Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ቫካሮ ኣብ ከትማ ከለን

ወዲ ቫካሮ ኣብ ከትማ ከለን ዕለት 18.02.2014   ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ባካሮ) አብ ጀርመን ኣብ ከተማ ከለን ዕዉት ኣኸባ ኣካይዱ። ዶክቶር ተወልደ  ፡ ብስም ኣብ’ቲ ቦታ ዝተኣከብና ህዝቢ  ኣቢሉ ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ  እቕረታ ሓቲቱ።  ምሰ’ቲ ዘለዎ ከቢድ

ወዲ ቫካሮ ኣብ ከትማ ከለን

ዕለት 18.02.2014

 

ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ባካሮ) አብ ጀርመን ኣብ ከተማ ከለን ዕዉት ኣኸባ ኣካይዱ።

ዶክቶር ተወልደ  ፡ ብስም ኣብ’ቲ ቦታ ዝተኣከብና ህዝቢ  ኣቢሉ ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ  እቕረታ ሓቲቱ።  ምሰ’ቲ ዘለዎ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም፡ ነ’ቲ ተባዕን  ቁምነገር ሓዘል መደርኡ፡ምእንቲ  ክብሪ ህዝቡ ንሳዓታት ደዉ ኢሉ  ወዲእዎ ። ልቡ ከፊቱ ስለ ዝቀረበ ፡ መሳኹት ልቢ ደቂ ሰባት ተኸፊትሉ ከምዝነበረ ፡ብኣቃልቦ ኣኸበኛታት በቀሊሉ ክምዘን ይካኣል ነሩ።ብዙሕ ሕቶታት’ዉን ተሓቲቱ ኣዕጋቢ መልሲ ካአ ሂቡሉ ።

 

እዛ ኩልና እነፍቅራ ሃገርና ኤርትራ፡ ጸጋታት መሬትን ዓቅሚ ህዝብን አለዋ። እወ! ለባማት  ወራዙ ተባዓት ጀጋኑ ምሁራት አለዉዋ። ሳኣን ጥርናፈና ግን  ከም ሹም ዘይብሉ ንህቢ ፋሕ ብትን  ንብል ኣሎና።ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ፡ ኩልና ናይ ሓባር ቃልሲ ጥራሕ ከምዘ ዓዉተና  እናፈለጥና ፡ ኣብ ሓደ ክንመጽእ ግን ኣይኻኣልናን። ተሃሲና ገና’ዉን ንህሰ ኣሎና።

ኣብ  ሃገርና ዘሎ መራሒ ዕቡይ፣ ክፉእ፣ ዓሻጨካን ፣ዕዋላ፣ ልዕሊ ኩሉ ካኣ ስሱዕን ሓሳድን ኢዩ።ከምኡ ስለ ዝኾነ ካአ ሃገርን ህዝብን  ጠሚሙ፡ ንስለያን ሓበሬታን ብዝላዓለ ባጀት ሰሊዑ፡ ኣብ ኤርትራ ለባም ጅግና ፣ መሪሕ ከይርከብ ፡ ኣብ ዉሽጢ ብቃጻ ፡ ኣብ ደገ  ካኣ፡ብመናፍሕ ሓሶትን ፐሮፖጋንዳን  ብወገን ዓሌት ሃይማኖት እናጸለመ ፡ ንበላሕቲ ኮጉድም፡ ንተባዓት ጀጋኑ ካአ እዝኖም ከምዘዉድቑ ይገብር። ህዝቢ ተራኪቡ ከይሰምር ብዙሓት  በታተንቲ   መጋበርያታቱ ኣብ መንጎና ተጸፊዮም ኣሎዉ ።ንወዲ ባካሮ እዉን ወገናዊ ፣ ጃሃዳዊ ኢሎም ከጠምቅዎ ስለ ዘይካኣሉ፡ ጽገናዊ ክብሉ ይስምዑ። ንሱ ግን ምእንቲ ድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ሓንሳብ ወሲኑ ስለዝኾነ ዝዓጅቦ ኣይኮነን ።ንኹሉ  ኣሳራርሓ ዉልቀ መላኺ ጽቡቅ ገሩ ስለዝፈልጥ  ካኣ ብቀሊሉ ዝዳሃል ኣይመስለንን። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ኩልና ክንድግፎ ይግባእ ።መኽንያቱ ንዝደቀሰ ኣባራቢሩ ተስፋ ንዝቆረጸ ሞራል ሂቡ ፡ከም ህዝቢ ሓቢርና ብሓባር ክንመንዕን ፡ከነድምዕን ይጽዕር ስለ  ዘሎ።

