Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኩሉ ትፈልጦ ካብ ምዝራብ፤ ትዛረቦ ምፍላጥ እምረጽ፤ እብሉ ለባማት፤

ናይ ታሪኽ ተምራመርቲ፤ ታሪኽ ክስነድ ወይ ክጸሓፍ ከሎ ንጸሓፊኡ እመስል እብሉዎ፤ እቲ ምንታይ’ሲ ተረኽቲ ንፍጻሜታት ብኣካል ተኻፈልቲ ኮይኖም ነቲ ዝተዓዘብዎ ብድሩት ተረድኦታቶም እገልጽዎ፤ ገሊኡ ድማ ንነገራት ናይ ምዝማድ ዓቕሚ ስለ ዘሎዎም ባዕላውን ውድዓውን ኩነታት ኣዛሚዶም

ናይ ታሪኽ ተምራመርቲ፤ ታሪኽ ክስነድ ወይ ክጸሓፍ ከሎ ንጸሓፊኡ እመስል እብሉዎ፤ እቲ ምንታይ’ሲ ተረኽቲ ንፍጻሜታት ብኣካል ተኻፈልቲ ኮይኖም ነቲ ዝተዓዘብዎ ብድሩት ተረድኦታቶም እገልጽዎ፤ ገሊኡ ድማ ንነገራት ናይ ምዝማድ ዓቕሚ ስለ ዘሎዎም ባዕላውን ውድዓውን ኩነታት ኣዛሚዶም እስንድዎ. ፤ ወይ ድማ ኮነ ኢልካ ታሪኽ ጠምዚዝካ ንረብሓኻ ከም ዝውዕል እግበረ እዩ ንምሳሌ ይትረፍዶ መሰረታዊ ሕቶ መግዛእቲ ኤርትራስ ኣብ ግዜ ገድሊ ንሓንቲ ናይ ሰላም ዘተ ከም ፍጻሜ መጠን ብወገን ኤሪትራን ኢትዮጵያን ሓንቲ ዝዓይነታ ታሪኽ ተጻሒፉ ኣይትፈልጥን፤ ምኽንያቱ ንሕና ንረብሓና ንሶም ንረብሖኦም ከምዘገልግል ንጥቀመሉ ኔርና፤ ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ካልኣይ ኹናት ዓለም ብጀርመናውያን ዝተጻሕፈን ብናይ  ሓይልታት ኪዳን ዝተጻሕፈን እንተረኣና ፤ ክሳብ ሕጂ ብኣየርላንዳውያንን ብእንግሊዛውያንን ናይ 800 ዓመታት መግዛእቲ ታሪኸ ብዙሓት መጻሕፍቲ ተጻሒፎም  ሓደ መሲሉ ግን ኣይፈልጥን፤

ኣብ ቀንዲ ሓሳበይ ቅድሚ ምእታወይ ከስምረሎም ዝደሊዮም ቀንዲ ነጥብታት፤ ኣብዚ ታኣፋፊ ግዜ  መንእሰያትና ብጎዲም ካራ ኮላሊቶም ተጠቢሑ ከም መቐያየሪ ኣቐሑ ተፈታቲጎም ናይ ደቒኣንስተዮ ዶስ ደቒተባዕትዮ ተሰምዩ፤ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኽንሽየጥ ሓሲርናሉ ዘሎና ሰዓታት፤

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብዘይ ኣፋላላይ ዓበይቲ ንኣሽቱ፤ ተባዕታይ ኣንስታይ ከይበለ ሃገር ንምጽናት፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ብርሃን ዘምጽኡ ጀጋኑ ከም ወኻሩ ኣብ ጎዳጉዲ ብርሃን ዓለም ተሓሪሞም፤ቂም ዝበለት ድመጺ ናይ ሓርነት ብስራት ደኾን ትኾውን ክብሉ ቂምታ ደቓይቕ ክቖጽሩ ዝነብሩ እሞ ድማ  ከም ተላጋቢ ሕማም ደወየ ዝሓዞም  ካብ ሕብረተሰቦም  በዚ ኣራዊት ዝኾነ ስርዓት ተሰዊሮምሉ ኣብ ዘሎውሉ ግዜ፤

ብዓባያ ሃገር ድማ ምሉእ ሕብረተሰብ ሒዛ ፤ በዚ ገስረጥ ዝኾነ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ቐረባን ርሑቕን ቑጠባዊ ትልሚ ዘይብላን፤ቑጠባዊ ምሕደራ ድኻን ዓሊ ቦርኮ ተቐይራ፤ ብድኽነት ቑጠባን፤ ብድኽነት ፍትሒ፤ ብድኽነት ፍልጠት፤ ድኽነት ጥዕና፤ ወዘተ ድኽነታት ተሸሚማ ጭራ ዓለም ኣብ ተሰሪዓትሉ ዘላ ግዜ፤

ኣብዚ ዝሓለፈ መንፈቕ ብተሰፋይ ተምንዎ ዝተገብረ ሓተታ ታሪኽ ሕይወቱ ኣብ ሰውራ ሕዝባዊ ግንባርን ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ውድብን ብዙሓት ዝተኸታተልዮ እመስለኒ ግን ስዒቡ ንሰምዖ ዘሎና፤ ንዓባ ግጠምኒ ዶስ ፤ ኣንታ ሓሳዊ ዶሰ እንታይ ዶሰ፤ ኣብ ታባ እከለ ፤ ስንጭሮ ጛል እከለ ፤ ከምዚ ተባህለዶስ ከምዚ ተገብረ ዝብሉ ኣብ መራኸቢ ሕዝቢ ኽደጋገም ንሰምዖ ኣሎና፤

ኣንቱም ገዳይም ተጋደልቲ  እንታይ ኢኹም  ነዚ መንእሰይ ከተስምዕዎን ከተመሓላላፈሉን ትደልዩ ዘሎኹም መልእኽቲ ፤ ወይስ ዓቕምኹም ንሱ ኮይኑ ሽውሃት ንምዝራብ ዝፈጥር ባይታ ተረኺቡ ከም ብተይ ኸረምቲ ኽትነጥሩ ፤ ነዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ሀገርና ምግጣሙን ማዓረ ማዕሪኡ ምስጛም ስለ ዝተሳእነ ድዩ፤ ወይስ ንሸመዋ ህቡብነት ዝካድ ዘሎ ውድድር እዩ፤  ? ? ? ? ? ?

ምትእርራምና ከም መስሓሊና ክንወስዶ ባህሪያት ሽግርና ዝቐስበና እኻ እንተኾነ እቲ ናህርን ንዳረን ዘለፋን ዝተሓወሶ ናይ ኣታኣራርማና ሜላ ግን ኣይግድን፤ ኣንጻር ኢሳያስ ብኸምዚ ዓይነት ናህርን ንዳረን ዘለፋን ካብዞም ነቐፍቲ ክሳብ ሎሚ ኣይሰማዕኩን፤  ሓደሓደ ከም ንምእራም ኢሎም ዝጥቀሱ ዘሎዉ ሓረጋት ብጌጋ ምርዳእ ሓሳባት ዘይትርጉሞም ክልብሱ ንዕዘብ እውን ኣሎና፤ካብ ታሕዋሕ ምንቃፍ ንስለምንቃፍ እመስል ፤ንምኻኑ’ኸ እቲ ብወገንኩም ከም ከኒና ብደገፍ ማይ ከተውሕጡኑና ትደልይዎ ዘሎኹም ታሪኽ ከኒ ሐቕነቱ ብምንታይ ኢና ከነረጋግጾ፤ እዚ ዘዘንተወኩሙለና ታሪኽ ሓሶት ዝበሉ ተመጹ’ኸ ኣይፋለኩምን ክትብሉ ናብ ሓደ  ዒንኪላከሎን ሓሸወየን ኣቲኹም ኣገባብ ቓልስኹም ምእራም ንስለ ምእራም ታሪኽ ከይቅየር እሞ ፡ መኸተን ቓልስን  ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ናይምድኻም ተራ ኣብዚ መንእሰይ ወለዶ ከይጻወት በሊሕ ጥነቃቐ ዝሐትት እዩ ፤፤ ታሪኽ ንክኢላታቱ ሰነድቲ ታሪኸ ንሕደጎ ንግዚኡ፤

