Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ገራህቱ ዝጸወዖ ኣኼባ ህግደፍ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 01 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናይ ምሸት ኣብ ከባቢ ሆሎዎይ ስሜን ሎንዶን ብውዲ ገራህቱ ዝተጸወዐ ኣኼባ ህግደፍ ካብ 40 ክሳብ 50 ዝኾኑ ኣባላት ህግደፍ ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ሓበሬታ የረጋግጽ። ዕላማ

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 01 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናይ ምሸት ኣብ ከባቢ ሆሎዎይ ስሜን ሎንዶን ብውዲ ገራህቱ ዝተጸወዐ ኣኼባ ህግደፍ ካብ 40 ክሳብ 50 ዝኾኑ ኣባላት ህግደፍ ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ዕላማ ጻዊዒት ኣኼባ ወዲ ገራህቱ ነዚ ኣብዚ ቅኒያት ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ህግደፍ ዝመርሑ ሓደስቲ ብሕሪያ የማነ ስሑልን መምህር ሃብተን ዝተባህሉ ክመርሕዎ ምዃኖም መምርሒ ንምሃብ ኢዩ ነይሩ። ከም መደቡ ክኣ ነዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ድሕሪ ምምዛዝ ኣኼበኛ በብወገኑ ጫቑጫቑ ክብል ጀሚሩ።

ቅድሚ ኹሉ ብነድሪ ክዛረብ ዝጀመረ ዶር በረኸት ዝተባህለ ቀንዲ ኣገለጋሊ ህግደፍ ዝነበረ’ሞ ብወዲ ገረህቱ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተሰጎ ኮይኑ “መን ኢኻ ንሳኻ ኪኒየው ዲፕሎማሲያዊ ስራሕካ ኣብዚ መጺእኻ መራሕትና ትመርጸልና” ኢሉ ኣይትሓዙኒ ብምባል ክሳብ ክሃርሞ ተወጢጡ ብዓልቲ ቤቱ ደፊኣ ደፋፊኣ እንተዘይተውጽኦ ጉድ ምኾነ ነይሩ ክብሉ እቶም ዝወዓሉ ጠቒሶም።

ካልእ ለምለም ዕንሹ ዝተባህለት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኩሉ ጠብሎቕሎቕ ትብል ዝነበረት ኣገልጋሊት ህግደፍ’ውን ግደ ሓቂ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ብመረት ንኣሰራርሓ ውዲ ገራህቱ ነቒፋ። ዑቕባይ መስፍን ዝተባህለ ወይጦ ደራፋይ’ውን ንሕና ካሳብ ሕጂ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት በደርፊ ኮነ ብኻልእ ኣገልጊልናኩም ይኹን’ምበር ወላ ሓደ ቁምነገር ኣይረኸብናልኩምን ክብል’ውን ኣፉ ከፊቱ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሚኪኤል ተኽላይ ዝተባህለ ብወዲ ምኒያ ዝፍለጥ’ውን ሓደ ከብቶም ኣነሃሃርቲ ምምባሩ ተፈሊጡ’ሎ ንሱ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ካብ ኤርትራ ንስራሕ ተመዲቦም ምስ ደቆም ይመጹ’ሞ ናይ ስራሕ ኣገግሎቶም ምስ ወድኡ ንደቆም ኣብዚ ኢዶም ኣውሂቦም ይምለሱ (ኣብነት ሓረጉ ተስፋማርያም ጓል ቀሺ) ኣብዝ ጠዓሞም ክኣ ስለ ዝሃድሙ ንስኻ‘ውን መን ይፈልጥ ብምባል ስለ ዝደፈሮ ምስ ምስኡ ይቕርብ ኢዩ ዝተባህለ ዓርኩ የሱፍ ብሌናይ ካብ ዝኾነ ንጥፈታት ህግደፍን እቲ ቤት ጽሕፈትን ተኣጊዶም ዝነበሩ ኢዮም።

