Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኪኖ’ዚ ዳንኬራ ዘሎ ኣውያት ክንሰምዕ ይግባእ!!

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ደቂ ኤርትራ ብፍላይ’ዃ መንእሰያት። ሎሚቅነ ጉዳም ፋምጣጥ ይፍኖ ኣሎ ኣብ ቲቪ ኤረይ። ኣብ ወጻኢ ዝተላእከት ጉጅለ ኣሰር ድሙቕ ምርኢት ተርኢ ኣላ። ኣውራ ከኣ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ጎብለላት ኣፍሪቃ ምዃኖም ኣመስኪሮም። እወ ፡ ወዲ

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ደቂ ኤርትራ ብፍላይ’ዃ መንእሰያት። ሎሚቅነ ጉዳም ፋምጣጥ ይፍኖ ኣሎ ኣብ ቲቪ ኤረይ። ኣብ ወጻኢ ዝተላእከት ጉጅለ ኣሰር ድሙቕ ምርኢት ተርኢ ኣላ። ኣውራ ከኣ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ጎብለላት ኣፍሪቃ ምዃኖም ኣመስኪሮም። እወ ፡ ወዲ ኤርትራ ድኣ ብዓንተቦኡ ጎብለል። እዚ ዓወት’ዚ ግን ከመይ ኢሉ ኢዩ ተረኺቡ? ተወዳደርቲ መንእሰያት፡ ደገፍቲ፡ ኣሰልጠንቲ ኣውራ ድማ ፈነውቲ ዜና ብዘርኣይዎ ትብዓት ነቐፌታ ንፈ

ደረሽን ሰፖርት’ኮ ኢዩ ዓወት ኣመዝጊቡ። እምበር ከምመደብ ሓሳዳት እሞ ቀጻሊ ክንበኪ ክርእዩ ኢዩ ሕልናኦም። ብዝኾነ መንእሰይ እንተሰሚሩ ከምዝዕወት ርጉጽ እንድዩ እንዃዕ ተዓወትና። እንተኾነ መንእሰይ ኣሰር ህግደፍ ረጊ ጹ ዝወርሶ ውርሻ እንተኣልዩስ በሉ እስከ ኪኖ’ዚ ዳንኬራታት ይስማዕ ንዘሎ ኣውያት’ቶም ሓደ ወገን መንእሰያት ዜ ጋታትና ድማ ንስማዕ። ውሽጥና ዘሰራሰረ እልልታ ብመንጽር ስምና ዝደወነ ዓለማዊ ትዕዝብቲ ከመይ ይመስል?

ቅንያት ዕዳጋ ኣካላት ኤርትራዊ መንእሰይ ክትከታተሉ ከምዝቐነኹም ይርደኣኒ ኢዩ። ኣነ’ውን ከማኹም ሰፍሊለ ኢየ ቀኒየ። ኣብዚ ብሒትና ዝቐነየ ዘነውር ጉዳይ እወታዊ ጠመተ ዘለዎም ወይ ዝተደናገሩ ገርሀኛታት ከኣ ክደፋፍኑዎን ኣበርቲዖም ክከላኸሉን ተስተውዒሎም። ሓደ ካብኦም ብዘውጋዓኒ ክጅምር።

“ ክላእ፡ ኣንታ’ዚ ድኣ ኣብ ብዓለሙ መዓስ ሓድሽ ኮይኑ። ግደፍ ዝመቱስ ብሂወት ዘለዉ’ውን እኮ ገለ ክፋል ኣ  ካላቶም ከም ኩሊት፡ ደምን ጸጉርን ዝኣመሰለ ሽይጦም ይበልዑ ኢዩም። እንታይ ኢኻ ክንድዚ ተጋንኖ “።ክብል ኣይብኡ ኣይብጥቓኡ ሃማም ዘረባ ሰንደወለይ።ዓርከይ ሰመረ ከይመስለኩም። ንሱ’ሞ “እቲ ንመለስ ዝሓትቶ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኤርትራ ዝዓበየ ትግራዋይ ኢዩ። ከምኡ ድማ እቶም መዕገርገርቲ መንእሰያትን ምሁራትን።“ ምስበለኒ መን ዲል ቤትትምህርቲ ሰውራ ኣውጺኤ ኣርእየዮ ኣለኹ። ከመኡ ድማ ብዛዕባ ኩሉ ተቓላሳይ። ሓሳብኩም ኣይትረስዑ ናይ ምሁራት ሒዘ ክምለሶ ኢየ።ንሎሚ ግን ነቲ ንትዕግስቲ መንእሰያት ዝበርበረ ደም ከቕጽሎ ተቐሲበ ኣለኹ ።

ሐድሽ መዋግዕተይ ናይ ስጋ መቕርበይ ኢዩ። ዘመን ኣካሒዳ ብምዃኑ ከኣ ምሒር ተጠራጠርኩ። ኣብ ዘመን ቃልሲ ማይቤትና ተሃስያ ኢያ። ሕጂ ከኣ ክልተ ዝሃጠሙ መንእሰያት ኣለዉና።ንሱ ንሳቶም ብፋንጣኦም ዝዓንደሩ ጽጋ በኛታት ገይሩ ስለዝገልጾም ብዛዕባኦም ፋዕራ የብሉን። እምበር በቢመዳዮም ክሃድሙ ተታሒዞምሲ ሓዲኦም ኩሊ ቱ ሓሚሙ ሆስፒታል ምስኣተወ ከምዝዓረፈ፡ እቲ ሓደ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ካብዝኣቱ ሃለዋቱ ከምዘይተፈልጠ ኣዕ ሊሉኒ ኢዩ። እንድዕለይ ኣዕለቢጠ። ኣሕዋተይ ከሲረ ከይከኣክል፡ ደቂ መንግስቲ ድማ ከይወራዘዩለይ ብፍርሂ ተዋ ሊአ ኣትም ሰባት። ጠንቂ ስደት ዝኸውን ምንም ነገር ከምዘየለ ዝገልጽ መቅርበይ ኣበይ ኢልዎ እምበር፡ሞትን ስደ ት’ኮ ብዙሕ ኢዩ መልክዑ። ብዓንተቦኡ ሕጽረት ናብራ፡ ትምህርቲ፡ ንሕክምናን ንግድን…. ወዘተ ምኽንያት ስደትምንባሮም ይዝክሮ ኢየ። ናይ ሎሚ ዝፈልዮ ምረት ሕሰም ናብራ ምዃኑ ፡ ባዕሉ’ቲ ስርዓት ከይተረፈ “ ናብራኦም ከመሓይሹ ይሃድሙ ኣለዉ“ ኢሉ ከመሳምስ ተሰሚዑ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ተራእዩ ንዘይፈልጥ ዓይነትን ዓቐንን ፖለቲካዊ ህድማ ንምሽፋን ተባሂሉ ከምዝተዘርበ ከኣ ካብ ዓይኒ ኩሉ ዓለም ኣይተሰወረን። ቀደም ቁጠባዊ ስደት ህዝብና ናብ ጎረባብትና፡ ፖለቲካዊ ስደት ከኣ ናብ በረኻና ኢዩ ዝነበረ። ሎሚ ሃገርና ብጸላእቲ ዝተኸበበት ደሴት ንኽትከውን ተመሪጹ ምስ ጎረባብቲ ዘይምኽኑይ ኲናት ዝተኣወጀሉ እምበኣር፡ ብቐንዱስ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዘነጻጸረ ጽንተት ምንባሩ ሎሚ ተጋሂዱ እንሆ። ከምቲ እንጣጢዕ ንምቕላው መቕሎ ዝኽደን፡ህግደፍ ከኣ ንዜጋታቱ መንእሰያት ኤርትራ መርገጽ እግሪ ስኢኖም ብዘይ መላስ ኣውያት ከጽንት ዝዓለመ ከቢድ ጽልእን ደምን !!

