Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከ-ቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡር-ኣልቦነትን ኣብ ድሕረ-ናጽናት ኤርትራ – ሳልሳይ ክፋል

  ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከ-ቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡር-ኣልቦነትን ኣብ ድሕረ-ናጽናት ኤርትራ ሳልሳይ ክፋል ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ   እቲ ኣማራጺ መንገዲ፡ ምስባር "ሰንካም ዓንኬል" ኣብ ኤርትራ ነዚ ሃዳናይ ኣካይዳ

 

ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡርኣልቦነትን ኣብ ድሕረናጽናት ኤርትራ

ሳልሳይ ክፋል

ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ

 

  1. እቲ ኣማራጺ መንገዲ፡ ምስባር “ሰንካም ዓንኬል”

ኣብ ኤርትራ ነዚ ሃዳናይ ኣካይዳ ናብ ግሉጽ፣ ኣሳታፍን ተሓታትን ፖለቲካውን ቁጠባውን ሲስተም ንምስግጋር፣ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ቅኑዕ ምድላው ቅዋም ብንጥፈት ብምጽማድ፣ ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገር ክሳተፉ ኣለዎም። ብጽኑዕ መንገዲ ዝተዳለወ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዕዳጋታት ንዝሳተፉ ሰባት ዝወሃቦም መተባብዒታት ይውስን። ድሕሪ-ቅዋማዊት ኤርትራ ንዝህሉ ትካላት ምምስራት መንጸፋት’ውን የቐምጥ። ከምዚ ዓይነት ቅዋም ዝስራሓሉ መስርሕ ሓደ ኣካል፣ ሰብ ወይ ጉጅለ፣ ነቲ ክትዓት ዘይዕብልለሉ ስለ ዝኸውን፣ እዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህግደፍ ዝቖጻጸሮ ኣካይዳ ምድላው ቅዋም መጀመርያ ክበታተን ኣለዎ። ስለዚ፣ ናይ ኤርትራውያን ናይ መጀመርያ ስራሕ፣ ናይዚ ሃዳናይ ስርዓት ነገራት ምብትታንን ምስዓርን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ምስ ዝኸውንን ኣብ ዝኾነሉን እዋን እዩ ምዕባለ መሰረት ዝገበረ ቅዋማዊ ቅርጺ ክትከል ዝካኣል። ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ቁጠባዊ ምዕባለን ዕብየትን ዝረጋገጽ፣ ኣብ ሃለዋት ስሉጥን ተሓታትነት ዘለዎ ቅዋም እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ሓድሽ ቁዋም ኤርትራ ቁጠባዊ ነጻነታትን ፈጠራ ስራሕን ዘተባብዕ፣ ሃብትን ስራሕን ዝፈጥር፣ ናይተን ዝተፈላለያ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረባ ጉጅለታት ብሰላም ሓቢረን ዝነብራሉ ኩነታት ዘተባብዕ፣ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ህንጸት ሃገሮም ብምልኣትን ብቕዓትን ዝሳተፉሉ መንገዲታት ዘረጋግጹ ቁልፊ ዓንቐጻት ክህልውዎ ይግባእ።

ከምዚ ዓይነት ትካላዊ ምድላዋት ኣብ መንጎ ተሳታፍነት መብዛሕቶም ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓውዲታት ዘረጋግጽ ሓቛፍን ብዙሃን ዝሓዘን ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት ተሪር ሓድነት ይፈጥር። ብተወሳኺ፣ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብብዝሒ ይዝርግሕ። ስለዚ፣ እቲ ብሓድነት መዝማዚ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት እቲ ሃዳናይ ስርዓት ዝተፈጠረ ሰንካም ዓንኬል ተሰይሩ፣ ብቀጻልነት ዘለዎ “ውርዙይ ዓንኬል”(virtuous cycle)- ኣብ መንጎ ሓቖፍቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት ሓድነት ብዘለዎ፣ ይትካእ። ሓንሳብ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ሓቖፍትን ብዙሕነት ዘለዎምን ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት ብመስርሕ ኣወንታዊ ሪኢቶ ይዝርግሐን ይቕጽላን።

ዕዉት ፖለቲካዊ ምስግጋርን ትኽክለኛ ምድላው ቅዋምን ምስ ተገብረ፣ ኣብ ድሕረ-ቅዋማዊት ኤርትራ ትኽክለኛ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ስትራተጂ፣ ንደገ ዝጠመተን ብብሕታዊ ጽላት ዝምራሕን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ፈጠራ ናይዚ ናይ ምዕባል ስትራተጂ ምንጩ ካበይ እዩ ዝመጽእ እንተተባህለ፣ ነጻነት ዓለማዊ ንግዲ ንሰደድ ዓቢ ዕዳጋ የምጽእ እዩ ተባሂሉ እዩ ዝእመነሉ፣ ስለዚ መጠነ ዕብየት ጂኤንፒ ብውሱን ዘቤታዊ ዕዳጋ ኣይውሰንን እዩ፣ እንድሕር ተወሲኑ ግን ምድስካል ድሕነት ኣብ ታሕቲ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ የኸትል ማለት እዩ። ኣብ ትዕዝብቲ ከነእትዎ ዘለና፣ ኤርትራ ከም ንኡሽቶይ ሃገር፣ ናይ ንኡሽቶ ምዃና ጽልዋ ኣብ ኩሉ መዳያት እዩ ዝረአ- ውሱን ዘቤታዊ ዕዳጋ፣ ብዙሕ ዘይተፈላለየ መሰረት ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፣ ብጸቢብ ዝተዘርገሐ ዓቕሚ ሰብን ክእለት ፈጠራን፣ ከምኡ ድማ ውሱን ቴክኖሎጂካውን ኣካላውን ሃብትታት- እዚ ድማ መጀመርያ ነቲ ዝካኣል መሰረታዊ ገደብ ይገብረሉ። ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ናይ ባዕልኻ ነዃል (niche) ክትረክብ ወይ ድማ ናብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ክትስንጥቕ ቀሊል ስራሕ ስለ ዘይኮነ፣ ኤርትራ ኣቑሑ ንሰደድ ንኽትሰድድ ኣብ ዓለምለኸ ዕዳጋታት ድማ ተቐባልነት ክትረክብ ዓቢ ቃልሲ ክትቃለስ ከድልያ እዩ። በዚ መንገዲ- ድሕረ ቁዋማዊት ኤርትራ ንዕዉት ዓለምለኸ ንግዲ መምሃሪ ባይታ ወይ ድማ ማዕረ ማዕረ፣ እዚ ከም ሓደ ስጉምቲ ንብዝሓ ጎናዊ ምሕራር ንግዲ፣ ንክቕጽል ዝኽእል ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት/ምትሕግጋዝ (regional economic integration/co-operation) ቀዳምነት ክትህብ ኣለዋ።

ንፍርያት ሰንዓ (manufacturing) ዝዓበየን ብቐሊሉ ክብጻሕ ዝኽእልን ዕዳጋ ብምቕራብ ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት/ምትሕግጋዝ ንጽላት ሰንዓ/ማኑፋክቸሪንግ ኤርትራ ጽቡቕ ናይ ምምዕባል ዕድል ይህቦ። ዞባዊ ዕዳጋ እንዳ ዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ትካላት ዝገፍሐ ዕዳጋ ስለ ዝረኽባ መኽሰበን እንዳ ገዘፈ ከም ዝመጽእን ዝዓበየ ደረጃ ከም ዝበጽሓን ይገብር። እዚ ብግብሪ ዋጋ/ክብሪ መፍረ ንጽል ኣቕሓ ስለ ዘጉድል እታ ኣቕሓ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ዘለዋ ተወዳዳርነት ይዓቢ ማለት እዩ። ብተወሳኺ፣ ዝዓበየ ዞባዊ ዕዳጋ ንደረት ፖለቲካውን ንግዳውን ኣተሓሳስባ ሰባት ካብቲ ዶባት ሃገሮም ወጻኢ ከምዝኸውን ብምግባር ከስፍሖ ትጽቢት ይግበረሉ። ቁጠባዊ ሕብረተሰብ እንተ ተፈጢሩ ነጻ ምንቅስቓስ ሰባትን ሃብትን ስለ ዘኽእል፣ ተመላላኣይ ፍሉይ ክእለታት ዘለዎም ኣብ መንጎ ሰባት ተሓላለኽቲ ሕብረተሰባዊ ርክባት ንኽህሉ የተባብዕን የኽእልን። ከምዚ ዓይነት መስርሕ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ ዘለዉ ሰባት ምዕባለ ስሩዕ ስምረት (ንዘመናዊ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ጨቢጡ ዝሕዝ መላግቦ) የምጽእ፣ እዚ ድማ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ከምጽእ ዝኽእል እዩ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጎረባብታን ዝግበር ክቕጽል ዝኽእል ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት/ምትሕግጋዝ ዶብ ዝሳገር ኣገዳስነት ንዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲታት ንምምዝማዝ ሓባራዊ ሓይልን ሃብትን ንኽዋፍሩ ዕድል ይህብ። ሕርሻ ኤርትራ ንኣብነት ምስ ቀረባ ጎረባብቲ ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰር ከም ቀለብ እንስሳ፣ ኪሊማን ምፍራይን  ብዝምልከት ናይ ቀረባ ርክብ ኣለዎ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ስለዚ ኣብ ዶብ ፈጠርቲ ዞናታት ዞባዊ ምትሕግጋዝ ምግባር ኣገዳስን ክግበር ዘለዎን እዩ። ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኩነይንና ምዕራባውን ደቡባዊ ምዕራብን ኤርትራ፣ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያን፣ ምብራቓውን ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳንን ከም ሓደ ዓቢ ቁጠባዊ ክሊ ክውሰድ ይካኣል። እዚ ቦታ እዚ ብዝሓሸ መርበብ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ይረክብ- ብወደባት ኤርትራ (ብፍላይ ድማ ብምጽዋዕ) ናብ ቀይሕ ባሕሪ ነቲ ዞባ ዝግልገል  መርበብ። ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዘቐምጣ እኳ እንተኾነ፣ ንሰለስቲአን ሃገራት (ማለት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን) ብናይ ሓባር ወፍሪ ነዚ ሰፊሕ ሕርሻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታ ምምዝማዙ ጠቓሚ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ዕላማ እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝኽእል ሓያል ፖለቲካዊ ድልየትን ቆራጽነትን የለን።

