Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር ሐርበኛ ተቓላሳይ አሕመድ ናስር ድሐን ኩን

ክቡር ሐርበኛ ተቓላሳይ አሕመድ ናስር ድሐን ኩን   ሞት ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእን ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ’ኳ እንተኾነ፣ ደቂ ሰባት  ግን ብባህርያቶም አብ ቀረባ ወይ ከባቢኦም ዘንብዩ ክሳብ ዘርክቦም አለና ብምባል ይዝንግዕዎ። ብኡ መጠን ከአ  እቲ ብሂወቶም ከለዉ ሕድሕዶም

ክቡር ሐርበኛ ተቓላሳይ አሕመድ ናስር ድሐን ኩን

 

ሞት ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእን ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ’ኳ እንተኾነ፣ ደቂ ሰባት  ግን ብባህርያቶም አብ ቀረባ ወይ ከባቢኦም ዘንብዩ ክሳብ ዘርክቦም አለና ብምባል ይዝንግዕዎ። ብኡ መጠን ከአ  እቲ ብሂወቶም ከለዉ ሕድሕዶም ክለጋገስዎን  ክወሃሃቡዎን ዝግብኦም ክብሪን ሐልዮትን በቲ መዓልታዊ ሂወት ዝወለዶ  እዋናዊ ፍልልያት ይርሳዕ። እቲ ዘሕዝን ከአ እቶም ዝፍለዩና ብሂወቶም ከለዉ ክሰምዕዎ ዝግብኦም  ናእዳን፣ ክለብስዎ ዝግብኦም  ዋጋ ሞያኦም ዝኾነ  ሞጎስን  ብድሕሪ ምሕላፎም  ምስዓቡ ኢዩ።

ሎሚ ንክቡር ሐርበኛ ታሪኻዊ መራሒ አሕመድ ናስር አልዒለ  ንድሕሪት 39 ዓመት ተመሊሰ ክጽሕፍ ከለኹ ብዛዕባቲ  ሽዑ ዝነበረ ኩነታትን ሃዋሁውን ትዝ ይብለኒ።   አብቲ እዋንቲ ሰውራና ካብ  ደባይ ተዋጋኢን ናይ ምክልኻል ዕርዲታቱን ወጺኡ፣ ብአሽሐት አእላፋት መንእሰያት ኤርትራ አዕለቕሊቑ፣ እቲ ፍጹም ዝከአል አይኮነን ዝብሃል ዝነበረ ሐይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ርእሱ አድኒኑ፣ ክሳድ ኤርትራውያን ከአ አበደን ዝመልሰና የለን ብምባል  ከም ናይ ብርቱዕ ሽደን አንበሳ ክሳዱ ትኽ አቢሉ ብምቕናዕ  ብደያቢ መዓልታዊ ምዕባሌታት ንቕድሚት ይውንጨፍ ምንባሩ እወ ትዝ ይብለኒ።

ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ብዘይ ስምረት  ጸላኢ ብቕልጡፍ ክስጎግ፣ ዓወትን ነባሪ ሰላምን  ኮነ ቅሳነትን’ውን እንተኾነ ክረጋገጽ፣  ብየማንን ጸጋምን ዘለኹም ደቅና ስመሩ እንዳበለ ደቁ ከስምርን፣ ዝሰመረት  ቅስንትን ዝተወሃሃደት ሰላማዊት  ሃገርን  ንኽትኮነሉ ዝነበሮ ቀጻሊ ጻዕርታት ናይቲ መድረኽ’ቲ እወ ትዝ ይብለኒ። እወ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር  ባህጊን ሃረርታን  ኩሉ መኺኑ ተሪፉ ። አሉታዊ ውጽኢት ናይዚ ከአ፣ እንሆ ንመላእ ደቃ አወሃሂዳ  ምጻር’ስ ይትረፍ ፣ ነቶም ናይ ንእሰነት ሂወቶምን ምሉእ ዕድመኦምን ዘበርከቱላ፣ ብኽቱር ፍቕራ ተቓጺሎም ብኹለንተናና  ክንሐልፈልኪ ኢና ብምባል ሐሪኖም ዝተቓለሱላ  ሐርበኛታት ደቃ’ውን እንተኾነ፣ ንክቡር ሬሳታቶም ዘስደምም ኢዩ እምቢ አይቅበልን ከአ ኢላ።

