Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክኸውን ዘለዎ መድረኻዊ ዕማም ፖለቲካዊ ውድባትን፣መንእሰያትን፣ ህዝብን 2017-2018 (2ይ ክፋል)

ክቡራት ተኸታተልቲ መድረኻዊ ኣርእስትታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ነቲ ብምኽንያት ጽንብል በዓል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ግንቦት 24 2017 ኣብ መድረኽ ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ዘመሓላለፍክዎ መልእኽቲ፣ ጉዳይና ምእንቲ ዘኽሙ (Momentum) ከየጥፍእ ክብል 2ይ ክፋል ኣተሓሒዘ

ክቡራት ተኸታተልቲ መድረኻዊ ኣርእስትታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ነቲ ብምኽንያት ጽንብል በዓል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ግንቦት 24 2017 ኣብ መድረኽ ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ዘመሓላለፍክዎ መልእኽቲ፣ ጉዳይና ምእንቲ ዘኽሙ (Momentum) ከየጥፍእ ክብል 2ይ ክፋል ኣተሓሒዘ ክሰደልኩም ግድን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መልእኽተይ ኣተኩሮ ዝገበርክሉ ጉዳይ ዘተ ፖቲካዊ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ’ዩ ነይሩ። እቶም ክልተ ጽላላት ኣካላት ዘተ፣ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን (ኤደኪ) ሽዱሽተ ውድባትን ዝፍለጡ ድምር ፖሎቲካዊ ውድባት’ዮም። እቲ ዘተ ብድሕሪ ምቕሃም ዋዕላ ናይሮቢ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ምጅማሩ ከኣ ህዱእን ልዙብን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ናብ ሰሚናር ከብጽሕ ዝኽእል ስምምዓት ከም ዝተበጽሐ ይሕበር። እቲ ዝሰላሰል ሰሚናር ድማ ገምጋም ሕሉፍ ተመክሮ ተሳተፍቲ (ፖለቲካውን፣ሲቪካውን፣ህዝባውን) ሓይልታት ባይቶ ድሕሪ ምግባርን፣ ብደገ ዝጸንሑ ፖሎቲካዊ ውድባት ብምዕዳምን፣ ኣብ መስርሕ ምድላውን ምትግባርን 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ዝምስርሓሉ ውሳኔታት ምብጽሑ ይግለጽ። እዚ ጠዊቕና ጠዋዊቕና እንረኽቦ ምዕባሌታት ግን ብዕላውን ህዝባውን መራኸቢታት ክሳብ ሕጂ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣይኮነን። ካብ ሓቂ ንዘይምርሓቕ እቶም ኣብዚ ዘተ’ዚ ተጸሚዶም ዘለዉ ባእታታት፣ ውድባዊ ስርሓቶም ኣወንዚፎም ድኻሞም ከይጸብጸቡ ዝሰርሑ ውፉያት ኣባላት መሪሕነት ፖሎቲካዊ ውድባት’ዮም። ነቲ ዘካይድዎ ዘተን ውድባዊ ዕማማትን ተመሊሶም ንህዝቢ ክሕብሩ ዘድልዮም ስታፍ/ኣባላት መጋበርያታትን፣ መሳለጥይታትን እውን የብሎምን።  እንተኾነ ግን ከም ባህሊ ካብ ምስጢራውነት ናብ ግሉጽነት ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ንምቕያር  እናተቓለስካ ህዝብኻ ከየስማዕካን ከየካፈልካን ኣብ ገለ መደምደምታ ክሳብ ትበጽሕ ትም ኢልካ ምጉዓዝ ሓጋዚ ኣሰራርሓ ኣይኮነን።

ናብ ዋና ነገረይ ንምምላስ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ናብ ንቡር ናይ ቃልሲ ቦትኡ ንምምላስ ዘተታት እናተኻየደ ከሎ ብሃንደበትን ዘይተፈልጠ ምኽንያታት፣ ክልተ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎም ዝኽእል ፖለቲካዊ ውድባት ካብቲ መስርሕ ከም ዝሰሓቡ ይሕበር። እዞም ፖለቲካዊ ውድባት እዚኣቶም ከምቲ ክልተ ዓይኖም ዝሓመሙ ሰብኣይን ሰበይትን፣ ሰብኣይ ዋይ ኣዒንታትና! ዋይ ኣዒኒንታትና! ኢሉ ክቝዝም ከሎ፣ ሰበይቲ ድማ ዋይ ዓይነይ! ዋይ ዓይነይ! ኢላ ቆዘመትሞ፣ ሰብኣይ ትቕብል ኣቢሉ “ኣነን ይሓባብር ንሳን ትፈናቲ! (ትፈላሊ)” ኢልዋ ዝበሃል ውድባት ብጽላላት ደረጃ እናዘተዩ ከለዉ፣ ካብ 19 ዓመታት ዝነበርሉ መንበራት ስሒቦም ክወጹ ከለዉ ዘተሓሳስብ ጥራይ ዘኮነስ ዘስደምም ጉዳይ’ዩ። እዞም ፖለቲካዊ ውድባት’ዚኣቶም ተመሊሶም ግቡእ ቦትኦምን ተራኦምን ክጻወቱ ጻዕርታት ይካየድ ስለ ዘሎ፣ ከምኡ’ውን ባዕላቶም ብኣዋጅ ደረጃ ክሳብ ዘየፍለጡን ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ኣይህወኽን። ይኹን እምበር ትጽቢት ናይቲ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ  ግፍዕታትን ሓሳረ-መኸራን ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክማላእን፣ ግብራዊ ክኸውንን ካብ ዘለኒ ትጽቢት ተበጊሰ ብእዋኑ ኣብ ልቦም ተመሊሶም ክሕስብሉ ትምኒተይ ደረት የብሉን። እዞም ውድባትዚኣቶም ከኣ ዝጸንቱ ዘለው ኣህዛብ ንምድሓን ዝተበገሱ እንተኾይኖም፣ ካብ ዘተ ብዝኾነ ምኽንያት ሓንቲ መዓልቲኳ ትኹን ክፍለዩ ኣይምተግብአን። እንተ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ውዲታት እንተለይዎ ግን፣ ጽባሕ ንግሆ ዝቕላዕ ነገር ኮይኑ ንዓኣቶም ይኹን ነቲ ካልእ ደንበ ተቓውሞ ዝሕግዝ ስጉምቲ ኣይኮነን።

ኩሎም ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን፣ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ግዝያዊ ብድሆታት ከይተሰናበዱ፣ ናብቲ ክብጻሕ ዘለዎ ሰሚናር 2ይ ሃገራዊ ጉባኤን ክበጽሑ፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ምስ ካልኦት ህዝባውን፣ ሰብኣውን ማሕበራት ሓዊሶም፣ ንህዝቢ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መደብ ዕዮ ዝሓዘ ግሉጽን ብሩህን ትካል ከመዓራርዩ ትጽቢት ይግበረሎም። ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ግን ኣብዚ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ 2017 ንህዝቢ ግልጺ ኮይኑ ክዝትየሉ ምስ ዘይክእል፡ ጻዕርታት 8 ወርሒ ከምቲ ኣብ ማይ ዝኣተወ ጨው ክኸውን ምዃኑ ብሩህ’ዩ።

ንምድኻም ቃልስና ዝግበር ህግደፋዊ ወፍሪ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ቁጽሮም ካብ 20-21 ዘይሓልፍ ክነሱ፡ ብጸላኢ ዝተላእኩ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ፣ ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ጽዑቕ ስለያዊ ስርሓት ዘካይዱ ባእታታት ግን፣ 40-50 ዝኾኑ ውድባት እናበሉ ህዝቢ ከሰናብዱ ምስማዕ ልሙድን ኣዕናውን ተግባር ኮይኑሎ። ከም ኣብነት ንምግላጽ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ሕጂ ተሰጒጉ ተባሂሉ ዝሕመ፣ ግን ከኣ ብቓልዕ ንፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ከናሹ ዝውዕልን ዝሓድርን፣ ኣብ መድረኽ ፓልቶክ ህግደፍ ኣትዩ ንተረኽቦታትን መኽሰባትን ሆላንድ ዘናሹ፣ ንናይ ሆላንድ ተበግሶ ከሲሶም ምስክር ኮይኑ ክቐርብ በጊዕ ሓሪዶም ከቐንይዎ፣ ከዕልል ዝቐንየ ጥርጡር ሰላዪ ህግደፍ ከምዚ ክብል ይሕጭጭ! ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ዘይግበር ዘሎ ዝምውሎም ስለ ዝሰኣኑ’ዩ፡ ቀደም ግን መኣዲ ሰንዓ ፎርም ወይ ኢትዮጵያ ትኸፍለሎም ስለ ዝነበረት እዩ እናበለ ካበይ ከም ዘምጽኦ ዘይፍለጥ ወረ ክዝርግሕ ብልቢ ክኹነን ዘለዎ ሓበሬታ’ዩ። ብወገነይ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሰሜን ኣሜሪካ ኮይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ ግዜ፣ እቶም 600 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ጉባኤ፣ ዋላ’ውን ካብ ሱዳን ዝመጹ  ከይተረፈ፣ ካብ ጥሙይ ከብዶም፤ ቀለብ ስድራ ቤቶም መንጢሎም ብዘዋጽእዎ ገንዘብ ደኣምበር ንነፋሪት ይትረፍስ ንኣውቶቡስ’ውን ዝተኸፍለሎም ገንዘብ  ኣይነበረን። እወ እቲ መጋብኣያ ንምስሳይ ብሰንዓ ፎረም ከም ዝተሓገዝናን፣ ንቃልሲ ጉዳይ ህዝብና ኣሚና ስለ ዝኣተናዮ ከኣ ንዅርዓሉምበር ንሓፍረሉ ምኽንያት የብልናን። ካብ ኣሜርካ ናብ ጉባኤ ዝተሳተፍና ኣስታት 80 ንኸውን ሰባት፣ ምስናይ መጎዓዝያና ክሳብ ርብዒ ሚልዮን ዶላር ዘጥፋእናሉ መገሻ  ካብ ጁባና ምንባሩ ሰነዳትና ዝምስከሮ ሓቂ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ብጎረቤት ሃገር እንተተሓገዝና’ኸ ንዝብል ሕቶ፣ መልሱ ዝቃለስ ግንባራት ዲሞክራስን ፍትሕን ኣየናይ ከይተሓገዘ ዝተዓወተ ውድብ ኣሎ? ብማለት ጥራይ’የ ክሓልፎ ዝደሊ። ኣብ መወዳእታ መልእኽተይ ንምዝዛም ድማ፣ ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ እዋንዚ ኣተኵሮም ክዝትዩለን ዘለዎም 4 ምዕብልናታት ንምቕራብ፡-

  1. ካብ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ዝርከቡ ፖቲካዊ ውድባት ንጥፍኣት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ደው ንምባል ይትረፍ’ዶ ምስ ፈተውቲ ውድባት፣ ጸቢብ ኩነታት ንምስጋር፣ ምስ ጸላኢኻ ተመሓዚኻ’ውን ሃገር ይደሓን’ዩ። ፖለቲካዊ ውድባት ዳርጋ ክልተ ጽላላት ዝመስል ውደባታት’ዩ ዘለዎ። ካብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባት እቶም ናብኡ ክድመሩ ወይ’ውን ናቶም 3ይ ጽላል ክገብሩ ተደሚሮም ምስ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ ክሰርሑ መድረኽ የገድዶም’ዩ።
  2. ኣብ ውሽጢ ፖሎቲካዊ ውድባት ዝፍጠር ዘይመትከላዊ ምፍንጫላት፣ ብጽላላትን ሃገራዊ ባይቶን ተዘትይሉ ከብቕዕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ፖሎቲካዊ ውድባት ዝርከብ ቅልውላው ተሓጋጊዞም ክፈትሕዎ ደኣምበር መባዝሕቲ ንምርካብ ተባሂሉ ናብ ምፍንጫል ገጹ ዘምርሕ ምትብባዕን ኢድ-ምትእትታውን ክውገድ ይግባእ። ንውድባት ዝፈላላዮም ዘሎ ፖለቲካውን ስነ-ሓሳባውን ፍልልያት ተነጺሩ ብድሕሪ ምቕማጥ፡ ኣብ መደብዕዮታትን ዕላማታትን ፖሊስታትን ዝመሳስሉ፣ ወይ ሓደ ዝኾኑን ውድባት ንኽሰምሩ ምሉእ ገድላዊ ምኽርታትን ሓገዛትን ክብርከተሎም ጥራይ’ዩ እቲ ቅኑዕ ምርጫ ዝኸውን።
  3. እማመ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ብዝምልከት፡-ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ኣብ ከተማና መጺኡ ንተቐማጦ ሳንድያጎ መግለጺታት ንምሃብ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ንጸዓት ተጋድሎኡ ኣመጕስና ለበዋታትና ኣመሓላሊፍና ኣሎና። እቲ ወጺኡ ዘሎ እማመ ኣድማሳዊ (ዩኒቨርሳል) ትሕዝቶ ዘለዎ ደኣምበር ንኩነታትና መዚኑ ፍሉይ መፍትሒ  ዘቕርብ እማመ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን። ስለምንታይ እተን ዝተኣመማ ሰለስተ ሓሳባት፡-
  • ሓባራዊ ናይ ወጻኢ ልኡኽ ከም ዘድሊ?
  • ሓባራዊ መራኸቢ ሚድያ ከም ዘድልየና?
  • ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምታት ተቓለስቲ ውድባት ከም ዘድልዮ?

መባእታዊ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ ጽንሰ-ሓሳብ እየን። ነዘን መሰረታዊ ዛዕባታትን፣ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ጠለባት ንምትግባር ግን ሓደ ኣቦ-መንበር በይኑ እናዞረ ምጋሽዶ ይሓይሽ፣ ወይስ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ኮፍ ኢልካ እንካን ሃባን ምባል ይበልጽ ዝብል ሓያል ምኽርና ለጊስናሎና። እወ ዓቕምታትን፡ ብቕዓትን ዓይነትን ፖለቲካዊ ውድባት ሓደ ኣይኮነን። ሓባራዊ መዓቐኒ ተገይሩ ጽልዋታት ዘለዎም ውድባት ተሰማዕነት ክረኽቡ፣ ርእይቶ ናይቶም ንኡስ ዓቕምታት ከም ዘለዎም ዝፍለጡ ውድባት ከኣ ክንፈግ ዝገብር ኩነታት ከይህሉ፣ ዝብል ሓሳብ ብተግባር ዝምስከር ስራሕ ክኸውን፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ብተግባር ከበርክቶ ዝኽእል ናይ ኣገልግሎት ቦታ ክሕዝ ርትዓዊ እመስለኒ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቲ ጀሚረሞ ዘለዉ ዑደት ምስ ጉዕዞ ዘተታት ንሃገራዊ ጉባኤ ከተኣሳስርዎ ምሕጽንታይ አቕርብ። እቲምንታይ ህዝብና መታን ክርህዎ! ስደት ከብቅዕ! ዝጸንት ዘሎ ኣህዛብ ከኣ ክድሕን።

  1. ሲቪካዊ ማሕበራት ብዝምልከት፡- ገለ ብባዕላዊ ዓቕምታት ዝጎልበቱ ግን ድማ ብንዋታዊ ወፍርታት ዝጣርዑ ክኾኑ ከለዉ፣ ብኣንጻሩ ከኣ ገለ ማተርያላዊ ወፍርታት ዘኻዕበቱ ግን ኣወጻጽኣ ገንዘብ ብባዕላዊ ውሳኔታት ድዩስ ወይስ መምርሒ ለገስቲ ትካላት፣ ጠገለ ዘይብሉ ዋሕዚ ገንዘብ እናወጸ ፖለቲካዊ ምህርቲ ዘይብሉ ናይ ሓሻሽነት ዝንባሌ ዘርእዩ ውዳቤታት’ዮም ዘለዉና። እዚ ክልተ ኣወዳድባታትዚ፣ ናይ ኣካዳምያዊ ወይ ኢንተለክቹዋል ሕዛእቲ፣ ምስቲ ወፍሪ ርእሰ ማል ገበርቲ ሰናይ ንምምጻእ ዲፕሎማስያዊ ኣክሰስ/መእተዊ ዝረኸቡ ምኩራት  ኣጣሚርካ መውስቦ እንተዝገብሩ፣ ኣሎ ዝበሃል ምሁር ኤርትራዊ ተኣኪቡ ኣበርክትኡ ምገበረ። ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ፣ ጉባኤ ኣብ ዝገብርሉ ግዜ ከምቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተገብረ ወገናዊ ኣተዓዳድማ ዘይኮነስ፡ ሓድነት ጽላላት ዘገድድ ጸቕጢ ጌርካ፣ ሃገርና ቀልጢፉ ከምዝርህዋ  ምግባር ጥራይ’ዩ እቲ ዘዋጽእ። ሲቪካውን፣ መሰለስብኣውን ማሕበራት ከኣ፣ ብዘፍርያሉ ፎርምዩላ እንተስ ከም ትኩራት ተዓዘብቲ (Critical Observers) ወይውን፣ ንጡፋት ተሳተፍቲ (Active participants) ዝኾንሉ ናይ ባዕሎም ውሳኔ ሒዞም ክዋስኡ እምበር፣ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ክትኵበሎም ዘለዎ ህያብ ከምዘይኮነ ተረዲኦም፣ ተረኦም  ክጻወቱን፣ ትጽቢት ህዝብና ንምርዋይ ከኣ ህጹጽን፣ልባውን፣ሓቀኛን ምድላዋት ክገብሩ ከምዘለዎም ከማኽር እፈቱ።

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ዘተ!

ራህዋ ንዝጸንት ዘሎ ህዝብና!

ልቦና ንኣመራርሓታት ፖለቲካውን ሲቪካውን ውድባትና !

 

ዎደሓንኩም!

 

ሃይለማርያም ተ. ተስፋይ

ሳንድየጎ ካሊፎርንያ

 

ሓምለ 10, 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Neamin Tekie July 11, 2017

    እዚ ምኽሪ-ሓዘልን ሃናጺን፡ ጻልጣ ሓሳብ’ዚ፡ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንከብቅዕ፡ ሓባሪ-መንገዲን ብዘይ ውዓል-ሕደር ተበግሶ ክውሰደሉ ዘሎዎን ቅዱስ ሓሳብ ይመስለኒ።
    ተዛቲኻን ተማኺርካን እንተ ዘይኮይኑ
    ተተፋኒንካን ተፈናጪልካን ዝዕወት ቃልሲ፡
    ወይ ውን እትህነጽ ሃገር ኣብ ታሪኽ ኣይተራእየን።

    ስለ ዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍና ፡ ” ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ንከብቅዕን ፍትሒ ንምንጋስን’የ ዝቃለስ ዘሎኹ” ኢሉ ዝኣምን፡ ፖለቲካዊ ውድብ ፣ ሲቪካዊ ማሕበር፣ ወይ ውን ውልቀ-ሰብ፡ ነፍሰ-ገምጋም ጌሩ፡ ካብ ድኽመታቱ ክመሃርን ፡ ኣብ’ዚ ተኣሚሙ ዘሎ፡ ተስፋ ዘስንቕ ናይ ሓባር መኣዲ-ቃልሲ ተጸምቢሩ፡ እንተ ተዛትዩን እንተ ተቓሊሱን ጥራሕ’ዩ፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ብርግጽ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ ዝኽእል።

  • Yemane_up July 12, 2017

    Dear Hailemariam
    Thank you for the second article. Can you mention the six political party by name pls. And if your is one of them.
    Talking san Diego I know alot of you guys went to Ethiopia for meeting thank you for that. The fact in san Diego right know you guys so close on each other day to day life. But when it comes to political movement for Eritrea san diego is disaster may be 40 family over 10 political party blaming each 0 attention to fight hgdf.

  • amanuel July 14, 2017

    EDA died shortly after birth. If u are unable to make a progress due absence of fund or else, then u cease to exist. No reason to cry. I do not think u can dig it out of the grave and give it live now. Who ever engages the youth and the rest wins.

  • andom July 14, 2017

    We are less than 20 families but have more than 20 parties. Do u see what is wrong with that? That is why u have had negative contribution to the couse of the people. Keyhaferka 20 ena tekonna 40 partitat elom tesfa nimikurax yizarebu dima tibil. If u can not form 1 to 2 parties u are doomed to fail. B wereda keman 40 party kimisret aykealin ab ertra. Kindey parti ab ethiopia kemzelewa tifelit do hailemariam? 100 milion hizbi 10 zeykona partitat. This is the reason why u do not have peoples support. If u do not have peoples support, u have no fund, no impact, u are just useless and dead.

Post a Reply to Neamin Tekie Cancel Reply