ፤ ተዘይኮነ’ውን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ሙዃኑ’ዩ ርድኢት ብዙሓት ነይሩ።

እዚ ማለት ግን ሰማይ ደምበ ተቃውሞ፡ ብዙርያኡ ቀስተደመና ኣወቂብዎ’ሎ ማለት አይኮነን። በዙሕ ዝተረፈ ከም ዘሎ ምዝካር ከድል’ዩ። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ክሕተትን ክምለስን ዘለዎ ነጥቢ እምበኣር፡ ‘ወላ’ኳ ብዙሕ ዘሐብን ዕዮታት ተዓሚሙ እንተኾነ፡ ክንድቲ ዝግባእ ግን ተሰሪሑን ተሰጕሙን ዶ፧’ ዝብል’ዩ። ብዘይንሕስያን ብዘይምንሓፍን እቲ መልሲ ‘ኣይፋለን!’ እዩ። ንድሌትን ዓቅምን ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ሪኢኻ፡ ካብዚ ንላዕሊ ክስራሕን ክስጎምን ይከኣል ከምዝነበረ ዘካትዕ የብሉን።

ስምረት ወይ ሓድነት እቲ እንኮ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ዓወት ዘብጽሕ መንገዲ

እዚ ንኸርሰ-ማህጸን ሃገርና መንገኛ ኮይኑ ስቅያትን መከራን ኣጽጊቡዋ ዘሎ ዛንዳ፡ ምሒኻ ክንዮ ሓጹር ምድርባዩ ኣዝዩ ዘሸግር ኣምበይ ምኾነን። ምኽንያቱ ባዕሉ ንባዕሉ እናተበላልዐን እናተጠፋፍኣን፡ ናይ ገዛእ ዕምሩ እናሓደረ ዘሕጽር ዘሎ ዛንዳ ስለዝኾነ። ንእሽቶ ምንውናው ጥራይ’ያ ትኣኽሎ ዝነበረት። ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን፡ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም፡ ቀላጽሞም ኣሕቢሮም፡ ኣብ ሓደ ዓሲሎም ሓሕ እንተዝብሉስ ሓንቲ ለይቲ’ውን ኣይምሓደረን። ስምረት ኩሉ ደላይ ፍትሒ፡ ቀዳመይቲ ሕጽረት ዕምሪ  እዚ ዛንዳ’ዚ እተበስር ስጉሚ ሙዃናስ ንማንም ኣይሰወሮ ደኣ።

ዘይምህላው ስምረት፡ እዚ ዛንዳ’ዚ ግዜ ክዕድግን፡ ንግዚኡ ዘኺዶ ትንፋስ ክሶኩዕን ኣኽኢልዎ። ትልኽ እናበለ ድማ፡ ከም ወዮ ‘ኣፈሕርሱ ይከይድ ኣፈራሪሱ’ ዝብልኹም፡ ነዛ ሃገርን ነዚ ህዝብን ለኻኺሙ ንዕርበርቡ ክጠፍእ ስሕግ ይብል ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ትልሙ ዳርጋ ፈጺምዎ’ውን ይርከብ። ህዝቢ ተበታቲኑ፡ ሃገር ኣብ ደንደስ ጸድፊ ተንጠልጢላ’ላ። ነዚ ጌና ዘይተሰወጦን ዘይተኸሰተሉን ኤርትራዊ እነተሎ፡ ሓሻካ ጥራይ ኢኻ ትብሎ። ምስላ ኣበዋት ተቀይሩስ፡ ‘ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ዑና (ኤርትራ) ኣርእዮ’ ኮይኑ’ዩ ‘ቲ ነገር።

እዋኑ፡ እዋን ኣድሕን’ዩ፤ ምድሓን ሃገርን ህዝብን። እቲ ቃልሲ ኣንጻር ግዜ እውን’ዩ። ኩሉ ካልኣዊ ፍልልይ ወንዚፍና፡ ኣጀንዳና ባዕልና ሰሪዕና፡ ብሕብረት እንቃለሰሉ እዋን ሕጂ’ዩ። ሕጂ!። ‘ህዝቢ ምስ ሰመረ፡ ንህቢ ምስመዓረ፡ ይሃበካ እምበረ፡’ ከኸውን እቲ ነገር፡ ስምረት፡ ስምረት፡ ስምረት፡ ብዘይ ቅድመ-ኹነት።