እዚ ብሂል ናይ ሃውሪ ኣይኮነን። ክቡር ፕረሲደንትና ከም መራሕ ሃገር ካብ ዝተቀልቀለሉ እዋን ኣትሒዙ ዕድመ ስ ልጣኑ እናመተረ ዓለም ከምማንቲለ እንዳተሓምበበት፡ ንሱ ግን ከምጎብየ ከምዘራጥጥ ኢዩ ዝኣወጀ። ሽዑ’ቲ ምስ ጢር ቀልጢፉ ኣይተጋህደን። እናሓደረ ከኣ ወዮ መድረኹ ዘሕለፈ ግን ከኣ ብሰናቡእን መሓውርን መናእሰይ ክነብ ር ዘብሃጎ መራሒ፡ ካብ ተቓውሞ ክናገፍ ብዘይጥርጥር መንእሰያት ከምክን ወጠነ። ዝቐለለት መታለሊት ብልሓት ከኣ ሽፋን ርእስኻ ምኽኣል ተኣወጀት። ብሓቂ ሃንቀውታ ህዝቢ ዝሰረቐት ብልሓት!! “ቀንዲ ተሰከምቲ ሕድሪ ቀዳ ሞት“ ተባሂሉ’ውን መንእሰያት ተጸምድሉ። ስለዚ እቲ ንመንእሰያት ዝዓለመ ክልተ ዝብልሑ መላጸ ጽንተት ቁጠባ ዊ ረብሓ ሃገር ብዝብል ሽፋን ብከምዚ ዝስዕብ ክስረሓሉ ጀመረ፡-

1/ ብኣጉል ምኽኒት ቀጻሊ ኲናት ብምክያድን፡ መገዲ ሰለም ብምሕራምን “ዶብ ከይተሓንጸጸ“ እናተባህለ መንእሰ ያት ብጉልባ ጸጥታ ኣብ ሰራዊት ብምቑራን ንህይወቶም ዝሓስቡላ ደቒቕ ተሓረመቶም።

2/ ’’ብሓደ ኢድና ጠበንጃ፡ በቲ ሓደ ከኣ ርእስና ክንክእል ምእንቲ ማርቴሎን ዕርፍን“ ብዝብል ገደብ ዘይብሉ ግብርና ጉልበትን ግዜን፡ ንኸብዶም ተዓሲቦም ክነብሩ ተቐሲቦም።

3/ ካብዚ ማሕለኻ’ዚ ክናገፍ ዘይደሊ መን ኣሎ? ኮይኑ ግና ገለ ደቂ ዓይኒ መዓር ሰብ ፍሉይ ተልእኾ ካብ ሃገር ብነ ጻ ክወጹ ተራእዮም ኢዮም። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ “ንሶም ይጥቀሙ መንግስቲ ድማ ረብሓ ይረክብ“ ብዝብል ምስምስ ብዙህ ዝመጠኑ ኣሽሓት ገንዘቦም ከፊሎም በጻሕቲ እናመሰሉ ብሕዙኣት መካይን ተዓጂቦም ክወጹ ተራእዮምክሳብ ከኣ ከምገለ ዕዳጋ እንተዝሒሉ ንምብርባሩ ዝኣክል ብላዕሊላዕሉ “ሲ.ኣይ.ኤ. ኣታሊሎዎም“ እናተባህለ ብውሽ   ጢ ውሽጢ ድማ ብውዱብን ስዉርን ክሳብ ንህጻናት ከይተረፈ ንክወጹ ዘጎሳጉሱ ካድረታት፡ ግሩሃት ኣኻኺቦም ንወከልቲ ጉዕዞ የረክቡ ምንባሮም ተጠቒሱ ኣሎ። እንተኾነስ ኩሉ ዝነቐለ ኣይወጸን። ከምቲ ትእዛዝ መንግስቶም ንከ ኽብሩ ጉቦ በሊዖም ተባሂሎም ንይምሰል ተኣሲሮም ምስጢር ዘቐብሉ፡ ገንዘብ ገያሾ ገሒጦም ዝሕብሩ ስለዝነበሩ እቶም ክበርሱ ዝተበየነሎም ስድራ ኣይሰግሩን ኢዮም። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ደቂ መስፍን ሓጎስን መሰላቶምን ብሰላም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ዕሸላት ደቂ ጴጥሮስን መሰላቶምን ከኣ ምስ ስድራኦም፡ ናብ ሸላኦም ተደርጊሞም ይብሉና።

