Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዳጀ ሰብኣውነት ኢሳያስ!

ወዳጀ ሰብኣውነት ኢሳያስ! “ሎሚ ኣብ ፎርቶ፡ ጽባሕ ኣብ ኮምብሽታቶ” ክሳብ ዝብሃል ደኣ ኣበይ ጸንሐ ኢሳይያስ መሂተኖ! ድሕሪ’ቲ ራዕዲ ዘእተወሉ፡ ብ21 ጥሪ ካብ ጥርዚ ፎርቶ ኣስመራ፡ ቢጫ ዘርኣዮ ተባዕ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ትማሊ 5 ለካቲት

ወዳጀ ሰብኣውነት ኢሳያስ!

“ሎሚ ኣብ ፎርቶ፡ ጽባሕ ኣብ ኮምብሽታቶ” ክሳብ ዝብሃል ደኣ ኣበይ ጸንሐ ኢሳይያስ መሂተኖ!

ድሕሪ’ቲ ራዕዲ ዘእተወሉ፡ ብ21 ጥሪ ካብ ጥርዚ ፎርቶ ኣስመራ፡ ቢጫ ዘርኣዮ ተባዕ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ትማሊ 5 ለካቲት 2013፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ያኢ ንግዳያት መሸጣ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪ ሙን ደብዳበ ጽሒፉ። ኣየ ኸ የ!

ዕዳጋ መሸጣን ጊላነትን ሞትን ኤርትራውያን ደኣ ‘ሞ ድሕሪ 21 ጥሪ ዲዩ ተጀሚሩ? ኣበይ ነይሩ ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ዘድሕኖም ወገንስ ይትረፍ፡ ዋላ ንቓልዓለም ቃል ልውሃት ዘስምዖም መንግስቲ ስኢኖም፡ ካብ ዓሻክሩ ናብ ራሻይዳ፡ ካብ ራሻይዳ ናብ በደዊን ብሰለስተ ኣርባዕተ ኢድ ሓሊፎም ኣብ ሲናይ፡ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፡ ሞት ዘሕሪ ውርደትንን ዓመጽን እናወረዶም፡ ሓጨውጭውታ ሰንሰለቶም ምስ ውጭጭታ ቃንዛኦም እናተወዳደረ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ኣንቢዑ፡ እዝኒ ዓለም ከይተረፈ ጽን ክብሎ ኸሎ፡ ኣበይ ነይሩ ኢሳይያስ?

መንእሰያት ኤርትራ፡ ሞት ከምዘይትተርፎም እናረኣዩዋ፡ ንህይወት ምቕባጽ ስለዘሸገሮም ኣብ ደረት ሕልፈት ኮይኖም፡ ኣብ ኣኻውሕ ሲናይ “እዚ ውን ክሓልፍ ‘ዩ” ዝብል ቃላት ወቒሮም፡ ምስ ምቑሕ ሰንሰለቶም ካብ ጋህስታት ሲናይ ኣስከሬኖም ተፋሒሩ ክወጽእ ከሎ፡ ኢሳይያስ፡ ‘ፓሳጆ’ “ንዙረት ኢዮም ከይዶም ዘለዉ፡ ክምለሱ እዮም” እናበለ ተጠሊዑ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ የላግጸሎም ዶ ኣይነበረን።

ቍንቍኛ ደብዳበ ኢሳይያስ እምበኣር ኣሽንባይ ዶ ንለባማት ንበሃማት ኳ ዘጋጊ ኣይኮነን።

ብመጀመርያ፡ ብዛዕባ ህይወት ኤርትራውያን ተገዳስነት ሃይልዩዎ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ፡ ነቲ ዝጸንሐ ዘይሕጋውነት ስልጣኑ ብዘየዳግም መልክዕ ኣብ ዓለም መሊሱ ስለዘጕልሖ፡ ብመንገዲ’ቲ ኣህጉራዊ ኣካል ‘ኣለኹ ኮ ኣይዓረብኩን’ ኢሉ ንትልኽታዊ ህላዊኡ፡ ንቡር ህላወ ንምምሳል፡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ትንፋስ ከምዘለዎ ንምርኣይ ዝሓንጠጦ እዩ።

እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ፡ ስቕትኡን ዕሽሽትኡን ኣብ ህልቂት ኤርትራውያን ዋላ ነቶም ብሃውሪ ዝድግፉዎ ዝነበሩ ሰብ ዕዉር ልቢ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነቱ መቋሕቋሕታ ክረኽቡ፡ “ኣንታ ኣራዊት ‘ባ ኢና ንስዕብ ዘለና” ኢሎም ክጠራጠሩ ጀሚሮም ስለዝጸንሑ፡ “ርኤኻ መንግስትና ከምዚ ገይሩ፡ ኢሳይያስ ደብዳበ ጽሒፉ” ኢሎም፡ ኣብቲ ናይ ቀደሞም ደንበ ድንጉራት ተዘሪዖም ክጸንሑ ዝኣለሞ ሜላ እዩ።

ከምቶም ኣምላኽ ዝጽውዓሎም ዕለት እናተቓረበ ምኻዱ ተገንዚቦም፡ ናብ ቤት ኣምላኽ መእተዊ ገዛ እንተዋህለሉ ኣብ ሽምግልናኦም ቤተክርስትያን ምኻድ ዝጅምሩ ሰባት፡ ኢሳይያስ ኣብ እዋን ዕርበቱ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዝካሩ ‘ውን ኣይምተጸልአን። እንተኾነ፡ ነቲ መጻሕፍቲ ዘይኣኽሎ ግዳይነት ኤርትራውያን፡ ኣብተን ሰለስተ ሓጸርቲ ሕጡበ ጽሑፋቱ፡ ምስ ዘይምሕንጻጽ ዶብን ዓለማዊ ውዲትን ኣተኣሳሲሩ፡ ነቲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዘጋውሖ ናይ ክሕደትን ምስምስን ክስታት ደጊሙ ስለዝበለሎ፡ ኣብቲ ናይ ቀደም፡ ናይ ዕቃበ ስልጣንን ህልኽን ክርከር ከምዘሎ፡ ሰብኣዊ ሓልዮት ኤርትራውያን ከምዘየበገሶን ከምዘየገደሶን ዳግም ዘረጋግጽ እዩ።

ግደ ሓቂ ክርአ ኸሎ፡ እዚ ኹሉ ዘስካሕክሕ ጭውያን መሸጣን ኤርትራውያን ኣብቲ ዘይተሓንጸጸ ኣካራኻሪ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይኮነ፡ በቲ መሓዛይ ዝብሎ መንግስቲ ሱዳንን ንሱን ዝቆጻጸሩዎ ወሰናስን ኤርትራ እዩ ብቐጻሊ ዘጋጥም ዘሎ። ኢሳይያስ፡ ንራሻይዳ ናይ ጭውያን ዝምታን ነጻ ዞባ ሓዚኡሎም ከምዘሎ ‘ሞ ንመን ይጠፍኦ። ንዕንደራኡ ክብል ዶብ ሲዳን ሰጊሩ ዶ መዓስከራት ሱዳን የጥቅዕ ኣይነበረን። ብዜጋታቱ እንተዝግደስ፡ ንሱ ተሪፉ፡ ንመንግስታት ሱዳንን ግብጽን ደብዳበ ካብ ምስዳድ ከ ኢዱ እንታይ ኣሰሮ።

ጸጥታዊ ውሕስነት ናይቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስቶም ኣብ ሱዳን፡ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ዘለዉ ኤርትራውያን ክወዳደር ከሎ ‘ውን ናይ ሰማይን መሬትን እዩ። በቲ ብቐጻሊ እነቃልሖ መደባት ህዝቢ ኤርትራ ይከታተሎ ከምዘሎ፡ ኣብ ሸገራብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መንግስቲ ሱዳን ውሕስነት ዘለዎ ዑቕባ ስለዘይሃቦም፡ ትንፋሶም ኣብ ኢዶም ጨቢጦም፡ ምስ ራሻይዳ እናተሓላለዉ፡ ናይ ሽላን ጨቓዊትን ህይወት እዮም ዘሕልፉ ዘለዉ።

ኢሳይያስ ብሓቂ ሓልዮት ኤርትራውያን ዝስቆሮ ፍጡር እንተዝነብር ከኣ፡ ቅድሚ ናብ ባን ኪ ሙን ደብዳበ ምጽሓፉ ነቲ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ኤርትራ ዝበጽሖ “ዓርከይ” ዝብሎ ፕረዚደንት በሺር ናይ ሱዳን፡ ሓላፍነቱ መዘኻኸሮ። ኢሳይያስ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ብ21 ጥሪ ዘጋጠሞ ፈተነ ስልጣኑ እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሸገራብ ወግሐ ጸብሐ ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ህይወት ፈተነ ፈጺሙ ኣየልዓለሉን። እንተኾነስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓፍነት ዘይዘፈልጥ ሰብ፡ ንኻልኦት ሓላፍነቶም ከዘኻኽር ሞራላዊ ልዕልና ስለዘይብሉስ ኣጉል ትጽቢቱ ይትረፈና።

ኢሳይያስ፡ ሃንዳሲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኤርትራ ባዕሉ፡ መሳወርቱ፡ ዓሻክሩን መሻርኽቱ ገይሩዎም ዘሎ ራሻይዳን ወተሃደራት ሱዳንን ክንሶም ከይሓነኸ ዓለማዊ ውዲት ኣምሲሉ ከቕርቦ ምፍታኑ ‘ውን ስለዝለመዶ ዘገርም ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ናይ ኣመሪካ ቅድሚ ሓያለ እዋናት ናይዚ ዘይጥቁው ደብዳበ ኢሳይያስ፡ ካብ ብዙሓት እዋናዊ ጉዳያት ዓለም ኣቐዲሙ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ኣጋጣሚ ምልዓሉ፡ ኣንደበት ኢሳይያስ ስቕታን ዕሽሽታን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ብቐጥታን ተዘዋዋርን ኢሳይያስ ገበነኛ ምዃኑ ‘ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ኣቃሊዑዎ እዩ።