 

 

ሓድሕድ ምንኽኻስ፡ ንቃልስና ‘ክልተ ስጉምታት ንቅድሚት ሓደ ስጉሚ ንድሕሪት’ ገይርዎ’ሎ

ካልእ ንደምበ ተቃውሞ ዝሓማምስ ዘሎ ሕማም ሑዱር፡ ሓድሕድ ምንኽኻስ’ዩ። እንተስ ብግርህና እንተስ ብቶንኮል፡ እንተስ ስኣን ልቦና እንተስ ብምሒር ጉርሒ፡ እንተስ ስኣን ኣፍልጦ እንተስ ውልቃውን ጸቢብን ረብሓታት ደሪኹዎም፡ ዝረብሕን ዘይረብሕን ካልኣዊ ፍልልያትን ውልቃዊ ቅርሕንትታትን እናምጽኡ፡ ኣብ ክነዲ መንገዲ’ርብዓ፡ ጓል-መንገዲ ሒዞም፡ ነዚ ደንበ ተቃውሞ፡ ከም ሽኵሹኳ ዝሓዞ፡ ዕንክሊል ዘብልዎ ብርክት ዝበሉ ቀየስቲ ‘ፖለቲከኛታት’ ቀንዲ ኣጋሞ ግስጋሰ ንለውጢ ኮይኖም ኣለው። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓመስቲ  ከሳብ ዝሃለዉ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ ነዛ ሃገር ሒዝዋ ንጸድፊ ሸለዉ ከይበለ ከነርክቦ ማለት ዘበት’ዩ።

ነቲ ንለውጢ ደው ኢሉን ተቀሪቡን፡ ለባማት መራሕቲ ክውለድሉ ሃረር ዝብል ዘሎ ክፋል ህዝብና፡ ከም ዝወላወልን ናብቲ ቃልሲ ንኸይጽንበር ኣጊምዎ ዘለዉ፡ ከምዚኦም ሰብ ሕማም ‘መራሕትን’ ዕሸላዊ ቁሩቁሶምን’ዮ። ዘሰክፍ ናይ ኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ዓሌትን ካልእን፡ ድሑርን ጽዩፍን ስምዒታትን፡ ውልቃዊ ናይ ስልጣን ጽምእታትን ዝተጎልበቡ፡ እሞ ኸኣ ልጓም ፈረስ-ተቃዉሞ ዓትዒቶም፡ ኣብ ክነዲ ንቅድሚት፡ ክሳብ ዓፍራ ዘውጽእ ሓኒቆም፡ ሕምብሊል ከምዝበል ዝገብሩ ዘለዉ ቀየስቲ’ዚ ፖለቲካዊ ቃልሲ ርእዩ፡ ባህሪሩ ዝሃደመን፡ ኣብ ክንዲ ኣበርክትኡ ዘዕዝዝ : ስግር ኮይኑ ተዓዛቢ ክኸውን ዝተቀሰበን ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ምስቲ፡ ህግደፍን ካልኦት ጸላእቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ መሳርዕን ስምረትን ተቃውሞን ህዝብን ክዳኸምን ክበታተንን፡ ዝኣልምዎን ዝዝርግሕዎን ዉዲታት ተደሚሩ፡ ብዙሕ ንመርከብ ለውጢ: ዕረ እናጠዓሞ: ኣብ ደንደስ ኮይኑ ክዕዘቦ ገዲዱዎ’ዩ። ዉዒሉ ሓዲሩ፡ ምሰ ግዜን ንቅሓትን፡ ኩሉ ንለውጢ ደዉ ክብል ሙዃኑ ዘይተርፍ እኳ እንተኾነ፡ ብመንጽር ግዜ ዝኽሰር ግን ፈላጢኡ ጥራይ’ዩ ዝፈልጦ።

እወ፡ ሕጂ’ውን እዚ ቃልሲ ንፍትሒ፡ ሓርነትን ደሞክራስን ካብቲ ዝደልዮ ንላዕሊ ክምርሽ ይኽእል’ዩ፤ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ድማ ብፍላይ፡ ኣሳብራ ወራዙትን ሓድሕድ ምክብባርን ብዘይዋዓል ሕደር ምስዝመሃሩ።

ብዙሕ ዘይቁቡል ቁሩቅስን ጸለመታትን ተዓዚብና። ሓድሕድ ምቁንጻብን ምንእኣስን ዳርጋ ዕለታዊ መግቢ ፖለቲካና ኮይኑ። ከም ዝጠመየ ሃዳኒ እንስሳ ዘገዳም ኩሉ ሳዕ ናይ ምዝልላፍን ምቅንጻልን ኣጽፍርትኻ ከም ቃርባይ ኣብሊሕካ፡ መልሓስካ ከም መንደፍ ተመን ቀሪብካ፡ ዝኽየዶ ፖለቲካዊ ባህሊ ንኹሉ ዒቅ ኢሉዎ’ዩ። ሕዝቢ ድማ ነዞም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሬት ሓድሕድ-ጸለመ እነናሻዕ ዝሕነብሱ ኽዒቡ ንኸዓባይ ሂብዎም’ዩ። ነዚ ምፍላጥ ከድልዮም’ዩ።

ንዘይትሰማማዓሉ ነገር ርእይቶኻ ምግላጽ ቁቡልን ክልመድን ዘለዎ’ዩ ፤ መሰል ኩሉ ከኣ’ዩ። ብቁኑዕ መንፈስን ብውርዝውናን ንዝገብሮ ድማ ክብረት የላብሶ፤ እነታይነት እትሰብ’ውን ይገልጽ። ብዘየገድስ፡ ክቡር መጠነ ነፍሱ የኽበረካ።

ሓሳቡ ነንዝገለጸ ሰብ (ብፍላይ ድማ ካብ ናትካ ሓሳባት ዝተፈልየ ምስ ዝኸውን፡) ንስለ ምቅዋሙ ምቅዋም፡ ብኣሉታ ምጥማትን ምንቃፍን ሕማም ጥራይ’ዩ። ሕማም ሕዱር፤ ንኹሉኻ ረማሚሱ ዘደቅስን ዝቀትልን ሕማም። ብፈላይ ድማ፡ ነቲ ሓሳባት ገዲፍካ፡ ነቲ በሃሊ፡ መንነቱን ሕሉፍ ተግባራቱን እናልዓልካ፡ ኣብ ምቅንጻል መንነት ምህውታት፡ ስነፍናኻ ምግላጽ ጥራይ’ዩ። ነቲ ሓሳባት ክትብድሆ ዘይምኽኣልካ ድማ’ዩ ዘብርህ።

ሰባት ከምቲ መልክዓቶም፡ ኣተሓሳስብኦም ዝተፈላለየ ከም ዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ፤ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን መርገጺን ክህልዎም መሰሎም ሙዃኑ ድማ ምፍላጥ የድሊ። ኩሉ ዜጋ ሓርነት ወይ መሰል ምግላጽ ናጻ ሓሳብን ዘረባን ኣለዎ። ንሰብ ስለምንታይ ከምቲ ናትካ ኣተሓሳስባን መርገጽን ዘይህልዎ ኢልካ ምሙጓት፡ ሒቅታ ዲክታቱርነት ጥራየ’ዩ። ሓደን ቀንድን ካብቲ መበገሲ ቃልሲ ኣንጻር ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እመበኣር እዚ’ዩ፤ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጠልኩም ስለ ዝበለና።

እቲ ዝገርም፡ 60 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስና ታረኽ ምስ ንውከስ፡ ኣቦታትናን ኣባሓጎታትናን ፍልልይ ርእይቶታቶም ብምክብባር ይገለጹ ምንባሮም ንርእይ። እዚ ድማ ምስኣቶም ተነጻጺርና፡ ከሳብ ክንደይ ድሑራትን ዘይሙዕቡላትን ምዃንና’ዩ ዘመስክር። ኣብ ዘለዉ’ልዮም ድማ ብኣታትና ይሓንኩ ሙዃኖምስ ዘጠራጥር የብሉን።

