Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከ-ቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡር-ኣልቦነትን ኣብ ድሕረ-ናጽናት ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ

ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከ-ቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡር-ኣልቦነትን ኣብ ድሕረ-ናጽናት ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ መእተዊ ኣብ ጽሑፋት ፖለቲካዊ ቁጠባ ብሰፊሑ ተመዝጊቡ ከም ዘሎ፣ ታሪኽ ዘመናዊት ኤርትራ

ካብ ምህናጽ ሃገር ናብ ፖሊቲካዊ ሃደና፡ ፖለቲከቑጠባዊ ሰረት ዘይምዕብልና፣ ድኽነትን ንቡርኣልቦነትን ኣብ ድሕረናጽናት ኤርትራ

ቀዳማይ ክፋል

ደራሲ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፡ ኣቶ ሃብቶም ተኽለ

  1. መእተዊ

ኣብ ጽሑፋት ፖለቲካዊ ቁጠባ ብሰፊሑ ተመዝጊቡ ከም ዘሎ፣ ታሪኽ ዘመናዊት ኤርትራ ታሪኽ ንሃገርነት፣ ሃገራዊ መንነት፣ ማሕበረ-ባህላዊን ቁጠባውን ሓርነታት ዝተኻየደ ነዊሕን ከቢድን ቃልሲ እዩ። ኣብዚ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ቃልሲ፣ ወለዶታት ኤርትራ ኣንጻር ተኸታተልቲ ገዛእቲ ሓይልታት ብሓባር ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ተቓሊሶምን፣ ናጻነት ኤርትራ ኣብ 1991 ብጋህዲ ኣብ 1993 ድማ ብሕጊ ኣውሒሶም እዮም። እቲ ካላኣይ መድረኽ ቃልሲ፣ መድረኽ ህንጸት ሃገርን ህንጸት ቅልጡፍ፣ ዳይናሚክ፣ ምዕሩይን ንነዊሕ ዝጸንሕን ቁጠባዊ ዕብየትን ማሕበረ-ባህላዊ ሓርነትን እተውሕስ ዲሞክራስያዊት ዝኾነት ልምዓታዊት ሃገር ዝዓለመ እዩ ክኸውን ነይርዋ። እንተኾነ፣ ድሕሪ ናጽነት ብዙሕ ከይተጸንሐ (ብፍላይ ድሕሪ 1997) ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ሃደና (political predation) ብምንባሩ፣ መስርሕ ህንጸት ሃገርን ዲሞክራስያዊነትን ኤርትራ ብጉጅለ ምሕረት ኣልቦ ሃደንቲ ውልቀመለኽቲ (predatory dictators) ተቖጽዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ልዑል ዕላማታት ቃልሲ ናጽነት ጥሙሕ ስልጣንን ክብርታትን ናይዞም ሒደት ሞራል ኣልቦ ሃደንቲ ተቖጽዩ ተሪፉ። ብሓፈሻ፣ እዛ ናይ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ ዘመን ኤርትራ፣ ከም ንህዝቢ ኤርትራ ብዝሃድን ሃዳናይ ውልቀመላኺ ስርዓት እተመሓደረት ሃዳናኒ ሃገር (predatory state)ክትግለጽ ትኽእል።