እቲ ዝገርም፡ ኢሳይያስ፡ መርመራ ክግበር ጻውዒት ምቕራቡ እዩ። ንውጽኢት ናይቲ መርመራ ከምዘየርክበሉ፡ ዕድሚኡ ኣኺሉ ምህላዉ ካብ ዝተገንዘበ ተስፋ ዝቖረጸ ኣካል ምዃኑ ተገንዚብካ ሸለል እንተዘይተባሂሉ መቸም፡ ግዳይ እምበር ገበነኛ መርመራ ክጽውዕ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምትላል፡ ምጽማም፡ ዕሽሽታ፡ ተመንዩዎ ተንሲኡ እዩ። ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሓዞን ዝጨበጦን መርመራ ስለዘለዎ ኸኣ፡ ዝጽበዮ ሓዱሽ ሓቅታት የለን። ጠንቂ ህልቂትን ውርደትን ኤርትራውያን ኢሳይያስ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ በጺሑስ፡ “ይኣክል” ክብል ጀሚሩ ‘ሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ነታ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ፎርቶ ዘርኣዩዎ ቢጫ ወረቐት ዝቐደዳ መሲሉዎ ብውዲትን ተንኮልን ክጻናሕ ከንቱ ፈተነ የካይድ ኳ እንተሎ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽባሕ ኣብ ኮምብሽታቶ ናይ ስንብታ ቀያሕ ወረቐት ክመዘሉ ተዳልዩ ‘ሎ። ኢሳይያስ፡ ህዝቢ መርገም ተወዲኡዎ ጡፍ ኢሉዎ ክንሱ፡ ነቲ ኣብ ትኽ ትንፋስ ዓርኩ ኮለኔል ሙዓመር ኣል ቐዛፊ ዝረኣዮ ውርድትን ሕስረትን ኣብ ነብሱ ክድገም ክርእዮ ምጽባዩ ታሪኻዊ ዕሽነት ‘ዩ። ንውዱእ ነገር ምእማን ስኢኑ ኣብ ስቡር ወንበር ክጻናሕ ምህቃኑ፡ ዕዳ ካብ ምህውላል ሓሊፉ ፋይዳ ከምዘይረኽበሉ ግን ኣጸቢቑ ክግንዘብ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

ኣማኑኤል ኢያሱ

6 ለካቲት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • ወዲ ሞኬ February 8, 2013

    ሑቡራት ሃገራት ናይ መላኺ ጻውዒት ተቀቢሉ ናይ ብሐቂ ምርመራ ተዝግበር ኔሩ ኩለን ናይ ምርመራ ውጽኢት ናይ ስርዓት ኢሰያስ መመልከታ ኔረን፡፡ ሽዑ መላኪ ኢሰያስ የዕርዩ ምሓፈረን ምተዋረደን ኔሩ፡ ውርደተኛ ተዋሪዱ ህዝብን ሃገርን የዋርድ ኣሎ፡፡

  • Lone Selam February 9, 2013

    Uuwaala seitan -wushte-wushti Selam zizerig nutsuhat zetsnut dem Seb settyu zeytsegib diyabilis must go now

  • Taddesse T Gebremussie February 12, 2013

    ኤርትራ ዘምሪ ምስጋና ኣቕርቢ ናብ ኣምላኽኪ ከም ኣማኒኤል ኢሳሱን ማህደረን ጀጋኑ ጋዜጠኛታትን ናይ ጥሪ21ን ኣሽሓት ተቓለስቲ ድወለድኪ። ንከዳዕ ኢሳያስን ኮራኹሩን ኣሉ ቀጣን ኣቢሎም ደም ደጉስዕዎ ን ኢሳያስ ሸጣን ደለፋልፉ ድወለድኪ።ስዉኣት ስንኩላትና ፖለቲካገ እሰራት ደጊም ቅሰኑ ኢሳያስ ተፋሒሳ እያ ገመዱ እንሃ መግነዙ 2013 ደጊም ትንፋስ የብሉን ዲያብሎስን ቓዛፍን ኣብ ገሃንብሳት ሓዊ ምንጻፍ ኣንጺፎም ብህርፋን ይዝበይዎ ኣለዉ ሕሳቡ ክኸፍል።
    ስመር ኤርትራዊ ንሐርተትካ ልዕልና ፍትሕን ሕግን ጽም ኣትካ ክትረዊ።ኣቦታት ኣዴታት ክቐስና ደቆም ኣመርዕዮም ደቅገቅም ብሰላም ክዕንድሩ ኣብ ኤርትራ።
    ሞት ክናና ን ኢሳያስ።ሰላምን ቅሳነትን ንሓፋሽ ኤር
    እግዚኣብሄር ቅጽዓትኩም ተወዲኡ ኢሉ ኣስተውዓሊ ኣእምሮ ይሃበና።

POST A COMMENT