ብተወሳኺ፣ ጸጋ ዘለዎ ከባቢ ብዝሓሸ መንገዲ ንምምዝማዝ (ኣብ ኮሮድዮ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዋ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ፣ ንዕዳጋታት ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝቐረበት ምዃና፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም ኣፍደገ ክትከውን ስለ ትኽእል) ብስርዓት “ነጻ ወደባት” ዝተደገፈ ሰደድ ዝምስርሓለን ዞናታት ብሓፈሻን ኢንዱስትርያዊ ሰደድ ዘመስርሕ ዞናታትን ድማ ብፍላይ ኣብ ኣከባቢኣ ንምምስራት ኤርትራ ኣብ ግምት ከተእትዎን ከተተባብዖን ይግባእ። ኣብ ርእሲ እዚ ጻዕሪ እዚ ኤርትራ ምምዕባል ሕምብርቲ-ንግዲ ከተተባብዕ ይግበኣ።

እዚ ነዊሕ ዝጠመተ ምዕባለን ዕብየትን ክዕወት እንድሕር ኮይኑ እዘን ዝስዕባ ነገራት ክፍጸማ ኣለወን፡ (1) ብደረጃ ሃገር ተሪር፣ ቀጻሊን ተኣማንን ፖለቲካዊ ቆራጽነት፣ (2) ኣብ ባእሲ ሕድሕድን፣ ኣብ ውሽጥን መንጎን ሃገራት ግጭት ኣብ ዘለወን ሃገራት ኣብ ናይ ውህደት ንጥፈታት ክሳተፋ ስለ ዘይክእላ፣ ኣብቲ ዞባ (ቀርኒ ኣፍሪቃ) ነባሪ ሰላምን ጸጥታን  ክሰፍን ኣለዎ፣ (3) ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራሲን ጽቡቕ ምሕደራን ንኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ዝግበር ትርጉም ዘለዎ ዘተ ኣገዳሲ ቅድመ ኹነትን ንመስርሕ ቁጠባዊ ውህደት ከምዘይቅየር ንምግባር፣ ብተወሳኺ (4) ጥዑይ ህዝባዊ ፊናንስያዊ ምሕደራ፣ ተኣማኒ ስርዓት ገንዘባዊ ፖሊሲ፣ ርጉእ መጠን ሸርፊ፣ ከምኡ ድማ ብቑዕ ምምሕዳር ምድልዳል ክፍሊታትን ካልኦትን ዘጠቓለለ ዝሳነ ማክሮ ቁጠባዊ ዓንዲ ፖሊሲ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ እዚን ኩለን ቅድመ ኩነታት እዚአን እንድሕር ተማሊአንን ቁጠባዊ ውህደት ምስ ተረጋገጸን ነዘን ኩለን ቅድመ ኩነታት ዝኣስር ጽልዋታት ሪኢቶ ክህሉ እዩ፣ ነቲ ቁጠባዊ ውህደት ድማ ነባሪ ይገብሮ። ይኹን’ምበር እንደገና እዚ መስርሕ እዚ ክጅምር ዝኽእል ኣብ ኤርትራ መጀመርያ ዕዉት ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምስግጋር ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ስለዚ፣ ነዚ “ሰንካም ዓንኬል” (መስርሕ ኣሉታዊ ሪኢቶ) ገባቲን መዝማዝን ቁጠባዊን ፖለቲካውን ትካላት ናይዚ ሃዳናይ ስርዓት ሰይሩ ዲናሚካውን ቀጻልን (ውርዙይ ዓንኬል) ኣብ ድሕረ-ቁዋማዊት ኤርትራ ዝፈጥርን ዝፍኑን ትካላት ብሓቖፍቲን ብብዙሃን ትካላት ዝትክእ ብዓቢ ኪዳን ዝዝወር ሰውራ ብህጹጽ የድሊ ኣሎ።

  1. መደምደምታ፡ እቲ መፍትሒ ዝኸውን ህድማ ድዩ ወይስ ቃልሲ?

ኣብ ዝሓላፈ ርብዒ ዘመን ኢሰያስ ኣብ ክንዲ ህንጸት ሃገርን ቅዋማዊ ምሕደራን ዝገብር፣ ብልሽውና፣ ክራይ ኣካብነት፣ ወገነይ ወገንካ፣ ዓሚለይ ዓሚልካ ብዘተባብዑ ፖሊሲታት ዓቢ ውልቃዊ ስልጣን ኣደልዲሉ እዩ። ውልቃዊ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሃብቲ ዝምዝምዝ ሃዳናይ ስርዓት ፈጡሩ። እቲ ስርዓት ብዘይ ተሓታትነት ሓይሊ ናይ ምጥቃም ስልጣን ኣለዎ፣ እቲ ናይ ሃደና ቦትኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ዶባት ኤርትራ ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነን። ሃዳንን ዓማጽን ንጥፈታቱ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዘለዉ ማሕበረሰባት እውን ዝተዘርገሐ እዩ። ብሓፈሻ፣ ኣብ መንጎ እቲ ስርዓትን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ርክብ ካብ ኣብ መንጎ “ሃዳንን” “ተሃዳንን”/ግዳይን ዘሎ ርክብ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ከምቲ ሃዳናይ ብዛዕባ ድሕነት ተሃዳናይ/ግዳይ ዘይግደስ፣ ኢሰያስን ሃዳናይ ስርዓቱን ድማ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ኣይግደስን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ምሩኽ ተሃዳናይ/ግዳይ እዩ ኮይኑ ዘሎ፣ እታ እንኮ ሃለዋቱ ድማ ብመጠነ ሰፊሕ ምዝመዛ ሃብቲ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ይርከብ። ጽዕነት ግብሪ፣ ግዱድ ጉልበትን ዕስክርናን ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዙሕ ሃደና ክቃወሞ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ጸረ-ሃደና ኣማራጺታት ስትራተጂ ህዝቢ ኤርትራ “ህድማ ወይ ቃልሲ” እየን። ኣብ መንጎ እቲ ስርዓት (ሃዳናይ)ን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ (ተሃዳናይ) ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ዘይተመጣጠነ ስለ ዝኾነ፣ እቲ ቀንዲ ጸረ-ሃደና ስትራተጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ “ቃልሲ” ህድማ” እዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተራእየ ዓቢ ዋሕዚ ኤርትራውያን (ብፍላይ መንእሰያት)፣ ትካላት ንግድን ኢንተርፕሩነራትን፣ ካፒታል ዓቕሚ ሰብን ንዋትን መርኣያ ናይዚ ብህዝቢ ኤርትራ (ተሃዳናይ) ዝተጠቕሙሉ ስትራተጂ እዩ። እቲ ተሃዳናይ/ግዳይ ንሃዳናይኡ ተቓሊሱ ክቐትሎ ይኽእል ዶ?  ሕጫጨ ከይመስል እምበር ንሱ እዩ እቲ መፍትሒ! እቲ ዘየጠራጥርን ንጹርን መልሲ “እወ” እዩ።

 

 ይኹን’ምበር እዚ ነገር እዚ ብኽልተ ምኽንያታት ኣብ ኤርትራ ይግበር የለን፡ (1) ፍርሒ፡ እቲ ሃዳናይ (ሃዳናይ ስርዓት) ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ጨካን ሓይሊ ስልዝጥቀም ፣ እቲ ተሃዳናይ (ህዝቢ ኤርትራ) ኣንጻር እቲ ሃድናይ ስርዓት ንከይቃለስ ስለዝፈሪ ኣብ ክንዲ ዝቃለስ ዓዱ ምግዳፍ መሪጹ፣ (2) ሓድነት ዘይምህላው፡ ህዝቢ ኤርትራ “ሓባራዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ጸገም” ኣለዎ። ብሰንኪ እዚ ኤርትራ ኣብ ጻዕረ ሞት ሃገር ኮይና እያ። ሃገር ብዘይ መንእሰያት መጻኢ የብላን። መጠነ ሰፊሕ ስደት ንሃለዋት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ፍጻመ እዩ። ንፍርሒ” ንምስዓርን “ሓድነት ኣልቦነት” ንምቕታልን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝኾነ ነገር እንተ ዘይተገይሩ፣ ምቕጻል መጠነ ሰፊሕ ስደት ተቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ሃዳናይ ስርዓት ከሐይሎ እዩ። ዝተመቓቐልናን ከም ውልቀ ሰባት ስጉምቲ ስለ ንወስድን (እቲ ቃልሲ ሓደ ምስ ሓደ ይኸውን) ስለ ዝኾንና ንፈርሕ እሞ ብኸምዚ ኣንጻር እቲ ሃዳናይ ስርዓት እንገብሮ ቃልሲ ድማ ፍሩስ ይኸውን። ኣብ ክንድዚ፣ ኣብ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ዝግበር ምንቅስቓስ ብሓድነት ናይ ዝቃለስ ንጡፍ ተሳታፍነት ህዝቢ (ሓፋሽ ህዝቢ) ይሓትት። ይኹን’ምበር ሰባት ናብ ሓደ ምንቅስቓስ ዝጥርነፉ እቲ ምንቅስቓስ ድልየታቶም ከም ዘማልእ ርድኢት ክህልዎም ከሎን እቲ መሪሕነት ነቲ ምንቅስቓስ ናብ ዓወት ከብጽሖ ይኽእል እዩ ኢሎም ክሓስቡ ከለዉን ጥራሕ እዩ። እዚ እዩ ካኣ እቲ ኣብ ዝካይድ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጡ ኣብ ኤርትራ ጠፊኡ ዘሎ። ኣብ ክንድዚ ንሕና ዘለና “ሓድነት ኣልቦነት” እዪ፣ እዚ ብወገኑ እቲ ምንቅስቓስ ናብ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ እምነት ኣልቦነትን ምትእምማን ዘይምህላውን የምጽእ። ብተወሳኺ፣ እዚ እምነት ኣልቦነት ተወሳኺ ምክፍፋል ህዝቢ ኤርትራ የስዕብ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ድማ ዓቢ ተስፋ ምቑራጽን ተሳዓርነትን ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ሓድሽ ንቡር ነገር ኮይኑ ይርከብ። ስለዚ፣ ነዚ ዘይተደልየ ፍጻመ ዝቕይር ብዓቢ ኪዳን ዝዝወር ሰውራ ብህጹጽ የድሊ ኣሎ። ኣብዚ ኣስጋኢ እዋን ንኤርትራን ህዝባን ንምድሓን ከም ናይ ኔልሰን ማንዴላ ባህሪ ዘሎዎም ሃገራዊ መራሕቲ የድልዩ ኣለዉ። ነዚ ቃልሲ ናብ ናይ መወዳእታ ዓወት ኽመርሑ  ዝኽእሉ ከምዚኣቶም ዓይነት ሃገራዊ መራሕቲ ክምልምል ዝኽእል ጸዋርን ኩሉ ሓቆፍን ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣር ብውልቅናን ብሓባርን ዝካኣለና ንግበር። እቲ መፍትሒ ምቅላስ እምበር ምህዳም ኣይኮነን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde December 28, 2016

    I hear you Dr. Gebre, you have dissected so far the micro and macro economic woes of this tiny nation of ours.However,the tyrant has programmed the entire population on a flight mode from the get go and have been successful of eluding and deflecting the issues away from him,he does that by keeping the people in the dark.The thing that kills me is the people who freed themselves from the darkness into the western light ……I don’t need to go any further,it is mind boggling.Keep teaching and inspiring,thanks.

  • Michael Eyob December 28, 2016

    Greetings Dr. Gebre, I am quite appreciative of your tactful approach to teach us on a vast & complex issues in our own language. I know you could have written this article in English but first comes first. You are feeding our people with purposeful and relevant dose of information in Tigrigna. I hope your work will redirect the brains of the folks who bestowed their God given consciousness to the criminal regime in Eritrea and join the democratic movement to end the suffering of our people and country.

    Kudos to you .. keep up the good work.

POST A COMMENT