እቲ ሃዳናይ ስርዓት፣ ጨቛኒ ስነ ሓሳብ፣ ፖሊሲታትን ሕግታትን ብምጥቃም፣ ኣብ ኩሉ ክፋላት ኤርትራዊ ሂወት (ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ባህላዊ፣ ወዘተ) ዕብለላን ምቑጽጻርን ብምስፋን፣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ናብ ገባትን መዝማዝን ኣካል(absolutist and extractive entity) ተሰጋጊሩ ይርከብ። እቲ ስርዓት ብመሰረቱ ቀጻልነት ዘለዎ “ሰንካም ዓንኬል” (vicious cycle) ፈጢሩ። እቲ ዓንኬል፣ ሰንሰለታዊ ምትእስሳርን ምምግጋብን  መዝመዝቲ ፖለቲካዊ ትካላትን መዝመዝቲ ቁጠባዊ ትካላትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ መዝመዝቲ ፖለቲካዊ ትካላት መዝመዝቲ ቁጠባዊ ትካላት ይፈጥሩ፡ እቶም መዝመዝቲ ቁጠባዊ ትካላት ካኣ መዝመዝቲ ፖለቲካዊ ትካላት ንኽቕጽሉ ዘኽእል ኩነታት ብምፍጣር ቀጻልነት ናይቲ ዓንኬል ይረጋገጽ።መዝመዝቲ ቁጠባዊ ትካላት ስለዚ ብባህሪኦም ብመዝመዝቲ ቁጠባዊ ትካላት ይዕጀቡ፣ ኣብ መንጎ  ክልቲኦም ድማ ተሪር ውህደት ይፈጥር። ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዳንን ውልቀመላኽን ቅርጺ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፖለቲካዊ ዓውዲ ብቐጻሊ እንዳኣጽበበን ብዙሓት ፖለቲካዊ ባእታታት እንዳኣጥፈአን ይርከብ። ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ዓውዲ’ውን ከም በዓል መሬት፣ ሓይሊ ሰብ፣ ካፒታልን ባህርያዊ ጸጋታትን ዘጠቓለለ መሰረታዊ ቁጠባዊ  ሃብትታት ብብዝሒ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቲ ስርዓት ኮይኖም፣ መሰላት ቁጠባዊ ናጽነት ዜጋታት ኤርትራ (ብነጻነት ምልውዋጥን ውዕልን ናይ ምግባር) ብዓቢኡ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ይርከብ።

 

ሎሚ ኣብ ኤርትራ፣ እቲ ሃዳናይ ስርዓት ከም በዓል ምክልኻል፣ ሕጊን ስርዓትን፣ መሰላት ዋኒን፣ ህዝባዊ ጥዕና (ዝስተ ማይን ጎሓፍን)፣ ርግኣት ማክሮ ቁጠባን ሓገዝ ንበተኻትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣቕሑ ከቕርብ ኣይካኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም በዓል መጓዓዝያን መራኸቢታትን፣ እኹል ኣብያተ ትምህርታት፣ ሆስፒታላት፣ መንገድታት፣ ወደባት፣ ትሕተ-ቅርጺ ባቡር፣ መሳርሒታት ጽርየት፣ ኤለክትሪክ፣ መሳርሒታት መስኖ፣ ምቁጽጻር ብከላ፣ መልዕሎ፣ ሓገዝ ቤተሰብ፣ ጥዕና፣ ሂወት፣ ንስራሕ ኣልቦ ዝወሃብ ኢንሹራን (መቑንን) ዝኣመሰሉ ማእከሎት ህዝባዊ ስራሓት ከቕርብ ኣይካኣለን። እዚ ከምዚ ዓይነት ብቐጻሊ ዘንደልህጽ ዘሎ ሰንካም ዓንኬል ዝወለዶ ሕጊ ኣልቦነት፣ ፊስካላዊ ብልሽውናን፣ ብቐጻሊ ዝዓቢ ዘሎ፣ ብምኽንያት ምድኻም ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምጥሓስ መሰረታውያን መሰላትን ሓርነታትን ዘኸተሎ ምብሕጓግ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት፣ ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ቁንቆና፣ ፖለቲካዊ ዘይርግኣትን “ማሕበራዊ ንቡር-ኣልቦነትን”(social anomie) ከም ዝህሉ ኣብ ምግባር ተራ ይጻወቱ ኣለዉ።

 