እወ ብዙሐት አቦታትናን አያትናን ዝኾኑ፣ መሬት ጌና ብአግኡ  ብጸላሙ ከሎ አንጻር ሓያል ሃጸያዊ ንጉስን፣ አንጻር ሺሾ ዝኾኑ ሰራዊቱን እልቢ ዘይነበሮ ዕጥቁን ብምርአይ፣  አንጻር ንጉስን ሰራዊቱን  ተላዒሉ መን ክኽእሎ እንዳተባህለ ከይዓጀቦም ናብ ዕሸል ዝነበረ ሰውራና ተጸንቢሮም  ክንዋጋእ ኢና ብምባል ዝተሰለፉ ሐርበኛታት ኔሮም ኢዮም።  ህዝቢ ኤርትራ አብቲ ተስፋ ዝቖረጸሉ ጸቢብ  ናይ ስሳታት ጸላም ዘመን “ እወ ይከአል’ዩ” ብምባል አብቲ ከምኡ ኢልካ ንኽትሐስቦ  አዝዩ ዘጸግም መድረኽ፣  ንብረታዊ ተጋድሎና ዘበገሱ ይኹኑ አጎልቢቶም ሰማይ ክሰቕልዎ ዝተጸንበሩዎ ታሪኻውያን ጀጋኑ ኤርትራውያን ተጋደልቲና  ሬሳኦም ክሳብ ሎሚ  አብ ፈቐዶ ሃገራት ዓሪፉ ከም  ዘሎ  መን’ከ ክርስዖ።

በዚ አጋጣሚ’ዚ ነዞም አቐዲሞም ዝሐለፉ፣ ነጻነት ድሕሪ ምርግጋጽ  አብ መሬት ዓዲ ጓና  ዓሪፎም ዝርከቡ ናይ ጸላም መድረኽ ተቓለስቲ ሐርበኛታት፣ ንክቡር ሐርበኛ ተቓላሳይ አሕመድ መሐመድ ናስር  ወሲኽካ፣ ክዝከሩን ክለዓሉን ግቡእ ኢዩ። ከነስተውዕሎ ዝግባአና ከአ  አብቲ ዝሐለፈ ናይ ቃልሲ መድረኽ ናይ አረአእያ  ሚዛናንን ፍልልያትን ብዘየገድስ፣ ኩሎም ንስለ ነጻነት ሐንቲ ኤርትራን፣ ንስለ ሐርነት ሐደ ውጹዕ ህዝቢን ዝተቓለሱን ምሉእ ሂወቶም ዘወፈዩን ጀጋኑ ሐርበኛታት ኤርትራ ብምዃኖም ብመላኦም  ወትሩ ክዝከሩ ይግባእ።