ልዕሊ ኹሉ ግን መዓናጡኻ ዝቀርጽ፡ ገለ ብዕድመ፡ ብተሞክሮ፡ ብትምህርቲ ብሱላት’ዮም ኢልካ እተጸበኻዮም ‘ዓበይቲ’ ሰባት፡ ኣብዚ ሕድሕድ ጸለመን ምጥቁቃስን ተሸሚሞም ክትዕዘብ ከለኻ’ዩ። እቶም ከም ዓይበት ክቅደዱ እትጽበዮም ገለ ዓበይቲ መራሕቲ፡ ከም ደቂ ማእምን…..ክትርእይ፡ ምጽኦታት’ዩ ዘብል። ንኻልእ ኣጸሊምካ ምጽእዳው፡ ወይ ውን ኻልእ ደዊንካ ክትበርህ ምፍታን ከም ስትራተጂያ ተታሒዙ ብብዙሓት። ነውሪ ድማ’ዩ። ከም ጻህያይ ካብ ባህሊና ተማሕዩ ክድርበ ድማ ጻዕርን ግዜን ክሓተና’ዩ፤ ካብ ሕጁ ክንጅምሮ ከኣ ይግባኣና።

ኣቶ ተስፋይ ግደ ኢሉ’ሎ፡ ሃየ ግደ በሉ

ሓደ ምሳሊኣዊን ህሉውን ኣብነት ሕድሕድ ምንኽኻስ፡ እዚ ለንቅነ ንዕዘቦ ዘለና ዘመተ ኣብ ልዕሊ ተቃላሳይ ተስፋይ ተምነዎ’ዩ።

ኣቶ ተስፋይ ተምነዎ፡ ዳርጋ ንዓመት ዝኸደ፡ ምስ ረድዮ ወጋሕታ ዝገበሮ ትረኻ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዳርጋ ዘይሰምዖ የለን እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ንህሓን፡ ህግሓኤን ንዝምልከት፡ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ዝተፈልየ፡ ሰፊሕን ዓሚዩቅን ትንተና፡ ምናልባት እቲ ናይ መጀመርያ ሙኻኑ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ናብ ሓውሲ ባህሊ ዝማዕበለ፡ ከም ነውሪ (taboo) እተወስደ ምዝራብ እትፈልጦ ታሪኽ፡ ኣብ ምስባሩ ፈላሚ ይገብሮ።  ተቃላሳይ ተስፋይ ነዚ ተጨራሪሙ ኽንገር ዝጸንሐ ታሪኽ፡ ውልቀሰባት ብድፍረት እቲ ዝፈልጥዎ፡ ብተዛማዲ ብከምዚ ስፍሕ ዝበለ ኣገባብ ከዘንትውዎ ከምዝከኣል ኣርእዩና። ነዚ ድማ ብዘይ ቀልዓለም ሞሳ ይግብኦ። ነቲ ብህግደፍ ተገቢቱ ዝጸንሐ ምዝንታው ታሪኽ መንዚዑ ናይ ህዝቢ ገይርዎ። ህዝቢ ብዙሕ ተሓቢእዎ ዝነበረ ‘ሓቂታት’ ድማ ፈሊጡ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ብኽልቲኡ ውድባት ዝተገብረ ኩሉ ጽቡቅን ሕማቅን ታሪኽ ብደንቢ ስለዘይተነግረን ስለዘይተሰነደን መንእሰይ ወለዶ ብዛዕብኡ ዓሚዩቅ ፍልጠት ኣየጸንሖን። ትረኻ ኣቶ ተስፋይ እምበኣር ነዚ ሕጸረት በመጠኑ እትፍዉስ ህያብ መንእሰያት ድማ’ያ። ብመጽሓፍ ተሓቲሙ ክወጽእ ድማ ተስፋ ኩሉ እዩ። ግደ ሓቂ እቲ ተበግሶ ኣልፋ’ዩ፡ ኦሜጋ ከይኸውን ግን ምስዓብ ካልኦት ከድልይ’ዩ።

