Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ኣብታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ጃልባ ሞይቶም ዝተረኽቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግዳያት ኣብ ሲሲልያ ስነስርዓት ቀብሪ ተኻይዱሎም።

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ኣብታ ዝነበሩዎ ጃልባ ሞይቶም ዝተረኽቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግዳያት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 15 ሕዳር ኣብ ሲሲልያ ስነስርዓት ቀብሪ ከም ዝተኻየደሎም ኣብ ካታንያ ዝነበር መንነቶም ኣብ ምጽራይ ዝተሓባበረ ሓደ ግዱስ

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ኣብታ ዝነበሩዎ ጃልባ ሞይቶም ዝተረኽቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግዳያት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 15 ሕዳር ኣብ ሲሲልያ ስነስርዓት ቀብሪ ከም ዝተኻየደሎም ኣብ ካታንያ ዝነበር መንነቶም ኣብ ምጽራይ ዝተሓባበረ ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ኣቶ ኣብርሃ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኣረጋጊጹ።

እቶም ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ኣቢሎም ኣብቲ ዘይውሑስ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምማቶም ኣብዚ ሳልስቲ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተኻየደሎም ግዳያት፣ ሳሙኤል ወልደኣብ፣ ሃብቶም ኣብርሃም፣ ኣቶብርሃን ካሕሳይ፣ መትከል መሓሪ እዮም። ገለ ካብ ቤተሰቦም ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ከምዝተሳተፉ ድማ ኣቶ ኣብርሃ ሓቢሩ።

ኣቶ ኣብርሃን ብጾቱ ገበርቲ ሰናይን እቶም ግዳያት መንነቶም ከይተፈልጠ ብቑጽሪ ዘይኮነ ብግቡእ ክቕበሩ ከምዘለዎም ድሕሪ ዘካየዱዎ ጻዕሪ እዩ እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ተኻይዱ።

ነቲ ስነስርዓት ቀብሪ ብዝምልከት ምስ ኣቶ ኣብርሃ ዘካየድናዮ ዝርርብ ንምስማዕ ቀጺሉ ዘሎ ናይ youtube ቪድዮ ተወከሱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT