Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ተጻረርቲ ዕለታት ወርሒ ሰነ

ወርሒ ሰነ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ኣገዳሲ ምዕራፍ ኣለዋ :: 20 ሰነ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገር ክብርቲ ሂወቶም ዝወፈዩ ሓርበኛታት ብመንፈስ እንዝክረላ ረዛን ዕለት ኢያ:: ነቶም ምእንቲ ናጽነት ኣብ ዱር ኣብ ገደል ምስ ከበድቲ ኣጽዋር

ወርሒ ሰነ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ኣገዳሲ ምዕራፍ ኣለዋ :: 20 ሰነ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገር ክብርቲ ሂወቶም ዝወፈዩ ሓርበኛታት ብመንፈስ እንዝክረላ ረዛን ዕለት ኢያ:: ነቶም ምእንቲ ናጽነት ኣብ ዱር ኣብ ገደል ምስ ከበድቲ ኣጽዋር ጸላኢ ገጢሞም ሂወቶም ዝወፈዩ: ኣብ ከተማ ተወዲቦም ንሂወቶም ከይበቐቑ ምስጢራዊ ስራሕ እናሰርሑ ብጸላኢ ተታሒዞም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቓይ ዝሓለፉ ብዓይነ ሕልና ንዝክሮም:: ነቲ ብማዕዶ እናረኣዩዎ ዘይበጽሕዎ ፍትሕን ሰላምን ናይ ምስፋን ዕላማ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ቃል እነኣትወላ ንዘንተ እለት ንውሉድ ወለዶ ክትዝከር’ያ::

ኣብ ጀነቫ ክልተ መዓልቲ ድሕሪ’ዛ ረዛን ዕለት ኣብ 22 ሰነ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ጽዑቕ ስርሑ: ንልዕሊ 500 ሰባት ኣዘራሪቡ: 160 ጥርዓናት ግዳያት ተቐቢሉ ዘቕረቦ ጸብጻብ: ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ግፍዒ ሳሕቲ ኣብ ገለ ቦታታት ጥራይ ከም ዝርአ ብስእሊ ኣሰንዩ መዝጊብዎ:: ኤርትራ ብፍርሒ’ምበር ብሕጊ ከምዘይትመሓደር ኣረጋጊጹ:ማዕረ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ ብምባል ደምዲሙ::

መልሰ-ተግባር ህግደፍ-ህግደፍ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ንምቅዋም ኣቐዲሙ ሰፊሕ ምንቅስቓሳት ኣካይዱ:: ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ 60 ዓመት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስደ ግጉይ ውሳኔ ፈደረሽን ምስ’ዚ ኣብ ናጻ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንምምርማር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወስደ ስጉምቲ ከተኣሳስሮ ፈቲኑ:: ነቶም ሰንኮፍ ደገፍቱ ሰልፊ ክወጽኡ ጸቕጢ ገይሩ::   ኣብ’ዛ መዓልቲ ጉራጉራ ማህጸን ኣደ ጎሊሑ ተራእዩ::እቶም ብረብሓ ዝዓወሩ ኣብ ኤርትራ ቤትን ንብረትን ዘለዎም: እቶም ደቆም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዘምህሩን ኩርማጅ ህግደፍ ዘየረኻኽበሎም :ኣብ ኤርትራ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣሎ ብምጭራሕ:በቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለውን ሂወቶም ዝሓለፉን ኣላጊጾም:: ብዝገደደ ድማ ኣብ ልዕሊ መቓብር ናይ’ቶም ምእንቲ ፍትሒ ኣብ ግንባሮም ተወቒዖም ዝወደቑ ሰማእታትና ደቢሎም::

እቶም ኣተዓባብያ ዝበደሎም በጋሚንዶታት: ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተመዘ ኮሚሽን ከፈራርሁ ተራእዮም:: ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘቕረቦ ”ኤርትራ ብፍርሂ’ምበር ብሕጊ ዘይትመሓደር” ዝበሎ ዓንቀጽ እውን ብተግባር ኣረጋጊጾም:: ኣብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ ጀነቭ  ከፈራርሁ ዝፈተኑ: ኣብ ኤርትራ ኣብ’ቲ ብብረት ዝገዝእዎ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ግፍዒ ንምግማት ከምዘየጸግም ብተግባሮም ተኸሺሖም::

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒን ጭቆናን ዘቃልዐ ጸብጻብ ንምቅዋም ብህግደፍ ካብ ዝተላእኩ ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ ዝተባህሉ ምሁር ኤርትራዊ ነይሮም:: ንሶም ነቶም ኣብ 1998 ካብ ኢትዮጵያ ንዝተባረሩ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝቖመ ማሕበር ዜጋታት ንሰላም መሪሖም:: ነታ ሽዑ ዝወጽአት እተፋናቐሉ”The uprooted” ዝብል ኣርማ እተጻሕፋ ፖስተር ክርኢ ከለኹ ፕሮፈሰር ኣስመሮም ነቶም ካብ መነባብሮኦም ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዘበርከትዎ ሞያ ይዝከረኒ ::እዞም ብሞያኦምን ትሕትናኦምን ዝፍለጡ ፕሮፈሰር  : ምልካዊ ጉጅለ ንመንእሰያት ኣብ ጊልያዊ ዕዮ ቆሪኑ: ንኣረጋውያን ብረት ብምዕጣቕ ሃገር ይበታትን ከምዘሎ ከመይ ቢሉ ተኸዊልዎም:: ፕሮፈሰር ኣስመሮም :ነቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ 70 ሽሕ ኤርትራውያን ድቃስ ብቁጠባን ብምኽሪን ንምሕጋዝ ብዘይዕረፍቲ ይሰርሑ ነይሮም:: ሕጂ ድማ ኤርትራውያን በቲ ናጽነት ኣምጺአ ዝብል ጉጅለ ካብ መነባርኦም ይፈናቐሉ ኣለው ቤቶምን ንብረቶምን ብዶዘራት ይድምሰስ ኣሎ:: መንእሰያት መጻኢኦም ብገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት ጸልሚቱ : ኣብ ወርሒ 5 ሽሕ እንዳተሰዱ : ኤርትራ ድሕሪ ሶርያ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለውዋ ሃገር ከምዝኾነት ዝጠፍኦም ኣይመስለንን :: ነቲ ንዝተወጽዐ ምሕጋዝ ዝብል ባዕሎም ዝመስረትዎ  ኣዕኑድ ናይ’ቲ ዜጋታት ንሰላም ዝብል ማሕበር ህግደፍ እንተኣፍረሶ ሕልናን ሞራልን ክፈርስ ኣይምተገበኦን::

ፕሮፈሰር ኣስመሮም ብትምህርትን ዕድመን በሲሎም ክነሶም ኣንጻር መትከላት መሰል ሰብ ክስለፉ እንታይ ሰይጣን ዓሺርዎም! እቲ ኣብ ሹቕ ዘሎ ገዛውቶም ዶ ኣሰሲዕዎም ይኸውን:: ገዛውቲ ኣበይ ከይከዶም:: ነቶም ኣብ ሽምግልንኦም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝወለድዎም ደቆም ካብ ገዛ ምውራስ ጽቡቕ ሽም እንተዘውርስዎም ምሓሸ:: እቲ ገዛ ህግደፍ ተማሊእዎ ከምዘይከይድ ፕሮፈሰር ኣዐርዮም ይፈልጡ ኢዮም:: ውላዶም ጽባሕ ንግሆ  ኣቦይ ምስ ናይ’ዚ ኹሉ ትምህርቱ: ግናይ ታሪኽ ገዲፉለይ ከይዱ ብምባል ከምዝኸሶም ዘጠራጥር ኣይኮነን::  ፍትሕን ማዕርነትን: ሰላምን ብልጽግናን ኣብ ምስፋን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ፕሮፈሰር መሪሕ ተራ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ ኣብቲ ናይ ዓመታት ትምህርቶምን ተመክሮኦምን ስለዝፈልጥዎስ ምኽሪ ዘድልዮም ኣይመስለንን:: ብፍላይ ኣብ’ዚ ክፍኣት ጉጅለ ህግደፍ መሬት መሊኡ ንባሕሪ ኣብ ዝፈሰሉ ዘሎ ጊዜ በየናይ ተኣምር’ዮም ክኽውልዎ:: ምስ’ዚ ብሂወት ኣእላፍ መንእሰያት ዝሕተት ጉጅለ ኣብ ዘይውዓልኩምሉ ገበን ኢድኩም ካብ ምእታው ክልተ ጊዜ ምሕሳብ ብኸመይ ተሰዊርኩም:: ለባም ክጋገ መራግእቲ ነይገድፍ ዝበሃልስ ከም’ዚ ናይ ፕሮፈሰር ምስ ተረኽበ ዶ ይኸውን!