እዚ ማለት ግን ብምንም ተኣምር ኩሉ ትረኻ ተቃላሳይ ወዲ ተምነዎ ወሃ ዘበለ’ዩ ንምባል ኣይኮነን። ከምቲ ንሱ ዝብሎ፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ገለ ፍጻመታት ብጌጋ ተተሪኾም ኽኾኑ ይኸእሉ’ዮም። እዚ ድማ ብሓገዝ ኣብቲ ፍጻመ ዝወዓሉ ሰባት እናተኣረመ እቲ ትረኻ ክህብትም ይኽእል’ዩ። ምስ ገለ ሓቅነት ወይ ጭብጥታትን ነጥብታትን ክፋላትን ናይቲ ትረኻ ዘይሰማምዑ ወገናት ክህልዉ ባህርያዊ’ዩ። ኣረኣእያ ደቂ ሰባት ብድሕረ ባይትኦም፡ ትምህርቶም፡ ኣተዓባብይኦም ወ.ዘ.ተ. ስለዝጽለው። ሓደ ሓረስታይን ሓደ ሙሁሩን ንሓደ ሰውራ ብሓደ ዓይኒ ክጥምትዎን ብሓደ ኣተሓሳስባ ክርእይዎን ምድላይ የዋህነት ጥራይ’ዩ። ዋላ ክልተ፡ ሓደ ሙሁራት ወይ ሓረስቶት’ውን ሓደ አራእያ ክህልዎም ኣይክእልን። ንኻልእ ሰብ ንነገራት ስለምንታይ ብናተይ የዒንቲ ዘይራኣዮ ወይ ከምናተይ ዘየስተማቀሮም ምባል ዘይክውንነታዊ’ዩ። ሮቦታት ጥራይ’ዮም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ። ስለዚ ድማ’ዩ ታሪኽ ሓንሳብ ተጻሒፉ ዘይዓርፍ። ብዛዕባ ታሪኽ ካልኣይ ውግእ ዓለምና ኣእላፍ መጻሕፍቲ ተጻሒፎም። ብዛዕባ ሂትለርን ቸርችልን ዝተፈላለዩ ኣማኢት መጻሕፍቲ ተሓቲሞም፤ ሕጂ’ውን በብእዋኑ ይሕተሙ’ለዉ። እዚ እኹል ኣብነት’ዩ።

ነዚ ፈሊጥና እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተፈጸመ ኩሉ- እወታዊኡን ኣሉታዊኡን- ታሪኽና ሙኻኑ ፈሊጥና፡ ነቲ ዘይፈልጥ ከም ዝፈልጦ ክንገብርን፡ ናብ መጻኢ ወለዶታት ከነማሓላልፍን ከም ሓልፋነትን ግዴታን ከውሰድ ዝግባእ፡  ብፍላይ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብኡ ዝዋዓሉ። እቲ ምኽንያት ቀሊል’ዩ፤ ታሪኽ ሰውራና፡ ነዚ ኤርትራዊ መንነት፡ ሓደ ዓቢ ክፋሉን መግለጺኡን ስለዝኾነ። ከም ወዩ ብዙሓት ፈላጣት ዝብልዎ’ውን፡ ንመጻኢና ክንቅልስ፡ ሕሉፍና ክንፈልጥ የድልየና። ነዚ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ’ውን ሓደን እኹልን መግልጺ ክህበና ዝኽእል ፍልጠት ታሪኽ ሰውራና እዩ። ተሸፋፊኑ ስለዝኸደ፡ ተጨራሪሙ ስለ ተዋህበን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብዙሕ ምድንጋራትን ብዙሕ ጌጋ ርድኢታትን ፈጢሩ’ዩ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትና። ነዚ ንምዕራይ እቲ ግዜ ዝኣኸለ ይመስል።  ኣብቲ ታሪኽ ዝወዓልኩም፡ ብዝዋሓደ ከም ናይ አቶ ተስፋይ ክትውከፉ፡ ታሪኽን ህዝብን ብሃረርታ ይጽበየኩም።

ሓደ ሰብ ትረኻ ኣቶ ተስፋይ ምስ ዘይሰማማዕ፡ ምኽንያታቱ ጠቂሱን፡ ንሱ ዝፈልጦን ዝኣምነሉን ሓቅታት እዝን እዝን ኢዩ ኢሉ ምስ ዝዝርዝር፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽና ዓቢ ሓገዝ ይኸውን። ርእይትኡ ግን ሰባት ብዘይ ምዝንጣልን ብዘይ ምቅንጻልን ክገብሮ ከም ዘለዎ ምዝኽኻር የድሊ። ታሪኽ ንሓደ ኣይቀርቦ ንሓደ ኣይርሕቆ። ኩላትና እንፈልጦ በብዝርድኣና ምስ እንጽሕፎን እንቀርጾን፡ ንህዝቢ ውን ምስ እንዝርግሖን ድማ፡ ህዝቢ ንኹሉ ኣንቢቡ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ መምዘኒ ምመዘኖን ዘድልዮ ድማኒ ምወሰደን። ህግደፍ ንህዝቢ ‘ኣነ እየ ዝፈልጠልካ፡ ኣነ ዝበልኩኻ ስማዕ!’ ስለዝበለ እንሆ ኣብዚ ሽግር ተሸሚምና ንርከብ። ኣብዚ ተቃዉሞ ደምበ እምብኣር ንእሽቶ ህግደፍ ኣየድልን። እዛ ንእሽቶ ኤርትራና፡ ኣነ’የ ዝፈልጠልካ ዝብል ‘ቦኽሪ ሓው’ (big brother) እንተበዝሓስ ኣይጡዑምን። ኩላትናስ ማዕረ ድኣ።

ኣቶ ኣሕፈሮም ገብረማርያም፡ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታን ካልኦትን ኣብቲ ብተስፋይ ተምነዎ ዝተረኾ ታሪኽ ርእይትኦም ከምዝገለጹ ኩላህና ተገንዚብና’ሎና። ኣዝዩ ሃናጽን ንገለ ጌጋታት ዘቅንዕ ነጥብታት ምሃቦም ድማ ነቲ ታሪኽ መሊሱ ኣሃብቲምዎ።

ይዅን እምበር ኣብ ገለ እዋን ግና ኣብ ክንዲ ነቲ ብኣቶ ተስፋይ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት ጌጋ ሙኻኑ ኣርኢኻ፡ እቲ ቁኑዕ እትብሎ ንህዝቢ ዝንገር፡ ንሃገራውነትን ዕላማታትን ተራኺ ኣብ ሕቶ ምልክት እናእተኻ ሸንኮለል ምባልስ ቁኑዕ ኮይኑ ኣይተሰማዓንን። ንህዝቢ፡ ‘ትረኻ ኣቶ ተስፋይ ሓቅነት የብሉን እሞ ኣይትስምዓዮ፡’ ዝቃንኡ ዘረባ ምስ ሰማዕኩስ ኣብዚ ደንበ ተቃውም ንእሽቶ ኢሰያስ ከዓኩኽ ተራእዩኒ። እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ኣተሓሳስባ ህግደፍ፡ ከም ዕፋፈት ተመን ገፊፍና ካብ ነብስና ክንስድዎ ግዚኡ ይመስለኒ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ታሪኽ ክጽሕፍ ዓቅሚ፡ ክእለትን ፍልጠትን ኣለኒ ንዝብል ሰብ፡ መዛኒኡ ህዝቢ ክኸውን ምግዳፉ እዩ። ደሓር ከኣ ታሪኽ፡ ብፍላይ ድማኒ ከምዚ ናህና ሕልኽላኽ ዝበዝሖ፡ በሓደ ኣርኣእያ ክምዘን ዝካኣል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማዩ ‘ታሪኽ’ ኢልና ንጽዉዖ። ታሪኽ ወይ ክፋል ታሪኽ ካብ ሰባት ናብ ሰባትን ካብ ግዜ ናብ ግዜን ክፋላለይ ዝኽእል ሙኻኑ ምልላይን ምቅባልን ከድልየና እዩ።