4/ንትሕቲ ዕድመ ደቆም „ምኢቲ ክልተ-ምኢቲ ሽሕ ኣትሒዝካ ውሰድ“ ተባሂሎም ዝተመንዝዐ ገንዘብ።

5/ ሃዲሙ ንዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ኢድ ሸቃጦ ይውደቕ ባሕሪ ይውሓጦ ከይተፈለጠ ወለዲ ሓምሳ ሽሕ ክኸፍሉ

እተበየነሎም። ኣቱም ሰባት፡ እቲ ብጉልባብ ርእስኻ ምኽኣል ዝተራእየ ጥበብ መናገዲ ብዙሕ ኢዩ። እቲ እንተ ብጥበብ፡ እንተ ሓጹር ሰጊሩ ዝነፈጸ መንእሰይ ግና ኣብ ዝኸፍኡ ኣዛብእ ከምዝወደቐ ተገሊጹ ኣሎ። ተግባራት ናይታ ካብ ቀደማ ቆልዑ ሰሪቓ ከምትሸይጥ ዝውረየላ ራሻይዳ ምስተጋለጸ፡ ካድረታት ከኣ ሜላኦም ብምቕያር፡“ንሕና ተዛረብቲ ትግርኛ ኣለናልኩም፡ እመኑና ጥራይ“ ዝብሉ መስሓትያን ዕሱባት ከይተኸሽሑ ግዜ ስለዝወሰደ፡ ክሳራ በዝሐ።

ዝገርም ዘደንጹ ብሂላት ካብ መቕርበይ ክውስኽ፡“ መንግስቲ’ሞ እንታይ ዘይገበረ፡ ክኸይድ ዝበለ ከኣ መን ይኽልክሎ“ ክብል ተገንጭርለይ። እቲ ተሓቢኡ ከምዝነብር ዝመስሎ ገባር ክፉእ፡ ምስጢር ከየውጽኡ ብምስጋእ ደድሕሪኦም እናሰዓበ ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገር ብዘለዉ ልኡኻቱ ገይሩ ብዝተጠናነገ ስለያዊ ሸረኻት ብስለያ ከምዝጥርጠሩ፡ ብሃዳምነት ክሕደት እናወንጀለ ከምዝትፍኡ ገይሩ። ኣብዚ ብርሰት ሃገር ኢድ ዘዘእተዉ ሰብረብሓ ከኣ፡ ብስም ሃገራዊ በዓላት ነዛ መከረኛ ባንዴራ እናኣንበልበሉ ዝድብሉ ሰብደም ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተበጺሑ ኣሎ። ንኩሉ ንጹ ር ክኸውን ድማ ብዙሓት ካብዞም ቀተልትን ሽየጥቲ ኣካላት ኣሕዋቶምን ሰላማውያን መሲሎም ንዝበኣሰ ስዉር ተልእኾ ኣብ ብዓለሙ ተዘርዮም ከምዘለዉ ኣይትዘንግዑ።

ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ ሕጂኸ እንታይ ዘይተመኽነየ፡ ዘይተፈለጠ ተሪፉ? ርግጽ እኪት ገዛእትና ተገላጺ ኣይኮነን። እዛ“ርእስኻ ምኽኣል“እትብል መስሕብ ተጸበይቲ ራህዋ ጽባሕ ከኣ ቀላል መጻወድያ ኣይኮነትን። ህዝብና ንዓመታ ክበ ልዕ ክብል ኣፉ ደፊኑ ዝዓቘረን ዘርኢ ንመሬት ይቐብረን። መቸም ሰብ ናይ እምነቱ ግዳይ እንድዩ፡ ሃገርና ናመጻኢ ክርህዋ ብማለት ንኩሉ መንግስታዊ ክፍሊት ክሳብ ጊላነት ተቀቢልዎ ህዝቢ። ብመልክዕ ቦንድ ዝተራሰየ ገንዘብ፡ መሸጣ መሬት ደቀባት፡ ወ.ዘ.ተ፡ ክውሰኹ ይከኣሉ። ብዙሕ እዋን ዝተዘርበሎም ግን ሰማዒ ዝሰኣኑ ጥርዓናት ድማ ተሰሚዖም ነይሮም። ኩሉ ከምዝፈልጦ ዓለም ንኮንትሮባነዳዊ ስራሓት፡ንመሸጣ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ተዛሪባትሉ ኢያ ጸኒሑ ሃገርና  መሸጣ ሓሽሽ ከምዝጀመረት ተቓሊሑ። ኣይደንጎየን ድማ፡ ሓሽሽ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ከምዝተተኽለ ተወርዩ ኢዩ።እዚ ኣብቲ ብረቂቕ ጥበብ ብካብ ምድረ-ገሃንብ ብዝተዓደጉ ኣዛብእ ዝሕሎ ስቡሕ መሬት ዶሚናለ ህግደፍ ዝተተኽለ ሓሽሽ፡ ጽባሕ ክገሓጥ ንዝሕለን ክቡር ባጤራ ጥራይ ኣይኮነን ክዕልም። ሓይሊ ተቓውሞ መንእ ሰይ ኣብዝስውደሉ ብስርቂ ንዕዳጋ ተፈንዩ ናይ ወልፊ እሱራት ንምግባሮም ከይተሓለነ ኣይተርፍን።

ኩሉ ከምዝፈልጦ ርእስኻ ምኽኣል ኣገዳሲ ረቛሒ ዓወት ኢዩ። ኣብ ቃልሲ እንከለና ከኣ ኣዝዩ ወሳኒ ጨናፍር ነይርና። ሓደ ካብኡ ጨንፈር ሕክምና ኢዩ። ሓካይምና ብሉጻትን ህርኩታትን ምዃኖም ንዘልኣለም ተሰኒዱ ክኸውን እትስፎ። ተመኩሮኦም ከምዝህብሮ ዓለም ዝበጽሀቶ ደረጃ ብጺሐሞ ኢዮም። ምቕያር ሰብሰርሖ ውሽጣዊ ኣካላትክንዲ’ቲ ተፈጥሮኣዊ ብዘይምዃኑ ኦርጅናል ምግጣም ንተራፊ ከምዘርብሕ እሙን ብምዃኑ ከምዓቕሞም ከኣ ንም ግባሩ ምንም ከምዘይዝጽገሙ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ቀረብ ካበይ፡ በየናይ ሕጋውነትከ? ዝብሉ መሰረታውያን ሕ ቶታት ቀየድቲ ክኾኑ ግቡእ ኢዩ።

