Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሲናይ ዶ ሰናይ…’እዚ ‘ውን ክሓልፍ’ዩ!”

እዚ፡ ‘እዚ ‘ውን ክሓልፍ’ዩ’ ዝብል ጥቕሲ፡ ኣብ ሓደ ብግድስቲ ግብጻዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ብዓረብ ዝተዳለወ ቪድዮ ዶኩመንታሪ፡ ቁጽሮምን ሃለዋቶምን  ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ግዳያት ጭውያ በደዊን ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም ኣብ ክንዳኦም ክዛረብ ኣብ

እዚ፡ ‘እዚ ‘ውን ክሓልፍ’ዩ’ ዝብል ጥቕሲ፡ ኣብ ሓደ ብግድስቲ ግብጻዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ብዓረብ ዝተዳለወ ቪድዮ ዶኩመንታሪ፡ ቁጽሮምን ሃለዋቶምን  ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ግዳያት ጭውያ በደዊን ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም ኣብ ክንዳኦም ክዛረብ ኣብ ኣኻውሕ ዝገደፉዎ፡ ብደም ዝተጻሕፈ ናይ ቅብጸት ቃላት እዩ።  እቲ ካብ ኤርትራ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ህይወት ዘይብሉ ጸምጸም ምድረበዳ ሲናይ፡ ፍጹም፡ ዮናስ፡ ፌቨን፡ ኤፍሬም፡ ክብሮም፡ ኣልማዝ፡ የሩሳሌም፡ ናዙ፡ ኢዮብ ኣብ መንጎ ዝብሉ ብፊደላት ግእዝ ዝተጻሕፉ ኣስማት ኤርትራውያን ኣብ ከውሒ ተወቒሩ ዘሎ ጥቕሲ ኣብ እዋን ንእስነቶም ናብ ሞት ካብ ዝቐረቡ  ድኹማት ግዳያት ዝወጽአ ኳ እንተኾነ፡ ነቶም ጠንቂ ስደት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝኾኑ ንግዚኡ ሓይሊ ስልጣን ዘስከሮም፡ ህልቂትን ውርደትን ኤርትራውያን ድምብርጽ ዘይብሎም ኢሳይያስን ዓሻክሩን ረዚን መልእኽቲ እዩ ዘለዎ።

ነቲ ቐዛፊ ካብ ፋኛቱራ ተዘቝቑ ምስ ወጸ፡ ኣብቲ ናይ ተፈራረድ እዋን፡ ኣራዊትነቱ ኣራዊት ከምዝገበሮም ዘንጊዑ፡ ንሕስያ ኣልቦነቶም ደንጽዩዎ ንማረኽቱ ሊብያውያን “ኣነ ደኣ እንታይ ገይረኩም?” ክብል ምሕረት ክልምን ብተሃበር ምስ ዝደርጕሖ ጥቕሲ ብልክዕ መጻርርቲ ብምዃኑ ድማ፡ ቀዘፍቲ ኤርትራ ከም ቀዛፊ ልብያ ብተሃበር ከይደግሙዎ፡ ካብ ብሕጂ ነዚ ‘እዚ ‘ውን ክሓልፍ ‘ዩ’ ዝብል ናይ መወዳእታ ቃል ‘ቶም መሳኪን መንእሰያት ኣብ ሓንጎሎም ከም ቃጭል ኣሲሮም ደጋጊሞም ክሰምዑዎ ይግባእ። እዚ ሓረግ’ዚ ኣብ እዋን ቅብጸት ዝወጸ ይኹን’ምበር ተስፋ ‘ውን ኣለዎ። ደም ከምዘይሰድድ ዘጠንቅቕ፡ እዚ ትንፋስ ሰብ ዘሕልፍ ዘሎ ዘበን ምስ ዋናታቱ ተወዲኡ ከምዝሓልፍ ዝሕብር ቃና። መለኽቲ ግን ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ መንድቕ ተጻሒፉ እናረኣዩዎ ወትሩ ምስ ከሓዱዎ እዮም። ኣብዚ ናይ ዚ እዋን’ዚ ጥሉል ታሪኽ እንተተመልከትና፡ ቤንዓሊ ከብቅዕ ከሎ፡ ሙባረክ ኣለኹ ይብል ነይሩ፡ ሙባረክ ከብቅዕ ከሎ፡ ቐዛፊ ኣለኹ ይብል ነይሩ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዛፊ ኣብቂዑ ክንሱ ኸኣ ኢሳይያስ ኣለኹ ይብል ኣሎ። እዚ ናይ ክሕደት ኣመል’ዚ ኸኣ’ዩ ኣብ መወዳእታ ዝልክሞም። እዚ ንልቦም ካብ ልቢ ህዝቢ መመሊሱ ዘርሕቕ ኩነታት’ዩ ነቲ ዘይሓልፍ ዝመስል ግዜ ኣቀላጢፉ ዘሕልፎ። ኢሳይያስ ‘ውን እምበኣር ምስዚኣቶም ኣብ ሓደ ምዕራፍ ታሪኽ ዝጽብጸበሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን።