ምስናይ ኣኽብሮቱ እምበኣር፡ ካብ ሰብ ምስ ተዛረበን ምስ ተረኸን ኣኣርኪብካ ምኹርማጁ፡ ኩሉኹም፡ ብውሑዱ፡ ንታሪኽ ምስ ኣሰላልፋን ኣበርክቶን ናታትኩም ኣተኣሳሲርኩም ንህዝቢ እንተትነግርዎ፡ ክንደይ ኮን ምጠቀመ። ጽባሕ ንግሆ ውን ክንደይ ምኸበርኹም። ዕድመ ኣብ ዘለዎ ደው ኣይብልን፡ ሽበት ‘ውን ትም ኢሉ ኣይመጽእን። እቲ ዝሓለፍኩሞ መስገደልን መውጋእትን ቀሊል ኣይኮነን። ሕማቅ ንምምናይ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ሞት ዓርክኻ ሞት ግደኻዩ’ሞ፡ እቲ ትፈልጥዎ ታሪኽ፡ ጽቡቁ ሕማቁ፡ ንመጻኢ ወለዶ እተማሓላልፍዎ እዋን ሕጂ መስለኒ። እዚ ምስትገብሩ ዓቢ ሃገራዊ ክብር ኣብቲ ልዕሊ ክብርኹዎ ከዉስኸልኩም’ዩ። ታሪኽ ሰሪሕኩም፡ ከለኹም ተዘይጸሓፍኩሞን ተዘይተረኽኩሞን ግን ተረሲዑ ዳርጋ ዘይተሰርሐ ኮይኑ ከይተርፍስ ሕሰቡሉ ደኣ።

ከምዚ ክብል ከለኹ ግና ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ውሑዳ ሰባት ጥራይ ማለተይ ከምዘይ ሙኻነይ ኣንባቢ ክትርድኣለይ ይፍቱ። ኩሎም እቶም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ክልቲኣን ውድባት፡ ዝተሳተፉ፡ ብፋላይ ድማኒ እቶም ዓቢ ተራን ጽልዋን ዝነበሮም ሰባት፡ ታሪኽ ንወለዶታት ከሰጋግሩ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ሙኻኑ ምስናይ ኣኽብሮት ደጊመ ከዘኻኽር ይደሊ። ሕጂ’ውን ደጊመ፡ መጻኢና ክንፈልጥ፡ ሕሉፍ ታሪኽና ምፍላጥ ከድልየና’ዩ፡ እናበልኵ ከስምር እደሊ። ወ ደሓነኩም።

ሰነ 2013

ካብ ዘይቀሰነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • Bereket June 8, 2013

    I hope Tesfay Temen will have nightmares when he listen to Tsehaytu Beraki song. What a lie. Amanuel Keshi you are a hero. Don’t you worry , have peace. No one will believe Tesfay Temen. From now on Every one will remember you when they listen to Tsehaytu Beraki song. Thanks Adhanom.

  • Selam June 8, 2013

    Tesfay temno story is make-believe story. What a Crime. When the time comes he will have his day in the court . Then we will see if radio Wegahta will tell his story. Does he think that those who have been there will keep quit. Doesn’t he know that the truth always prevail.

  • Daniel June 8, 2013

    Thanks Tegadalay Adhanom . I hope and pray that the deliberate and poisonous intention of Tesfay Temno is exposed. Tesfay Temno is distructing us from fighting HIGDEF. His sole aim is to divide the opposition that i getting stronger with his divisive and untrue story .

    Daniel

  • A.Salim June 8, 2013

    Temnewo is a talkative coward.

  • belay nega June 8, 2013

    Ghenet

    “BANDITS!!AND WIL ALWAYS BE BANDITS IN OUR HISTORY”

    Tesfay Temnewo’s playing ground has nothing to do with Eritrean history.
    I am sorry to say it but you are being hijacked.

    • Ghenet June 10, 2013

      Belay,
      I do not think you are sorry because I do not believe you are capable of feeling sorry for any one.
      But still, our story will be the story of our fallen heroes and how they were betrayed from beginning to end. What is the truth? time will tell and is telling. Who thought that someone like Tesfay would come forward and tell us his experience and perspective of Gedli. I hope many more Tesfy temnewo’s will come forward and fill in the gaps so that we would know how and why we are where we are.

  • belay nega June 11, 2013

    Ghenet

    Stop being double standard,if your history will be the story of the fallen heroes who fall while they were performing the order given to them from the leadership,immediately your history will be the story of E.P.L.F leadership.
    If you want know about the truth do not wait for time,here is the truth:
    In 1961 we made a hard choice
    In 1970 the realistic elites follow better way to achieve the Eritreans dream,and whatever happened during that period is justifiable.
    The easiest way of making more like Tesfay is,looking for a hopeless and address less[wata] like him, and tell him the to repeat your songs.
    Last but not least we are where we are because of Ethiopians conspiracy.

POST A COMMENT