ኣንቱም ኣብ ሰላማዊትን ሓራን ኤርትራ ተረበሕቲ ዝኾንኩም ኣብ ቃልሲ ተዋፊረኩም ዘሎኹም ደቒ ሃገረ ኤሪትራ፤ ቃናኹም ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ከም ዝሳነ ጌርኩም ቓንይዎ፤ ኣብኡ ኢኹም ድማ ፍረ ቓልስኹም ትረኽብዎን ፤ከም ተቓለስቲ ድማ ብሚዛን ተቓለሰቲ  ትምዘኑን፤

ኣነ ካብ ታሪኽ ኣይንመሃርን ኢና ዝብል ሰረተ መጎት የብለይን፤ሓልዮትኩም እውን ሓለዮት ሃገር ዘበገሶ ምኻኑ ኣይዘንጋዕኩዎን፤  ግን መንገዲ ጫሌዳ ትሕዙ ኣሎኩም፤ ከይተረደኣኩም ንኢሳያስን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሳልሳይ እግሪ ትኾኑዎ ኣሎኹም፤

 

መንእሰይ ወለዶ ኤሪትራ ምእንቲ ስብኣዊ መሰሉን ክብሩን  ኣንጻር እዚ ገባቲ ስርዓት ኣትሪሩ ንክምክት ዘኽእል መሪር ተሞክሮ እኹልን ትሩፍን ኣሎዎ፤ ኣንቱም ሕደጉ በዳዊን ስብ እሓረዱ እዮም፤ ብሓይሊ ጾታ ከይፈለዩ እጋሰሱ እዮም፤ ተባሂሎም፤  ተመኺሮም ኣይፋልናን ካብዚ ሕሰም እዚ ኣጻምእ ሰሃራ እቕተለኒ፤ ሻርክታት ባሕሪ እውሓጡኒ፤ ዝወረደ እውረደኒ ካብዚ ሕሰም እዚ ዝኸፍእ የሎን፤ንዝበሉ ምንእሰያት ሕሰማካ ጌና እኹል ኣይኮነን፤ ኢልኩም ዲኹም ኣንጻር ኢሳያስ ንከተዕጥቕዎ ታሪኽ ልዕሊ 35 ዓመታት ዘሕለፈ  ምትህልላቕ ውደባትን ተነኮላት ኢሳያስን ልዕሊ መሪር እዋናዊ ተሞክርኡ መዚንኩም ናይ ቓላሲ ሸውሃቱ ሰማይ ከተዕርግዎ ዲኹም ቱታ ትብሉ ዘሎኹም፤ ዓ ገ ብ፤

ጌና ተቓለሰቲ ኢና ዘሎና ዓቕሚ ኣሎና ክንመርሕ ንኽእል ኢና ካብ በልኩም፤ ሃምኹምን ቀልብኹምን ናብዚ ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ኣቶኹሩ ገጹ ናብ ሃገር ከምዘማዕዱ ድኣ ግበረዎ እንበር፤ በዚ ከም ተዋሰኦ በዓል ጀንደ ግደፍዮ ኣብዚ ረኺበ ኣሎኹ ዝበለታ ንጛላ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ናይ ቓልሲ ስትራቲጂ  ሓንቲ ስጉምቲ ንቕድሚት ክልተ ስጉምቲ ንድሕሪት  ዝማርሽኣ መኪና ሒዝካ መንእሰያት ደቒ ሃገር ገጾም ዘይኮነስ ዝባኖም ኢዮም ንሃገር ኽህብዋ ፤

ሰዓቱ ሰዓት ጉደለታትካ ኣሪምካ ምስ ኩነታት 21 ክፍለ ዘመን ዝኸይድ ናይ ቓልሲ ስትራተጂ ሓነጺጽካ ዝምረሸሉ እንበር ኣብ ግዜ ውቤ ዝተደርፈት ድረፊ ክትደርፍ ምንባር ኣብ ለውጢ ዘይምእማንን ምስ ግዜ ናይ ምጉዓዝ ዘይብቕዓትካ ዘብርህ ስለዝኾነ  ደኺም ቓለሲ ተረከብዎ ምባል፤ዓቢ ልቦና  እዩ ፤ ማንዴላ ምሕረት ስለዝገበረ ጥራሕ ኣይኮነን ክብረቱ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ፤ ደኺመ ካብዚ ንንየው ጎበዝ እቀበለኒ ስልጣን ዝበለ ኣፍሪቓዊ መራሒ ስለዝኾነ እዩ; ፍቕሪ ህዝቡን ሃገሩ ስለዘሎዎ ምዕቡል ህዝብን ምዕብለቲ ሃገርን ክርኢ ተመንዩ፤ ኣነ ኣብዚ ዕድመይ ኣብ ጎደና ምዕባለ  ማዕረ ግዜ ክውንጨፍ ክጎይይ ስለዘይክእል ኣብ ዝመጽእ ንካልኣይ ግዜ ምርጫ ኣይሳተፍን ስለዝበለ እዩ፤

ስለዚ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ገዳይም ተጋደልቲን ሃገርና ድማ ሰዓትኩም ርኣይዋ ካብ ለባማት ኣፍቀርቲ ሃገሮም፤ ፍቕሪ ሃገረካ መገዲ ሐንቲ ቀጣን ፈትሊ ኬድካ ዘይኮነስ ብብዙሕ መገዲ ከም ዝግለጽ ተማሃሩ፤ ስለጣንን ሓላፍነትን ንብረት ህዝቢ ስለዘረኾነ ብድልየተን ውሳነን ህዝቢ ድማ ኣብ ህዝቢ እዘውር፤ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ድማ መምስግዚኡ ዝዋናጨፉ በለሕቲ እርከቡ፤

ኣብቲ ልቦናኹም ልቦና ተተወሰኾ ስለ ዘይጛዳእ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ታሪኽ ኩለን ስድራቤታት ኤረትራ ደኣ እንበር ብተጋደልቲ ነበር ጥራሕ ዝውነን ንብረት ውሱናት ሰባት ኮይኑ ንሶም ጥራሕ ዝፈልጥዎ ኣይኮነን፤ ሓንቲ ፍልይቲ ፈጻመ ኩሉ እኻ ተዘይፈለጣ እቲ ድምር እኩብ ፍጻመታት ግን ካብቲ ታሪኽ ዝሰረሐ ህዝቢ እዩ ዝርከብ፤ ስለዚ ንኩላትና ታሪኽ ገድልና ጽቡቑን ሕማቑን ንኹልና ብማዕረ እብጻሃና ተተጠምዘዘ ድማ ንኹላትና በማዕረ የሕማና ፤ ዋላ ኣብ ገለ ፍጻመታት ብኣካል ተነበርኩሞ ኣካል ናይ ታሪኽ ገድሊ ኤሪትራ ድኣ እንበር ውልቃዊ ታሪኽ ወይ ዝና ክትገብሩ ኢልኩም ካብ ገዛ ስለተጸንበርኩሞ ታሪኽኩም ንብረት ህዝቢ እዩ፤ ከም ጉግጛዱ ዝተቶኽቶኸ ዕኮት ነዲርካ ምጥቃዕ ግን ኣይሰዓቱን፤

ልቢ ምዕባይን፡ ቐዳማይናን ኻልኣይን ሽግርና ፈላሊና ምርኣይ ፤ምልክት ብስለት እዩ፤

ተስፋዓለም ተኪአ

08/07/13

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Teklu July 9, 2013

    Btaemi sibuQ thzto. Asehahfa gn aygdn. bzuH zere neruka. kem jemaray gn btaemi xbuQ.

    • Tesfalem July 13, 2013

      ኽቡር ሓው ተኽሉ ከምቲ ዝበለካዮ ብጣዕሚ በዝሕ ናይ ቓላት ኣጻሕፋ ጌጋታት ኣነ እውን ተመሊሰ ተነበብኩዎ ረኺበ የቐንየለይ ምእራመካ

  • Tekle July 11, 2013

    Bravo Tesfaalem! Zeleka tewekef , zeyblka aytissekef. Keep up the good work, dear brother!

Post a Reply to Tekle Cancel Reply