Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብናይ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ዋሕስ ድሕሪ ምውጽኦም ኣብ ዓዲ ንፋስ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም።

ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቐን፣ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነተን ምንጭን መሰጋገርን ስደተኛታት ዝኾና ከም ኤርትራ፣ ሱዳንን ሊብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብገንዘብ ደሊለን ስደተኛታት ኣብ ምቍጽጻር ክተሓባበራ ድሕሪ ምእማነን፣ ካብ ሊብያን ሱዳንን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም

ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቐን፣ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነተን ምንጭን መሰጋገርን ስደተኛታት ዝኾና ከም ኤርትራ፣ ሱዳንን ሊብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብገንዘብ ደሊለን ስደተኛታት ኣብ ምቍጽጻር ክተሓባበራ ድሕሪ ምእማነን፣ ካብ ሊብያን ሱዳንን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ካብ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን እቶም ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ዋሕስ ገይሮም ክወጽኡ ዝኸኣሉ ኣብ ዓዲ ንፋስ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብዙሓት ካብቶም ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊኦም፣ ሓደጋታት ሰጊሮም ክሳብ ሊብያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ዘለዉዎም ኤርትራውያን ንክልተ ሰሙን ኣቢሎም ድሕሪ ምእሳሮም እዮም ከም መቕጻዕቲ ናብዚ ጉልበታዊ ስራሕ (Hard Labour) ተዋፊሮም።

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመት ብዙሕ ግዜ ኣብ ከም ኣባይቲ ጀራዲንን ካልኦት ውልቃዊ ዋኒን ሰበስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዋፊሮም ብነጻ ጉልበት ጊላዊ ዕዮ ከካይዱ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT