Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከ-ቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡር-ኣልቦነትን ኣብ ድሕረ-ናጽናት ኤርትራ ካላኣይ ክፋል

 ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ ፖለቲካዊ ሃደና ከም ዓንቃፊ ቁጠባቂ ዕብየት፡ ዓንኬላዊ ምትእስሳር መዝመዝቲ ትካላት ፖለቲካን ቁጠባን - ዘይምዕብላናን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኤርትራ ንኹሉ ኣካላት ህዝቢ ብዛዕባ ህንጸት ሃገርን

 ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ

  1. ፖለቲካዊ ሃደና ከም ዓንቃፊ ቁጠባቂ ዕብየት፡ ዓንኬላዊ ምትእስሳር መዝመዝቲ ትካላት ፖለቲካን ቁጠባን – ዘይምዕብላናን

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኤርትራ ንኹሉ ኣካላት ህዝቢ ብዛዕባ ህንጸት ሃገርን ቅዋም ሃገርን ከዘራርቡን ከካትዑን እዩ ዝግበኦም ነይሩ። ብውሑዱ፣ ሰባት ቁጠባዊ ሓርነት ንክረኽቡ ዘኽእል- ኣብ ለውጥን ውዕልን ነጻነት ዘለዎ- ዝሰለጠ ቅርጺ ምሕደራን ሲስተም ምክፍፋል ሃብትን ክፈጥሩ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ። ኣብ ክንድዚ ግን፣ ብመሪሕነት ኢሰያስ ዝመሓደር ናይ ድሕሪ 1997 ህግደፍ ትኽክለኛ መስርሕ ኣሰራርሓ ቅዋምን ህንጸት ሃገርን ገዲፉ ብዝዓበየ ኣብ ምግባት ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ዘተኮረ፣ ኣብ ፖለቲካዊ በለጽ ተጸሚዱ። እዚ መስርሕ እዚ ኤርትራ ብምሕረት ኣልቦ ሃዳናይ ውልቀመላኺ ዝምራሕ ሃዳናይ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር ከምትኾውን ገይሩዋ። ከምሳእቤኑ፣  ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ንነዊሕ ዝጠመተ ቁጠባዊ ዕብየት ይኹን ቀጻሊ ምዕባለ ወይውን ዝኾነ ንሓፋሽ ዘተኮረ ነገር ዘድህብ ራኢን ቆራጽነትን ዘይብሉ፣ ኣዝዩ ውልቀ መላኺ ብዝኾነ ሃዳኒ ትምራሕ ኣላ። ኢሰያስ ተቓወምትን ተወዳደርትን ንምቕጻዕ ኣዝዩ ክፉእ ጭካነን ንጸላን ብምጥቃም ዝተፈልጠ እዩ። ዝኾነ ዋጋ ይከፈሎ ብዘየገድስ፣ ምሕረት ኣልቦ ሓይልን ጸቕጥን ብምጥቃም ካኣ ሓይሊ ክድልብን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ይፍትን። ኣብ ዝተናወሓ ናይ ስልጣን ዘበኑ፣ ኣዝዩ ዝተማእከለ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክድልብ በቒዑስ ነዚ ሓይሊ ድማ ኣገዳሲ ቁጠባዊ ሃብትታትን ሓይልን ንምቁጽጻር ንኽጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ። ብተወሳኺ፣ እዚ ቁጠባዊ ሓይሊ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣብ ክንዲ ዝጥቀመሉ፣ ፍርሕን ጻማን ብምሕውዋስ ካብ ደገፍቱን ተኸተልቱን ምእዘዛ ንምግዛእ ይጥቀመሉ ኣሎ።

 

እዚ ዓይነት ሃዳናይ ባህርያት ኢሰያስ፣ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ኤርትራ፣ መስርሕ ብኽውንነት ምውዳድ ቅዋምን ምምዕባል ህዝባዊ ትካላትን ዓንቂጹ እዩ። ኩላትና ከም እንዝክሮ፣ ኢሰያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ናይ 1997 ቅዋም ቅድሚ ምእዋጁ ዝሞተ እዩ ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። እዚ ማለት ካኣ ኢሰያስን ስርዓቱን ህዝቢ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምህላው፣ ናይ ልዕልና ሕጊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ብልጽግና ናይ ምህላው መሰል ተኸልኪሎም ክነብሩ ፈሪደሞም ኣለዉ ማለት እዩ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፣ ናይ መንግስቲ ባህሪ ከምዚ ክትከውን ኣለዋ ብምባል ገደብ ክገብር ዝኽእል ቅዋማዊ ዓንቀጻት የለን፣ ኣብ ክንድዚ ኢሰያስ እዩ መን ስልጣን ክወሃቦ ኣለዎ፣ እቲ ዝወሃብ ስልጣን ድማ ንምንታይ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ ዝውስን። ስለዚ፣ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፣ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ሕሉፍ እኽብካብ ገባትን መዝማዝን ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት ቸይ ቸይ ኢሉ፣ ንኤርትራ ድማ ከም ናይ ውልቂ ዋኒኑ የመሓድራ ኣሎ። ሓለፋታት ይገብር ደገፍ ክረክብ ድማ ይጠልብ፣ እምነት ንዘጉደለ ካኣ ተሪር መቕጻዕቲ የውርድ። ንፖለቲካዊ ስጉምትታት ገደብ ዝገብሩን ንዜጋታት ተሓተትቲ ዝገብሩን ዕላውያን ትካላት የለዉን። ኣብ ክንድዚ፣ እቲ ስርዓት ንሃብትታት ካብ ህዝቢ ናብቲ ጉጅለ ገዛኢ ስርዓት ዘሰጋግሩ ዘይስሉጣት ፖሊሲታት ኣብ ግብሪ የውዕል። እዚ ንኡሽቶ ጉጅለ ንሃገረ ኤርትራ ይቆጻጸርን የካይድን፣ ዓቕምታት መንግስቲ ንሃብቲ ኤርትራ ንግላዊ ጥቕሚ እቲ ጉጅለ ኣብ ምምሕልላፍን ምምጣጥን ካኣ ይጥቀመሉ። ብተግባር ኣብ መንጎ እቲ ስርዓትን ህዝብን ኤርትራ ዘሎ ርክብ ካብ ኣብ መንጎ “ሃዳናይ”ን “ተሃዳንን/ግዳይ” ዘሎ ርክብ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ሃዳኒ ብዛዕባ ድሕነት ግዳይ/ተሃዳናይ ከም ዘይግድሶ፣ ኢሰያስን ሃዳናይ ስርዓቱን ድማ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ኣይግደሱን እዮም። ”ንኣንጭዋ ዓጽረ-ሞታ ንዱሙ መጻወቲታ” ከምዝባሃል ኢዩ ነገሩ። እቲ ግዳይ/ተሃዳናይ ንሃዳኒኡ ተቓሊሱ ክቐትሎ ይኽእል ዶ?  ሕጫጨ ከይመስል እምበር ንሱ እዩ እቲ መፍትሒ!

ኣብ ትሕቲ መዝማዚ ቁጠባዊ ትካላት ስርዓት ህግደፍ፣ መሰላት ዋኒን ብንጹር ዝበርሀን ብግቡእ ዝጸነዐን ኣይኮነን፣ ናይ ሕግታት ሲስተም ቀይናናት እዮም፣ ከምኡ ድማ ህዝባዊ ኣገልግሎታት የለዉን። ብፍላይ፣ ከም በዓል መሬት፣ ዓቕሚ ሰብ፣ ካፒታልን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን፣ ኣገዳስነት ዘሎዎም ኩሎም ቁጠባዊ ዋኒናት ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ቁጠባዊ ጸጋታት መብዛሕቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህግደፍ ወይ ድማ ምክልኻል ኤርትራ ኮይኖም፣ ሕድሪ ትራስት ፋንድ (HdriTrust Fund)ንኹሎም መንግስታዊ ንግዳዊ ዋኒናት ትቖጻጸር። ከም በዓል ትካላት ህንጻ፣ ፊናንስያዊ ትካላትን (ኢንሹራንስ፣ ባንክታት፣ ትካላት ሸርፊ ወጻኢ ባጤራ፣ ስግረ-ዶብ መሰጋገሪ መርበባት፣ ወዘተ) ትካል ንግዲ ቀይሕ ባሕሪን ዝኣመሰላ ሰፋሕቲ ትካላት ንግዲ ህግደፍ ዝጥቀማሉ ጉልበት ብብዝሒ ግዱድ ጉልበት” (forced labor) ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ። ኣብዚ ክንዕንዘቦ ዘለና ነገር፣ እቲ ስርዓት ሃብትታት ኣብ ምምርቓሕን፣ ዝዓበየ ጉንዖ ኣታውን ሃብት ሃገርን ናብኡ ንምውሳድን፣ ቅርጽታትን ናይ ምሕጋግ ስልጣንን ሓይሊን ሃገር ይጥቀም ምህላዉ ኢዩ። ኣብቲ መስርሕ ካኣ ንመብዛሕቶኦም ኤርትራውያን የዋግንን የንድን ኣሎ። ስለዚ፣ መዝመዝቲ ቁጠባዊ ትካላት ብባህሪኦም ንመዝማዚ ፖለቲካዊ ትካላት ይዕጅቡ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ድማ ተሪር ውህደት ኣሎ። ብተወሳኺ፣ እዚ ውህደታዊ ርክብ ተሪር ኣሉታዊ ዓንኬል ግብረ መልሲ የተኣታቱ፡ ማለት ፖለቲካዊ ትካላት ነቶም ስልጣን ዝቆጻጸሩ ላህመታት ህግደፍ ብውሑድ ወይውን ብዘይገለ ገደባትን ተቓውሞን ዘድልይዎም ቑጠባዊ ትካላት ንኽመርጹ የኽእሎም። ብተወሳኺ፣ ንላህመታት ህግደፍ (PFDJ elites) ንመጻእቲ ፖለቲካውያን ትካላትን ፍልቀቶምን (evolution) ቅርጺ ንኸትሕዙ የኽእሎም። ኣብ ቀረባ እዋን ኢሰያስ “ሓድሽ ቅዋም” እተዳሉ ምስጢራዊት ሽማግለ ገይረ ኣለኹ ምባሉ ምስ ከምዚ ዓይነታት ጻዕርታት ዝኸይድ እዩ። መዝመዝቲ ቁጠባዊ ትካላት ብወገኖም ንላህመታት ህግደፍ የሀብትሙ፣ ቁጠባዊ ስልጣንን ሃብትን ንፖለቲካዊ ስልጣኖምን ዕብለለኦምን ንኸደልድሉ ይሕግዞም። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እዚ ከምዚ ዓይነት “ሰንካም ዓንኬል” ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ምስቓይ ትርከብ።

ከነስተብህለሉ ዘለና ነገር፣ ኣብ መሳርዓት መንግስቲ ብኹረት ጥሙር ብቑዕ ቢሮክራሲን ብሕጊ ዝኸይድ ጠባይን፣ ውጽኢቱ ሰፊሕ ሃለዋት ቢሮክሳስያዊ ብልሽውና፣ ክራይ ኣካብነትን ግኑን ዝምታ ሃብቲ ህዝቢን እዩ። ዓበይቲ ስልጣናት ሰራዊትን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ዝወሃቦም ሰባት፣ ነቲ ስራሕ ብስሉጥ ንምስራሕ ክእለትን ተመኩሮን ስለ ዘለዎም ዘይኮነ ከም ፖለቲካዊ ጻማ/ዓስቢ እዩ ዝወሃብ። እዚ ኣብ ቁጠባ፣ ፈጠራን ምህርትን ዓንቂፉ ጥራይ ዘይኮነ ዘይፍትሓዊ ምክፍፋል ሲስተም ሃብቲ ሃገር ኣስዒቡ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሲስተም፣ ረቛሒታት ምህርቲ ብናይ ሓደ ሃብቲ ዘምጽኦ ተወሳኺ ምህርቲ ዘይኮነ በቲ ክራይ ኣካብነት ጠባይ ናይቲ ወናኒ ሃብቲ እዩ ዝውሰን። ብተወሳኺ፣ ደረታዊ ዓቐን ግብሪ ኣብ ኤርትራ 83.7% ንግዳዊ ትርፊ እዩ፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ብዙሕን ንንግዲ ክቡርን (costly) ይገብሮ። እዚ ብወገኑ ንቁጠባዊ መተባብዒታት ብኸቢድ ከምዝዝንብዕን ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ምፍራይ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን ሒደት ሃብትታት/ጸጋታት ከም ዝዋፈሩ ይገብር። ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተራእየ መጠነ ሰፊሕ ዋሕዚ ብሕታዊ ንግዳዊ ትካላት ናብ ወጻእ ሃገራት (መብዛሕተአን ናብ ኣፍሪቃ) ናይዚ ስነ-ምንቅስቓስ (ዳይናሚክስ) መግለጺ እዩ። ሰፊሕ ዋሕዚ ንግዳዊ ትካላት ብወገኑ፣ ብሰንኪ ከፈልቲ ግብሪ ምብሕጓጎም ቀጻሊ ኣዝዩ ዝወሓደ ህዝባዊ ኣታዊ ከም ዝህሉ ገይሩ። ብተወሳኺ፣ ንግዳዊ ትካላት ካብ ኤርትራ ክወጻ ከለዋ ከም በዓል ካፒታል፣ ዓምሚ ሰብን ክእለትን ዝኣመሰሉ፣ ኣብቲ ሃገር ብብዝሒ ዘይርከቡ፣ ንቁጠባዊ ምዕባለን ዕብየትን ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ረቛሒታት ምስኣተን ሒዘን ይኸዳ።

በቲ ካልእ መንገዲ፣ እቲ ስርዓት ሃብቱን ስልጣኑን ንምድልዳልን ሃብቲ ንምዝራፍን ከም በዓል ዝተራቐቐ ኮንትሮባንዳን ናይ ምስግጋር መርበባትን ኣብ ዝኣመሰሉ መጠነ ሰፋሕቲ ዘይምህርታውያን ንጥፈታት ከምዝጽመድ ይገብሮ። እዚ ናይ ምስግጋር መርበባት፣ ካብን ናብን ኤርትራ፣ ናይ ኤርትራ ኣቑሑ (ሲቪላውን ወታሃደራውን) ምስግጋር ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ሰባት ምስግጋር (ነኣሽቱን ዓበይትን፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ካብ ኤርትራ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ከምኡ ድማ ኣብ ዓለም ለኻዊ መርበባት ምስግጋር ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ብምዃን ይሳተፉ። እቲ ካብዚ ዘይቅዱስን ገበናውን ንጥፈታት ካብ ግዳያት ዝተመንዘዐ ገንዘብ፣ ካዝናታት ስርዓት ኤርትራ ይመልእ። እቲ ስርዓት ብተወሳኺ ብዙሕ ገንዘብ (ንኣብነት ካብ $2 ቢልዮን ንላዕሊ (https://www.youtube.com/watch?v=h61Zfm5uyb0)) ካብ ዘይጉሉጽ/ዘጠራጥር (dubious) ሚነራላዊ ሃብቲ ዕደናዊ ንጥፈታት (ካብ ክራይን ኮንሽስዮነ ፍቓድ ክፍሊታትን) ይእክብ፣ ከምኡ ድማ ግልጽነት፣ ተሓታትነት፣ ቅዋማዊ ገደብን ግዳማዊ ቁጽጽር (ኦዲት) ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፣ እዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል ኣሎ ግልጺ ኣይኮነን። እቲ ግልጺ ዝኾነ ነገር፣ ሚነራላዊ ሃብትታት ብቐሊሉ ተዘረፍቲ ምዃኖምን፣ እቲ ዝተዘረፈ ካብ ክራይ እቲ ሃብቲ ዝርከብ ጸጋ ድማ ንጸጥታዊ ትካላት ሃዳናይ ስርዓት ኣብ ፋይናንስ ምግባርን ንጉኖኦታት ነቲ እቲ ስርዓት ዝሙርኮሰሉ ናይ ደገፍ መሰረት (ፓትሮኔጅ ሲስተም) ዝውዕል ምዃኑ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ፣ ክራያት ሃብቲ (resource rents) ናይ ብልሹዋት ትካላት መንግስቲ፣ ድኹም ቁጠባዊ ምዕባለን ምሕደራን፣ ባጀታዊ ዘይጥጡሕ ኣካይዳን ካለኦት ተመሳሰልቲ ረቛሒታትን ፍሉጣት ጠንቂታት ምዃኖም ፍሉጥ ኮይኑ፣ እዚ ከምዙይ ኩነታት ኣብ ጽሑፋት ቁጠባዊ ምዕባለ “ሃብቲ መርገም (resource curse)” ብምባል ይግለጽ። ሚነራላዊ ሃብቲ ኤርትራ ሓቂ ብሓቂ ሂወት ናይዚ ሃዳናይ ስርዓት ከናውሕ ይኽእል እዩ።

በዚ ሃዳናይ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ህዝቢ ዝግበር ብዝበዛ ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ዜጋታት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ኣብ ወጻእ ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን ምንጭታት ኣታዊ እቲ ስርዓት ኮይኖም ይርከቡ። እዚ ስርዓት ካብ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓያለይ ፊናንስያዊ ሃብትታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ምምንዛዕ ይርከብ። እቲ ስርዓት እዞም ዝስዕቡን ካሎኦት መንገድታት ምዝመዛን ይጥቀም፡ ንስዉኣት ተባሂሉ ዝዋጻእ ገንዘብ፣ ባህላዊ ምድላዋትን ፌስቲባላትን ብምድላው ዝግበር ምውጻእ ገንዘብ፣ ኣብ ወጻእ ንዝነብሩ ኤርትራውያን መሬትን ገዛን ብናይ ወጻእ ሸርፊ ብምሻጥን፣ ዜግነት-መሰረት ዝገበረ ግብሪ-ነበርቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩን ። እዚ 2% ካብ ዓመታዊ ኣታዊ፣ ናይ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ዝኽፈል ግብሪ ካብ ስራሕ ይኹን ካብ ጥቕምታት ማሕበራዊ ድሕነት ካብ ተረኽበ ኣታዊ ዝኽፈል ግብሪ እዩ። ዲያስፖራ ታክስ  ኣብ ኩሎም ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝጸዓን ኮይኑ ካብ ግብሪ ነጻ ዝኸውን ክፋል ኣታዊ ይኹን ብሓደ ሓደ ምኽንያታት ግብሪ ዘይክፈሎ ኣታዊ ዘይብሉ ድሑር ዓይነት ግብሪ እዩ። ዲያስፖራ ታክስ ዝኸፍሉ ኤርትራውያን ክልተ ጊዜ ግብሪ ይኸፍሉ (ብዝነብሩለን ዓድታትን ብመንግስቲ ኤርትራን)፣ ኤርትራ ካኣ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ከምዚ ዓይነት “ዜግነት መሰረት ዝገበረ” ስርዓተ ግብሪ እተኽፍል እንኮ ሃገር እያ። እዚ ነቲ ኣብ ወጻእ ዝነብር ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓቢ ጽዕነት ኮይንዎ ይርከብ። ከምዚ ኮይኑ ከሎ ኸማን ንመብዛሕተኦም ሰባት ነዚ ግብሪ እዚ ዘይምኽፋል ኣማራጺ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ 2% እንተ ዘይከፊሎም ከም በዓል ወረቐት ምስክር ልደት፣ ወረቐት ምስክር መርዓ፣ ንዓበይቲ ወለዲን ኣዝማድን መውጽኢ ቪዛ፣ ብዓቢኡ ድማ መንበሪን ናይ ስራሕ ፍቓድን ንምርካብ ዘይወደቐ ፖስፖርት ኣብ ዘድልየለን ሃገራት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፣ ምሕዳስ ፓስፖርት ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብሩ፣ በዚ ዘይወደቐ ፓስፖርት ዝብል ረቛሒ ዝተጸልዉ እዮም። ስለዚ፣ ብመሰረቱ እቲ ስርዓት ነዞም “ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ምሩኻት” (captured Diaspora) ኣብ ምህዳን ይርከብ ኣሎ ማለት እዩ።

ብተወሳኺ፣ እቲ ስርዓት ካብ ኤርትራውያን፣ ኣብ ወጻእ ዝርከቡ ሓዊስካ፣ ሃብቲ ንምምዝማዝ “ውግእ ይፈጠር”“። እቲ ስርዓት መዝማዚ ተግባራቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ወጻእ ዕብለላ፣ ወራር፣ ወይ ድማ ብወጻእ ሓይሊ፣ብፍላይ ድማ ብኢትዮጵያ (ውግእ ዶብ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይካኣል)፣ ጎበጣ ክግበር እዩ እንዳበለ ካብ ዜጋታት ገንዘብን ካልእ ንዋትን ይምዝምዝ። ውግእ ዶብን ድሒሩ ድማ “ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት” ኩነታት ተጻዋርነት ህዝቢ ንናይ መንግስቲ ናይ ግብሪ ጽዕነት፡ እንኮላይ ጉዱድ ጉልበት ኣስኽካ፡ብምዕባይን ኤርትራውያን ንመስዋእቲ ዘለዎም ፖለቲካዊ ትዕግስቲ ክብ ብምባልን  ነቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሃደኑኡ ከም ዝቕጽል ኣኽኢሉዎ እዩ። ኣንጻር ናይ ወጻኢ ጸላኢ (ኢትዮጵያ)ክምኽት ኢየ ብዝብል መመኽነይታ እቲ ስርዓት ህዝቢ ኤርትራ ወፈያታት ንኽገብር ዘግድድ ፖሊሲታትን መምርሒታትን ከውጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ወፈያታት እዚ ገንዘባዊ ወፈያ፣ ካብ ወጻእ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተገበረ መሸጣ ቦንድ፣ ብኸምበዓል ግዱድ ጉልበት (ተሳተፍቲ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይተኸፈሎም ኣብ ትካላት ህግደፍን ወታሃደራዊ ሓለፍትን ዝህብዎ ነጻ ኣገልግሎት) ብዓይነት ዝህብዎ ወፈያ፣ እቶም ኣብ ገጠርን ከተማን ብረት ሒዞም ዘለዉ ዓበይቲ ብነጻ ወይ ብዘይጠቅም ክፍሊት ኣገልግሎታት ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝህቡ ምግባርን ካልእን የጠቓልል። ግዳይ “ምቁጽጻር ሃመ-ቀልቡ” (control freak) ሃዳናይ ስርዓት ዝኾነት ኤርትራ፣ ማሕበረሰባ ብኣዝዩ ወታሃደራውን ረጂመንታውን ኣተሓሳስባ ዝተዓብለለ እዩ።

ብኸምዝን ብካሎኦት ፍርያት ዘይህቡ መንገድታትን፣ ሓያለይ ኣብ ወፍሪ ክውዕል ዝኽእል ዝነበሮ ሃብቲ በቲ ሃዳናይ ስርዓት ይምዝመዝ፣ ንህዝቢ ጥቕሚ ብዘውህብን ስራሕ ብዝፈጥርን መንገዲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ብዓይነት ወፍሪ ተመላሲ ዝኸውንካኣ ኣዝዩ ውሑድ ጥራሕ ኢዩ። እዚ መስርሕ እዚ ብግዲኡ ኣብ ኤርትራ ዘይምዕብላናን (underdevelopment) ነባሪ ድኽነትን (endemic poverty)  ከምዝቕጽሉ ይገብር። ኣዝዩ ዓቢ መጠን ዝቕባበ ምስ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ታሕታዋይ ጽፍሒ ዘለዎም ወታሃደራትን ዝረኽብዎ ዜሮ ወይ ሒደት ደሞዝ ተሓዊሱ ሂወት ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ክትጻወሮ ዘይትኽእል ዓይነት ገይርዎ ጸንሑ ኣሎ። መብዛሕትኦም ኤርትራውያን  ብሂወት ንኽትነብር ዘድልዩ መሰረታውያን ነገራት (ምግቢ፣ ክዳንን መጽለልን) ብወርሓዊ ኣታዊኦም ከማልእዎም ኣይክሉን እዮም። ከም ዝፍለጥ ሓያለይ ክፋል ኣብ ኤርትራ ዝነብራ ቤተ-ሰባት ካብ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዝስደደለን መቑንን እየን ናብረአን ዝመርሓ። እዚ ኮይኑ ከማን፣ ካብ ባንክ ዓለም ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ኣብዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ከባቢ ክልተ መሰለስ (2/3) ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት እዩ ዝነብር ዘሎ። ስለ ሓቂ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካኣ  ብሰንኪ ግኑን ብልሽውናን ጠባያት ክራይ ኣካብነት እቲ ሃዳናይን ብተፈጥሩኡ ኣንጻር ፈጠርቲ ስራሕን ብሕታዊ ጽላትን ዝኾነ ስርዓት፣ ቁጠባ ኤርትራ ቀጻሊ ድኽነትን ዓጸቦን ንኽዋጋእ ዘኽእሎ ዓቕሚ ከማዕብል ሰለዘይካኣለ ኢዩ።