እቲ ምኽኒያት ክኣ እዞም ብወዲ ገራህቱ ዝተሓረዩ ሰባት ኣብ ህግደፍ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ኮነ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዓዲ እንግሊዝ ቅቡላት ዘይምዃኖም ኢዩ። እዚ ማለት የማነ ስሑል ዝተባህለ ኪኒየው ጸቢብ ናይ ወገናውነትን ኣውራጃውነትን ኣተሓሳስብኡን ፈላላዪ ተግባሩን ቀደም ቅድሚ ናጽነት’ውን ምስ ስርዓት ደርግ ኣባል ኢሰፓ ኮይኑ ንኽንደይ ህዝቢ ዘበሳበሰ ባዓል ኢንታ ምዃኑ ኢዮም ዝጠቕሱ። እቲ ሓደ ናይ ወዲ ገራህቱ ሕጹይ ክኣ መምህር ሃብተ (ሰያብ) እዚ ሰብ እዚ’ውን ሓደ ምስሉይን ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ እና ክርእይ ዘውደኽድኽ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዘነበረ እዋን ወላ ሓደ ዝፍለጥ ኣበርክቶ ዘይነበሮ ብዓልቲ ቤቱ ትግራወይቲ ብምዃና ምስቶም ህግደፍ ‘ወያነ’ እናበለ ክጸርፎም ዝውዕል ተጋሩ’ውን ዝምድንኡ ዘይበተኸ እናተባህለ ዝሕመ ኢዩ።

እምባርከስ ኣብ መወዳእታ ወዲ ገራህቱ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለ ዘይነበሮ እቲ ዝጸውዖ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከምዝተበተነ ተፈሊጡሎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዉ ዝርክቦም ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንወዲ ገራህቱ ካብ ዝመንዉዎ ገለ እዋናት ሓሊፉ ‘ሎ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ኣብ ለንደን ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ኣብ ዘካየዱዎ ኣጋጣሚ ንኣብነት  ኣምባሳደር ናይቲ ስርዓት ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣይተረኽበን። መብዛሕትኦም ነባራት ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ‘ውን ቅጭ መጺኡዎም ስለዘይተረኽቡ ካብ 200-250 ዘይበዝሑ ኣኼበኛታት እዮም ተሳቲፎሞ። ከፋቲ ስኢኑ ሕልምልም ዝብል ጉዳይ ከምዘሕለፉ፣ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ወዲገራህቱ፣ ውራዩ ገዲፉ ናብ ዘይፈልጡዎ ዓዲ ብምጋሽ እንግዶት ከንቀላውጥ ምኻዱ ክሓምዩዎ ከምዘምሰዩ ‘ውን ይፍለጥ። እዚ ብጉዳይ ፈስቲፋል ኣብ መንጎ ወዲገራህቱን ደገፍቲ ህግደፍን ተኸሲቱ ዘሎ ምፍሕፋሕ ከኣ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ደምበ ህግደፍ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጉእ ሃዋህው እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዓመት መጸ ፌስቲቫል እናበለ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ ሃርገፍገፍ ዝብሎ’ውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ። እንተኾነ በቲ ኮነ በቲ ጸጋጊኖም እቲ ፈስቲቫል ከካይድዎ ስለዝኽእሉ ኣታ ግሩህ ኤርትራዊ ካብዚ መናውሒ ስቅያት ህዝብኻ ዝኾነ ዳንኬራ ምኻድ ክትቁጠብ ይግባእ ንብል። ደለይቲ ፍትሒ ክኣ ከም ኣመልኩም ስቅያት ህዝብኹም ኣብ ምቅላሕ ተራኹም ዕዙዝ ከምዝኸውን ኣይንስሕቶን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!
ግዱስ ዜጋ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Wedi Mekonnen July 15, 2013

    ‘ግዱስ ዜጋ’ and the like,

    By the way continue your blood cleansing from the the ‘backward’ and ‘poor’ ተጋሩ and they keep moving ahead of you!!!

POST A COMMENT