ኣብቲ ቪድዮ፡ እቶም ካብቲ ብስዉኣት ኣሕዋቶም እናመሓለ ዘሰራጠዮም ሰይጣን ዘምለጡ መሳኪን ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ ድርኵኺት ናይታ ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከም ሰፈር ኣማልኽትን ጻድቃናትን ዘንብቡዋ የሩሳለም ሃንደበት ግሃነብ ከምዝጎነፎም ብግልጺ ይረአ። እምነትና ኣብ ኣምላኽ ‘ዩ! እናበሉ፡ ኣብ ኢድ ‘ቶም ካብ ኣራዊት ዝኸፍኡ ‘ሰባት’ ውዒሎም፡ ኣብ 21 ክፍለዘበን ነቲ ብዛንታ ዝስምዑዎ ዘበነ ጊላነት ባዕላቶም ከም ክሓልፉዎ፡ ከም ጥሪት ካብ ሓደ በደው ናብ ካልእ በደው ክሽየጡን ክልወጡን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ህዋሳቶም ተመዝሒቑ፡ ደሞም ተመጽዩ፡ መሓውሮም ብኡሱሩ ሬሳታቶም ንቡር ስኢኑ ኣብ ጋህሲ ፍርቀፍርቂ ተቐቢሩ ክትዕዘብ ከለኻ ኸኣ፡ በቲ ንቓላት ዘጸግም ኩነታት ሰብነትካ ጸሊእካ ምስ ሕልናኻ ክትዛረብ ትግደድ።

ነዚ ዝረኣየ ሕልና ዘለዎ ሰብ ግን፡ ኣብ ሲናይ ምስ በደዊን ኣይጸንሕን እዩ፡ ንኣእምሮኡ ናብታ ናይ ህግደፍ ኤርትራ እዩ ዝመላልሶ።ኣፋነውትን ተቐበልትን ኮይኖም ደኣ ተፈላልዮም እምበር፡ ከም ኣብ ሲናይ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ሰብ ዝበልዑ በደዊን ኣለዉ። ናጽነት ሃልዩ፡ ኣራእር ዶባት ኤርትራ እንተዝፍተሹ፡ ብሰብ ግዜ ተቐሲቡ ንግዚኡ ሓመድ ዝተኸወለ ብጥይት ዝተመልዓሱ ንጹሃት መንእሰያት ዝወሓጠ ብዙሕ ጋህስታት ከምዘሎ ምስጢር ኣይኮነን። እዚ ብተምሳል መንግስቲ ዝሳዕረረ ሽፍትነት ከኣ፡ ነቲ ኣሽሓት ማይላት ርሒቑ ዝድገም ናይ በደዊን ኣራዊትነት የነኣእሶ። ኣብ ሲናይ’ሲ እቶም ኣብነት ጥፍኣት ኮይኖም ኣምሳያ ገንዘብ ዝሃለቑ መሳኪን ግዳያት ኣብ ክንዲ ስጋኦም ኣስማቶም ጽሒፎም ክገድፉ ኳ ዕድል ረኺቦም። ስጋኦም ከይተወደኤ ‘ኳ ጋህሶም ተፋሒሩ። እቶም ኣብ ኢድ እቲ ዓመጹን ክፋኡን በዚሑ መንእሰያት ንስደት ዘጽድፍ ዘሎ፡ ሱርን ጉንድን ስደት ዝኾነ እኩይ ስርዓት ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ግን እዚ ዕድል’ዚ ‘ውን ኣየጋጠሞምን። ተግባራት ናይቲ ጨካን ስርዓት እቲ ‘እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ’ ዝብል ምስላና ‘ውን ብልክዕ ዝገልጾ ኣይኮነን፡ እቲ ቅዝፈት ካብ ምጽዳፍ ዘይኮነ ካብቲ ምድፋእ ኣትሒዙ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ሞት ኣብ ኤርትራ ይጅምር ስለዘሎ፡ ‘እንተዘይትቐትለኒ፡ መን ምቐበረኒ’ እዩ ክብሃል ዘለዎ።

