Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ውዕሎታት ጀነቫ።

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ነዛ ሓጻር ዓንቀጽ በጃኻትኩም ኣንቢብኩም ናብ ዘይኣንበባ ኣሳግርዋ፡፡ ኣይትንዓቕዋ ዝእረም ወይ ዝንቀፍ እንተለዋ ወስኹላ ኣርምዋ፡፡ ሓላፍነት ናይዛ ጽሕፍቲ ተሓታቲ ባዕለይ ኢየ። ብዛዕባቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ  ዕለት 26 ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝተኻየደ ድሙቕ ሰለማዊ

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ነዛ ሓጻር ዓንቀጽ በጃኻትኩም ኣንቢብኩም ናብ ዘይኣንበባ ኣሳግርዋ፡፡ ኣይትንዓቕዋ ዝእረም ወይ ዝንቀፍ እንተለዋ ወስኹላ ኣርምዋ፡፡ ሓላፍነት ናይዛ ጽሕፍቲ ተሓታቲ ባዕለይ ኢየ።

ብዛዕባቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ  ዕለት 26 ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝተኻየደ ድሙቕ ሰለማዊ ሰልፊ ብባህር ጋዜጠይና ኣማኑኤል ኢያሱን ብሰፊሑ ብስእልን ቪድዮን ተተንቲኑ። ኣብ ልዕሊ ናይ ኣማኑኤል ካልኦት እውን ጽሒፎም ኣንቢብናን ሰሚዕናን ኢና፡፡ ጌናውን ይትንተን ኣሎ፡ ብሓቂውን ድሙቕን ተስፋ ዝህብን ኔሩ፡፡ ታደሰ ኪዳነ ወዲ ጥሮታ ተኽለሰንበት ተኽላይ ጽቡቕ ጌሮም ተሪኾሞ፡፡ ኣነ ግን ካብቲ ናታቶም ፍልይ ዝበለ ስለምንታይ ክልተ ሰለማዊ ሰልፍታት ብዜጋታት ሓንቲ ሃገርን ናይ ሓባር ረብሓን ናይ ሓባር ወጽዓን  ዘለዎም እሞ ንብሓደ ብማዕረ ዝጭፍልቖም ጉጅለ ተፈላልዮም ሰለማዊ ሰልፊ ጌሮም ?  ኢለ ይሓትት ኣለኹሞ መልሲ ዝያዳ ካብቶም ናይ ዕለት 22ን፡

ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዕለት 22ን ዕለት 26ን ኣብ ከተማ ጀነቫ ብዜጋታት ሓንቲ ሃገር ማለት ኤርትራውያን ክልተ ዝተፈላለየ ዕላማ ዘለዎ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣካይድና።እዞም ካብ ሓንቲ ሃገር ዝተስደድናሞ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤውሮጳን ካልእ ሃገራት ዓለም እንነብር ኤርትራውያን ኣብ ስደትና ስለምንታይ ክልተ ዝተፈላለየ ዕላማ ዘለዎ  ሰለማዊ ሰልፊ ክንገብር ክኢልና፤? እዚ ንሰማዒኡ ዘደምም ኩነታት ክንምልስ ክንኽእል ኣሎና።

ቅድሚ ነዚ ምምላስና ግን ንሕና መን ኢና ስለምንታይከ ኣብ ስደት ንርከብ ኣሎና? ዝብል መባእታዊ ሕቶ ክንምልስ ክንክእል ኣሎና፡፡ እቲ ሕቶ ብጣዕሚ ብዙሕ እቲ መልሲ ግን ሓጺርን ንጹርን ኢዩ፡፡ ንሕና ብሰንኪ መላኺ ጉጅለ ኣብ ስደት እንርከብ ዜጋታት ኤርትራ ኢና፡፡

ህዝቢ ማለት እንታይ ኢዩ? መን ኢዩ? ስለምንታይከ ይፈላለ?  ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕሌኦም ማዕረ ዝኾነ ኣደራዕን ሓሳረ መከራን እንዳኣጋጠሞም እንከሎስ ስለምንታይ ማዕረ እኳ እንተዘይበልኩ ዝቅራረብ ርዲኢት ክህልዎም ዘይክእል?

ሓቲ ሃገር ብዜጋታታ ኢያ ትቐውም፡። ዜጋታታ ይሕልውዋ ንሳ ድማ ትሕብሕቦምን ኣብ ውሽጣ ኮይኖም እቲ ንዜጋታት ዝምልከት ክብርን ሓልዮትን ከምዝቋደሱ ትገብሮም፡፡ንክብሪን ሓልዮትን ዜጋታት ዝጥርንፍን ዘሳንን ሕግን ስርዓትን ድማ እቲ መሪሕ ኣካልን ህዝብን ኮይኖም ይምስርትውሞ ብኡኡ ተቐይዶም ብሕግን ስርዓት ከምዝነብሩ ይግበር፡።

ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ኢዩ። ሓጺር ኣይሶልኮ ነዊሕ ኣይዘሎ ህጣራ ኣይስከሞ ዕባራ ኣይጓትቶ፡፡ ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ኢዩ፡፡ ብንእሽቶይ እንከለኹስ መማህራና ኣብ ወርሒ ድዩ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ንቤት ፍርዲ ሰሪዖም ይወስዱና ከምዝነበሩ ይዝከረኒ፡ እቶም ዳኛታት ሓንሳብ ሰለስተ ሓንሳብ ድማ ሓደ ዳኛ ኮይኖም ጸሊም ተኸዲኖም ኣብ መንበሮም ኮፍ ይብሉ፡ ኣብቲ ቅድሚኦም ዘሎ ዓቢ ጠረቤዛ ብቛንቋ ጣልያን **LA LEGGE  EGUALE  PER TUTTI* ዝብል ድሙቕ ጽሕፍ ብዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ይንበብ፡፡

ትርጉሙ ከምቲ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዘሎ ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ኢዩ ኢዩ ዝብል”።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሕጊ ዘይሰርሕ ከምዘሎ ንሕና ኤርትራውያን ካብ እንፈልጥ ርብዒ ዘመን ኮይኑ፡፡ እዚሞ ይጽናሕ

ሓንቲ ሃገር ዝተመርጸ መራሒ ይህልዋ፡፡ ባይቶ ይህልዋ። ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ይህልዋ፡፡ እዞም ተጠቒሶም ዘለው ኣካላት ኣካይዳን ምህደራን ሃገር ነንዝምልከቶ ኣካል መዲቦም ካቢነታት ከምዝህሉ ይግበር፡፡ እቲ ካቢነ ነናቱ ጽላትን ሓላፍነትን ሃልይዎ ኩሉ ንጥፈታቱ ይገብር፡፡ ስራሕተኛ በብሞይኡ ድዩ ከከምክእለቱን ጻዕሩን ስሪሑ ስድራቤቱ ይናብን ደቁ የዕብን የምህርን፡፡ ነጋዳይ ይነግድ ሓረስታይ ይሓርስ፡ ተመሃራይ ይመሃር መምህር ይምህር ሃገር ሂወት ይህልዋ፡፡

ኩነታት ሃገርናኸሞ ነዚ ዝተጠቕሰ የማልእ ድዩ?

ኣብ ሃገርና ቅዋም ከምዝሞተ ኢዩ ተሓቢሩና፡፡

ኣብ ሃገርና ተኣሲርካ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ከምዘየሎ ኢና ንፈልጥ።

ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ባይቶ ብዘይወግዒ ተበቲኑ ኢዩ፡

ኣብ ዓለም ፓርላማ ዘይብላ ሃገር ሃገርና  ኤርትራ ጥራይ ኢያ፡፡

ካልእ ከምዘላ ክምህረኒ ዝክእል እንተሎ ክምሃር ቅሩብ ኢየ፡፡

ኣብ ሃገርና ስራሕ ዝብሃል የልቦን፡፡ እቲ ንብዙሓት ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ዝህብ ዝነበረ ስራሕ ህንጻ ኩልኩል ኢዩ።

እቲ መንገስትና ዝብሃል ንዝተሰርሐ ኣባይቲ ኢዩ ብምክልኻል ሓይልታት ጌሩ ዘዕንዎ ዘሎ፡፡

እቲ መንግስቲ ትብልዎ ዘለኹም ንሃገር ብመብራህቲ ኣጸልሚትዋ ኢዩ።

ህዝቢ ዝስተ ማይ ሓርቢትዎ ሕቶ እንተሓተ ሰብ ኢዩ ናብ ማይ ዘለዎ ዝኽይድ ዝብል ናይ ብድዐ ተዋሂብዎ ኢዩ።

እሞ እስኪ ናብቶም ናይ ዕለት 22 ሰነ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ኤርትራውያን ክምለስ፡፡ ኢሳያስ እዚ ብውሑዱ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹን ካልእ ዘይተገልጸን በደላት ኢዩ ዝገብር ዘሎን ዝገበረን።

እሞ ጥርዓንኩም ወይ ኣቤቱታኹም እንታይ ኢዩ? ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ስርዓት ኣሎ ዲኹም ትብሉ ኔርኩም? መሰል ዜጋታት ኤርትራውያን ኣይትጋህሰን ዲኹም ትብሉ ኔርኩም? ሰብ ኣይተገፍዐን ዲኹም ትብሉ ኔርኩም ? ከምኡ እንተኾንኩም ዳኣ ስለምንታይ ተሰዲድኩም?

እቲ ንሕና ኤርትራውያን ኣዳዕዲዕና ንፈልጦ ጉዳይ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ኮሚቴ ኣጽኒዓ ነቲ ንፈልጦ ዝነበርና ምስ ገለጸቶ ስለምንታይ ከቢድኩም? ነቲ ወጽዓኹም እኮ ኢያ ነጊራትኩም፡፡እቶም ኣብ ዕለት 22 ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበርኩምን እቶም ዕለት 26 ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበርናን ካብ እቲ መንግስቲ ኢልና ንጽውዖ  ኣካል እኮ ሓደ ዓይነት ሽግር ኢዩ ዝወርደና፡ ስለዝኾነ እውን ሓቢርና ተሰዲድና ሓቢርና ሰሃራን ሜዲተራንያን ባሕርን ሰንጢቕና፡። ስለምንታይ ዳኣ ሕጂ ትፋእና ነልምጽ ኣሎና? ዝገርም ኢዩ፡።

ሃገር ናይ ሓባር ኢያ ንኩልና ድማ ማዕረ ትብጽሓና ኣብኣ ድማ ኩልና መሰልና ተኸቢሩን ተሓልዩን ክንነብረላ ኢዩ ዝግባእ። እሞ ብሰንኪ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ መሰልና ተጋሂሱ ጥራይ ዘይኮነስ ተጓሒፉ ኢዩ፡፡ ገበርቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዕለት 22 ሰነ 2015 ንሃገር ሓሊኹም ዲኹም ሰለማዊ ሰልፊ ጌርኩም ዋላ ንኢሳያስ ሓሊኹም? ኣነጽሩ። ከም ግቡእ ኢሳያስ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ። ተግባራት ዜጋ እኳ እንተዘይገበረ ነዚ ንስኻትኩም ሓሚምኩምሉን ሓሊኹምሉን ማለት ድዩ?፡፡

ንልእላውነት ሃገር ሓሲብኩም እንተኾንኩም ልእላውነት ሃገር ዘድፍር ዘሎ ኢሳያስ ኢዩ፡፡ እቲ ንኹሉ መሰናኽል ሰጊሩ ናጽነት ዘምጽኤ ምሩጽ ኤርትራዊ ዜጋ ተናዒቑ ሰራዊት ድምሒት ዝበለጸ ዕጥቅን ስንቅን ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ትሸሊሙ ኣብ ከተማታት ሃገርና ሸነን እንዳበለ ብደቂንስትዮ ኣሕዋትኩም ይጻወት ኣሎ፡፡ነዚ እኩይ ተግባራት ብምቅዋምን ግህሰትን ርግጸትን መላኺ ኢሳያስ ብምቅዋም ብዕለት 26 ሰነ 2015 ዝተገብረ ንሓቅነት ኮሚተ ስብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍ ዝተገብረ ሰልፊ ንጥቕምኹምን ጥቕምናን ኢዩ ኔሩ፡፡

ተግባራትኩም ኣርሆ ክሳብ ዝድብደቡ ይስሕቁ ኢዩ፡፡ ወረ ገለ ተቓወምቲ ኢና ዝብላ ዌብ ማስተራትስ ምስ ምሻጥ ሃገርን ኣንድነትን ከዛምዳኦ ፈቲነን፡፡ ኣብዚ ክንጸር ዝግብኦ ኢሳያስ ሰብ ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ እውን ክሓልፍ ኢዩ፡ ንሱ ንበይኑ ሓጺን ኮይኑ ንዘለኣኣለም ኣይክነብርን ኢዩ፡፡ ኤርትራ ግን ንዘላኣለም ክትነብር ኢያ፡፡ ናይ ኢሳያስ ውልቃዊ ጥሪት ኮይናውን ኣይክተርፍን ኢያ። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ተሞርኩስኩም እምብኣር ሕልናኹም ኣበራብሩ፡፡

ብዛዕባ ሰለማዊ ሰልፊ ጀነባ ናይ ዕለት 26 ክሓስብ እንከለኹ ብዙሕ ሓሳባት ኢዩ ዝመጸኒ፡፡እቲ ቀዳማይ ዝመጸካ ሓሳባት ክንዲዚ ዝኣክል መንእሰይ ኣብ ስደት ክህሉ ምኽኣሉ  ካብቲ መዓንጣ ከብድኻ ዝቀርጽ ኢዩ፡፡ እዚ ስደተኛ እዚ ገሊኡ ውላድ ስውእ ገሊኡ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ  ገልኡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃሙ ዘበርከተ ኮይኑ ካብ ናጻ ኤርትራ እወ ካብታ ስማዊ ናጽነት ለቢሳ ዘላ ኤርትራ ግን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝባኣሰ ትሳቐ ዘላ ኤርትራ ዝተሰደ ኢዩ፡፡ ኣንጻርቲ ንስደት ዝገደዶ  ጉጅለ ክም ቆፍኡ ዝተተንኮፎ ንህቢ ንጎደናታት ጀንቫ መሊእዋ ክትርኢ እንከለኻ ድማ ተስፋ ትሰንቕ፡፡

ንሃገር ናብ መዋእል እምኒ ንድሕሪት ዝመለሰ ስርዓት ምድጋፍ  ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣካሉ ኢኻ

ንምዕብልትን ብልጽግትን ዝነበረት ሃገር ኣጸልሚቱ ንሃገር ዘባደመ ምድጋፍ ማለት ናይ ጥዕና ኣይኮነን፡፡

ንዜጋታት ኣብ ዘየሎ ኩናት ክምዘቋሙቱ ጌሩ ኣይ መርዓ ኣይደርዓ ጌሩ  ወላድ መኻን ንወለዲ ንዝገብር ስርዓት ምሕጋዝ ናይ ጥዑይ ሕልና ዘለዎ ዜጋ ኣይኮነን፡፡

መሬትና ተጎቢጡ ብዝብል መመኽነይታ ንዜጋታትካ ድሃኽ ዝብል ሕጊ የልቦን፡፡ነዚ ሕቶዚ ንምምላሽ እውን ጠንቂ ናይቲ ነገር ብንጹር ምፍላጡ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ መሬትና ኣብ ትሕቲ ወያኔ ምህላው ሳዕቤን ኢዩ፡ እዚ ብመጋብያኣ ዓለም ተነጺሩ ኢዩ፡፡ ቅዋም ናይ 1997 ንከይትግበር መታን ኢሳያስ ዝወልዖ ኩናት ባድመ ናይ ኩሉ መመኽነይታ ጌርካ ሃገርን ዜጋታትን ምብዳም  ተግባራት ኢሳያስ ሙዃኑ ክርዳኣና ኣለዎ። መሬት ኤርትራ ብሕጊ ናብ ዋናታቱ ክምለስ ኢዩ፡፡

ካብ ሕጂ ንድሓር ኢሳያስ ወኪልና ኣይኮነን፡ ኣይፋል ንዕኡ ኢየ ዝድግፍ ዝበለ ድማ ናቱ ጉዳይ ኢዩ፡፡

እቲ ክልተ ዝተፈላለየ ውዕሎ ጀነቫ እምባኣር እቲ ናይ ዕለት 22 ነቲ ኮሚተ ሰባኣዊ መሰላት ዝበለቶ ህዝቢ ኤርትራ ብራዕዲ ኢዩ ዝምሓደር  ዝብል ዘድምቕ ኢዩ፡፡ ኣቶም ካብ ማዕዶ ዝፈርሑን ዝባህረሩን ኣብኡ ውዒሎም፡፡

እቶም ይኣክል ምልኪ ንጸገመይ ዝድርዕ እንቛዕ ረኸብኩ ወረ ጌና ዘይተዳህሰሰን ዘይተገልጸን ወጽዓ ኣሎ ዝበሉ ጀጋኑ ድማ ኣብ ዕለት 26 ጎደናታት ጀነቭ ጸቢባቶም ውዒላ፡፡ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተጋገየ ተኣኣሪሙ ሓቢሩ ንበዳሊ ዝምክተሉ ጊዜ ከምዘሎ ብምትእምማን ዓንቀጸይ ይዓጹ፡፡

ዓ.ብርሃነ

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ዝኽሪ ንሰማእታት፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Selamawi July 4, 2015

    `ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ኢዩ። ሓጺር ኣይሶልኮ ነዊሕ ኣይዘሎ ህጣራ ኣይስከሞ ዕባራ ኣይጓትቶ፡፡ ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ኢዩ፡፡ ብንእሽቶይ እንከለኹስ መማህራና ኣብ ወርሒ ድዩ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ንቤት ፍርዲ ሰሪዖም ይወስዱና ከምዝነበሩ ይዝከረኒ፡ እቶም ዳኛታት ሓንሳብ ሰለስተ ሓንሳብ ድማ ሓደ ዳኛ ኮይኖም ጸሊም ተኸዲኖም ኣብ መንበሮም ኮፍ ይብሉ፡ ኣብቲ ቅድሚኦም ዘሎ ዓቢ ጠረቤዛ ብቛንቋ ጣልያን **LA LEGGE [E`] UGUALE PER TUTTI* ዝብል ድሙቕ ጽሕፍ ብዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ይንበብ፡፡
    ትርጉሙ ከምቲ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዘሎ `ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ኢዩ` ኢዩ ዝብል”።
    ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሕጊ ዘይሰርሕ ከምዘሎ ንሕና ኤርትራውያን ካብ እንፈልጥ ርብዒ ዘመን ኮይኑ፡፡ እዚሞ ይጽናሕ
    ሓንቲ ሃገር ዝተመርጸ መራሒ ይህልዋ፡፡ ባይቶ ይህልዋ። ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ይህልዋ፡፡ እዞም ተጠቒሶም ዘለው ኣካላት ኣካይዳን ምህደራን ሃገር ነንዝምልከቶ ኣካል መዲቦም ካቢነታት ከምዝህሉ ይግበር፡፡ እቲ ካቢነ ነናቱ ጽላትን ሓላፍነትን ሃልይዎ ኩሉ ንጥፈታቱ ይገብር፡፡ ስራሕተኛ በብሞይኡ ድዩ ከከምክእለቱን ጻዕሩን ስሪሑ ስድራቤቱ ይናብን ደቁ የዕብን የምህርን፡፡ ነጋዳይ ይነግድ ሓረስታይ ይሓርስ፡ ተመሃራይ ይመሃር መምህር ይምህር ሃገር ሂወት ይህልዋ፡፡
    ኩነታት ሃገርናኸሞ ነዚ ዝተጠቕሰ የማልእ ድዩ?
    ኣብ ሃገርና ቅዋም ከምዝሞተ ኢዩ ተሓቢሩና፡፡
    ኣብ ሃገርና ተኣሲርካ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ከምዘየሎ ኢና ንፈልጥ።
    ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ባይቶ ብዘይወግዒ ተበቲኑ ኢዩ፡
    ኣብ ዓለም ፓርላማ ዘይብላ ሃገር ሃገርና ኤርትራ ጥራይ ኢያ፡፡`

    ዲንቂ ዝኾነ ጽሑፍ ኢዩ፥ ኣብ ልብና የሕድሮ! ምናልባት ኣቶ ኣማኑኤል ኢያኡ እንተ ዘንብቡዎሞ ናብ ሕዝቢ ብድምጺ እንተ ዝዝርጋሕ ጽቡቕ ምኾነ።

    ንእግረ መገደይ ሓደ ነገር ክሓትት፥ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ። ሓውና መሲናስ ጠፊኡናሞ ገለ ደሃይ ዘለዎ ሰብ የልቦን። ጉሩም ትንተና ንነብብ ኔርና ኢና፡ ሕጂ ግን ቁሩብ ናፊቕና (ወላኳ ብዛዕባ ቋንቋ ዝመጽኤ ብዙሕ ዘይምስምማዕ እንተለና፥ ብጉዳይ ሃገር ዝመጸስ ዕላልሉ ጎዲሉና`ሎ።

    ሰላምታ

  • A H July 4, 2015

    ንዓ ብርሃነ:-

    X መጀመርያ መብዛሕትኦም ብግዝየ ደርግ ዝተሰደዱ ኾይኖም፡ ብዝተፈላለየ ሕማማት ዝተባዕጡ እዮም። ንኽትፈላልዮ ዘሸግር፡ ጾዑቕ፡ ጸቢብ ኣተሓሳስብኦም ካብ መሃይምነት ዘይሓልፍ ኮይኑ፡ ገለን ብዘይፍላጥ ኣብ ጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት ዝጠለቑ፡ ገለን ናይ መንነት ጸገማት ዘለዎም፡ ገለን ኩሉ ንብረቶም ኣብ ዓዲ ዘግዓዙ ገለን ብጽበት ኣረኣእያ ንኹሉ ህግደፍ ዝብሎም ከም ጽላተ ሙሴ ዝኣመኑ፡ ውሑዳት ድማ ምስ ኣፍልጦኦም ብጥቕምን ካልእ ከዳዕ ብልሽውናኦም ዝተኸለሱ ጠስሚ ቲቶ’ዮም። ብኣማላኽታይ፡ ነዚኦም ወይ ንምሃሮምን ነንቅሓዮም ወይ ከኣ ኣብ እግረ መድና ንኣጽንሑለይ ገዲፍና ናብ ጉዳይና ንመርሽ እብል ሓዉኹም፡፡ ግዝየ ወርቂ’ዩ ንምንቲ ምንታይሲ ግዝየና ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነባኽን? መንእሰይ ንቕድሚት መርሽ፡ መብዛሕትኦም፡ ሓንቲ እግሮም ኣብ ጉድጛድ ዝጠሓሉ ኮይኖም፡ ምሳኻ ዝወዳደሩ ኣይኮኑን፡ ንሕና ግዜና ኣብቂዑ ናትካ ግደ’ዩ ተሪፉ፡ ሃየ ግዳ፡ እታ ኻልኣይቲ እግርና ከይሰዓበት ኣርክበና፡ ፍናን ንዓኻ ይኹን መንእሰይ ሃገረይ፡ ትጽቢትና ኢኻ’ሞ ተቐላጠፍ ከይሓለፍና ኣርክበና ምዑት መንእሰይ።
    ካብ ኣ ሃ

  • A.Berhane July 4, 2015

    ኣብዛ ሓጻር ዓንቀጽ ብምቕራበይ ከምቲ ተገዲስኩም ኣንቢብኩም ደገፍኩም ዝገለጽኩም ጽቡቕ ምትብባዕኩም የመስግን፡፡ ኣውራ ዘሓጎሰኒ ግን ድሃይ ክቡር ጽሑፋቱ ንምንባብ ዝሃርፎ ሓው መሲናስ ምስመዐይ ኣዝየ ተሓጉሰ፡፡ ድሃይካ ካብ ንስእን ነዊሑስ ገለዶኾን ተጸሊእዎ ኮይኑ ዝብልን ካልእ ሻቕሎትን ጸኒሑኒ ኢዩ፡፡እሞ እንቋዕ ድሃይካ ሰማዕና ኣብሽረ ክቡር ሓው፡፡

  • wedifre July 5, 2015

    Dear A. Berhane,

    Well said and well narrated. Thank you for the excellent comment.
    Please keep it up.

  • mm July 5, 2015

    Mesinas we love you. You are Eritrea. The symbole for strengh,you make us laough while induring deep pain. Kewegeh eyu meret.

  • geneva warrior July 5, 2015

    ዓ.ብርሃነ,

    ኣብ ብጠራሙዝ ዝተሰርሔ ገዛ ኮፍ ኢሉ እምኒ ዝድርቢ ኰንካና።ንስኻ ምሉእ ሽምካን ዘለኻዮ ሃገርን ንምንታይ ዘይገለጸካ።ፈርቲሕካ ነዝማድካን ፈተውትኻን ከይተለክም።ዌል እቶም ን ኢሳያስ ዝድግፉ ድማ ገለን እቶም ሓደ ዓዲ ስልጣን ከይሕዝ ዎ ፈሪሕዖም ፣ኣብ ዓዲ ገዛ ስለ ዘለዎም ከይህገር ፈሪሖም ከም ኩሉ ካፒታሊስት ብጥቕሚ ተታሒዞም።መጀመርያ ንስኻ ትብዓት ኣር ኢ ካብ ሰብ ትብዓት ቅድሚ ምሕታትካ።ብድሕሪ ሞኒተር ተሓቢእካ ፈውሲ ምንጋር ኣይዓብስን።
    ኣነ እውን ፈሪሔ ሽመይ ዘይጠቐስኩ።ከም ኣማኑኤል እያሱ ሽምካን ስእልኻን ምስ ጠቃዕካ ምኸረና ሓው።

POST A COMMENT