Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተነጺሉ ናይ ውድቀት ስግኣት ዘንጸላልዎ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ተቓለስቲ ብምጽባእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሃሱሳት ኣዋፊሩ ውዲታዊ ሽርሒታት ኣብ ምክያድ ኣተኵሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ኣብ ተስፋ ምቝራጽን ዓቕሊ ጽበትን ወዲቑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ራዕድን ሽበራን ፈጢሩ ንህዝቢ ብሓይልን ፍርሕን ክሕዞ ክፍትን ከሎ፣ ኣብ ወጻኢ ድማ ጠንቂ ተነጽሎኡ

እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ኣብ ተስፋ ምቝራጽን ዓቕሊ ጽበትን ወዲቑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ራዕድን ሽበራን ፈጢሩ ንህዝቢ ብሓይልን ፍርሕን ክሕዞ ክፍትን ከሎ፣ ኣብ ወጻኢ ድማ ጠንቂ ተነጽሎኡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ኢሉ ንዝኣምነሎም ተቓለስስቲ ዝጻብኡ ሃሱሳት ኣዋፊሩ ውዲታዊ ሽርሕታት ብምክያድ ዕድመ ስልጣኑ ንምልቃብ ከንቱ ዓቕሊ-ጽበታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምግባር ኣተኵሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምቅዋም ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ንዝበሉ ገዳይም ተቓለስትን ተጣበቕትን ብምጽባእ፣ እቲ ስርዓት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ገጢሙዎ ንዘሎ ህዝባዊ ተነጽሎን ፍሽለትን ንምግታእ ተዋፊሮም ዘለዉ ሃሱሳት፣ ነቲ ስርዓት ዝገደፊዎ ተመሲሎም ኢዶም ክህቡ ኮነ ኢሎም ብመሓውር ስለያ ናይቲ ስርዓት ዝተላእኩ ‘ሞ ተደናገጽቲ ለውጢ ተመሲሎም ናይ ዑቕባ ወረቐት ኣብ ምርካብ በቶም ደለይቲ ፍትሒ ከይተረፈ ምትሕግጋዝ ዝተገብረሎም ብደረጃ ሓለፍትን ተራን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ሓበሬታ ተረኺቡ።

እዞም ናይ ዑቕባ ወረቐት ምስ ረኸቡ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝሃቦም ሃሱሳዊ ተልእኾ ብስዉር ኣብ ምፍጻም ዝርከቡ ናይ ስለያ ድሕረባይታ ዘለዎም መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ክኾኑ ከለዉ፣ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘካይዱዎ ሽርሕታት ኣብ ምስላጥ ዝተሓባበሩ፣ ውልቃዊ ድኻማቶም ዘጽንዑዎም፣ መጋበርያ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓደ ሓደ ብገበናት ዝተለኽፉ ስራሕ ኣልቦ መንእስያት ቤተሰቦም ንኽበጽሑ ከምዝኸዱ ኣምሲሎም ናብ ኤርትራ ብምልኣኽ ስለያዊ ስልጠና ከምዝወስዱ ይገብሩ ምህላዎም ‘ውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ናይቶም ዑቕበኛታት ተመሲሎም ተዋፊሮም ዘለዉ ሰለስቲ ኮነ፣ ንሳቶም ዝምልምሉዎም ዘለዉ ሃሱሳት ጭብጥታት ናብ ጸጥታዊ ትካላት ናይተን ዝነብሩለን ዘለዉ ሃገራት ተመሓላሊፉ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፣ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንነዊሕ ዝሰርሐ ብሪገዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጀዳን ርያድን ኣንጻር እቲ ምልካዊ ስርዓት ተሪር ናይ ተቓውሞ መርገጺ ናይ ዘለዎም ዓሰርተታት ኣስማት ገዳይም ተቓለስቲ ኣብ ጀዳን ርያድን ብስም ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ስለያዊ ስርሓት ተዋፊሮም ንዝርከቡ ሓለፍቲ ሰለይቲ ድሕሪ ምርካቡ፣ ምእንቲ ፍትሕን ለውጥን ንዘካይዱዎ ምንቅስቓስ ንምድኻም ሃሱሳዊ ተጻብኦታት ክወስዱሎም መምርሒ ከምዝሃቦም ካብ ውሽጢ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተረኽበ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነዚ መምርሒ ‘ዚ ተቐቢሎም ከም ኣወሃሃድቲ ናይቲ ስለያዊ ስርሓት ኣብ ጀዳ ኣብ ቤትጽሕፈት ቆንስል ‘ቲ ስርዓት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰለይቲ፣ ኮለኔል ኣማን ኢብራሂም፣ ከምኡ ‘ውን ሓደ ኣደም ባላማት ዝተባህለ ካብኡ ንታሕቲ መዓርግ ዘለዎ ሰላዪ እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘሎ ድሑር ስርዓተ ምሕደራ ዝጠንቁ ናይ ሕግን ስርዓትን ሃጓፍ ብምምዝማዝ፣ ብናይ ዲፕሎማሲ ፓስፖርትን ናይ ኩንትራት ቪዛን ኣቐዲሙ ናብቲ ሃገር ዘእተዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ትሕቲ እዞም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኮይኖም፣ ነቶም ከም ኣብ ካልእ ሃገራት ሕጋዊ ደገፋት ዘይብሎም ጽኑዓት ተቓለስቲ ኣብ ምክትታልን ምጽባእን ይጥቀመሎም ከምዘሎ ድማ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ብስስዐ ስልጣን ዝዓበደ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን መጋበርያታቱን፣ ካብ ተቓወምቶም ንዝወርዶም ጸቕጢ ንምእላይ፣ ኩሉ ዓይነት ውዲታት እንተላይ ምስማምን ኣብ መንጎ ስድራቤታት ኣቲኻ ሓዳር ምዝራግን ብቐደሙ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ተንኮላት ሕጂ ‘ውን ኣብዚ ናይ ዕራርቦ ስርዓቶም እዋን ይቕጽሉዎ ከምዘለዉ ‘ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝርከቡ፣ ተቓለስትን ደለይቲ ለውጥን፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተስፋ ቖሪጹ ኣብዚ ደረጃ እዚ ምውዳቑ፣ መርኣያን ውጽኢትን ናይቲ እከይ ተግባራቱ ብምቅላዕ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘስዓቡሉ መምለሲ ዘይብሉ ተነጽሎ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ንዓቕሊ ጽበታዊ ውዲታቱ ብትዅረት እናተኸታተሉ ቃልሶም ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽሉዎን፣ ዓወታቶም ብምዕቃብ ውድቀቱ ከቀላጥፉን ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Simon February 25, 2016

    Yes those of you in Europe especially in Switzerland have the chance to participate in the demonstrations very easily, and I encourage you to go and make your voice heard in front of the security counsel. I would like to share one thing what the regime of Isaias did in Segeneiti, Eritrea. There was a boy who came back from abroad feeling the persecution of Ethiopians, and while he was living with his mother in Segeneiti, Isaias’s regime poisoned him and he has become mentally disable. He is living abroad now, and he has been suffering from mental illness. I imagine that Isaias’s regime has poisoned thousands of Eritreans. Thousands of Eritreans have become schizophrenic. And of course thousands have been killed and thousands have been suffering in Eritrea’s prisons. We Eritreans must work hard to destroy and dismantle Isaias’s government. We must be united and kill Isaias and his party. We must run fast with time. Our time is running out that we don’t have much time to save Eritrea from tyranny and destruction. Isaias and his party are selling Eritrea to Ethiopia. They are handing over Eritrea to Ethiopia in a hidden way. Some of us we may know the trick that hgdf is using to sell Eritrea to Ethiopia. Some of us we may not know the trick how they are selling it at all. So please let us do everything we can to save our people from suffering and save Eritrea from becoming Ethiopia’s colony again. I hope I have said something important. Thank you for reading my article.

  • Natnael February 26, 2016

    Yes, this is not a joke. It is about life and death for all of us! Therefore in order to protect ourselves from these traffickers, gangs, Mafias,…etc we have to find a solution. For example we can publicize these spies&co on a sparate website that is dedicated only for enlisting the killers and imforming the people about the danger these gangs can cause upon helpless nationals. We will never give up untill the regime stops killing our people at random.

  • Berhe Tensea February 26, 2016

    Yes the regime will do every thing to prolong its Satanic rule As great writer Machiavelli D has said that dictator fear being abandoned by the people the most.
    The dictator in Eritrea also is very fearful at this time as he is already abandoned by the people.
    The dictator very well knows th.
    at his public support is based on very few or hundreds of people who are too ignorant or uneducated .
    By the way here in North America cities, his puppets or representative are completely unable to call public meetings. They are lucky to get ten to twenty people that attend.
    They are begging people to show up in their meeting in churches.
    They ask church administrators to ask people to go to pfdj meeting after the service is finished.
    Those who were ardent supporters are repenting now. The hay days of the regime is over.
    As far as the hasusat officials are concerned we have to identify them, the list may include few singers like the one who sang Jidah, Canada, ghebray Weldit and Mesfin Hagos.
    Those who are working with the government sent outside will one day be exposed, as every thing will come to the open sooner or later.
    The Eritrea people anger is boiling underground and it will explode in their face like unforgiving volcano one day.

  • Berhe Tensea February 26, 2016

    Yes the regime will do every thing to prolong its Satanic rule As great writer Machiavelli D has said that dictator fear being abandoned by the people the most.
    The dictator in Eritrea also is very fearful at this time as he is already abandoned by the people.
    The dictator very well knows th.
    at his public support is based on very few or hundreds of people who are too ignorant or uneducated .
    By the way here in North America cities, his puppets or representative are completely unable to call public meetings. They are lucky to get ten to twenty people that attend.
    They are begging people to show up in their meeting in churches.
    They ask church administrators to ask people to go to pfdj meeting after the service is finished.
    Those who were ardent supporters are repenting now. The hay days of the regime is over.
    As far as the hasusat officials are concerned we have to identify them, the list may include few singers like the one who sang Jidah, Canada,Ghebray Weldit, Tefeno and Mesfin Hagos.
    Those who are working with the government sent outside will one day be exposed, as every thing will come to the open sooner or later.
    The Eritrea people anger is boiling underground and it will explode in their face like unforgiving volcano one day.

  • Desalegn March 6, 2016

    ንኤርትራዊያን ዝምልከት

    ንፈልጦ ሓቂ ንምዝራብ ዘዓግተና ሓይሊ የለን

    ካብ 1991 ጀሚሩ ስጋብ ሕጂ ዝሰራሕናዮ ስራሕን ዘጋጠመና ጸገማትን ህዝብን ኣስራሕቱን ንፈልጦ ክነስና ኣብ ክንዳና ንዓና ብምዉካል ሕግደፍ ክዛረበልና ተኽእሎ የብሉን።

    እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ኣድላይ ጭብጥታት ብምስናይ ክቀርብ እዩ

    1. ድሕሪ ናጽነት ዝተሰላሰሉ ናይ ዳግመ ህንጻን ልምዓትን ስርሃት ዘጋጠሙ ጸገማትን ክግለኣጽ እዩ
    2. ንኤርትራ ብሕጊ ዘይትመሓደርን መባአታዊ ሕጊ ዘይብላ ሃገር ምግባር ንምታይ ተመሪጹ
    3. ንናይ ኣሰራርሓን ሕጊን ዝምልከት ፕረዚደንት እሳያስ ኣፈወርቂ ንኣማሓዳሪ ኣውርጃ ሰራየ ነበር መስፊን ሃጎስ ኣብ መመረቅታ ዲጋ ሃርነት ንዝተዋህቦ መምርሕን ብመስፊን ሃጎስ ተቀባልነት ዝሰኣነሉ ምኽኒያት ክድህሰስ እዩ
    4. ወፍሪ ልምዓት ኤርትራ ኣብ 1995 ጀሚሩ ንምታይ ብህግደፍ ኣብ 1996 ተሰሪዙ
    5. ብ 1997 ናይ ህዝቢ ንብረት ንዝነበረ ካብ ሚኒስትሪታት በፍላይ ንብረት ሚኒስሪ ሕርሻ ብህግደፍ ብዝማት ዓበይቲ ትካላት ህግደፍ ከም ሰገን፤ ገደም፤ ሮዳብን ምምስራትን ዘስዓቦ ጸገማትን
    6. ግብሪ ሃረስቶት ንምንታይ ብህግደፍ ተሃጊሩ
    7. ብመንግስቲ ፍቃድ ተዋሂብዎም ዝተሰርሑ ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ንምንታይ ኣብ 2015 ብመንግስቲ ከምዚዓንዉ ተገይሩ
    8. ብወፍሪ ዋርሳይ ዝሰላሰሉ ስራሃሓት ብላእለዎት ሓለፍቲ ንዝተሰርሐ ስራሕ ተጸባጺቦም ካብ ገበርቲ ሰናይን ካብ ሚኒስትሪታትን ዉልቀሰባት ከም በዓን ወዲ ለገስ ገንዘብ ከምዝውሰድ ታሕተዎት ሓለፍቲን ዋርሳይን ግና ብጀይካ ስራሕ ምስራሕ ዝፈልጥዎ ነገራት የብሎምን
    9. ኣብ 2006 ምስራዝ ላይሰንስ ስራሕ ኮንትራክተራት ብ ነኣሽቱ ትካላት ሰራዊት ዋርሳይ ምትካእን ኣብ ኣሰራርሓ ይኹን ኣብ ህዝብና ፈጢርዎ ዘሎ ጸገማት
    10. ኣብ ኪንዲ ህዝብኻ ኣማእኪልካ ውጺኢታዊ ስራሕ ምስራሕ ህግደፍ ኣማኪልካ ብምስራሕ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዓብይ ሓደጋ ምውዳቅ ሓላፍነት ዝጎደሎ ስራሕ ጥራሕ እዩ አልካ ዝድምደም ኣይኮነን
    11. ዲጋ ገርሰት ብኪኢላታት ሕርሻ ዘይተሃንደሰትን ዘይተጸንአትን ኣብ 2003 ብህግደፍ ተጀሚራ ስጋብ ሕጂ ሃደ ሲሶ ስራሕ ጥራሕ ተዛዚሙ ይርከብ እዛ ዲጋዚኣ ከኣ ካብ ሃልኪ ሃሊፉ ኣብባይታ ውጺኢታዊት ኪትከውን እትክአለሉ መንገዲ ኣዚዩ ዝመህመነ አዩ
    12. ኣብ ህግደፍ ተስፋ ገይሩ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ውጺእቱን ትርፉን ካብ ማይ ምሕቓን ዚርከብ ዉጺኢት ዚፍለዮ ነገር ወላሃንቲ ስለዘይቢሉ ብንጹር ክርደኦ ይግባእ።

    ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ንምብዳህ ብፍላይ መንእሰያት ኤርትራ ሓላፍነት ተሰኪሞም ክሰርሕሉ ዝግባእን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ኩሉ ኤርትራዊ ክሰርሃሉን ሃላፍነት ወሲዱ ኪዋሳእን ይግበእ።

    ኢንጅነር ደሳለኝ በርሀ

POST A COMMENT