ካብ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝባሃል፣ እቲ ስርዓት ኣብዚ ቀረባ እዋን ሃንዳፍ፣ ዘይርትዓዊን ዘይንጹርን ምምሕዳር ባጤራ ፖሊሲ ኣተኣታትዩን ኣተግቢሩን ኣሎ። በዚ ምኽንያት ኣብ 03 ሕዳር 2015፣ ማእከላይ ባንክ ኤርትራ ዝኾነ ባንኪ ኤርትራ፣ ሕጋዊ ምልክታ ቁጽሪ 124/2015 (ንሕጋዊ ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሕጋጋት) ንዘሎ ኩሉ ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ንምትካእ ምልክታ ኣውጺኡ። እቲ ዝገርም ግን፣ ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ኣረጊት ባጤራ ቀስ እንዳበለ ካብ ስራሕ ክእለ ዝግበኦ፣ ህዝቢ እቲ ኣረጊት ባጤራ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ዘሎ ግዜ ኣረኪቡ ሓድሽ ባጤራ ሓደ ንሓደ ብዝኾነ ሸርፊ (ምቅይያር) ንኽወስድ እዩ ዘገድዶ። ምክንያት ምቕያር ዘድለየሉ፣ መንግስቲ ከም ዝብሎ፣ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ፣ ዘይሕጋዊ ምእካብ ዓበይቲ ባጤራታት፣ ምዝርጋሕ ትምዩን ባጤራ፣ ከምኡ ድማ ካብ ቁጽጽር ንላዕሊ ዝኾነ ዝቕባበን ሰማይ ዝዓረገ መጠን ወጻኢ ሸርፊን ንመዓልታዊ ግብረ ዋኒናት ካብ ብጥረ ገንዘብ ብቼክ ምጥቃም ንምቕያር እዩ ዝብል።

ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራን ባህርያት ፊናንስያዊ ጽላትን ኣብ ግምት ብምእታው እዞም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ዝኾነ ቀጠባዊ ትርጉም ኣይህቡን፣ ንፈተና ትኽክለኛ ኣካይዳ ማክሮ ቁጠባዊ ፖሊሲ እውን ዝሓልፉ ኣይኮኑን። ፊናንስያዊ ጽላት ኤርትራ ምዕቡል ከምዘይኮነ ክዝኸር ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ብኣዝየን ሒደት መንግስቲ ብዝውንነን ባንክታትን ፊናንስያዊ ትካላትን ዝተዓብለለ ኮይኑ ንህዝቢ ውሱን ፊናንስያዊ ኣገልግሎት ጥራሕ እዩ ዝህብ። እቲ ሲስተም ባንኪ ብሰንኪ ምውሓድ ዕድላት ወፍሪ ዘስዓቦ ዋሕዲ ተለቃሕቲ ብጥረ ገንዘብ ዘቕቢቡ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ባንኪ ንዝቕመጥ ገንዘብ ዝወሃብ መጠን ወለድ ኣዝዩ ትሑት እዩ፣ እዚ ምስ ግዙፍ ዝቕባበ (እቲ መንግስቲ ብዙሕ ገንዘብ ብምሕታሙ ዝመጸ)፣ እቲ ሓቀኛ መጠን ወለድ ኣብ ከባቢ ነጋቲቭ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ህዝቢ ገንዘቡ ክሕዝን ካብ ሲስተም ባንኪ ወጻኢ ገንዘቡ ከዘዋውርን ናይ ግድን ይኸውን። በቲ ካልእ መንገዲ፣ ምኽንያት ናይዚ መጠነ ሰፊሕ ዝቕባበ ብሰንኪ ንዘጓነፈ ምጉዳል ባጀት መንግስቲ ንምሽፋን ባንኪ ኤርትራ ኣዝዩ ብዙሕን ብተደጋጋምን ገንዘብ ብሰንኪ ምሕታሙ ዝመጸ እዩ። ብተወሳኺ፣ እቲ መንግስቲ ዘይሳነዩ ገንዘባውን ናይ ሸርፍን ፖሊሲታት ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ። ሸርፊ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ዶላር ኣብ 15 ናቕፋ ተሸኺላ ንነዊሕ እዋን ጸኒሓ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መጠን ሸርፊ፣ ነቲ እቲ ስርዓት ዝገብሮ ቀዋሚ መጠን ሸርፊ ንምክልኻል ባንኪ ኤርትራ ናይ ወጻእ ሸርፊ ብምግዛእን ብምሻጥን ኣብ ናይ ወጻእ ሸርፊ ዕዳጋ ጣልቃ ክትኣቱ እዩ ዝግባኣ ነይሩ። እቲ ዝገርም ግን ባንኪ ኤርትራ ንተንቀሳቓሲ ሕሳብ ዘለዎም ግብረ ዋኒናት (ኣምጻእትን ለኣኽትን) ናይ ወጻእ ሸርፊ ኣገልግሎት ኣይትህብን እያ። ጣልቃ ስለ ዘይተኣተወ፣ ዓቢ ጠለብ ናይ ወጻእ ሸርፊ ስለ ዝመጸ፣ ጎኒ ጎኒ ዝኸይድ ጸሊም ዕዳጋ ናይ ወጻእ ሸርፊ ከም ዝህሉ ገይሩ። እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ናይ ወጻእ ሸርፊ ግብረ ዋኒናት ዝኣሊ ኮይኑ። ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝነበረ መጠን ሸርፊ ምስ ብዕሊ ዝግበር መጠን ሸርፊ ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ዝለዓል እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ መጠን ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ዋጋ ዝተዋህቦ ናቕፋ ዘመልክት እዩ። ንዝውውር ዝተተምየነ ናቕፋ ንምዕጋት ዝብል እውን ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ምኽንያቱ እተን ክትምየና ዝኽእላ ዓበይቲ ባጤራታት ናቕፋ (100 ናቕፋን 50 ናቕፋን) ኣብ 2011 እየን ተሓቲመን። ሓደ ባጤራ እንድሕር ተተምይኑ እቲ ሓድሽ ዝወጽእ ዝተመሓየሸ ጸጥታዊ ጠባያት ክህልዎ እዩ ዘለዎ። ናቕፋ ቅድሚ 2011 ይትምየን እንተ ነይሩ መንግስቲ እዚ ኩሉ ዓመታት እንታይ ይገብር ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፣ ኤርትራ ኣብ መዓልታዊ ግብረ ዋኒናት ቼካት ብብዝሒ ንምጥቃም ዘኽእል ዝተሓተ ኣገዳሲ ፊናንስያውን ባንካውን ትሕተቅርጺ የብላን። እዚ ዘይስነ-መጎታዊ ሓሳብ እዩ።

