Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሶዶም ንጎሞራ

ካብ ሶዶም ንጎሞራ ካብ ሶዶም ንጎሞራ፡ ክንደይ’ዩ ርሕቀትኪ ኤርትራ ኣበይ‘ዩ ሸላኺ ኣብቲ ናይ ግሃነም ስፍራ ዓሻክርኪ ወርወርቲ ጭማራ ተሓንገጥቲ ሴፍ፡ ተዀልኰልቲ ኻራ ትማሊ’ዶ ኣይነበሩን እቶም ጨቆንቲ „ኣምሓራ“ ካሮኦም ዝጎደመት ክሳድኪ ሓርሒራ በየን‘ድኣ ኣተዉ ሕጂ‘ኸ እዞም ህንጡያት ጭፍራ ካብ ውሻጠኺ ፈልኽ ኢሎም እንቋቝሖ ኮብራ ኣትማን

ካብ ሶዶም ንጎሞራ

ካብ ሶዶም ንጎሞራ፡ ክንደይ’ዩ ርሕቀትኪ ኤርትራ

ኣበይ‘ዩ ሸላኺ ኣብቲ ናይ ግሃነም ስፍራ

ዓሻክርኪ ወርወርቲ ጭማራ

ተሓንገጥቲ ሴፍ፡ ተዀልኰልቲ ኻራ

ትማሊ’ዶ ኣይነበሩን እቶም ጨቆንቲ „ኣምሓራ“

ካሮኦም ዝጎደመት ክሳድኪ ሓርሒራ

በየን‘ድኣ ኣተዉ ሕጂ‘ኸ እዞም ህንጡያት ጭፍራ

ካብ ውሻጠኺ ፈልኽ ኢሎም እንቋቝሖ ኮብራ

ኣትማን ዝናኸሱ፡ እንዳፈለዩ ኣንቆራ

መርዞም ከም ቻርኖቢል ትለክፍ ኣሕቢራ

ክንደይ ህያው ይሔው ዘይበለት ንዕኦም ዘኪራ

ሬሳታት ደቂ ሃገር ምስ ተሰንደወ ንኣሞራ

ዒራዒሮ‘ኳ ኣይትስመን‘ያ እምብዛ ዓርዒራ

ማይ ሓባር‘ውን ኣላ፡ ነዊሕ ዝነገራ

ሰሚዕኩም‘ዶ ናይ ዓዲ ኣበይቶ‘ኸ እዛ ቀረባ ነኣስመራ

ክምህ ከይበለት ደም ኣንጢራ

ትንፋስ ምስተዓብጠት ብኢደ ወፈራ

ወዲ ሰብ‘ዶ‘ታ ክንድዚ ይጭክን‘ዩ ኣብ „ነጻ“ ኤርትራ

ኣነ‘ድየ ዓሽየ እታ ርእሰይ ሰኺራ

ነሕዋቶም ዝሰርሑሎም ትሕቲ ምድሪ ስፍራ

እንታይ ኰይኖም‘ዮም ንሂወት ዝምንቍሱዋ ካብ ሱራ

ሓንሳብ ብሕጓ እንዳኣተዉ፡ ሓንሳብ ብገበላ

መንዩ’ሞ ካብኣቶም ዝሕባእ ኣብ ዘኽታም ኤርትራ

ከቶ የለን ዑቝባ ዝረክብ ኣብ ሕልፍኚ፡ ኣብ ቡዅራ

ብጸሎት እኳ ዘይግትኡ ብምህለላ

እነዉ ንእከይ ተመሪዖማ ብወርቂ ጽሩራ

ደንሃግ’ድኣ ድርግም ኢላ ኣትያቶም እምበር ኣብታ ጓይላ

ዋሕስ ትኸሉ እንዳበለት ወጠጠቶም ብማሓላ

እንተ ንስኺ’ሞ ተገዘምኪ ጓሂ፡ ተሰለምኪ ዅራ

ዝፈልጡዅ’ስ ይብሉኒ’ዮም ዓቢራ፡ ቆንጺባ፡ ማዳ ጌራ

ናይ ሕጂ’ድያ እታ ማዳኺ፡ ካብ ሜዳ ጀሚራ

ከብዳ ሓምሊ መሊኣቶ ዝባና ቆሪራ

ቀንፈዞ ኢላ ትጽበ’ላ ንኽትወጽእ ሓራ

ንመልኣከ ሞት ኣሽኪዓ መንገዳ ቐይራ

 

በሊ ፋልና ይጸብቕ ኣምሳዪኡ

ኣምላኽ ይሓልወኪ ካብ ቀጽሩ ወጺኡ

ስቓይ ህዝብና ይርኣዮ ኣብ ዓለም መጺኡ

ጕዳይና ይሓዞ ኣጥቢቑ፡ ኣጽኒዑ

ህዝብና ንሰማይ ምድርን ይጠርዕ ኣሎ ጸዊዑ

ዕዮ እንተበዝሖ‘ኽኣ የዕይዮ ሰብ ውዕለት ኢሉ ንዑ

ቀልጢፉ ይርዳኣና፡ ይከኣሎ’ዩ ንዑኡ

መሳዅቱ ይኽፈት፡ የርሑ መዓጹኡ

ኣውያት ህዝብና ይስማዓዮ ብኣግኡ

ኣሽንኳይ‘ዶ እዚ ናትናስ ማይ ኣይሂ‘ኳ ኣህዲኡ

ንዓና‘ኽኣ ኣምላኽ ይበለና ንፍዑ

እጃምና ከነልዕል ልብና ቐኒዑ

ካብ ድቃስና ክንትስእ ነጋሪት ተወቒዑ

ሓሸውየ ተቓውሞ ንሓዋሩ ኣብቂዑ

ርትዓውነት ክንርኢ ቦቝሉ ጨልጊዑ

ዘራእቲ ተስፋና ክፈሪ ጠጢዑ

ከይብሃል ሓርኢ እኽሊ በዚሕዎ፡ ቆሊዑ

ዝተረፈ ሃጕጉ ተጠልቂዑ

ከም ኵቦ ዝድርበ ንጓህሪ መፍትኡ

ከይንብሃል ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ታሪኽኩም ኣብቂዑ

 

ሰለሙን ይከኣሎ

ነሓሰ 2017

sykealo@yahoo.de

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT