Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኪንቲት ንረዘንቲ

ኪንቲት ንረዘንቲ ብመኽንያት ዝኽሪ ጀጋኑ   20 መጋቢት ዝኽሪ ጀጋኑ ሎምዓንቲ፡ ሕድሪ ዝጠለሙ ኣኪቦም ቀበርቲ፡ ኪንቲት ኣልዒሉ ኣንቢርዎም ንረዘንቲ።     ጀጋኑና ዝሓለፉ ንናጽነት ነፍትሒ ፡ ስሱዕ ኣብ ስልጣን ህዝቢ መሳፍሒ፡ ፀሓይና ኣዕሪቡ ዝኸወለ ወርሒ።     ማይ ንዓቀብ ኮይኑ እዋኑ፡ ዓፅሞም ታኣኪቡ ካልኣይ ክድፈኑ፡ ብኽንቲት ተላዒሎም ረዘንቲ ጀጋኑ።     ኣንታ ኩቡር

ኪንቲት ንረዘንቲ

ብመኽንያት ዝኽሪ ጀጋኑ

 

20 መጋቢት ዝኽሪ ጀጋኑ ሎምዓንቲ፡

ሕድሪ ዝጠለሙ ኣኪቦም ቀበርቲ፡

ኪንቲት ኣልዒሉ ኣንቢርዎም ንረዘንቲ።

 

 

ጀጋኑና ዝሓለፉ ንናጽነት ነፍትሒ ፡

ስሱዕ ኣብ ስልጣን ህዝቢ መሳፍሒ፡

ፀሓይና ኣዕሪቡ ዝኸወለ ወርሒ።

 

 

ማይ ንዓቀብ ኮይኑ እዋኑ፡

ዓፅሞም ታኣኪቡ ካልኣይ ክድፈኑ፡

ብኽንቲት ተላዒሎም ረዘንቲ ጀጋኑ።

 

 

ኣንታ ኩቡር ህዝቢ ግደፍ’ባ ግደፍ፡

ዓፅሚ ጀጋኑ ክላዓል ብጠላማት ህ.ግ.ደ.ፍ፡

ገመል ሸሊምኩምዎ ክንዲ ግደፍ ።

 

 

ንሃገርና  ዝሰርዓ ጭራ ድሕሪት፡

ጸላኢ ህዝቢ .ኤርትራ….

ኣያ ቅንጂት ደንሒት፡

ኣብርእሺ ጀጋኑና ዝሕሱ ብያሒት።

 

 

ሓድጊ ስዉኣት ክሃልቁ እናራኣና፡

ዘርእና አናጽነተካ ዓዲ ዝገበርካ ዑና፡

ክዝክሮም’የ ትብል ብግብሪ ብሕልና።

 

 ንኩሎም

ንናጽነት፣ ንሓርነትን፣ ንፍትሕን፣ ዝወደቑ፡

ኣካለስንኩላት ብጥይት ተመልከተለይ ዝወደቑ፡

ኣብእስርቤታት ተሳቒዮም ዝሓቐቑ፡

ሕድሮም ጠሊምኩምስ ዕንባባ ተዉድቑ?

 

ፈራሕ ብቅድሚት ዘይገጥም ሰላቢ፡

ብስርሒት ፎረቶ ንወርሒ ዘድቢ፡

ሕጂ ካኣ ተሰሊቦም ዶኾን ይኮኑ?

እዞም ደቂህዝቢ።

 

 

ንዕቀት በዚሑ ገንፊሉ፡

ቀሪባ እያ’ታ እዋን ዕዳኹም ክትከፍሉ፡

ህዝቢ ክተት ክብል’ዩ ተላዒሉ።

 

 

ኣንታ  ናይ’ዚ አዋን ተሓታቲ፡

ክተት በዚ ኮይኑ በቲ፡

ግዜ የለን ንሳ’ያ ምርጫና ሓንቲ።

 

 

ሰራዊት ኤርትራ፡

ይኣክል ሓሳረ መከራ፡

ንነፍስኻ ኣወጽኣያ ሓራ

 

 

ህ.ግደ.ፍ ህበይ ዉራዉራ

ደጊም የለን ሸናዕ ኣብ ኣስመራ

ኪዱ ኣህባይ ዓተላ ናብ ዓተላ

ኪዱ ኣህበይ ገርገራ ናብገርገራ

ህዝቢ አዩ ዋናኣ’ዛ ሃግር

ብስርዓተ ሕጊ ዘናብራ

 

 

ክበሪን ሞጎስን ንስዉኣትና።

ኢስጢፋኖስ መንግስትኣብ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT