Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክፍሊ ኣካላተይ!

ክፍሊ ኣካላተይ! መሰልና ግሂሱ ክብርና ኪደፍር ብዘይ ሕግን ፍርድን ንጹሃን ኪኣስር እናረኣኽዮ ኣባጽሕ ኪቐብር ሓቂ ንኺግለጽ ተኾንኪ ምስክር እንታይ ኣሎዎ ዓይነይ ዘፍርሕ ዘሕፍር!? ብለይትን ብቐትርን ከፍስሱ ንጹህ ደም ዓይኒስ ሕማቕ ሪኣ እስከ ደሓን ትህደም ልሳን ግን እንታይ እዩ እቲ ናትኪ ጸገም? *በሃም እትኾኒ ዓመጽ

ክፍሊ ኣካላተይ!
መሰልና ግሂሱ ክብርና ኪደፍር
ብዘይ ሕግን ፍርድን ንጹሃን ኪኣስር
እናረኣኽዮ ኣባጽሕ ኪቐብር
ሓቂ ንኺግለጽ ተኾንኪ ምስክር
እንታይ ኣሎዎ ዓይነይ ዘፍርሕ ዘሕፍር!?
ብለይትን ብቐትርን ከፍስሱ ንጹህ ደም
ዓይኒስ ሕማቕ ሪኣ እስከ ደሓን ትህደም
ልሳን ግን እንታይ እዩ እቲ ናትኪ ጸገም?
*በሃም እትኾኒ ዓመጽ ኪደጋገም!           *ኪዛረብ እናኸኣለ ኪዛረብ ግን ዘይክእል (ዓባስ)
ካብ ሃገሩ ወጺኡ ኣብ ስደት ከዕነኒ
እቲ ውጹዕ ክሳቐ ስኢኑ መድሓኒ
ድምጹ ንኺዕፈን እተጽቅጢ እዝኒ
እናሰማዕክዮ እወ ጸማም እትኾኒ
እንታይ እዩ’ቲ ጸገም እስከ ንገርኒ?
*ነዳይ ንቑጽ ባኒ ሸሚቱ ንምብላዕ               *ድኻ
ወትሩ ብሸበድበድ ኣብ ሪጋ ኪስራዕ
ኣብ ቁርን ሃሩርን እናበለ ቀራዕ
መሰል ሓርነትና ብምልኪ ኪምንዛዕ
ገረወኛ ህግደፍ እንተ በለ ጠራዕራዕ
መዓስ ተቆጢብኪ ኢደይ ካብ ምጥቓዕ!
ነዚ ዘለናዮ *ደልሃመት ንምውጓሕ                                 *ድቕድቕ ጸልማት
ካብዘይ ትቃለሲ *ዘለምቲ ንምግናሕ                                *ጨቆንቲ፡ ረገጽቲ
ኣብ ፈቐዶ ጽንብል *ደበራ ካብ ምስራሕ                           *ጽዩፍ ስራሕ
ዘይትዓርፊ ኢደይ ብደም ካብ ምርሕ!
መላኽን ሰዓብቱን ኣብ መድረኽ ወጺኦም
ከቋናጽቡና ግርህነትና ርእዮም
ኣብ ሓዊ ክጠብሱና ምስ ኩሉ ኣዋጊኦም
ዘጣቓዕኪ ኢደይ ደው ኢልኪ ኣብ ቅድሚኦም
ተሓታቲት ኢኺ ብሕጊ ምሰኦም!
ገበን’ዞም ሸፋቱ ኩሉ እናፈለጥኪ
ናብ ጽንብሎም ዘብዘብ ከበሮኺ ሒዝኪ
ኣብ ጓይላን ጨፈራን ወትሩ እናዘለልኪ
*ኣብዲ ኣይተስምይኒ ሕልናይ ቀቲልኪ                      *ፈጺሙ ምስትውዓል ዘይብሉ
ስጉምትኺ ግትኢ እግረይ ኣስተውዒልኪ!
እስከ ክሓተኪ መስተውዓሊት ልቢ
ዕስራን ክልተን ዓመት ክሳቐ’ዚ ህዝቢ
ብስልጣንን ረብሓን እንካብ ትዕሰቢ
ሓደ ኢና ኢልኪ ኣይንፈላለን እምቢ
ሓድነት ኣስሚርኪ ዘይተዝንቢ ሰርቢ
ውሕጅ ኪጸርገልና ሕይወት ኣልቦ *ዓምቢ!         *ዝቦኽቦኸ ቆልቋል
መዛኒት ከለኺ ኩሉ መስተውዓሊት
*ኣውቶክራት ኪሻድን ብድምጺ ጣቕዒት                            *ውልቀ መላኺ
ከም *ኣብሊስ ኪጋገ ብኹቱር ትዕቢት                               *ሳጥናኤል፡ ድያብሎስ
ዓገብ ዘይምባልኪ ናይ ንጹሃን ህልቂት
ንስኺ ኢኺ ልበይ ቀንዲ ተሓታቲት!
ሕጂ ግን፥
*ግብርናት ቀንጢጡ ኪመልስ ክብረተይ                              *ባርነት፡ መግዛእቲ
ካብ *እልበት መላኺ ከድሕና ህይወተይ                              *ሓሳረ መከራ
*ማርሻል ተሸይሙ’ሎ ተቢዑ ሓሞተይ      *ዝለዓለ ማዓርግ ዘሎዎ ወተሃደራዊ መኮነን
ኣብ ጎድኑ ደው ኢልክን ክፍሊ ኣካላተይ
ኣቃላጥፍኦ *ዋካ ሓርነተይ!                *ብርሃን
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 30-08-2013

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Mesinas August 30, 2013

    ክቡራት ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ንዝፈጸምኩዎ ናይ መግለጺ ጉድለት ይቕሬታ እናሓተትኩ፡ ቀጺለ ነዛ ኣብ ላዕሊ *በሃም ንእትብል ቃል፡ *ኪዛረብ እናኸኣለ ኪዛረብ ግን ዘይክእል (ዓባስ) ኢለ ጽሒፈያ ዘለኹ፡ *ኪሰምዕ እናኸኣለ ኪዛረብ ግን ዘይክእል (ዓባስ) ተባሂላ ክትእረመለይ ብትሕትና እሓትት።

    ንምትሕብባርኩም ኣቐዲመ አመስግን

    ሓውኹም መሲናስ

  • ahmed saleh August 30, 2013

    What can I say , Keep it up the hardship efforts to wake up the living dead using your pen as a weapon .
    I hope the name MESSINAS is the same person who use to write articles in Assenna couple years to influence
    me to join the group . If not , you are on the same track , brother .

POST A COMMENT