Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወይዘሮ ወርቅሃ ሃይሉን ዕስራ ሰነን።

                             ወይዘሮ ወርቅሃ ሃይሉን ዕስራ ሰነን።                             11-06-13። ጽዋኽን ጥዒሙስ ኣካን‘ዃ ደጋጊምናዮ ወይዘሮ ወርቅሃ! ኣቀራርባኽን ኣዘነታትዋኽ ኣዘራርባኽን ኮታኩሉ ነገርክን እንታይ ክወጾ። ዋላ‘ዃ ዘይተፈለጠ ምስጢርክን ኣይሃሉ ‘ደፋር ሓታቲት‘ እንተዘይተካልፈክን ካልእ ናይ ውሻጠኽን ሳርማ መቕናዕክናኣ!! ንመዋግዕትኽን  ኣይትሓዛላ! ከምኡ ኢዩ ዝገብር

 

                           ወይዘሮ ወርቅሃ ሃይሉን ዕስራ ሰነን።                             11-06-13።

ጽዋኽን ጥዒሙስ ኣካን‘ዃ ደጋጊምናዮ ወይዘሮ ወርቅሃ! ኣቀራርባኽን ኣዘነታትዋኽ ኣዘራርባኽን ኮታኩሉ ነገርክን እንታይ ክወጾ። ዋላ‘ዃ ዘይተፈለጠ ምስጢርክን ኣይሃሉ ‘ደፋር ሓታቲት‘ እንተዘይተካልፈክን ካልእ ናይ ውሻጠኽን ሳርማ መቕናዕክናኣ!!

ንመዋግዕትኽን  ኣይትሓዛላ! ከምኡ ኢዩ ዝገብር በትሪ ሓቂ። እምበር ትምቢተ-ቀጠፍቲ እናሓደረ ክጋለጽ እንከሎስ ከምኣ ኢያ። ሓዳርክን‘ዃ ክንደየናይ ቀጺልክንኦ ከይትኾና! እቲ ርኹስ ሕልና ህግደፍ ንጽንተት ሃገር ስለዝዓለመ ቀዳመይቲ ቃልሱ ነታ ቀንዲ ሰረት ወይ ዋህዮ ሃገርን ሃገራውነትን ዝኾነት ስድራ ክትዝረግ ስለዘለዋን በዚ ዝራአናዮ መንፈስክን ድማ ብጭቡጥ ሰሪሕልክን ስለዘሎ ክንደይ ሳዕ ከምዝተፋታሕክን ባዕልኽን ትፈልጥኦ። ይስተሮም ድማ እቶም ዳሕረዋይ።

ወይዘሮ ኩርዕቲ ሰበይቲ፡ እቲ ብዕረ ዝተሸፈነ ፖለቲካዊ ኩርዓት እናሓደረ ናብ ኣምልኾ መላኺ ስለዝማዕበለ ብዙሓት ወራዙት መ ሰል ኣዴታት ኢድ ጣኦት ክስዕማ፡ ሓያለይ ሰብሓዳርን ኣዴታትን ዝብላ‘ውን ቤት ትምህርቲ ፖለቲካ ከይከዳ ብዘለወን ዘይርጉእ ኩ ነት ተሓርየን ደድሕሪ ሕጽረት ትንፋስ ዘለዎ ስርዓት ክዘባዘባ ተስተውዒለን ኢየን። ኣነ ድማ ዋላ‘ዃ ብርግጽ ኣየለልኽን ዓመታዊ “ቱ ፐርሰን ቲ“ ስለትኸፍላ ኣብኡ ከምትነብራ ስለዝፈልጥ ናብቲ ብኣጋጣሚ በዓል ናጽነት ዓሲልክናሉ ዝነበርክን ሜዳ ንግስተ-ሳባ ተቛመትኩ።

አእ፡ መቸም ከምመሰለ የለን! ቁንጣሮታት እንከለኽን ሚሊዮናት ክትመስላ፡ ኣረጋውያን ክንስኽን ብሽብርያ ጓል-ሽብርያ፡ ብናይ ዕ ዳጋ ጸጉርን ናይ ጃህራ ኣዋርቕን ንእስነት ተሸሚቱ፡ ክሳድ ክትቆላዓጽ ተዓዚብና ወይዘሮ ኩርዕቲ። ሓሚምክን ካብመጻእክንኦ ድማ ዝገደደ ወናም በዓል ሽራራ ከሸርጠክን ተራእዩ። ንሱ ትማሊ ትግራይ ዓዱ ብዓይኑ ከምዝረኣያ ሎሚ ድማ ብወኒ ‘እንታይ ዝኸው ን ምንባር‘ ተረሳሲኑ ከምቲ ዓሳ ብዘይማይ ዘይነብር ሰብ ድማ ብዘይምድሪ ብላሽ ምዃኑ ከረድኣክን ክፍትን ርኢናዮ ኤርትራ መሬታ‘ ምበር ህዝባ ዘይዓጠጦ በዓል ‘ጭዋ‘  ሽራራ።

ኦይ፡ ሰብ ክልተ-ሰለስተ ሳዕ ክስመስ ክንደይ ይከፍእ? ንስኽን ድማ እቲ ወዛም ውቃበኽን ምስነቓነቀክን ክትነዋነዋ ምርኣይ ነገር መ ረጼንክን ኣሰካፊት ኮነና። ብርግጽዶ ነዛ ህያው ሃገርና ተርእየን ተጉላሓለን ትህሉ? ብማለት። ሽዑ ዋላ ምድረ-ሰማይ ትተኣኮት ዝኾ ንክንኦ ንምዕዛብ ዝኣክል እንተኣቑላሕላሕና ኣብ ገጻትክን ዝምዕረ ሕዳር፡ ዝመሓደር ውላድ ኣይተራእየናን ኮይኑስ ኣነ ድማ “ጥሪ ዕ ብዲስ ኪኖ‘ዚ እንታይ ገይራ፡ ዘይ ብኸምዚ‘ዩ ቆልዓ ቁልቁል ኣፉ ዝተሓዝለ“ ኢለ ንነብሰይ ኣጸናናዕኩዋ። ኣብኡ ከለኹ ድማ ውር ደት ኣደነት ተራእየኒ። መርድእ እናታአውየ፡ መልቀስ እናተለቕሰዶ ክንድዚ ኩዳ ኣሎ ኢዩ? እንተኣልዩኸ ኣብ ናይመን ሬሳ ኢዩ‘ቲ ኩ ሉ እስክትሽም? ንነገሩ ኣንትን ወናማት ኩልኽን እተን ካብስግር ዝመጻእክን ከምዝኾንክን መሰለኒ‘ሞ ካብመኹደድቲ ካልእ ዘይምጽ ባየይ ኣኹርዒንስ፡ “ሓቃ‘ካ ኢያ ወ/ሮ ኣስገደት ‘ሰራሒት ቂያ‘ ክብላ ክሓድራ ኢየን ክትብል‘ ክብል ከኣ በይነይ ኣውጋዕኩ።

እዛ ካብተን እኩባት ልዕሊ 95% ኣደ‘ወ! ከምዚሎሚ ክብሪ ኣደነት ከይተነፍጋ ንሃገራ ከምዘይተበጀወት ጸጉራ ምድርማሙ ከምን ቡር ተቖጺሩ፡መሓልፎን እተን ዝርካበን ልባተን ዝተደፍና ዝዘናግዓሉ ወዛል እዋን! ክትርአስ እንታይ ዝበለ ሃየንታ ኢዩ?

ኣብ ፊላዶልፊያ ኢዩ እቲ ነገር‘ሞ እቲ ዓዲ ድማ ትፈልጥኦ ትኾና። ሓንቲ ሳራ ዝተባህለት ጓል ዓሰርተ ዓመት ኣመሪካዊት ቆልዓ ረኽ ሲ ስርዓተ-መተንፈሲ ገይርላስ ከምሳዕቤን ሳንቡኣ ተበላሽዩ ተባህለ። ወለዳ ድማ ቅያር ሳንቡእ ክግበረላ ቤት-ፍርዲ ከፍቅድ ስለተ ኸራኸሩ ናይ እኹል ሰብ ሳንቡእ ክግጠመላ ተወሰነ። ወላዲታ ግና ኣይዓገበትን። ጓላ ናይ እኹል ሰብ ሳንቡእ ስለዘይግባኣ ቤት-ፍርዲ ናይ ክንዲ ዕድመኣ ሳንቡእ ከፍቅድ ነይርዎ ማለታ ኢዩ።

ነዚ ዝሰምዐ ዓርከይ “ እሞ ካበይድኣ ከምጽኡላ ደልያ“? ክብል ንወላዲት ተገንጨረላ። ሳልሳይና ግና ብስያፍ ኣዒንቱ እናሓለዎ፡-

“ካብሲና“ ክብል መለሰ። ስም ዕዳጋ ኣካላትና ምስ ሰምዐ ምሒር ተሸቑሪሩ ዓርክና። ከምዚ ክብል ድማ ተማሕጸኖ።

“ኦይ፡ በል ከይትሰምዓካ‘ሞ ብጡሩምባ ምልክታ መሬት ኣዳኺራ ሰብና ከይትእርብደልና“።

“ኣካላትና ድኣ ከከምዕድመኡ ኣብቲ ኣመሪካዊ መኻዝንዶ ኣየሎን ማለተይ ኢየ“ ክብል መለሶ‘ሞ ብልበይ “ ወይዘሮ ወርቅሃ ከምዚ ከምዘሎ እንተዝሰምዓስ ዝርንዝሕ ዶኾን ምነብዓ ዋላስ ንወዮም ተሓረድቲ‘ውን “ወያነ ኢዮም“ እናበላ ምተመዓታኦም? ክብል ንነ ብሰይ ተወከስኩዋ። እንተሰምዓ‘ውን ድሮ ብቃላት ክቡር ፕረሲደንትና ኣመሪካ ኢዩ ያኢንመንእሰያትና ካብ ማእከል ኣስመራ መመ ዝሒቑ ኣብ ማቾላዮ ሲና ዝድርግሞም ዘሎ‘ሞ ንሰን እንታይ ገደሰን! ንዓቢ ሓሶት፡ ንዓበይቲ መታለልቲ ምእማን‘ኮ ይቐልል።

ወዘሮ ኩርዕቲ፡ ሳላ ሳዋ ዝኸድክን ነቲ ንኤርትራ ብጻዕዳን ጸሊምን ኢዱ ዝለፍዓላ ‘ሓቦኛ‘ መራሒ ብምርኣይክን ብተስፋ ተጨንዲ ሕክን ትመስላ። እቲ ‘ለባም መራሒ‘ ብዝተኰበሎም ቁራቦ ምስ ጽንዓት፡ ቆራጽነትን ሃገራውነትን ተደሪቡ እኹል መሃያ ተነሲዖም ጎቦታት ከፍርሱ ንዝጸኑሑ ኣገልግሎት ምርኣዩ ተበሪህክን ኣዕሊልክናሉ። ኣብ ምላሽክን መቸም ብቲቪ ህግደፍ ተደጊፍክን ከምናይ ዓይኒ ምስክር ‘ሃገር ማዕቢላ‘ እናበልክን ናይ ሕልምን ቅጥፈትን ሓሸውየ ከምትለፋለፋ ርጉጽ ኢዩ። ነዚ ዘስተውዓለት ሓታቲት ተብ ላጽክን ምስኣቃልዐትክን ፌስታልክን እናጠቕለልክን ጥይት “ወያነ “ ተኲስክናላ።

ወይጉድ ደቀይ! ነገር ተብላጽ እንድዩ፡ መቸም ኣብዛ ወጻኢ ትበሃል ክንደይ ቀተልቲ ኣሕዋቶም ገበነኛታትን ሰረቕትን ተዘርጊሖም ኣ ለዉ። ካፒታል “ናይ ደም-ዶላር“ ብሱሩ እኪት ጥራይ ኮይኑስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዋሕዚ ሓያለይ ምርኡያት ተሓባእቲ ደቂ-ሃገርና ካብ ብዓለሙ ብጉልባብ ወፍሪ ናብ ጎረባብትና ሃገራት ይኣትዉ ከምዘለዉ ይውረ። ገሊኦም ከኣ ንተወሳኺ ጥፍኣት ዝዓለመ መሕደ ሪኦም ዝኸውን ትካላት ይተኽሉ ኣለዉ ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ኩሉ ንወጻኢ ዝተዋፈረ ገንዘብ ህግደፍ ድማ ከምቲ ውሕጅ ምድረበዳ ብዘለዎ ክበንን ምዃኑ ኣይንጠራጠርን። ክሳብ ንሱ ዝኸውን ይፍለጡን ትልለያን ኣለኽን ወ/ሮ ኩርዕቲ። ዋዛ ኣይኮነን ና ይ ደም ዶላር። ሰብ ምእንቲ ኩቦን ተምበርኪኹ ክሓድር እናተገብረ ወነንቲ “ናይ ኩሊት“ ዝበሃላ መካይን ድማ በርኪቶሙልና ኣለ ዉ። ሎሚ ከምእንደነገሩ ብብላዕ ሰብ ምሕዳር፡ ጽባሕ ንጉሆ ከኣ “ኣታሊሎሙና“ እናተባህለ ተመጻዲቕካ ምንባር፡ ኤርትራውነት!!

እቲ ብጻዕዳን ጸሊምን ንኤርትራ ዝተገዝኣላ ዝመስለክን መራ ሒ‘ውን ስለዘይተፈቕደሉ‘ምበር ከምሰቡ ‘‘ባው‘‘ ክብል ኢዩ። ባው

ድኣ‘ሞ ንምንታይ ድየን ወየን ረጋቢተ ጽምብላሊዕ ነፈርቲ ብገዛእ ውላዱ ዝሕለዋ ዘለዋ? ኮነ ምስተባህለ ምውራድ ኣብዩ ከይቆላፈ የክንን ናብ ንቕሎ ከየድህበልክንን ካብሕጁ ተዳለዋሉ‘ምበር ሓንቲ መዓልትስ ኣላ። ከም-ገለ ቁሩብ ዕድል ረኺብክን ዕድመ ምስ ት ውስኻ‘ሞ ተጋጊኽን ከምዘለኽን እንተዘይተጎርዳዓልክን ጴጠር ወድኽን‘ውን ክዕጠቐልክን ኢዩ። እቲ ‘ረስፔክት‘ ዘይተፈለዮ ጴጥሮስ ምስ ንወዮም ካብ ባህርያዊ ኣደነትክን ዝነውነዉኽን ተሓናኒቑ ንገደሎም ከዕዝሮም ኢዩ። ሽዑ ንስኽን ብዓወት ውላድክን ዲኽን ክ ትሕበና ወይስ ብጥፍኣት ናይዞም መስሪሖሙኽን ዘለዉ?

እንድዕልክን ባቃ እንድዕልክን !  እንተ ንሕና፡ እታ ዘይተፈንጠሐት ስድራኽን እንተዘይተዘሪጋ ወይ ሽኮርያኽን ኣቐዲማ እንተዘይተ ሻምያትክን፡ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ከምዝራኣናክን መጠን ኣብ መዓልቲ ስዉኣት ድማ ክንዕዘበክን ኢና‘ሞ ሽዑ ኣብቲ ኩለን ኤርትራ ውያን ኣዴታት ብስዉኣትን ህሉዋትን ደቀን ዝነብዓሉ መዓልቲ፡ ወናም ፈልፋሊኽን እንታይክን ተናኺፉ ከምዘሽከርክረክን፡ ብቀንዱ ከኣ እንታይክን ተወቒዑ ከምዘንባዓክን ክንርኢ ኢና ባቃ!!

ጽባሕ ዕስራ ሰነ ምስ ትሕዝቶኺ!!

ክብርቲ ሰገን ተዋሳኢት

ዕጥቂ ዓጢቕኪ ኣብ ዓውደ-ውግኣት እንተትስለፊ ግዜ ሂብኪ ተባሂሉ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ውግእ ንጸላኢ ካብ ሓደ-ክልተ ሰባት ንላዕ ሊ ኣይመኽሰርክዮን። ዝኣተኽዮ ውግእ ዝረብሐ ንጽል ዓወትኪ ኢዩ ድማ ጠቕላላ ውጽኢትኪ። ኣብዛ ከምዋዛ ዝተዋሳእኪያ ድራማ ኸ ክንደይ ካብኣቶም ኣኸንዲድኪዮም ትህልዊ? ክንደይ ዝተጋገየ ተመሊሱ ክንደይ ተሃሚሉስ፡ ሕብራዊ ካናቴራታት እናለበሰ ብቛን ቛ ህግደፍ ጥራይ ክለፋለፍ ዝጸንሐ መሰታኺ ኮን ተበራቢሩ ትብሊ? ከምግምተይ ንከተምስሊ ዝተጠቐምክሉ ጥበብ ዓቢ ኢዩ። እ ንተ መልእኽቱ ወሰደ ዘበለ ነበረ። በሊ ንሓዋሩ ክኾነኪ ከምኡ ኢዩ ዕጥቂ ሃገራውያን ስነ-ጥበበ ኛታት‘ዛ ጓለይ! ኣነ ድማ ካብኡ ተ በጊሰ ኢየ መስለኒ ኣህተፍቲፍኒ። ከምዚ ዓይነት ሃተፍተፍ፡-

መቸም ኣብቲ ዓዲ እንተትህልዊ ንርእስኺ ብዘይጥርጥር ሓንቲ ግዳይ ምኾንኪ። ምኽንያቱስ ህግደፍ ከኣ ነዞም መንእሰያት ይቐል ወኩም ኢዩ ዘሎ። ግናኸ መኽደን መቕሎኡ ስለዝማህመነ ከምእንጣጢዕ እናተናጠርኩም ስለዝኸሻሕኩሞ ሎሚ ድማ ሓድሽ ጥበብ ከምዝተጣበበ ሰሚዕና። ካልእ ኣይኮነን፡ መንእሰያት ዘብስል ዓበይቲ ድስትታት /ኮንተይነራት ክትብልዮ ትኽእሊ/ ኢዩ‘ቲ ጥበብ። ይገርመኪ ይኸውን “ እንጣጢዕከ ይበስል ዲዩ“ ኢልኪ። ንሱ‘ውን ቅልወት ዝበድሀ እንጣጢዕ ከብስል ምሕላኑ ብዕሽነቱ እናተገረ መ፡ ኣማራጺ ስለ ዘይብሉ ሕጂ ድማ መጥሓን ናይቲ ዘይበስል የስርሕ ኣሎ ይብልዎ። ንሓደ ክልተ ከይመስለኪ። ንብሃገራ ዝጥሕን እምበር። ከምተን ናይ ሂትለር መምከኺ ሰብ ፎርኖታት ማለተይ ኢየ። ሽዑ ህግደፍ ነቶም ከም በዓል ወይዘሮ ወርቅሃ ሃይሉን ካል ኦት ‘ቱ ፐርሰንቲ‘ ዘዝኸፈሉ ደቂ ዓድናን፡ ብሉዑል ወጻኢቁራዕ ሓምኹሽቲ ቤተ-ሰቦም ክወስዱ ክፈቕደሎም ኢዩ። እታ ትወሃቦም ጢና ሓሙኹሽቲ ግና ናይ ሙሉእ ኣካላት ድያ ወይስ ተማሒቑ ዝጎደለ ኣካል ከምዝህልዋ ኣይተኸሰተለይን። እንተ ወጻኢ‘ሞ ሓቁ ኢዩ ክብርኽ። ናይ መእሰሪ፡ መዳጎኒ፡ ‘መካረጂ‘ ን ኣውራ ድማ ናይ መጥሓኒ ኮታ ብዙሕ ኢዩ‘ቲ ወጻኢታት። እዚ ክራአየኒስ እንታ ይ ዝኣመሰለ ሰራም ምዓልቲ ኢዩ ደቀይ!

ይኣኽለኒ‘ሞ የቐንየለይ ድማ ክብርቲ ተዋሳኢት/ወይዘሮ ወርቂሃ/። እንዃዕ ከኣ ብሃገራ ትግደስ ውልዶ ተዋሳኢት መተካእታ ኢታይ ሙቁር ረኸብና ጓለይ መዓረይ። ፈጣሪ ጽኑዕ የርግጽኪ!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • YOSSEF June 13, 2013

    nay bhaki maharit comedy zeyraekuma reyewa weyzero werkha tgbarata bdeka trio ala.hgdef ka ab hka werkhatat eu kof elu zelo slezi kulatna aab tkana zelewa adetat isseyas malet eritra malet kem zeykone kenerde nbeges .san afltoen eye mesarhi hgdef koynenn zelewa

POST A COMMENT