እቲ ንመንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ባራዪ ቆሪኑ፡ ንህሉውን መጻኢን ግዜኦም ብጸላም ዘላገበ ስርዓት ህግደፍ፡ ‘ነቲ ጸጊቦም እምበር እንታይ ከፊኡዎም’ ዝብል ክሕደቱ ከርግእ ዘይፍትኖ ፕሮፖጋንዳዊ ጥበብ ስለዘይኣኽሎ፡ ብህልቂት ከሰንዮ እዩ ዝርአ። ብዓቢኡ ጠንቂ ስደት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ብመንገዲ’ቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ካብ ኣስመራ ክሳብ ሲናይ ተዘርጊሑ ኣብ ዘሎ ሰኪዐት ማፍያታት ከኵርናዕም ሒዞም ዘለዉ ኮረኔላቱ ኣብ ባይታ ‘ውን ንጡፍ ተዋሳኢ ናይዚ ንኤርትራውያን መንእሰያት ዝጽንቅቕ ዘሎ ዘመተ እዩ።  እቲ ንበደዊን ኣስመራ ካብ በደዊን ሲናይ ዝኸፍኡ ዝገብሮም እምብኣር፡ ገበን በደዊን ሲናይ ናይ ጓኖት፡ ገበን ማፍያታት ኣስመራ ናይ ‘ኣሕዋት’ ምዃኑ ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ኣብ ሲናይ ንዝመጽኡዎም ግዳያት ብሴፍ ዝቕበሉ ዘለዉ በደዊን ብገንዘብ ክድረኹ ከለዉ፡ እቶም ናይ ኣስመራ ግን ምእንቲ ገንዘብን ፖለቲካን ‘ዮም ብህይወት ኤርትራውያን ብምጥላዕ ድርብ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ኸኣ፡ ናይቶም ንሓጢኣን ኣስመራን ሲናይን ብማዕዶ እናተመልከቱ ርእዮም ከምዘይረኣዩ፡ ሰሚዖም ከምዘሰምዑ ዘጽቅጡ ዘለዉ መዳምቕቲ ክሕደት ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን እዩ። ንሳቶም እቲ ቀታሊ ስርዓት መታን ከይቅየመሎም፡ ነዚ ናይ ሲናይ ምጾታት ከምዘየሎ ከምስሉዎ፡ ህላውነቱ ዕሙት ዓይኖም ፈንጢሱ ጎፍ እንተበሎም ከኣ ናይ ዓመጽን ጥምየትን መርኣያ ዘይኮነስ፡ ናይ ጽጋብ ምልከት ምዃኑ ኣነኣኢሶም ነቲ ናይ በለጽ ኪዳን ዝኣሰሩሉ ገበነኛ ብዱዕ ስርዓት ሓራ ክገብሩዎ ክፍትኑ ክርኢ ከለኻ ብሕልናዊ ባዶነቶም ኣብ ክንድኦም ትሓንኽን ትጕህን። ካብ ሓላፍነት እናሃደምካ ምንባር ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ‘ክሓልፍ ‘ዩ’ ዝብል ረዚን ዘረባ ናይቶም ድኹማት ግዳያት ኤርትራውያን ነዚኣቶም ‘ውን ከምዝምልከት ትግንዘብ ‘ሞ፡ ንሳቶም ‘ውን ከም ጎይቶኦም ኢሳይያስ ጽቡቕ ገይሮም ክሰምዑዎ ትምነየሎም።

ዝበዝሑ ካብዚኦም ኣብ ኩነኔን ምድንጋጽን እዞም ግዳያት ዘጣቕዑ፡ መትከሎም ኣጎላጕል፡ ሕልናኦም ጉራጉራ ኮይኑ ኣብ ድንጉር ዓለም ዝነብሩ እዮም። ስለዚ ኸኣ’ዮም ኣብ ኣኼባ ለንደን ስቅያቶም ንዝዘከረ ዜጋ ነጎዳ ዝጥዕም ጣቕዒት ዝደርጕሑሉ፡ ንዝኾነኖም ካድር ህግደፍ ‘ውን ተመሳሳሊ ጠብጨባ ዘይበቐቑሉ።

መዓታት ሲናይ፡ ንእሽቶ ምልክት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዚፍ ምዓት እዩ። እቲ ምንጪ ናይዚ ኩሉ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ከይተኣልየ ኸኣ፡ እዚ ኤርትራዊ ሕማም ‘ዚ ክፍወስ ኣይኮነን። መሰረታዊ ፍታሕ ክርከብ ኩልና ነቲ መሰረታዊ ሽግር ክንኣልዮ፡ ህጹጽነት ተሰሚዑና ብሓባር ክንቃለሰሉ ይግባእ። ብዝኾነ፡ እዚ እዋን’ዚ መጀመርታ ናይቲ መወዳእታ ምዃኑ ብንጹር ይንበብ ‘ሎ ሞ፡ ኩሎም ብኤርትራን ህዝባን ዝሽቕረሩ ኤርትርውያን፡ ኣብቲ ዘምሕረሎም ቅኑዕ መስመር ክውግኑ ህዝቢ ኤርትራ ይሓቶም ኣሎ። እዚ ግዜ’ዚ ብርግጽ ብድምጽን ቅልጽምን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ትንፋስ ናይዚ መላኺ ስርዓት ኣሕሊፉ፡ ክሓልፍ’ዩ፡ ንሳቶም ‘ውን ከከም ውሳኔኦም ምስቲ ግዜ ክተርፉ ወይ ምስ ግዜ ክሓልፉ እዮም። ንኤርትራ ኸኣ ክሓልፈላ እዩ።

ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምሕረት የወርደሉ

ሕጊ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ !

ኣማኑኤል ኢያሱ

31/10/2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • HGDEF November 1, 2011

    There will be more sinai as long as You and your likes stop telling the Eritrean youth that there is Kenean (land of honey and milk beyond the desert).
    There will be more sinai as long as You and your likes stop telling the Eritrean youth stories of success of deserters of Eritrean athlets instead of stories of success in the games.

    There will be more sinai as long as You and your likes stop telling the Eritrean youth that how some known people leave their country instead of telling the truth as what is waiting for them.

    There will be more sinai as long as You and your likes stop telling the Eritrean youth that the colleges in Eritrea are prison so they should go out of their country because Ethiopia is allowing them to study.

    There will be more sinai as long as You and your likes stop telling the Eritrean youth that you are struggling to give them better future. While you are dividing people regionally and religiously.

    There will be more sinai as long as You and your likes work hard to see in Eritrea draught, famine and sanction instead of prosperity and development.

    • kabUK November 1, 2011

      HGDEF,

      there will be more sinai as long as you and your likes keep supporting the cancer Isaias afewerki who is driving them out of their country.

  • HGDEF November 1, 2011

    There will be more sinai as long as You and your likes don’t stop telling the Eritrean youth that there is Kenean (land of honey and milk beyond the desert).
    There will be more sinai as long as You and your likes don’t stop telling the Eritrean youth stories of success of deserters of Eritrean athlets instead of stories of success in the games.

    There will be more sinai as long as You and your likes don’t stop telling the Eritrean youth that how some known people leave their country instead of telling the truth as what is waiting for them.

    There will be more sinai as long as You and your likes don’t stop telling the Eritrean youth that the colleges in Eritrea are prison so they should go out of their country because Ethiopia is allowing them to study.

    There will be more sinai as long as You and your likes don’t stop telling the Eritrean youth that you are struggling to give them better future. While you are dividing people regionally and religiously.

    There will be more sinai as long as You and your likes work hard to see in Eritrea draught, famine and sanction instead of prosperity and development.

  • PFDJ(PopularFront for Dictatorship and Jail) November 1, 2011

    Hell to the cancer isayas… most all these are Eritreans according to the document that is found with them. and no matter whither all are Eritrean or not, these bullshit Arabs the same as the cancer isayas. look really most of isayas friends are Arabs and they are very disgusting and murder our people.
    what the hell is our cancer president doing on this country… still he is the same, he cannot think out of the box , he cannot learn. he just help alshabab his friend till this time, while our people is fleeing everywhere.
    he is loosing his friends so his day is counting and our people will breath fresh air.
    http://www.bar-kulan.com/2011/10/31/alleged-eritrean-plane-carrying-arms-for-al-shabaab-lands-in-baidoa-bay-region/

  • hagostsegezeab November 1, 2011

    bhaki bhaki bsenki hgdefawyann seabtomn zmetse sdetn kelbetbetn eritrawyan abzeydelyouwon zeyamnlun sdetn motn zegatmom zelo nutsuhan ahwatna zehzn equa entekone nhna gin gingebro zgbeana keytehalelna bhiwet dyou bgenzeb ksab zedleye nbelaeti seb kebmeret kembered hakikom ktsentu alewom. eti echa equa keribu u .eseyasawyan dma kemhwatom beal gedafi zatewoula gudquad kezatwou zeteratr yelon ajokum ainrehahk trah deki er shkorrrrrrrrrrrrrrrrrrselammmmmmmmmmmmmmmmm

  • Barentu November 1, 2011

    መንግስቲ ግብጽን ናይ መራኸቢ ብዙሃኑን: ዘይሓልፍነታውያን ኮራኩሮምን፥ ነዚ ኣብ ግብጺ ብዜጋታታ እተፈጸመ ግፍዕታት ንኻለኦት ህዝብታትን ሃገርን እንተላገብዎ፥ ኣይትተዓሸዉ።
    መንግስቲ ግብጺ ንኣብ ሃገሩ ዝፍጸም ኩፉእ ተግባራት ዝቕበል ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ዝኣልምዎ ሓሶታት ኣይትቀበሎዎ። ምናልባት ነዛ ተባዕ ግብጻዊት ጋዜጠኛ እንተኣሰርዋ ኣይግረምኩም።

  • Eritrawi November 2, 2011

    Time is a factor, the World is watching the Dark side of the tyrant Eritrean leader. His dark days are numbered.

POST A COMMENT