ስለዚ፣ መንግስቲ ናይ ብሓቂ ነዚ ሽግራት እዚ ክፈትሕ ዝደሊ እንተ ኾይኑ ዕቱብ ተሓድሶን ሓርነትን ፊናንስያዊ ጽላት፣ ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ፣ ዕዳጋ ጉልበት፣ ከምኡ ድማ ፊስካላውን ማክሮ ቁጠባውን ፖሊሲ የድሊ። እዚ ነገራት እዚ ኣብ ኤርትራ ይኸውን የለን፣ እቲ ነቲ ባጤራ ንክቕየር ዝደፋፈአ ምኽንያ(ታት) ድማ ካልእ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል ወይ እቶም ምኽንያታት እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ? እቲ ሃዳናይ ስርዓት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ መሰላት ዋኒን ብምኽላስ መስርሕ ምዝመዛ ሃብቲ ንክቕጽልን ክቆጻጸርን ንከኽእሎ እንተዘይኮይኑ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

መስርሕ ምቕያር ኣረገውቲ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ባጤራ ናቕፋ ዕግርግር ዝመልኦ ጥራይ ዘይኮነ ነይሩ እንታይ ደኣ ሃብቲ ዘጉድል ውዲት እዩ እውን ነይሩ። ኣብ ኣቕሑ፣ ዕዮ፣ ሸርፊ ወጻኢ ከምኡውን ዕዳጋታት ንብረትን ዘይምትእምማን ፈጢሩ። ብሰንኪ እዚ ዘይምትእምማናትን ጸወታ ትጽቢታትን፣ ናይ ኣቑሑን ኣገልግሎታትን፣ ናይ ወጻእ ሸርፍን ሓዊስካ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዋጋታት ናይ ንብረት ተራእዩ። ኣብቲ መስርሕ ብዙሓት ኤርትራውያን ሒደት ዘይባሃል ክፋል ሃብቶምን እትዋቶምን ስኢኖም። ኤርትራውያን ኣብ ገንዘቦም ዘለዎም መሰል ዋኒን ብመሰረቱ በቲ ሃዳናይ መንግስቲ ተወሲድዎም ኣሎ ማለት እዩ። በዚ ሓድሽ ውዲት መሰረት ስድራቤታት ካብ ባንኪ ኣብ ወርሒ 5000 ናቕፋ ጥራይ እየን ብጥረ ገንዘብ ከውጽኣ ዝኽእላ። ብኣዘራርባ ማክሮ ቁጠባ፣ እዚ ኣብ ማክሮ ቁጠባዊ ተግባርን ድሕነት ሕብረተሰብን ከቢድ ሳዕቤናት ዘለዎ ዓቢ ነውጺ ጠለብ (demand shock) እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ባንኪ ገንዘብ እንተሃለወካ፣ ኣብ ዝደለኻዮ ጊዜ ከተውጽኦ ዘይትኽእል ምዃንካ ወርሓዊ ኣታዊኻ ብገዚፍ መጠን ጎዲሉ ኣሎ ማለት እዩ። ነዚ ንምብራህ ዝኣክል፣ ንበል ሓንቲ ቤተሰብ ወርሓዊ ባጀታ 10000 ናቕፋ እዩ ንበል (ዋጋ ኣቑሑ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኤርትራ እዚ ዘይሕሰብ ዓይነት ኣይኮነን)፣ ንበል’ውን እዛ ቤተሰብ እዚኣ ኩሉ ገንዘባ ኣብ ባንኪ የእትያቶ ንበል። በዚ ሓድሽ መምርሒ ኣብ ወርሒ 5000 ናቕፋ ጥራይ ምውጻእ ስለ ዝፍቀድ ወርሓዊ ኣታዊ ናይዛ ቤተሰብ እዚኣ ብግብሪ ብ50% ወይ ድማ ብፍርቂ ጎዲሉ ማለት እዩ። እዚ ካኣ ናይታ ቤተሰብ ጠለብ ኣቑሑን ኣገልግሎታትን (ወርሓዊ ሃልኪ) ብ50% ንኽንኪ የገድዶ። እዚ ዓይነት ኩነታት ኣብቲ ሕብረተሰብ ንዘለዉ ቤተሰባትን ውልቀሰባትን እውን ይምልከት እዩ፣ ብሓፈሻ ድማ ጠቕላላ ጠለብ ኣቑሑን ኣገልግሎታትን ብዓቢ ቁጽሪ ይጎድል ማለት እዩ። ምጉዳል ወጻኢታት ሃልኪ ብግዲኡ ንትካላት ንግዲ ኣቑሑተን ብዝሓሰረ ዋጋ ንኽሸጣ የገድደን። ስለዚ፣ እዚ እቲ ስርዓት ክጃሃረሉ ዝቐነየ ምጉዳል ዋጋታት ኣቑሑ ውጽኢት ሓቀኛ ጠለብ (ኣሉታዊ ነውጺ ጠለብ) እምበር ኣቑሑ ኣብ ዕዳጋ ብብዝሒ ስለ ዝቐረቡ ኣይኮነን።