 

ንሃገርና ክልተ ግዜ ማለት   1 ገድላዊ ዎፈራ   2 ብዕብዳን ዉልቀ መላኺ ዝተወልዐ ኩናት፡ ሃርና ተወሪራ ብማለት ብሓባር ዎፈራታት ኣካይድና ዝተዓወትና ህዝቢ ኢና።ሎሚ ሓንትን ናይ መጨረሻን ፡ናይ ሓባር ዎፍራ ኣካይድና ፡ቑዋማዊት ሃገር፡  ዓዲፍትሕን ርትዕን ንግበራ። ንጉዕዞ ወዲ ባካሮ ደገፈታይ ኣሰንየ ሓሳበይ ክድምድም እንሆ

 

ዎፈራ

ብሓባር ትዓምም ፡ ሓያልን ድኹምን

ድኻን ሃብታምን ፡ ጓሳን ምሁርን

ሃካይን ትጉህን ኣማእኪላ

ናይ ግብሪ እንበር ኣይኮነትን ናይ ቃላት ወለላ።

 

ዎፈራ

ኣድማዒ ዉጺኢታ ንኹሉ ኣዓዊታ

ብሓንሳብ ምውፋር ዓወት ኣሎዎ’ታ

ጉዳያት ይዕመሙ ብዋዛ ብጾዎታ

ጽቡቕ ባህልና ናይ ወለድና ያታ

 

 

ዎፈራ

ዓይቢ ምስንኢሽቶ ሰብኣይ ምስሰበይቲ

ኣዳራሽ ትሰርሕ ብሓንቲ ማዓልቲ

ጎደና ተጣጥሕ ብሓንቲ ማዓልቲ

ልምዓት ትጅርፍ ብሓንቲ ማዐልቲ

 

ዎፈራ

ደቂ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ሕላገትና’ድዩ

ቀይሕን ጸሊምን ዝፈልየና መን’ዩ

እቲ ኣብ ድኻምና ዝነብር ጸላኢና ኢዩ

 

ኣዉራጃና 8 ማኣድና መንነትና

ብጣልያን ዘይተደፈረ  እንዳቦና

ብኢንግሊዝ ዘይተደፈረ እንዳቦና

ብኢትዮጵያ ዘይተደፈረ እንዳቦና

ብሞራል ጸኒሕና ባህልና ዓቂብና

 

 

ሎሚ ግን

ደቅና ዝበልናዮም ኣትዮም ዉሻጠና

ብመሰረትና ጀሚሮም ክነቕሉና

የጽንትዎ ኣለዉ ትዉልድና

የብርስዎ አሎዉ እቲ ክቡር ባህልና

 

ኣንቱም ሰባት

እንስሳ እዃ እቶም መጉስዕ ዝመልሱ

ሕቖ ንሕቖ ዚዒሙ…..

ኣብ በረኻ ምድሪ እንድሕሪ መስዩ

ኣኽላባት’ዃ እቶም ነንሕድሕዶም ዝናኸሱ

ጸላኢ እንተመጺእዎም ብሓንሳብ ዝፈሱ

ካብዚኣቶም ድኣ ሓንጎልና ከመይ’ሉ ኒኢሱ

ብሓንሳብ ዘይነድምዕ ጸላኣትና ሃገርና እናፍረሱ

 

ዎፈራ ድኣ ደቂኤረ

ወላ እንተኸፍአ፡ ወላ እንተኸረረ

ወላ እንተመረረ ፡ወላ እንተ ዓርዓረ

ኣይንፈለ ኣይንፋላለ ጸላኢና ይፈለ

ሓድነትና’ያ ተዕጥቐና ስረ

 

እወ! ኣይንፋላለ አብሽግር መዋጥር

ኪኖዉ ሎሚ ናብ ጽባሕ ክነሰግር

 

ራህዋ ፣ሰላም፣ ፍቅሪ፣ ንህዝቢ ኤርትራ

ኢስጢፋኖስ መንግስትኣብ ካብ ከለን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Rezene kidane February 18, 2014

    A timely poem for those who are far sighted and concerned about their people. keep it brother!!!

  • ERITRAWIT February 18, 2014

    Nice poem Brother yes Wedi Vaccaro is our hero Bjeka Eritrawyan mtkekab kale hmam zeyblew.

POST A COMMENT