Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክትሓስቦ’ኳ ዘጨንቕ!

ክትሓስቦ'ኳ ዘጨንቕ!   "ወደይ ገበነኛ እንተ ኮይኑ፡ ከም ዓለሙ ፍረዶ! ወድኻ ገንዘብ ሰሪቑ ትብለኒ እንተ ኴንካ ድማ ንቢተወደድ ወደይ ሳላ'ቲ ጽቡቕ ግብሩ ዘይፈልጦ ሰብ የለን! ህዝብና ድማ ብሩኽ'ዩ!  ነጸላይ ገቲረ ቅለቱኒ ኢለ፡ እተን ትብለን ገንዘብ ከምጽአን'የ! ግዳስ ከም

ክትሓስቦ’ኳ ዘጨንቕ!
 
“ወደይ ገበነኛ እንተ ኮይኑ፡ ከም ዓለሙ ፍረዶ! ወድኻ ገንዘብ ሰሪቑ ትብለኒ እንተ ኴንካ ድማ ንቢተወደድ ወደይ ሳላ’ቲ ጽቡቕ ግብሩ ዘይፈልጦ ሰብ የለን! ህዝብና ድማ ብሩኽ’ዩ!  ነጸላይ ገቲረ ቅለቱኒ ኢለ፡ እተን ትብለን ገንዘብ ከምጽአን’የ! ግዳስ ከም ዚሰረቐ ኣረጋግጸለይ’ምበር!” ክቡር ነፍሲሄር ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ (ኣቦ ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ) ንደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝበሉዎ።
 
“ሕክምናስ ደሓን ይትረፈኒ! ግዳስ ወደይ እንተኣርኣየንስ ናብ ጀነራል ስብሓት ውሰዱኒ!” ክብርቲ ነፍሲሄር ወይዘሮ ቅድስቲ (ኣደ ጅግና ቢተወደድ ኣብርሃ) ነቶም ናብ ሕክምና ክወስዱወን ጸይሮመን ዝነበሩ ሰባት ዝበልኦም።
 
 “ኣደይ ኣብ መሬት ትኣቱ ኣላ! ቢተው ሓወይ ንዓ’ባ ኣፋኑዋ!” ሓው ሓየት ቢተወደድ ኣብርሃ ኣብ ቀብሪ ኣደኦም ዝበሎ።
 
“እቲ ትብዓትን ራእን ዚመልኦ ሓርበኛ ተጋዳላይ፡ ተባዕን ራኣይን ስኢኑ! ኤርትራ ጨኪናትሉ! ንሕግን ንፍትሕን ከምዘይተቓለሰ፡ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ ኣሎ! ሃገራዊ ሞያኡ ግን ዚሃስስ ኣይኮነን! ታሪኹ ነባሪ’ዩ!” ቃል ክብርቲ ሓብትና ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም (ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል)  
 
ብርግጽ ነባሪ ታሪኽካ ዘይጽንቀቕ
ኣንበሳ ኣናብስ ብሽግር ዘይትጭነቕ
ንብረት መዓስ ኮይኑ ቅያኻ ዚስረቕ
ካብ ርሑቕ ትርአ ደሚቕካ ከም መብረቕ
ኣብ ልቢ ኩልና እቲ ስምካ ኪውረቕ 
ኣብ ማሕዩር በሊኻ ናይ ሓርነት መረቕ!
 
ሃምበል ቢተወደድ ጅግና ናይ ጀጋኑ
ስረ ኤርትራውያን ዚዓጠቐ ብወኑ
ብውልቀ መላኺ ዘይከይድ ደኒኑ
ተድላ ዘይመረጸ ታሪኹ ደዊኑ
ኣንበሳ ወዲ ኣብርሃ ፋዝኽዳኑ
በጃ ህዝቢ ምእሳር ምርጫኡ ኮይኑ
ስረኡ ኣይፈትሐን ህይወቱ መኒኑ!
 
ኣንታ ከም ነብዪ ቃላቱ ዘይወድቕ
‘ሞት ይሓይሽ!’ ዝበልካ ስረ ካብ ተዝልቕ
ንህዝበይ ብምባልካስ ብኮንቱ ኪትሓቅቕ!?
ኣታ ክንደይ ንሰንፍ ክንደይከ ንሓምቕ
ጅግና እናጠፍአ ጸሓይና ዘብርቕ
ኣብ ናይ ጸላም ጓይላ ንዘልል ንስሕቕ!
 
ከምቶም ንመላኺ ርእሶም ዝደፍኡ
ስዩም እንተ ትብል ኪትኸውን ጊልያኡ
ህዝቢ እንተ ትብድል ኣብ ክንዲ ሞሳኡ
መዓስ ምሰኣንካ ርሻን ምስ ቪላኡ
ብደም ህዝብኻ ግን *ኪትሽናህ ምሳኡ  *ኪትድሰት
ኣይመረጽካን ጅግና ኪትዕሰብ ንኣኡ!
 
ሓርበኛ ከም *ኣሊቁ ኣብ ማሕዩር ኪትሓቅቕ         *ጨው ባሕሪ
ኣይኮነን ክትኣትዎ ክትሓስቦ’ኳ ዘጨንቕ
ጎይታ ናጽነትስ ሓርነት ኪትናፍቕ!
ልበይ ብታሪኽካ ኢሉዎ ሕንቕንቕ!
 
*ሃጥር ቢተወደድ ሓንጋር ኣያታቱ     *ጅግና
ብሰንኪ መላኺ ህይወትካ ጸልሚቱ
ታሪኽ ብምስራሕካ ነባሪ ሓወልቱ
ወዮም ወለድኻ ብጓሂ ዝሞቱ
ህዝብኻ ብሓበን ውዕሎኻ ከዘንቱ
ይሰምዑዎ ኣለዉ ብኣኻ ይንየቱ!
 
ኣየ’ወ ጅግንነት እቲ ቈራጽነትካ
ዋልታ ናይ ኣናብስ ብትብዓት ዓትዒትካ
ቅናት እተን ወዓሩ ዝናር ተዓጢቕካ
ፍጹም ዘይትጸዓድ ተባዕ ዚሓሞትካ
ሰብኣይ ሰብኡት ኢለ ኣነ ከይሰምየካ
መዘና ዘይብሉ ልዕሊኡ’ንዶ ኴንካ!
 
ዋላ እንተ ሓለፍካ *ብዋያ ብኮንቶ   *ብማንም
ኣታ እቲ ሞት ደኣ ኩሉ’ንድዩ ዝሞቶ
ዕድመ ከይፈለየ ዓቢ ምስ ንእሽቶ
ታሪኽ ጀጋኑውን ወትሩ’ዩ ዚዝንቶ
ልብና ኣድኒቓ’ሞ ዘዝመዝገበቶ
ከም ናትካ ግን የለን ቀልባ ዝበሓቶ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 22-10-2014
 
*እዛ ግጥሚ፡ ካብቲ ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ 2014፡ ብራድዮ መድረኽ ዝተፈነወ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኽ ሓርበኛ፡ ሃምበል ቢተወደድ ኣስፍሃ ምስ ሰማዕኩ፡ እናነባዕኩ ዝጸሓፍኩዋ ናዕታ’ያ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • sussun October 26, 2014

    GIGNA .bold.brave dear Mesias thank you for your correct testament to our great hero Bitweded Abraha.Brothers Yohannes and Abraham do not waste your time to to give comments to sush useless and stupid people like the so called empty Peter if it is his real name,i think he must learn A B C D first. Brother Amanuel is the most courageous Eritrean who exposes the brutal nature of Esaias Afewerki,he is the voice of the oppressed people of Eritera Shih yimutu Aka shih aymut.

  • Marta Afwerki October 27, 2014

    Bitew Jigna nay jeganu!

  • Peter October 28, 2014

    Jigna my Ass he was just a puppet of Esayas and yes he was sharp tongue like all of you. Other than that can you tell me which battle field did he lead. I told you I know Bitwoded not in Asmera not in Aseb but in Deb’At Mahmimet, and so on. He got what he deserved. Infact, In that case viva the devil who eats his own kids.

  • maekele November 1, 2014

    Wedi seb bimezeniu bizey fithi bikemzi ab bet maeserti kibeli nai eritrawiyan dikum bahlin zeynikhatin eyu. Bitwede kieser kelo suk elom ziriyu zineberu lomi arkibomo misu ab bet maeserti yibeliyu alewu. G 15 kieseru kelewu kabtom kendi megohaharti zineberu beal Mustofa Nur Husein ke abey alewu? Eritrawiyan kab mot mitisae yedliyena alo. Aynina kefitna nefsi wekef ab areaeyiu temerkuisu negerat kemezazin kisab zeykeale, kisab aleka beleka keygedefe, jahra ab tiray golgol kisab zeybeleyelu kulu gize kemzi kikewin eyu. ata seb timali beal bit weded tsibah kea hawika wey haftika dekinoka? ezi gudaY GUDAYNA EYU. eSAYAS HANTI TINFAS EYU. kINEKARIJO NITEAKAKEB, NILAZEB, KELIL EYU.

POST A COMMENT