እምቢ ንምልኪ: እወ ንፍትሒ- 26 ሰነ ጀነቫ እቲ ኣብ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ኤርትራ ንፍትሒ ብደሙ ዝደለያ: ኣብ ጀነቫ ድማ ብሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዕዋ:: ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ተቓለስቲ ተመዝጊቡ:: ብዓይነቱ ብዕላማኡ ብሉጽ:: ኣስታት 8 ሽሕ ሰብ ከም ንህቢ ኣብ ቆጽሊ:ቆጽሊ: ፍትሒ ዓሲሉ:: መዓር ዝጽገ ንህቢ ባዕሉ እቲ ደላይ ፍትሒ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ’ዩ::ደገፉ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ንምግላጽ ሰልፊ ምውጽኡ ድማ : ወጽዓኡ ዓለም ስለዝፈለጠሉ ኣኽብሮቱን ተማእዛዝነቱ ንሕጊ ንምግላጽ ነበረ:: እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ነብሶም ግፍዒ ዝወረዶም : ንናጽነት ሃገር ሰንኪሎም ብሰንኪ ምልኪ ካብ ሃገር ዝተባረሩ ምንባሮም ካብ ቃላት ንላዕሊ ኣሳጉማ መሓውሮምን : ተኽለ ሰውነቶምን ይምስክር ነበረ:: ብዙሓት ካብ’ቶም ተጋደልቲ ዳግማይ መስዋእቲ ክንከፍል ድልዋት ኣሎና ምባሎም: ነቶም ብዓብላልነት ኣብ’ቲ ሰልፊ ዝወጽኡ መንእሰያት ዓቢ ፍናን’ዩ::ህግደፍ ዝለበሶ ካባ ገድሊ ድማ ኣብ’ቲ ስንኩላን ኩናት ሓርነት ዝገብርዎ መደረ ዕርቃኑ ወጺኡ:: ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ምእንቲ ፍትሒ ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ዝጠለመ ካሕዳይ ምትእኽኻብ ተበለጽቲ ከምዝኾነ ተጋህደ:: መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ንሓደ ዕላማ ተሰሊፎም ታሪኽ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ኣርእዮም:: እዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ሓደ ክፋል ናይ’ቲ ንሓርነትን ፍትሕን ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ’ ከምዝኾነ ብዙሓት ተሳተፍቲ ተሰማሚዖምሉ:: በዚ ንህግደፍን ሰራውሩን ኣነቓነቑ  ዓበድበድ(hysteria) ዘእተወሉ ሰልፊ : ደላይ ፍትሒ ክሕበን ይግባኦ::ዘዛኒ ጊዜ ከምዘይኮነ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ከባቢን ዝውላዕ ቀይሕ መብራህቲ ይሕብረና’ሎ::ንቕሓትናን ትኩርነትናን ክብ ብምባል ሃገር ሰማእታት ዓቂብና: ፍትሒን ዲሞክራሲን ዝሰፈና ኤርትራ ንመጻኢ ወለዶ ከነረክብ ንተዓጠቕ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • weygud July 14, 2015

    bezuhat mehurat entay eyom temahiromewen kiredeana deyekieilelu gezeye eina delena entekone degefeti kem halefeti hgedef deqhom ayegodelewomen alewu selezi yedegefu alewu meskinay hzbi Eritrea gena nefesi wekef betesebu deqhu godyelom alewu selezi abeti deqhu hiwet dekefelelu hager eyom delagexhu delewu emo weyeleom

  • ertra n ertrawyan July 15, 2015

    Dear Degol Drar, thank you for your timely analysis. You too are making history so go on and keep teaching our people.I hope other educators will follow degol drar in teaching our beloved youths. I will not explain why, because the power of media is not difficult to understand by intellectuals.

POST A COMMENT