  1. ህሉው ኩነታት ቁጠባን ሕብረተሰብን ኤርትራ

ብሰንኪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ኩናትን በቲ ሲዒቡ ዝመጸ ርብዒ ዘበን ዘቑጸረ ፖለቲካዊ ሃደናን፣ ኤርትራ ኣድላዩ ዝኾነ ሓድሽ ወፍሪ፣ ቴክኖሎጂን ምምዕባል ዓቕምን ከም ዘይህልዋ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነታ ሃገርን ወኪላታን (the state and its agents) ፖለቲካዊ በለጽ (political opportunism) (ብልሽውናን  ባህርያት ክራይ ኣካብነትን (rent-seeking)) ካብ ምዝውታር ዝዓግቱን ዝከላኸሉን ኣገደስቲ ትካላዊ ኣሰራራሓ ከምዘይተማዕብል ገይርዋ ይርከብ። ብሰንኪ እዚ ድማ፣ ብድኹም ማክሮ ቁጠባዊ ኣሰራርሓ፣ ብድኽነት፣ ብትሑት ምዕባለ (ብዘይምዕብልና)፣ ብቁጠባዊ ግላለን ንቡር-ኣልቦነትን ተቐይዳ እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ዝደኸያ ሃገራት ኮይና ትርከብ። ኣብ ሰሌዳ 1 ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ፣ ብሕታዊ ዓመታዊ ኣታዊ ንኣብነት ካብ 2000 ክሳብ 2013 ብገምጋም ኣብ ዓመት ብ1.77% ከንቖልቑል ጸኒሑ ኣሎ። ብሰንኪ ምዕባለ ኣልቦነትን ቀጻሊ ዋሕዲ ባጀት ዝፈጠረ ሃንዳፍ ስርዓት ህዝባዊ ፋይናንስን ፣ ነቲ ጉድለት ባጀትንምሽፋን ገንዘብ ኣብ ምሕታም ዝተጸምደ ስርዓት ገንዘባዊ ፖሊሲን፣ ክልተ ኣሃዛዊ ዝቕባበ (ብውሕዱ ኣብ ዓመት 20%)፣ ቀጻልነት ዘይብሉ ሃገራዊ  ዕዳን ከም ዝህሉ ገይሩ ይርከብ። ኣሃዛት ባንኪ ዓለም ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ 2014 ቀረብ ገንዘብ ብ16.5% ዓብዪ፣ ኣብ 2012 ዝነበረ ሃገራዊ  ዕዳ ድማ፣ ዋላ እኳ እቲ መንግስቲ ካብ ዕደና ልዕሊ $500 ሚልዮን ኣታዊ ይርከብ፣ 126% ናይ ጂዲፒ (GDP) እዩ ነይሩ።

ሰሌዳ 1፡ ናይ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ (1993-2014) ቀንዲ ሓበርቲ ኩነታት ማክሮ-ቁጠባ

 

 

 

ዓመት

 

ዕዳ ወጻኢ (ድምር ብUS$)

ዕብየት ውልቃዊሃልኪ ሓንቲ ገዛ/ቤተሰብ (ዓመታዊ%) ሓፈሻዊ ዘቤታዊ ውህለላ (% ናይጂዲፒ)  

ዕብየት ጂዲፒ(ዓመታዊ%)

ዕብየት ነብሲ ወከፍ እቶት/ጂዲፒ (ዓመታዊ%) ዕብየትጂኤንኣይ (ዓመታዊ%)
1993 2.40E+06 -9.78 -23.95 13.45 13.58 19.07
1994 2.91E+07 22.38 -29.71 21.22 21 28.37
1995 3.67+07 -11.48 -38.01 2.86 1.98 -5.23
1996 4.43+07 7.93 -30.56 9.26 7.5 -10.71
1997 7.55E+07 14.94 -24.9 7.91 5.49 8.58
1998 1.46E+08 -26.95 -32.97 1.77 -1.08 2.87
1999 2.53E+08 -26.45 -31.68 0.01 -3.24 0.28
2000 2.98E+08 -26.95 -42.86 -13.12 -16.23 -13.78
2001 3.95E+08 25.09 -18.5 8.88 4.64 8.76
2002 4.89E+08 12.02 -27.41 3.01 -1.27 0.04
2003 6.05E+08 -9.11 -40.89 -2.66 -6.76 6.13
2004 6.28E+08 -30.97 -41.52 1.45 -2.69 0.53
2005 6.59E+08 10.74 -27.23 2.57 -1.35 1.51
2006 7.00E+08 -0.26 -17.17 -0.97 -4.46 -0.33
2007 7.17E+08 14.79 -17.65 1.33 -1.81 1.59
2008 9.98E+08 -15.39 -8.99 2 -1.15 -10.05
2009 1.05E+09 7.80 -9.65 3.88 0.59 3.83
2010 1.04E+09 -9.14 -9.26 2.19 -1.07 2.13
2011 1.06E+09 -20.30 1.22 8.68 5.17 8.83
2012 9.94E+08 የለን የለን 7.02 3.56 የለን
2013 9.46E+08 የለን የለን 1.33 -1.90 የለን
1990-2000 -6.2 (0.2)* 6.5 (2.3)*
2000-2014 -3.6 (1.6)* 0.50 (4.9)*

ምንጪ፡ ዓለማዊ ማዕከን ሓበሬታ፡ ሓበርቲ ዓለማዊ ምዕባለን ምዕባለ ዓለምለኻዊ ፋይናንስ፣ ባንኪ ዓለም www.worldbank.org/country/eritrea ; ()*ተጠቒሱ ዘሎ ኣሃዛት ብዛዕባ ትሕተ ሳሃራ ኣፍሪቃ እዩ

 

ኣብ ሰሌዳ 1 ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፣ ምስ ግዙፍ ዝቕባበ፣ ዝተጨበጠ ዕዳጋ ሓይሊ ሰብን ሃገራዊ እቶት ዘይምህላውን፣ ኣብ ኤርትራ ስድራቤታዊ ድሉው ኣታዊ ብሓቂ ብዓቢ ቑጽሪ ኣዝዩ እንዳ ጎደለ እዩ ዘሎ። ንኣብነት ካብ 2000-2014 ዘሎ ጊዜ እንተ ወሰድና፣ ጠቕላላን ናይ ነብሲ ወከፍ ቤትን ሃላኺ ወጻኢ(consumption spending) ብገምጋም ብ0.90%ን 3.6%ን ብመስርዕ (respectively) ኣብ ዓመት ጎዲሉ። እዚ ምስ ኣዝዩ ትሑትን ዘይቅየርን ደሞዝ ሰራሕተኛታት፣ ከምኡ ድማ ምስ ዕድላት ኣታዊ ዘይምህላውን፣ መብዛሕተአን ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ ጫፍ ብቐጻሊ ንመዓልቲ ብኸመይ ክንሓልፎ ኢና ብዝብል ሻቕሎት ተዋሒጠን ይነብራ ከምዘለዋ እዩ ዘርኢ። ምስ “ማሕበራዊ መርበባት ድሕነት” (social safety nets)ዘይምህላው፣ ኩነታት ስድራቤታት ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ነቶም በተኽን ብቐጻሊ ድኽነት ዝተጠቕዑን ዝገደደ ይገብሮ። እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፣ እቲ ሃዳናይ ስርዓት ሕጂ ድኹም፣ ሙሽሙሽ፣ ተቐባሊ ብላዕ፣ ልዕልና ሕጊ ዘይብሉ፣ ከም በዓል ስልጣንን ሕጋውነትን፣ ድንጋገ ሕጊ፣ ስርዓት ምኽባር፣ ከምኡ ድማ ንዜጋታታ መሰረታዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ኣገልግሎታት ምቕራብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስራሓት ሃገር ዝጎደሎ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ክንድዚ፣ እቲ ስርዓት ንህዝብታት ኤርትራ ይሃድንን ንሃገራዊ ቁጠባ ብዘረፋን ብልሽውናን ብምዝማት ኣብ መስርሕ ድማ መጠነ ሰፊሕ ድኽነትን ሕሰምን ፈጢሩ ይርከብ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኤርትራ ንቡር-ኣልቦነት (anomie or normlessnes) እንዳ ዓበየ ይርከብ። ከም በዓል ናብራ ምግባር ፣ ንቤተሰብካ ምሕጋዝ፣ ኣፍራዩ ስራሕ ምስራሕን ወዘተን ዝኣመሰሉ ንብዙሕ እዋን ብሕብረተሰብ ሓደ ሰብ ክገብሮ ኣለዎ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ማሕበራዊ ዕማም፣ ሰባት ብሕጋውን ተቐባልነት ብዘለዎን መንገዲ ክገብሩ ዘይካኣሉ፣ ነዚ ዕላማ እዚ ንምህራም ናብ ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሎምን መንገድታት ይኸዱ ኣለዉ። ገለ ካብቶም ዘይሕጋውያን መንገድታት፣ ከም በዓል ስግረ-ዶባዊ ምዝውዋር ደቂ ሰባት፣ ሰባትን ኣቑሑን ብኮንትሮባንዳ ምዝውዋር፣ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣድልዎ ምግባር፣ ከም በዓል መሬት ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣቑሑ ምሻጥ፣ ነጻን ዘይክፈሎን ጉልበት ኣብ ናይ ውትህድርናን ህግደፍን ዘካይዶም ሕርሻታት፣ ዱካናት፣ ትካላት ህንጻን ምጥቃም፣ ከም ስላዩ/ናይ እዝኒ (ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን) እቲ ስርዓት ኩየንካ ምስራሕ፣ ብሕታውያን ዜጋታት ገንዘብ ቤዛ ከም ዝህቡ ምግዳድን የጠቓልል። እቲ ካልእ ገጽ ንቡር-ኣልቦነት፣ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ መጠነ ሰፊሕ ዋሕዚ እቲ ኣገዳስን ዳይናሚካውን ሓይሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነ መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት እዩ። ክንግንዘቦ ዘለና፣ መንእሰይ እቲ ኣዝዩ ዝተጠልመን ኣብ ድሕሪ-ናጽነት ኤርትራ ቀንዲ ግዳይ ዘይፍትሓውነትን ፖለቲካዊ ሃደናን እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ እዩ ኣብ መጻኢኡ ዓቢ በሰላ ዝገድፍ ብዘሎ ግዳይ ናይ ግዱድ ስራሕን ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኮይኑ ዘሎ። ነዚ ጉጅለ እዚ፣ ዋላ ሂወቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እንዳኣተወትን ናይቲ ስርዓት “ቶኪስካ ቕተል” ዝብል መምርሒ ይሃሉ፣ ካብ ሃገር ምውጻእ (ምህዳም) እቲ ርትዓዊ ምርጫኡ ኮይኑ ይርከብ።  ብዙሓት ኤርትራውያን ዶባት፣ ዓበይቲ ምድረበዳታት፣ ገጀፍትን ጥልቀት ዘለዎምን ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ክሰግሩ ከለዉ ሂወቶም ስኢኖም እዮም። ብተወሳኺ ቡዙሓት ኣብ ኢድ ኣሳገርቲ ሰባትን ናውቲ ኣካላት ሰባት ዝሰልቡን (human traffickers and organ harvesters)ከለው ተቐዚፎም እዮም። ገሊኦም ሕጂውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይማስኑ ኣለዉ። እዚ ኩሉ እንዳኾነ ግን እቲ ስደት ብዘይምህዳእ ይቕጽል ኣሎ፣ እዚ ድማ ኤርትራ ከም ልኡላዊ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኮይና ናይ ምቕጻላ ጉዳይ ኣብ ዓቢ ሕቶ ምልክት ይኣቱ ኣሎ፣ እቲ ምታይሲ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር መጻኢ ዘይብላ ሃገር ስለ ዝኾነት። ብኻልእ መንገዲ ክረአ ኸሎ እዚ መጠነ ሰፊሕ ዋሕዚ መንእሰያት፣ ንምእላይ እዚ ሃዳናይ ስርዓት ዝግበር ቃልሲ ዝኸበደ ይገብሮ።

—– ናብ ካላኣይ ክፋል ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde December 13, 2016

    Eritrea’s case is like autoimmune disease,it consumes its own life sustaining cells to survive,the tyrant and his party are doing just that to hold on to power.The result is,death of the organism and scavenger is waiting on the periphery to devour the carcass.

  • Michael Tesfamariam December 13, 2016

    It is good to see you back again Dr, my former university lecturer at the uoa. We really appreciate for your effort to compile and present these basic socioeconomic statistics on Eritrea in Tigrigna, though, I am a bit skeptic with the fact that majority of us are not yet accustomed to the translated version of academic or other scientific terminologies. I don’t know, this should be one of the most difficult national task awaiting for those Eritreans who have deep knowledge in Geez so they will come up with appropriate Tigrigna words which could possibly be used to describe all Latin words and phrases, especially those frequently used in academic disciplines without distorting their fundamental meaning.

  • Mokie December 14, 2016

    selamat ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም

    The regime in Asmara doesn’t care about Eritrea and its people.
    What do you expect from managers of Halewa Sewra?
    They have a very simple and yet very clear strategy: to remain in power at any cost.
    They are a bunch of hopeless criminals who don’t care much even about the future of their kids.

POST A COMMENT