ክቡር ሐርበኛ ጅግና ተጋዳላይ አሕመድ ናስር ምሉእ ዕድሜኡ  ተቓሊሱ  ፍረ ጻማ ቃልሱ ከይረአየ ምሕላፉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣  ሬሳኡ  ነቶም አቐዲሞም ዝሐለፉ’ም ንቡር ቀብሪ አብታ ምሉእ ዕድመኦም ዝተወከፉላ ከርሲ መሬት ዓደቦኦም ዘይረኸቡ ተወሳኺ ቁጽሪ ምዃኑ አዝዩ ዘሕዝን ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝአመሰለ ተርእዮ ነቶም  ቅድሜና ዝሐለፉ አይርእይዎ አይሰምዕዎ ስለዝኾነ  ትርጉም የብሉን። ነቶም ብድሕረኦም ብሂወትና ዝተረፍና ኩሉና ደቂ ኤርትራ ብሐፈሻ፣ ንፍትሒን ደሞክራሲን አብ ሃገሮም ንምምጻእ ዝቃለሱ መራሕቲ ዓውደ ተቓውሞና ከአ ብፍላይ፣ ንተመኩሮኦም ክመዝኑን  እቲ ዘተሐሳስብ ፍንጡሕ አተሃላልዋና ብኸምኡ ንኸይቅጽል መፍትሒ ከነናድን፣ ህድእ ኢልና ከም ኤርትራውያን ክንሐስበሉን ከም ዘለና  እዚ ጊዜ  ብዘይ ቃል ዓለም ይምዕደናን የዘኻኽረናን አሎ።

ሬሳታት ደቅናን አሕዋትናን አሐትናን ብአማኢት አብ ባሕሪ ክቕዘፉ ከለዉ  ዓለም ብዓለሙ ብሐዘን ተዋሒጡ ክዝክሮም ከሎ፣  ንህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብካ ዘይብል መንግስቲ፣ ንሬሳታት ሐርበኛታት ሰውራ ኤርትራ ወላ’ውን ነቶም ብቐረባ ዘገልገልዎ ብጾቱ ከይተረፈ አብቲ  ዝተቓለሱሉ መሬት ዓደቦኦም ዝሕርም አረሜናዊ ስርዓት፣ ክሳብ ክንደይ ምስ ሕልምን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ አዝዩ ርሑቕ ከም ዘሎ፣  ከቀራርቦ ዝኽእል መራኸቢ ገመድ’ውን  ከቶ ፈጺሙ ከም ዘየለ ኢዩ ዝእምት።

ዝኽሪታተይ  ብዛዕባ አሕመድ ናስር ድሕሪ’ቲ ብ1975 ዓ.ም. ዝተገብረ  ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ከም አቦ ወንበር ምምራጹ’ኳ እንተኾነ፣ ዝያዳ ግን ካብ ብቐረባ ዝፈልጡዎን ዝተራኸቡዎን ተጋደልቲን፣ በቲ አብ ዜናታት ማዕከናት ዓለም ማለት ቢቢሲ፣ ሞንተ ካርሎ፣ ረድዮ ጀርመን፣  ብዛዕባ ጉዕዞ  ሰውራ ኤርትራ  ዓወታቱን  አብ ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ  ቃለ መሐትትን ክቃላሕ ከሎ አዝዩ ይምስጠኒ ድአ ነበረ። ብፍላይ ንከተማ አስመራ ከቢብና አብ ድፋዓት ሰላዕ ዳዕሮ ላጐን ዓደብ ነገር ኰንና ጸላኢ መእተዊን መውጽኢን አብ ዝኸልከልናሉ እዋን ነቲ ዜና’ቲ ክንሰምዕ ከለና ሞራል ተጋዳላይ ክብ ኢሉ ሪድዮታታና ብሐበንን ኩርዓትን ነዳምጾ ምንባርና እዝክር። ብኻልእ ወገን ፍልልያት ኮነ ምስሕሐባት አብ ውሽጢ መስርሕ ቃልሲታትና ከጋጥም ባህርያዊ ኮይኑ አብቲ ናይ ሜዳና ጉዕዞ ዝኾነ ዝኸሶ ሸነኽ አይሰማዕኩን። ዝያዳ ከአ ንምእላዩ ኩሉ ዝከአሎ ዝገብር ሰብ ነበረ።

ድሕሪ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ምድፋአ፣ አብቲ ስዒቡ ዝመጸ መድረኻት  ቃልሲ  ንብርክት ዝበለ እዋናት ብአካል ተላሊና ብምርኻብ ብቐረባ ክላለዮ ክኢለ ኢየ። ወዲ ሰብ ኮይኑ ምስ ጊዜን ኩነታት  ናይ አተሐሳስባ  ፍልልያትን  ፍልይ ዝበለ ርእይቶን  አማዕቢሉ ክፈላለ ቅቡልን ባህርያዊን ስለ ዝኾነ፣ ሕማቕ ናይ ታሪኽ አጋጣሚ ኮይኑ ግን  አብ ውድባዊ አተሃላዋና  ተፈላሊና ጸኒሕና። ይኹን’ምበር ልዕሊ ኩሉ መራሒ ናይ’ታ ሃገራዊ ንሒን  ተቛሲሉ ዝነበረ ንያት ህዝቢን ዘበራበረት፣  ብረታዊ ተጋድሎ መስሪታ ዘለዓዓለት  ውድብ ተጋድሎ ሐርነት  ኤርትራን፣ አቦ ወንበር ናይቲ አብ ጉዕዞ ቃልሱ ዕንቅፋት ዘጋጠሞ  ሐርሞሾሻዊ ሐይሊ ሰራዊት ሐርነት ኤርትራ ብምዃን ዝተቓለሰን፣ ክሳብ መጨረሻ  ሂወቱ  እውን እንተኾነ ከይተሐለለ  ዝቐጸለን  ዝደምደመን፣ አሰር አቦሐጎኡ ዝሐዘ  ወዲቶም   ኤርትራዊ ብዓል ታሪኽ  ሐርበኛ መራሒ ህዝቦም ዝኾኑ ናስር በን ብምዃኑ ወትሩ ብኽብሪ ክንዝክሮ ኢና።

አሕመድ ክትራኸቦ ከለኻ ከም አቦ ወንበር ውድብ ዘይኮነስ ሐደ ምቕሉልን ሕዉስን አዝዩ ሕያዋይን ሰብ ኢዩ ኔሩ። እቲ ሕያዋይ ፍሽኽታ ካብኡ ዘይፍለ ለዋህ አሕመድ ሎሚ ሐሊፉ አሎ። በዚ አጋጣሚ ንኽብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ሱዓድ ከምኡውን ንክቡራት ደቁን ቤተሰቡን ኩሎም ናይ ቃልሲ ብጾቱን ጽንዓት ይሃብኩም። ንኹላትና ስለዝጎደለና ከአ ጽንዓት ይሃበና ብምባል፣ ንሕና’ውን ስጋ ሰብ ዝለበስና  ሰዓብቲ  ኢና’ሞ ክሳብ እታ እነርክቦ ድሐን ኩን  አሕመድ ናስር ብምባል ንሳነበቶ።

ንኽቡር ሐርበኛ አሕመድ  መሐመድ ናስር መንግስተ ሰማይ (ጀና) የዋርሶ

ንመላእ ስድራ ቤት ከአ ጽንዓት ይሃብ

 

ተስፋይ ተኽለ

ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ ከተማ ሳን ድየጎ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • tesfaldetabraha April 3, 2014

    breaking news propoganda ERITREAN gov by his supporters poison AHMED NASIR this is abig lie for ASSENA ASMARINO AWATE to use

  • mrs Eritrea April 3, 2014

    Ata Ahimed nasir intay iyu geru bejakum gdefuna kalsi malet iko itom kab meda atihizom sigab hji keyeirefu zikalesu zelewu jeganu iyu meas hansab ab syria hansab ab adis abeba kitifo indabelika koyinu nihzbi eritria intay iyu gerilu belu nikitifeltu ane kab asmara kidimi aribaite mealti mesie zifelto seb yele dizekero seb yele isikum gina dehan hteftef belu ab sdetisi kulu dea jigna kone wed vacaros kab semay ziwered jigna indiyu wey gud rihok adis mefesewi

  • abaga April 4, 2014

    Wey gud tirgum jigna ka tefiuna
    40 amet ab sofa diyu jignnet

POST A COMMENT