ሕማቕ ነገር መቸም ካብ ዝቡቕ ኢዩ ዝምንጩ፡ ሕቡእ ብምዃኑ’ውን ተለማድን ተሃራፍን ኢዩ’ሞ፡ ኣብዛ ሕጊ ኣልቦ ሃገርናኸ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብሓቂዶ ጥዕናዊ ጥራይ ይኸውን? ኢልካ ዝሕተተሉ እዋን ኣርኪብና። ንገዛእቲ ከገልግል ዝተኸፍተ ዓማጺ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ካብ ሃለወ ብውትህድርና ይመኽነ ብካልእ ተቓወምቲ ዝቐትል ፍሉይ ሕክምና ክህሉ ከኣ ይኽእል። ዋጋ ናይቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝተሸጡ ኤርትራውያን ጊላታትን ኣካላቶምን ኣብ ኣስመራ ካብተኸፍለ ኣካላት ናይቶም ተሓቢሶም ብዘይፍርዲ ዝጠፍኡ ወይ ብጉልባብ ሃዳምነት ሃለዋቶም ዘይተፈ ለጠ ተተመዝሒቑ ይሽየጥ ከይህሉ ምህለላ ዘድልዮ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ህግደፍ ብፍቕሪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጐኒ  ፍሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ገንዘብ ዘኻዕብተሉ ኣጋጣሚ እንተረኺቡ ብጨረታ ናይ ሃገራውነት፡ ሰባውነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ከምዘይግደድ ኣጸቢቕና ስለእንፈልጥ ይኽደነና ወያ ፍቕሪ ተመጊባ ፍቕሪ እትዕድል ምልክዕትን ኣበረኛን ከተማና ኣስመራ መናገሻ ናይዚ እከይ ኮንትሮባንዳዊ ስራሓት ኣካላት ዜጋታትና ኮይና ከይንሰምዕ!! እንተ’ቶምከም ዘይሰማምዑ ዝተወርየሎም ብቑዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕክምና ከኣ ገሊኦም ንወጻኢ ተገሊፎም ገለ’ውን ምስሓመዶ ም ከምእተጸንበሩ ርኢናዮ ኣለና። መንእሰይና ከኣ ቀደም ምእንቲ ክብርቲ ከተማና ናቕፋ ህይወቱ ከወፊ እንከሎ ሎ ሚ ድማ ምእንቲ ባጤራ ናቕፋ ህይወቱ ስኢኑስ ኣካላቱ’ውን ይሽየጠላ ኣሎ። ጉድ!! በሉ ዘመን ኣካሒዳ ካልእ’ውን ክንሰምዕ እንዲና፡ ከሳብ ሽዑ ኣብ ብዓለሙ ሕክምና ኣትዩ መጥባሕቲ ከብዲ ዝገበረ ኣይቕሰን፡ ናውቲ ውሽጢ ኣጉ ዲሉ ከይኸውን ከረጋግጽ ይግባእ። ዝኾነስ ኮይኑ፡ ግን ከሳዕ መዓስ ኢዩ እዚ  ኩሉ ውርደት? ናይ ውሽጢ ንናይ ወጻኢ፡ ናይ ወጻኢ ንናይ ውሽጢ እናተጠማመትና ምስናይ ኣባትርና ተመን ገርጊሩ ክውዳኣና ኢሉ። ወዲ ኤርትራ ናይማዕዶ ጸላኢ ኣይተማዕዱ። ንገዛእቲ ደቂ ሃገር ከምሕሱም ክንበቆም’ዃ እንተጸናሕና ከም ሎሚ ገይሩ ጥፍኣት ህግደፍ ኣወናዊንና ኣይፈልጥን። ደጊም ምእንትኡ ትሓልፍ ሂወት ኣይትሃሉ በቃ!! በቃበቃ!!

ጎደፋ።

16-11-11

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Gaul Medefera(rahel) November 18, 2011

    Halewlew..

    the possibliltiy of you:
    1, you must be kidding
    2, you must be outsid Eritrea so that you trust what the “serving the tyrant regime Eritv”
    3. you are inside Eritrea just collecting money from our people into ur personal pocket so that you consider as if everyone is getting money like you silly tyrant blood sucker DIA
    you cannot be from these opptions probablily the 3rd one.
    go to hell, the dead DIA is numbering his days!

  • Semhar November 18, 2011

    SHAME ON US!
    To let one mercenary destroy our land, our people and our culture.

    SHME ON US!
    To let one mercenary dissolve our heroic national liberation fronts
    ELF 1980, EPLF 1993.

    SHME ON US!
    To let one mercenary turn us against one another and against all our neighbors, Ethiopia, Sudan, Djibouti, Somalia and Yemen.

    SHME ON US!
    To let the dictator kill our heroes, our disable veterans, jail our parents and our religion leaders and members.

    The dictator must go!
    – His boss (Mubarak of Egypt) is thrown out of power in jail.
    – His adored brother (Gaddafi) was killed like a rat.
    – The international community’s talking peace and carrying big stick [sanctions] is having an effect.
    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself – that it needs to be overthrown.
    We must apply
    TUNISIA style
    or
    LIBYA style!
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in ERITREA!

POST A COMMENT