እቲ ትኽክለኛ ሳዕቤን ናይቲ ፖሊሲ፣ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ስድራቤታት ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ምስ ቅድሚ ናቕፋ ምቕያሩ ዝነበረ ሃልኪ ክወዳደር ከሎ፣ ዝተሓተ ሃልኪ ይገብራ ኣለዋ። ብተመሳሳሊ፣ ብሰንኪ እቲ ዕግርግር ዝመልኦን ሃንደበታውን ውሳኔ ምቕያር ናቕፋ ብዝፈጠሮ ዘይርግኣትን ጸወታ ትጽቢትን(expectations game) ዕዳጋ ወጻእ ሸርፊ ኣብ ጭንቂ ኣትዩ ይርከብ። ስለዚ፣ ምጽባብ ኣብ መንጎ መጠነ ሸርፊ ጸሊም ዕዳጋን ዕላዊ ሸርፍን ብባህሪኡ ጊዝያውን መሰጋገርን ጥራሕ እዩ ክኸውን። ንመሰረታዊ ሽግር ዕዳጋ ሸርፊ ንባዕሉ ብምሕዳስን ነጻ ብምግባርን እንተዘይተፈቲሑ እቲ ፍልልይ ጸወታ ዘይርጉእነትን ትጽቢትን ምስ ተኣለየ ክዓቢ ክጅምር እዩ። ክሳብ ሽዑኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ድኽነት ኣዝዩ ከም ዝዓቢ ክገብር እዩ፣ እዚ ድማ ንብዙሓት ሰባት ካብቲ ዓዲ ምውጻእ ወይ ምህዳም ከም ተመራጺ ኣማራጺ ገይሮም ከም ዝወስድዎ ዝገብር ይኸውን። ዋሕዚ ኤርትራውያን፣ ትካላት ንግዲ ኤርትራውያን ከምኡ ድማ ኤርትራዊ ካፒታል ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ከዓቢ እዩ፣ እዚ ድማ ሃላዋት ኤርትራ ከም ሃገርን ሕብረተሰብን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ይኸውን።

ብኣጠቓላሊ፣ ሃገረ ኤርትራ ብፖለቲካ፣ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ቁጠባን ዝተዳኸመት ኮይና ናብ ዲሞክራስያዊትን ልምዓታዊትን ሃገር ንምግባራ ዓቢ ብደሆ እዩ ክኸውን። ዘይምዕብልና ኤርትራ መብዛሕትኡ ሳዕቤን ብኹረት እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ሃደና ንኸይትኣቱ ክእግዳ ዝኽእል፣ ዘቤታዊ ኤርትራዊ ፈጠራን ብሕታዊ ፈጠራ ሃብትን ዘተባብዕን ዝደፍእን፣ ንኹሎም ኤርትራውያን ብምልኣትን ብስልጠትን ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገሮም ክሳተፉ ዘኽእል ትካላዊ ምድላዋት ብዘይ ምህላው ዝመጸ እዩ። ስለዚ፣ እቲ ናይ ምስግጋር እዋን ንፖለቲካዊ ሃደና ዝከላኸል፣ ቁጠባዊ ነጻነት ዘረጋግጽ፣ ከምኡ ድማ ፈጠርቲ ስራሕ ስራሕ፣ ኣታውን ሃብትን ንኽፈጥሩ ብዘተባብዕ፣ ምሕደራን ምክፍፋል ሃብትን ዝህብ ውሑስ መሰላት ዋኒን ከቕርብ ብዝኽእል፣ ብመንገዲ ቅኑዕ ምድላው ቅዋም ብዳግመ ህንጸት ሃገረ ኤርትራ ክጅምር ኣለዎ።

——ናብ ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde December 17, 2016

    It is a socioeconomic mayhem,it is an epic failure of statehood,it is a cultural and psychological meltdown.Please continue eviscerating the essence of HGDEF and its moribund tenets.Thanks DR. for your priceless input.

  • Mokie December 19, 2016

    What to you expect for the system of monkeys

POST A COMMENT